S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ፡ ናዝሬታዊ!

እዚ ሰንበት እዚ ናዝሬት ሕፅነት ተባሂሉ ይስመ። ጐይታና ካብ ስደት ግብጺ፡ ናብታ ከም ቆልዓ ዀይኑ ዝዓበየላ ናዝሬት ዝተመለሰሉ ፍጻሜ እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ ካብቲ ናብ ስደት ዘምርሖ ኵነታት ኣትሒዝና ክንርእይ ኢና።

ጐይታ ኣብ ቤተ ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ ኰኾብ ተመልኪቶም ካብ ምብራቕ ዝተበገሱ ነገስታት ክሰግድሉ መጹ። እንተዀነ ትኽ ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝመጹ ናብ ኢየሩሳሌም ተኣልዮም ብዛዕባ እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ስለ ዝሓተቱ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ንጉስ ሄሮዶስ በጺሐ። ንጸሓፍትን መማህራን ሓቲቱ መሲሕ ዝውለደሉ ቦታ ፈሊጡ ናብ ቤተ ልሄም ኣፋነዎም። እዚ ዜና ግና ኣብ ውሽጢ ዓብዪ ናይ ስግኣትን ፍርህን ስምዒት ፈጠረሉ። ብተንኰል ድማ ኣብ ምምላሶም ብእኡ ኣቢሎም ክሓልፉ እሞ፡ ንሱውን ከማታቶም ክሰግደሉ፡ ሃለዋት እቲ ህጻን ክሕብርዎ ተላበዎም። ክኸዱ ናብ ቤተ ልሄም መገዶም ምስ ኣቕንዑ፡ እቲ ዘበገሶም ኮኮብ ኣብ መገዲ ተጓነፎም እሞ ብዙሕ ሓጐስ ተሓጐሱ። እዚ ዘርእየና እቲ ኮኮብ ኣንፈቱ ከይሰሓተ መገዱ ይቅጽል ምንባሩ እዩ። ክሳብ እቲ ህጻን ተቐሚጥዋ ዝነበረ ቤት መጺኡ ደው ክሳብ ዝብል ድማ መረሖም። ኣስዒቦም ሰለስተ ዓበይቲ ገጸ በረኸታት እዮም ወፍዮምሉ። እዘን ህያባት እዚኣተን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ዜመልክትኦ ነገር ከም ዘለወን ይሕብሩ። ወርቂ ንንግስነቱ፡ ዕጣን ንክህነቱ፡ ከርበ ንመከራኡ ከም ዝሕብሩና ይገልጹ።

ወርቂ ፡ ነገስታት ኵሎም ዝቕመጡሉ ዝፋን፡ ዝነብሩሉ ኣባይቲ ኰነ ዝለብስዎ ናይ ክብሪ ልብሲ ብወርቂ ዘጌጸ እዩ። ክርስቶስ ድማ ንጉስ ጥራይ ዘይኰነስ ንጉስ ናይ ነገስታት እዩ (መዝ 2፡6፣ ኢሳ 9፡7፣ ኢሳ 32፡1፣ ኤር 23፡5፣ ዳን 7፡14፣ ዘካ 9፡9፣ ማቴ 2፡2፣ ማቴ 21፡5፣ ማቴ 25፡35፣ ሉቃ 1፡33፣ ዮሃ 1፡49፣ 1ቈረ 15፡25፣ 1ጢሞ 6፡15፣ ራእ 1፡5፣ ራእ 17፡14፣ ራእ 19፡16)። ከም ንጉስ መጠን ከኣ እቲ ዝነብረሉ ቤት መቕደስ (ዘጸ 25፡11-39፣ 1ነገ 6፡20-35)፡ እቲ ዝለብሶ ልብሲ (ራእ 1፡13)፡ እታ ዝነብረላ ከተማ (ራእ 21፡18)፡ እቲ ክቡር ደሙን (1ጴጥ 1፡18-19፣ 1ቈረ 6፡20) እቲ ክቡር ቃሉን (መዝ 119፡72,127፣ መዝ 19፡10) ብወርቅን ካብ ወርቂ ብዝበልጽን ዝምሰል ምዃኑ ንርኢ።

ዕጣን፡ ዕጣን ምዕጣን ካብቲ ካህናት ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓደን መዓልታውን ኣገልግሎት ነበረ (ዘጸ 30፡1,7፣ ሉቃ 1፡9)። ክርስቶስ ድማ እቲ ፍጹም ካህን ከም ዝዀነ ቃል እግዚኣብሄር ይነግረና (መዝ 110፡4፣ እብ 5፡5)። ካህን፡ ክልተ ዓበይቲ ኣገልግሎት ይፍጽም። ቀዳማይ መስዋእቲ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኴንካ ምቕራብ እዩ። ክርስቶስ ድማ ከም መልከጸዴቅ ካህን ኰይኑ፡ ንኹሉ ሓጢኣት ዓለም ዝኣክል መስዋእቲ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ናይ ኣሮን ክህነት ኣትሪፍዎ እዩ (እብ 7፡11-28)። እዚ ናይ ክህነት ስራሕ እዚ ዝፈጸሞ ኣብ ምድራዊ ዘይኰነስ ኣብ ሰማያዊ መቕደስ፡ ብደም እንስሳታት ዘይኰነስ ብገዛእ ደሙ እዩ (እብ 9፡11-12)። እዚ ብምግባሩ ከኣ ምእንቲ ሓጢኣት ዚግበር ዝነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት ፈጸመ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ገንሸል ኣምላኽ ተባህለ (ዮሃ 1፡29)። እቲ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ብሊቀ ካህናት ዝፍጸም ኣገልግሎት ፈጺምዎ እዩ (ዘሌ 16፡1-34፣ እብ 9፡1-28፣ እብ 10፡12-21)። እቲ ካልኣይ ኣገልግሎት ካህን ከኣ፡ ምእንቲ ህዝቡ ምጽላይ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ህዝቡ ይቐውም። ክርስቶስውን ኣብ ምድሪ ኰይኑ ምእንቲ ሰዓብቱ ጸልዩ (ሉቃ 22፡23፣ ዮሃ 17፡6-26)። ሕጂውን ምእንቲ ሰዓብቱ ኣብ የማን ኣምላኽ ቘይሙ ኣሎ (ሮሜ 8፡34፣ እብ 7፡23-25፣ 1ዮሃ 2፡1-2)። ብተወሳኺ ድማ ዕጣን ናይ ቅዱሳን ጸሎትን ምስጋናን ምሳሌ እዩ (ራእ 5፡8፣ ራእ 8፡3-4)።

ከርበ፡ ከርበ ኣዝዩ መሪር ዝዀነ ንመድሃኒትነት ዝጥቀሙሉ ናይ ተኽሊ ውጽኢት እዩ። ናይ ቀደም ኣንስቲ ከም ምኡዝ ሽታ ይጥቀማሉ ነበራ (መዝ 45፡8፣ ምሳ 7፡17፣ መሃ 3፡6፣ መሃ 5፡5,13)። ንሳተን ብከርበ ይሕጸባን ይጸርያን ነበራ (ኣስ 2፡12፣ መሃ 3፡6)። ሰባት ብከርበ ይጸርዩ ከም ዝነበሩ፡ ክርስቶስ ድማ ብመከራ ሞቱ ንምእመናን ካብ ሓጢኣቶምን ሕማሞምን ኣጽርይዎም እዩ (ኢሳ 53፡4-5)። ክርስቶስ “ጸሚአ” ምስ በለ፡ ኣብ ወይኒ ከርበ ኣእትዮም ሃብዎ (ማር 15፡23፣ ዮሃ 19፡29-30)። ከምኡውን ክርስቶስ ምስ ዓረፈ፡ ስጋኡ ብከርበ ከም ዝቐብእዎ ይፍለጥ (ዮሃ 19፡39-40)። ስለዚ ከርበ ናይ መከራኡ ምልክት ከም ምዃኑ መጠን ኣብ መስቀል ከሎ ንጽምኣቱ፡ ክቕበር ከሎ ከኣ ንሞቱ ከርበ ተወፈዮ።

እግዚኣብሄር ብሕልሚ ነቶም ሰብ ጥበብ ናብ ሄሮድስ ከም ዘይምለሱ ገበሮም። እግዚኣብሄር ብዙሕ ጊዜ ንምእመናን ብሕልሚ ይገልጸሎምን ይሕብሮምን እዩ (ዘሁ 12፡6፣ ዘፍ 30፡3፣ ዘፍ 28፡12፣ ዘፍ 37፡5-11፣ ማቴ 1፡20፣ ግብ 2፡17)። ንጸላእቱውን ንፍርዶም ዝኸውን ኣርእዩ የጨንቖም እዩ። ነቲ ትርጉም ናይቲ ሕልሚ ዝትርጉምዎ ግና እቶም ናይ ኣምላኽ ዝዀኑ ጥራይ እዮም (ዘፍ 40፡5-23፣ ዘፍ 41፡14-36፣ ዳን 2፡25-45፣ ዳን 4፡4-27)። ግን ኵሉ ሕልሚ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ወይ ብምብዛሕ ጉዳይ፡ ወይውን ካብ ርኹስ መንፈስ ኪኸውን ይኽእል እዩ (መክ 5፡2-3፣ ዘዳ 13፡1-4፣ ኤር 23፡25-27)።

እግዚኣብሄር ሄሮድስ ብልቡ ዝሓስቦ ሓሳባት ስለ ዝፈለጠ፡ ብመልኣኹ ጌሩ፡ እቲ ሓሳብ ሄሮድስ ንዮሴፍ ብሕልሚ ለይቲ ገለጸሉ። ከምቲ ኣብ ናይ ሉቃ 1፡5-20 ዝረኣናዮ፡ መላእኽቲ ብዘይካ ንዮሴፍ ንኻልኦት ብዙሓት ሰባት ይግለጹ ነይሮም። “ግን እዚ ሕጻን እዚ ‘መድሓኒ’ ተባሂሉ እናተሰምየ ክነሱ፡ ንምንታይ ክንድዚ ኪሰግእን ክሃድምን ኣድለዮ፧” ኢልካ ምሕታት ባህርያዊ እዩ። ክርስቶስ እቲ ኣምላኽነቱ ጥራይ ዘይኰነስ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ምዝካር፡ ነዚ ሕቶ ኣብ ምምላስ ይረድኣና እዩ። እቲ ናይ ምህዳም ቦታን ጊዜን ተወሲኑሉ ነበረ። እቲ ቦታ ግብጺ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ጊዜ ድማ ብዮሴፍ ዘይኰነስ ብእግዚኣብሄር ዝውሰን ነበረ። ንሱ ከኣ ሄሮድስ ምስ ዝመውት ነበረ። መኣስ ከም ዝመውት ግን እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ዝፈልጥ። ዮሴፍ ድማ ከምቲ ዝተባህለሉ ገበረ (ራእ 12፡1-6)።

ክርስቶስ ካብታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ብዛዕብኡ ንዝተነግሩ ትንቢታት ክፍጽሞም ጀመረ። እዚ ዝተጠቕሰ ትንቢት ብፍላይ፡ ኣብ ሆሴ 11፡1 ንረኽቦ። እቲ ትንቢት ብሕሉፍ ክንርእዮ ከለና ንናይ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምምላስ ዝምልከት እኳ እንተ ዀነ፡ ብናይ መጻኢ ግን ንናይ ክርስቶስ ካብ ናይ ግብጺ ስደቱ ምምላስ እዩ ዜመልክት። ማለት ከምቲ እታ ዕሸል መንግስቲ እስራኤል ብትእዛዝ ኣምላኽ (ዘፍ 15፡13) ናብ ግብጺ ዝወረደት፡ ከምኡ ድማ እዚ ሕጻን ክርስቶስ፡ ብትእዛዝ ኣቦኡ ናብ ግብጺ ወረደ። ከምኡውን ብኣንጻሩ እስራኤላውያን ብመሪሕነት ኣቦኡ ናብ ናዝሬት ተመልሰ።

ሄሮድስ ብምኽንያት ክርስቶስ፡ ንኹሎም ሕጻናት ቤትልሄምን ኣብ ዅሉ ጐደቦታት ንዝነበሩን ኽቐትሎም ጀመረ። ምናልባት ቊጽሪ እቶም ዝተቐትሉ እኳ እንተ ዘይተነግረ፡ ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ኣንባቢ፡ ቊጽሪ እቶም ዝሞቱ ቈልዑት ብኣሽሓት ከም ዝግመቶ ርዱእ እዩ። ኣብ ቤትልሄም እትኣክል ንእሽቶ ከተማ (ሚክ 5፡2)፡ ትሕቲ 2 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣሽሓት ኪዀኑ ከም ዘይክእሉ ፍሉጥ እዩ። ግን እቲ ዝመውት ሓደ እንተ ዝኸውንውን፡ እቲ ተግባር ባርባራዊ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ (ገሊኦም 14,000 ዝግምትዎ ኣለዉ)። “ራሄል ስለ ደቃ በኸየት” ዝብል ኣቐዲሙ

ብነብያት ተነጊሩ ነበረ (ኤር 31፡15)። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ኣብ ቤትልሄም ስለ ዝተቐብረት ነበረ። እቲ ነብዪ፡ እቲ ኣብኡ ዝዀነ ሓዘን ከም ናይ ራሄል ሓዘን ጌሩ ገሊጽዎ (ዘፍ 35፡16-20)።

እቲ ነፍሲ ጐይታ ዝደሊ ዝነበረ ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ ንዮሴፍ ብሕልሚ ናብ ዓዱ ክምለስ ተነግሮ። ድሕሪ ክንደይ ዓመት ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይሓበረ እኳ፡ ታሪኽ ግን ኣብ 04 ዓ.ም ከም ዝዓረፈ ይነግር። ስለዚ ጐይታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ብውሑዱ ነርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ተሰዲዱ ነበረ። “ንምንታይ እቲ ንጉስ ቅድሚ ምሟቱ ዘይተመልሰ” ኢልና ክንሓትት ይግባእ። ዋላ እኳ ሄሮድስ ንጐይታ ኪረክብ ኢሉ ነቶም ሕጻናት ወዲእዎም ክነሱ ከም ዘይረኸቦ ተረዲኡ ይኸውን። ስለዚ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ዝደልዮ ዝነበረ ይመስል። ዮሴፍ ከምቲ ዝተኣዘዞ ናብ እስራኤል ከደ። ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ወዲ ሄሮድስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ፈርሀ። ምኽንያቱ ኣርኬላዎስ ናይ ኣቦኡ ሄሮድስ ሕድሪ፡ ናይቲ ንጐይታ ናይ ምጥፋእ ተልእኾ ተዋሂብዎ ኪኸውን ስለ ዝኽእል። ናብ ቤትልሄም ምምላስ ፈርሀ። ግን እቲ ብሕልሚ ለይቲ ዝመርሖ ዝነበረ ኣምላኽ ከኣ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም፡ ናብ ምድሪ ገሊላ መርሖ። ኣብ ናዝሬት ከኣ ተቐመጠ። እቲ “ናዝሬታዊ ክበሃል እዩ” ዝብል ትንቢት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣይተረኽበን። ናዝሬት እትበሃል ከተማ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጠቒሳ ኣይትፈልጥን። እዛ ከተማ እዚኣ ካብ ባሕሪ ገሊላ 25 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ እያ። ጥቓ ዶብ ናይታ ሃገር እያ እትርከብ። ናዝሬት ብዘመን ክርስቶስ ኣዝያ እትነዓቕ ከተማ ነበረት። እቲ ገርሂ እስራኤላዊ ናትናኤል እኳ ኣብ ናዝሬት ሰናይ ክርከብ ከም ዘይከኣል ይሓስብ ነበረ (ዮሃ 1፡45-46)። ክርስቶስ ኣብኣ ዓብዩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብኣውን እዩ ተጸኒሱ (ሉቃ 1፡26-27 ሉቃ 2፡39-40,45)። ሓደ እዋን ክሰብኽ ናብ ናዝሬት ምስ መጸ ምቕባል ኣብዮምዎ ነበሩ (ሉቃ 4፡16-30)።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት 14 ጥሪ 2018            (6 ጥሪ 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 89፡27-28

ወኣነሂ በኵርየ እሬስዮ ወልዑል እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም ኣዓቅብ ሎቱ ሣህልየ።

ኣነውን በዅሪ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፣ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ። ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 15፡1-14

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 2፡19-ፍጻሜ

1ዮሃ 4፡14--ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ (ንእኵተከ)

ግሃ 13፡32-44

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div