S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 18 ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላም ምስ ኵላትና ይኹን። መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ መበል 18 ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤና ካብ ሓሙስ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2016 (July 28 to July 31, 2016) (ካብ ፳፩ ክሳብ ፳፬ ሓምለ ፳፻፰ . ግእዝ) ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ከተማ ሮቸስተር ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ።

እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ብተኸታታሊ ክካይድ ተመዲቡ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ ኩሉኹም ግዱሳት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ናብ ከተማ ሮቸስተር ብምጉዓዝ ተኻፈልቲ ቡራኬን መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ክትኾኑ ብስም ቅድስት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።

ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ "እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕ ድማ ቃል እግዚኣብሔር እዩ’’ (ሮሜ 1017) ክብል ዝጸሓፈልና፡ ብዛዕባ ተስፋ-እምነትና ብጳጳስ-ዲበኩሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ብካህናት፡ ዲያቆናት፥ ኣገልገልቲ ትምህርቲ ሰንበትን ሰብ ሞያ ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ዝወሃብ ሰፊሕ ትምህርቲ ወንጌልን ትምህርቲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ናብራን ክወሃብ እዩ።

እግዚኣብሄር ብሰላም የራኽበና። ኣሜን።

ክፍሊ ርክበ-ህዝብ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

15 የካቲት 2016

ዝሓለፉ ዓመታዊ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ - Previous Conferences

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div