“ስለ’ዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ንምጽኣቱ) እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።” 2ጴጥ 3፡14
ኣብ ከተማ ሃሪሰንበር (Harrisonburg) ክፍለ ግዝኣት ቪርጅንያ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ተሃኒጻ። ኣገልግሎት'ውን ድሮ ጀሚራ ኣላ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቦይ ቀሺ ባህታ ኣሚነ ከምዝገለጽዎ፥ "ድሕሪ ብዙሕ ፈተናን ድኻምን፥ ኣምላኽ ረዲኡና፥ ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን ክንምስርት ጸጋ ዘብዝሓልና እግዚኣብሔር ነመስግኖ" ክብሉ ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዓቢ ነገር ይገልጹ።
ዝኽትምና ቀዳምነት ኣብ ሕጻናት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘስዕቦ ሥነ-ኣእምሮኣዊ ይኹን ማኅበራዊ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን። ብሞት ወለዲ ንዝመጽእ ዝኽትምና ከኣ ግደፍዶ ክትምነዮስ ወሪዱካ ክትጾሮውን ከቢድ መስገደል ምዃኑ እቲ ዘይበጽሖ ሰብውን ዘይርድኦ ኣይኮነን። ከምቲ ሥጋውያን ወለዲ ዘለዉና፥ መንፈሳውያን ወለዲ ከም ዘለዉና ድማ ኩልና ክንስሕቶ ኣይግባእን። ዝኽትማና እምበኣር ሰብ ብዝሰርሖ ይኹን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ዝኽእል መሪር ዕዳ ምስኣን ወለድን ኩሉ ሓልዮቶምን መሪሕነቶምን ማለት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ዝኽትምና ብምስኣን ሥጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ወለድና ከጋጥም ከም ዝኽእል ክንርዳእ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እቲ ንቡር ብዘይ ንቡር ኣብ ዝተተክኣሉ፥ ጥልመትን ጭካነን ኣብ ዝበዝሖ መወዳእታ ዘመን 8ይ ሺሕ ንነብር ብምህላውና ድማ እንሆ ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውን ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝኣክል ክትኣምኖ ብዘጸግም ኵነታት መንፈሳዊ ዝኽትምና ወሪዱናስ ብከቢድ ሓዘንን ጓህን እናነባዕና ንነብር ኣሎና።
በዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ምኽንያት: መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ (2020) ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከምዘይካየድ ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜርካ ንምእመናን ብኣኽብሮት ይሕብር። ኣብ ክንድኡ ግና: ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ጉባኤ-ብርሕቀት (Virtual Conference) ክህሉ'ዩ። ምእመናን ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። ጉባኤ-ብርሕቀት፥ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ ((July 30 - August 2) 2020 ዓ. ም ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ እዩ።
እግዚኣብሔር ነዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ይቐንጥጠልና። ኣሜን።
5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.ፈ)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።
Here is the Hotel information. The hotel Fee is $85.00 a night, each room has two beds. The rate will start Wednesday July 20, 2011.
“እቲ መርዓት ዘላቶ (ክርስቶስ)፡ ንሱ መርዓዊ’ዩ። እቲ ንእኡ ደው ኢሉ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ (ዮሃንስ መጥምቕ) ግና፡ ብድምጺ ናይ’ቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።” ዮሃ 3፡29,30
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን
ናይ ኤርትራ ኣብያተክርስቲያናት ተዋሕዶ:ሰንበት ዕለት 21 ሰነ 2020 ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ክፍለ ትምህርቲ፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክዛዘም እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 1 መስከረም 2020 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org/ ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ