“ንጽባሒቱ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ’ሞ፡ 'እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ' በለ።”
መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ካብ 3 ክሳብ 6 ሓምለ (August 3-6) 2023 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ ከተማ ባፍሎ ክፍለግዝኣት ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ። ናይዚ ዓመት'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ መበል 25 ዓመት ጉባኤና (silver jubilee) ከነኽብር ኣምላኽ ዕድመ ስለዝሃበና ብፍሉይ እነኽብሮ ጉባኤ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከተማ ባፍሎ፡ ሓደ ካብቶም ሰሓብቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ (Niagara Falls) ዘለዋ ከተማ'ውን እያ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ….” But as for me, it is good to be near God.(መዝ/Psalm 73:28)
ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ - Conference Venue:- St Mary Eritrean Orthodox Church
124 Macamley St, Buffalo, NY 14220, Map
ሰላም ኣምላኽ ምሳኻትኩም ክኸውን እናተመነና፡ ብረዲኤት እግዚኣብሄር ምዝገባ 3ይ ሰመስተር ናይ 2022/23 ንምጅማር ተዳሊና ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እትገብርዎ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ምእንቲ ክበጽሕ፡ ኣብ መስመራት መራኸቢ ቤተ ክርስትያንና ክትዝርግሕዎ፡ መላግቦ ናይቲ መመዝገቢ ቅጥዒ ንሰደልኩም ኣለና።
ነባራት ተመሃሮ፥ Link
ሓደሽቲ ተመሃሮ፥ Link
ምምሕዳር ኮለጅ ስነመለኮት ተዋህዶ
ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ወይ ከም ክርስቲያን መጠን፣ መስቀልን ታሪኽ መስቀልን ንዓና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ካብ ዘመነ-ብሉይ ኣትሒዞም፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ሠረት ዝገበረ ኣምልኮ ሒዞም`ዮም እናተጎዓዙ መጺኦም። ስለዚ`ውን መስቀልን ታሪኽ-መስቀልን ንዓና ከም ሕዝቢ፣ ጋሻ ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።
እዚ ጉባኤ`ዚ ሕጂ ዝተጀመረ ሓዲሽ ጉባኤ ኣይኮነን። የግዳስ መቐጸልታ ናይ`ቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤታት`ዩ። ከም-ዝፍለጥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ወኪሉ ክርከብ ዝነበሮ ሓላፍነት፣ ዘይምጥን ኮይኑ ብምርካቡ ምኽንያት፣ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ንሓደጋ ተጋሊጹ ምስ-ተረኽበ፣ ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ንምዕቃብ ተባሂሉ`ዩ፣ እዚ ጉባኤ`ዚ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ህልውናኡ ንከረጋግጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ።
12th Annual West Coast Youth Conference of the Eritrean Orthodox Church took place in Portland, Oregon on July 1 -4, 2022 during the 4th of July weekend. Around 280 Youths participated at the conference and glory to God it was a success.
May God bless the youths of the church
and pray for our church.
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ጽላል ሕዝቢ ተዋሕዶን ዘውዲ ሃገረ ኤርትራን፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ገድሎም ወዲኦም ሓሊፎም
“ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር”።
“ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።” መዝ.116፣15።
ብእምነት ክርስትና ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወት፥ ብሰማያዊ ሓድሽ ሕይወት ስለዝትካእ ሞት ዘይኮነስ ምግዓዝ እዩ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓም ፈረንጂ(፪ የካቲት ፳፩፬ ዓም ግእዝ) እዮም ዓሪፎም። ብዕለት 10 የካቲት 2022 ዓም ፈረንጂ (፫ የካቲት ፳፩፬ ዓ ም ግእዝ) ከኣ ኣብታ ካብ ወዲ 5 ዓመት ጀሚራ፥ ሕድሪ ኣብኦምን ኣዲኦምን ተቐቢላ፥ ብመንፈስን ብስጋን ዘዕበየቶም ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ብዝፈትውዎም ገዳማውያን መነኮሳት፥ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝቢ ናይቲ ከባብን ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ መዓርግ ኣብቲ መዓልቲ ንግደት ክብረ በዓል ኣቡነ እንድርያስ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። መራሕቲ ናይቲ ዓማጺ ስርዓት ሃገርናን ጳጳሳትን ግን ኣይተቐልቐሉን። እኳ ድኣ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝፈጸምዎ ገበን ዝሽፈን መሲልዎም፤ ከም ዜና ከቕርብዎስ ይትረፍ፥ ካብታ ሃገር ሓበሬታ ከይወጽእ ዝከኣሎም ጌሮም፥ ግን ኣይኮነሎምን።
መልእኽቲ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ቀኖናዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ: 7 ጥሪ 2019
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ