Home |Diocese |News & Events |Spiritual Food |The Church |Youths Corner |Contact Us  

  Sundays Reading & Sermons  
ሰሙናዊ ዓምዲ ስብከትን ናይ ሰንበት ምንባባት ወንጌልን
 


ክርስትያናዊ ጾም
1ይ ሰንበት ጾም ፍልሰታ [Sermon for 1st Sunday of the fasting of St. Mary]

ነሓሰ/August 8, 2008 ጾም ማለት ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ምሓላው (ምቑጣብ) ማለት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣ ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



ጉዕዞ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ማያት
6ይ ሰንበት ክረምት [Sermon for 6th Sunday of Summer]

ነሓሰ/August 2, 2008 ድሕሪ እቲ ናይ በረኸት ሕብስቲ፣ ማለት ክርስቶስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ንሓሙሽተ ሽሕ ሰባት (ብዘይ ህጻናት) ምስ መገቦም፣ ዓሰርተ ክልተ መሶብ እንጌራ ከምዝተረፈ ኣብ (ማርቆስ 6፣35-44) ተጠቒሱ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



መንፈስ ቅዱስ መን እዩ? :- በዓለ ጰራቅሊጦስ 1ይ ሰንበት[Sermon for 1st Sunday of Pentecost]

ሰነ / June 14, 2008 መንፈስ ቅዱስ ሰማያትን ዓለምን ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። ነዚ ብዝምልከት "ወመንፈሰ እግዚኣብሔር ይጼልል መልእልተ ማይ .. መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ" (ዘፍ 1፣2) ይብል። ገና ዓለም ከምዚ ዘላቶ ገጸ-ምድር ከይሓዘት ከላ፣ መንፈስ ቅዱስ ግቡእ መልክዕ ንምትሓዛ ይሰርሓ ነበረ። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን:- ትንሳኤ 3ይ ሰንበት[Sermon for 3rd Sunday of Easter]

ግንቦት/May 10, 2008 ካብ ትንሳኤ ክሳብ ዕርገት ዘሎ ወቕቲ ዘመነ ትንሳኤ ይበሃል። ኣብዚ እዋን'ዚ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሞት፣ ስቕለትን ትንሳኤን ክርስቶስ ትዝምር። ኣብዚ'ዚ ዕለት'ዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ-መዛሙርቱ ዳግማይ ከምዝተራእዮም እናስተንተነት፣ ንታሪኽ ቶማስ እናገለጸት ትሰብኽ። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



ሆሳእና፣- ዓቢይ ጾም 8ይ ሰንበት[Sermon for Hosanna 8th Sunday of the Great Lent]

ሚያዝያ/April 17 2008. “ሆሳእና” ዝብል ቃል ካብ እብራይስጢ ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ "ሕጂ ኣድሕን" ማለት እዩ። ኣብዚ ዕለት'ዚ፣ "ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፣ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ሆሳእና ኣብ ኣርያም" ዝብል ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳለም ክኣቱ ኸሎ ዝተዘመረ መዝሙር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



እቲ ሕያዋይ እሙን ኣገልጋሊ መን'ዩ?፣ ዓቢይ ጾም 6ይ ሰንበት[Sermon for 6th Sunday of the Great Lent]

ሚያዝያ/April 3, 2008. እቲ ሕያዋይ እሙን ኣገልጋሊ (ገብርኄር) መን'ዩ? ማቴ 25፣14-30። ኣብዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅዳሴ ዝንበብ ወንጌል ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ክምህር ኮሎ፣ ብምሳሌ (ኣብነት) ገይሩ ከምዝመሃረ ይገልጸልና። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



ዓቢይ ጾም 5ይ ሰንበት[Sermon for 5th Sunday of the Great Lent]

ሚያዝያ/April 3, 2008. ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



ብሰንበት ሕሙማት ኣሕወየ ፡ ዓቢይ ጾም 4ይ ሰንበት[Sermon for 4th Sunday of the Great Lent]

መጋቢት/March 29, 2008. ቅ. ያሬድ በዚ ዕለትዚ፡ ጎይታ ንብዙሓት ሕሙማት ከምዝፈወሰ ንምግላጽ፡ መፃጉዕ ዘርእስቱ መዝሙር ዘመረ። ክፋል ናይ መዝሙሩ “ኣምላኩሰ ለኣዳም ለእረፍት ሰንበተ ገብረ” ትርጉም “ናይ ኣዳም ኣምላኽ ንሰንበት ንዕረፍቲ ፈጠራ” ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ ፡ ዓቢይ ጾም 3ይ ሰንበት[Sermon for 3rd Sunday of Great Lent]

መጋቢት/March 21, 2008. ምኵራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ካብ ቤተ መቕደስ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣይስራሕን እዩ። ምኵራብ ግና ኣብ ዝኾነ ቦታ ይስራሕ ነይሩ። ምኵራብ፣ ቃል እግዚኣብሄር ዝስበኸሉን ሕጊ ኦሪት እትመሃረሉን ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት'ዚ ዘማራይ ያሬድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ከምዝመሃረ እዩ ዘሚሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .



ቅድስና ፡ ዓቢይ ጾም 2ይ ሰንበት[Sermon for 2nd Sunday of Great Lent]

መጋቢት/March 14, 2008. ብባህርዩ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ቅዱስ እንዳተባህለ ዝምስገን፡ ብቅድስና ዝነብር ንቅዱሳን ዝቕድስ፡ ቅዱሰ ቅዱሳን እግዚኣብሔር በይኑ እዩ። እስራኤላውያን ኣዘውቲሮም ይዝምርዎ ከምዝነበሩ “ዎ እግዚኣብሔር ካብ ኣማልኽቲ ከማኻ መን ኣሎ?”፡ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ እግዚኣ ኣጋእዝቲ ብቅድስና ክቡርን ፍሉዩን ኣምላኽ እ ።ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .


እወ ጎይታይ እኣምን እየ (ዮሃ 9፣38)
ጥሪ 4ይ ሰንበት[Sermon for Sunday, 4th week of January]

የካቲት 7, 2008. ኣብዚ ዕለት'ዚ ነዚ ንዕውራት ብርሃን፣ ንዝተሓለሉ ተስፋ፣ ንሕሙማት ዝፍውስ ኣምላኽ እነመስግነሉ ዕለት እዩ። ያሬድ’ውን “እስራኤላውያን ብዕውሩ ዝተወልደ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን ይብሉ” እናበለ ምስ ናይዚ ዕለት ዚመሳሰል መዝሙር እዩ ዘሚሩ። "እወ ጎይታይ እኣምን እየ" ዝብል ቃል ካብቲ ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ፣ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ዝወጸ ቃል እዩ (ቁ1- 4) ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ስሌና ተጠምቀ
ጥሪ 2ይ ሰንበት [Sermon for Sunday, 3nd week of January]

ጥሪ /January 19, 2008  ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ብኢድ ዮሃንስ መጥመቕ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀሉ ምኽንያት “ኩሉጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣናዩ” ከም ዝበሎ፡ ስሌና ኪብል እዩ። ክርስቶስ ኣብ ሞንጎ እቶም ብግልጺ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ሓጢኣቶም ተኣሚኖም ብኢድ ዮሃንስ መጥመቕ ንኽጥመቁ ዝመጹ፡ ከም ሓደ ካብኦም ምምጻኡ ብቓልን ብግብርን ኪምህረና፤ ሥላሴ ዝተገልጽሉ ዕለት፡ እግዚኣብሔር ኣቦ እቲ ዝፈትዎ ብእኡ ዝሰመርኩ ወደይ ስምዕዎሞ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

መድሓኒ ተወልደ
ጥሪ 1ይ ሰንበት [Sermon for Sunday, 2nd week of January]

ጥሪ /January 10, 2008  እግዚኣብሔር ዝመደባ መዓልቲ ምድሓን ምስ መጸት (ገላ 4፡4) ጸልማት ብብርሃን ዝትክኣሉ፤ ምዉት ህይወት ዝዘርኣሉ፤ ባሕሪ-ሞት ህያው ዝኾነሉ፤ ወዲ ሰብ ዳግማይ ሕዳሴ ዝረኽበሉ እዋን እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ኢየሱስ ክርስቶስ ጓሳና “ክርስቶስ ኖላዊነ
ታሕሳስ 5ይ ሰንበት [Sermon for Sunday, 1st week of January]

ጥሪ /January 5, 2008   “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። እቲ ጓሳ ዘይኮነ ብዓል ዓስቢ ግና፡ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና ተኹላ ኪመጽእ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲጉወን ይሃድም፡ እቲ ተኹላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዘርፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ ስለዝኾነ ይሃድም፡ ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ሓቀኛ ብርሃን
ታሕሳስ 4ይ ሰንበት[Sermon for Sunday, 4th week of December]

ታሕሳስ 27 December 2007. ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ሓቀኛ ብርሃን ህይወት ናይ ደቂ ሰባት ዝገለጸ፣ ጸልማት ዘይመልኮ፣ ኣብ ጸልማት ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃን እዩ። እዚ ካብታ “ኣፍ ደገ ብርሃን” ተባሂላ እትጽዋዕ ድንግል ማርያም ዝተወልደ፣ ህይወት ዝፈጠረ፣ ኣቦ ብርሃናት፣ ኣምላኽ ብርሃን፣ ኣቦ ህይወት ካብ ዝበሃል እግዚኣብሄር-ኣቦ ዝተወልደ፣ ዘይምርመር፣ "ብርሃን ዘኢይትነገር፣ ክንገር ዘይክኣል ብርሃን" ዝተባህለ ናይ ሕልናና ጸልማት ዝቐንጠጠ፣ ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

መድሓኒ ክርስቶስ ንሰብኽ፣ (ወልዶ መድኅነ ንሰብክ)
ታሕሳስ 3ይ ሰንበት[Sermon for Sunday, 3rd week of December]

ታሕሳስ 19 December 2007. እዚ ዕለት'ዚ ስብከት ይበሃል። ኣብዚ ዕለት'ዚ፣ ብሙሴ፣ ብነብያትን መዝሙራትን ኣቐዲሙ ክርስቶስ ስጋ ከምዝለብስ፣ ብትንቢት ተነጊሩ፣ ምሳሌ ተዋሂቡ፣ ሱባኤ ተኣውጁ ምንባሩ ይስበኽ። ነቢያት ስለ ክርስቶስ ኣቐዲሞም ከምዝተነበዩን ዝሰበኹን ንምእማት ብሓደ ወገን፣ ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ ከምእትሰብክ ንምምሃር በቲ ካልእ: እዚ ዕለት'ዚ ስብከት ተባሂሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

እወ ጎይታይ እኣምን እየ (ዮሃ 9፣38)

ሕዳር 4ይ ሰንበት[Sermon for Sunday, 1st week of December]

ሕዳር 29, 2007. ኣብዚ ዕለት'ዚ ነዚ ንዕውራት ብርሃን፣ ንዝተሓለሉ ተስፋ፣ ንሕሙማት ዝፍውስ ኣምላኽ እነመስግነሉ ዕለት እዩ። ያሬድ’ውን “እስራኤላውያን ብዕውሩ ዝተወልደ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን ይብሉ” እናበለ ምስ ናይዚ ዕለት ዚመሳሰል መዝሙር እዩ ዘሚሩ። "እወ ጎይታይ እኣምን እየ" ዝብል ቃል ካብቲ ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ፣ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ዝወጸ ቃል እዩ (ቁ1- 4) ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ኩሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ዝተፈጥረ (ቆለ 1፡16)

ሕዳር 3ይ ሰንበት ግእዝ [Sermon for Sunday, 4th week of November]

ሕዳር 25, 2007. ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስዩስ  ኣብ ዝለኣኾ፡ ሎሚ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝንበብ መልእኽቲ፡ ኩሉ ነገር ብሥልጣን፡ ቃልን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጥረ፤ ኣብ ሰማይ ዘሎዉ ክቡራትን ግሩማትን መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ብእኡ ስለዝተፈጥሩ፡ ፍግም ኢሎም ሰጊዶም ዝግዝእዎ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዚመልኽ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ የስተምህረና ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር

ሕዳር 2ይ ሰንበት [Sermon for Sunday, 3rd week of November]

ሕዳር 14, 2007. ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዲያቆናት ዝዝምርዎ (ዘዝይምዎ) መዝሙር ዳዊት "ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር ምሕረትካ ድኣ ቀልጢፉ ይርድኣና" ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር ዝሓለፈ በደል ኣይጽብጽብን እዩ፣ ነቶም ብንስሓ ዝምለሱ ድማ ኣበሳኦም ይሓድገሎም። ንጉስ ዳዊት ኣብ ካልእ ጽሑፉ፣ "እግዚኣብሄር በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ" ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ተኽሊ ወይኒ ዜበላሽዋ ኮራክር ወኻሩ ስጎጉልና
ሕዳር 1ይ ሰንበት
[Sermon for Sunday, 2nd week of November]

 

ሕዳር 8, 2007. ተኽሊ ወይኒ ኣብ ክረምቲ ዝቕምስል ኣብ ሓጋይ ዝዕንብብ፡ ፍሉይ ክንክንን ሓለዋን ዘድልዮ ኦም እዩ። ቀጥ ኢሉ ንኽቀውም ተወሳኺ ደገፍ ይግበረሉ፡ ወኻሩ ካልኦት ኣዕነውቲ እንስሳን ከይኣትውዎ ድማ ይቕጸር፡ ብቐጻሊ ዘማዕድዉ ሓለውቲ ድማ ይስርዓሉ። ዝበለጸ ፍረ ኪህብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኪቕምቀምን (ዘሌ 25L13፣ ዮሃ 15፡2) ወኻሩ ቀዳሞት ጠንቂ ምብኻን ስለዝኾና ድማ፡ ኣብቶም ቀዳሞት ሓረስቶት ብወጽመድ ተታሒዘን ከምዝቕተላ ይግበር ኔሩ ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል .

ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ
ጥቅምቲ 4ይ ሰንበት
[Sermon for Sunday, 1st week of November]

ሕዳር 1, 2007 ኣብዚ ዕለት'ዚ ክረምቲ ኣሕሊፉ ናብዚ ጊዜ ዕምባባን ፍርያትን ስለዘብጽሓና ንእግዚኣብሄር እነመስግነሉ ዕለት'ዩ። ኣምላኽ ንዓለም ዝምግብን ዝሰረተን ንሱ ጥራይ ምዃኑ ንኣምን። እዚ ስለዝኾነ ድማ፣ ንዘመናት ዝገዝእ፣ ለይትን መዓልትን ዝፈጠረ፣ እግዚኣብሄር በመለኮታዊ ክእለቱ ሓጋይን ክረምትን ዝኸፋፈለ፣ በብጊዚኡ፣ ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .


ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን’ዩ?
3ይ ሰንበት ጥቅምቲ
[Sermon for Sunday, 4th week of October]

ሕዳር 26, 2007. ቅዱስ ያሬድ፡ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ኦሪት ኪዳን ብዕምቆት እንዳስተንተነ ዝዘመሮ ናይ ምስጋና መዝሙር እዩ። ምኽንያት ናይቲ መዝሙር ድማ ከምዚ ብምባል የብርሆ፡- ቃል ኪዳንካ ምስ ኖህ ዘጽናዕካ! ንእስራኤላውያን ካብ ሰማይ ማና ኣውሪድካ ዝመገብካ! ንምድሪ ጽጌረዳ፡ ዕንባባን ፍርያትን ሂብካ ፍጥረት ኩሉ እትምግብ! ንሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ! ኩሉ ፍጥረት ብተስፋ ንኣኻ ዚጽበ ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንዩ? ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ብጥበቡ ሰማይን ምድርን ዘማዕረገ እግዚኣብሔር
2ይ ሰንበት ጥቅምቲ
[Sermon for Sunday, 3rd week of October]

ሕዳር 14, 2007. ተኽሊ ወይኒ ኣብ ክረምቲ ዝቕምስል ኣብ ሓጋይ ዝዕንብብ፡ ፍሉይ ክንክንን ሓለዋን ዘድልዮ ኦም እዩ። ቀጥ ኢሉ ንኽቀውም ተወሳኺ ደገፍ ይግበረሉ፡ ወኻሩ ካልኦት ኣዕነውቲ እንስሳን ከይኣትውዎ ድማ ይቕጸር፡ ብቐጻሊ ዘማዕድዉ ሓለውቲ ድማ ይስርዓሉ (ኢሳ 1፡8፣ 5፡1-2፣ ማር 12፡1፣ ሕዝ 17፡6)። ዝበለጸ ፍረ ኪህብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኪቕምቀምን (ዘሌ 25L13፣ ዮሃ 15፡2) ወኻሩ ቀዳሞት ጠንቂ ምብኻን ስለዝኾና ድማ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . .

ወቕቲ

  ለት (ግእዝ)

1ይ ሰሙን      2ይ ሰሙን     3ይ ሰሙን   4ይ ሰሙን 5ይ ሰሙን
መስከረም  መስከረም 1 - 25          
ዘመነ ጽጌ  መስከረም 26 - ሕዳር 5   2ይ 3 4ይ  
ኣስተምህሮ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 6/13 1ይ 2ይ 3ይ 4ይ  
ዘመነ ስብከት ታሕሳስ 7 - 26     3ይ 4ይ 5ይ
ጥሪ ጥሪ 1 - 27 1ይ 2ይ   4ይ  
ለካቲት ለካቲት 1 - 27          
ጾመ ኣርብዓ     2ይ 3ይ 4ይ 5ይ
6ይ        
ዘመነ ትንሳኤ      3ይ 3ይ 4ይ 5ይ
ጰራቅሊጦስ   1ይ        
ክረምቲ ሰነ 25 - ሓምለ 15       4ይ  
6ይ        
 
 
         
 
 
 
 

Copyright © 2002-2007 Eritrean Orthodox Church Diocese of North America