S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓበሬታ ንተመሃሮ ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ (ሓበሬታ ቁ. 2)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን። 

ን2017 ዓመተ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ቁ. 2 (ንነባራትን ሓደስቲ ተመሃሮን ይምልከት)

ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም እትነብሩ ነባራትን ሓደስትን ተመሃሮ፡ ንኽሉ ውልቃዊ ጸገማትን፡ ህሉዊ ጽንኩር ኩነታት ሕዝብናን ተጻዊርኩም ንትምህርቲ ስነ-መለኮት ተውሕዶ እተርእይዎ ዘሎኹም ግብረ መልሲ ካብ ትጽቢትና ወጻእን ኣዝዩ

ኣተባባዕን ምዃኑ ደጊምና ንምስክር። መፍትሒ ናይቲ ውህሉልን፡ ስቓይ ኮይኑና ዘሎ እዋናውን ፈተና ቤተክርስቲያንና ድሕረት ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝኣክል ሕድገታት ክንገብር ከምዘሎና ንግንዘብ። እቲ ብዝሒ ተመሃሮ ሓደ ዓወት ኮይኑ፡ ጽርየት ትምህርቲ ንምሕላውን፡ ዕቱብ ተሳትፎ ተመሃሮ ንምዕባይን ግን ኣገዳሲ ብምኻኑ፡ ኣብዚ እዋብ ልዕሊ ዓቕምና ተመሃሮ ንመዝገባ ይሓቱ ስለ ዘለዉን ተመሃሮ ከማልእዎ ዘሎዎም ረቛሒታት ከነቐምጥ ተገዲድና ኣሎና።

1. ኣብ 2017 ዓመተ ትምህርቲ ካብ ሚያዝያ 1, 2017 ክሳብ ነሓሰ 31, 2017 እዘን ዝስዕባ ክፍልተ-ትምህርትታት ኪውሃባ እየን። ታሪኽ ቤተክርስቲያን (Church History) ቀኖና ቤተ ክርስቲያን (Church Canon) ሓድሽ ኪዳን 2 ክፋል (New Testament II)

2. ብግቡእ እናተኸታተልኩም ኣብ 2016 ዓመተ ትምህርቲ ፈተና ዝወስድኩም ተመሃሮ፡ 2017 ዝውሃብ ትምህርቲ፡ ዳግማይ ምምዝጋብ ኣየድልየኩምን። ክልተ ዓመት ናይ ሰርቲፊኬት ፕሮግራም ንምውዳእ ዝተረፈኩም ክፍለ-ትምህርቲ እንተልዩ ብቕልጡፍ ምስ ጉዳያት ተመሃሮ ኪትራኸቡ ንሓትት።   

3. ንሓደስትን ነባራትን ተመሃሮ ብሓባር፡ ኣብ ሓደ ሰመስተር $100 ክፍሊት ክሳብ ሚያዝያ 30, 2017 ከፊልኩም ወድኡ። ክፍሊቱ ዘየማልአ ተመሃራይ፡ ካብ ዕለት 30, ሚያዝያ,  2017 ንድሓር ናብ መርበብ ሓበሬታ እትዩ ትምህርቲ ኪከታተል ከምዘይክእልን እቲ ሓድሽ ተኣታትዩ ዘሎ ስይስተም ከምዘየፍቅደሉን ንሕብር።

4. ኣብ እስራኤል እትርከቡ ተመሃሮ፥ ኣስማትኩም ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳር ቀሪብኩም ኣስማትኩም ትህቡ ብዝርዝር ኣስማትኩም ምስ በጽሓና ብጥርኑፍ መልእኽቲ ክንሰደልኩም ኢና።

5. ክፍሊቱ ኣማሊኡ ትምህርቲ ኪከታተል ዝጀመረ ተመሃራይ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣትዩ ነተን ተዳልየን ዘለዋ ክፍለ ትምህርትታት ዓቕምን ኩነታትን ክሳብ ዘፈቀዶ መዓልታዊ ወይ ኣብ ሳልስቲ ኪከታተል ትጽቢት ይገብረሉ። ከይኣተወ ክሳብ 15 መዓልታት እንተጌሩ ግን እቲ ሓድሽ፡ ኣብዚ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ተኣታትዩ ዘሎ ስይስተም ከፍቅደሉ ከምዘይኮነ ንሕብር። እቲ ሰመስተር ከም ብኩራት ተሓሲቡ ኣብ ዝቕጽል ሰመስተር ብዕትበት ኪከታተል ይኽእል።

6. ተመዝጊብኩም ከተብቕዑ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ተዳልዩ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም፡ ኣብ እዋኑ ዕዮ ገዛን ፈተናን ዘይወሰድኩም፡ ኣብ 2017 ዝውሃብ ትምህርቲ ዝፍቐደልኩም ከም እንደገና፡ ክሳብ ሚያዝያ 30, 2017 ምስ ትምዝገቡ ጥራይ እዩ።

7. ኣብ ኤርትራ፥ ኢትዮጵያ፥ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደተኛታት ካምቦታትን ኮይንኩም ትምህርትኹም ትከታተሉ ዘሎኹም ተመሃሮ፡ እቲ ዘሎኹሞ ዘይንቡር ኩነታት ኩሉ መምርሕታት ከተማልኡ ዘፍቕድ ብዘይምዃኑ፤ ኣብቲ መርበበ ሓበሬታ ኣቲኹም፡ ትምህርትኹም ክሳብ ዝተኸታተልኩም እዋን ካብ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ነጻ ኢኹም። ኣስማትኩም ግን ኣቐዲምኩም ናብ ጉዳይ ተመሃሩ ምስ እትነብሩሉ ዓዲ ገሊጽኩም ለኣኹ። ክሳብ 30 ሚያዝያ ዘይበጽሓና ስም ምዝጉብ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።  ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከይኣተኹም 15 መዓልታት ምስ ዝሓልፍ ግን ከም ብኩራት ስለዝሕሰብ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰመስተር ከም እንደገና ኪትምዝገቡ ከድልየኩም እዩ። ካብዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ቦታታ ካብ 30 ንላዕሊ ተመሃሮ ክንቅበል ዓቕሚ ከም ዘይፈቕደልና ምስናይ ይቕሬታ ንሕብር።

8. ሓድሽ ኣጠቓቕማ “user id” and “password” ዝምልከት። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብክፍሊ ጉዳያት ተመሃሮ ዝውሃብ ዘይኮነ፡ ባዕልኹም ናይ ገዛእ ርእስኹም “user id” and “password” ከተዳልዉ ዘፍቕድ ስይስተም ተኣታትዩ ኣሎ። ዝሰርሕ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ኪህልወኩም ግን ግድን እዩ።

ምስ ተመዝገብኩም ሽዑ ንሽዑ ናብ ኢመይልኩም ሊንክ ክትሰደልኩም እያ ኢመይልኩም ምስ ከፈትኩም መላግቦ ክጸንሐኩም እዩ ንዑ ጠዊቅኩም ናብ መምሃሪ ክፍሊ ትኣትው።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተኣታቶ ዘሎ ቅጥዕታት ንከተማልኡ ኩነታትኩም ዘየፍቅደልኩም ተመሃሮ ምስ ትህልዉ፡ ዝርዝር ኩነታትኩም ብምግላጽ ክሳብ ሚያዝያ 30, 2017 ብኢመይል ምስ ጉዳያት ተመሃሮ ክትራኸቡ ነዘኻኽር። 

ብወገን ምምሕዳርን መማህራንንውን ብትሕዝቶኡ ሃብታም፡ ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራውን ዘይከቢድ ኪኸውን፡ ምዕቡል ተክኖሎጂ ብምጥቓም ብቐጻሊ ምምሕያሻት ኣብ ምግባር ከም እንረከብ እንዳሓበርና፡ ብወገን ተመሃሮውን መምርሒታት ኣብ እዋኑ እናተኸታተልኩም ምትሕብባርኩም ከተበርኹ ንምሕጸን። 

ምሕረት፡ ረድኤትን ፍትሕን ዘውርድ ጾም ይግበረልና

ክፍልቲ ጉዳያት ተመሃሮ

መጋቢት 25, 2017 (መጋቢት ፲፮, ፳፻፱)

Website: www.tewahdotheology.org

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

መልሲ ብተመሃሮ  ዝቐርቡ ተደጋጋሚ ሕቶታት

ንኹሉ ናይ ኢመይል ሕቶታትኩም ክንምልስ ግቡእ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኩነታት መነባብሮን ጻዕቂ ኣገልግሎትን ኣይተኻእለን። መልሲ ናይቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ሕቶታት ብሕጽር ዝበለ ኣብዚ ነቐርብ።

1ኣብ ዓድና ብሰንኪ ድኹም ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ዘጋጥም ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገማት ዝምልከት። ዘይንቡር ኩነታትኩም ርዱእ ስለዝኾነ፡ ትምህርትኹም ትከታተልሉ ዝቐለለ መገድታት ክሳብ ዝርከብ ብዝተኻእለ መጠን ብናታትኩም ጥበብን ምስቶም ቅልጡፍ ኢንተርነት ኪረኽቡ ዝኽእሉ ብምልዛብን ግዝያዊት ፍታሕ ከተናድዩ ንምሕጸን። መገዲ ኣብ ዝተረኽቦ እዋን ብኢመይልኩም ኪሕበረኩም እዩ።

1. ናይ ገንዘብ ክፍሊት ዝምልከት ብተደጋጋሚ ዝቐረበ ሕቶታት።  ብኽልተ መገድታት ኪትከፍሉ ትኽእሉ። ብክረዲት ካርድን ብቸክን። ኣድራሻ እዚ ዝስዕብ ተጠቐሙ።

(ሀ). በዚ ኣቲኩም ምስ ተመዝገብኩም http://www.tewahdotheology.org/edu/login/index.php

 ምስ ተመዝገብኩም ሽዑ ንሽዑ ናብ ኢመይልኩም ሊንክ ክትሰደልኩም እያ ኢመይልኩም ምስ ከፈትኩም መላግቦ ክጸንሐኩም እዩ ንዑ ጠዊቅኩም ናብ መምሃሪ ክፍሊ ትኣትው።

ካልኣይ ሰመስተር ኣብ ዝብል መላግቦ ጠዊቕኩም ሐንቲ ካብተን ሰለስተ ክፍሊ-ትምህርቲ ከፊትኩም ክፈሉ። ምስ ከፈልኩም ሰልስተ ኮርሳት ብሐደ ግዜ ክክፈተልኩም እዩ

(ለ). እቶም ኣብ ዝሐለፈ ፈተና ዝወሰድኩምው ግና መዝገባ ኣየድልየኩምን እዩ ካልኣይ ሰመስተር ኣብ ዝብል መላግቦ ጠዊቕኩም ሐንቲ ካብተን ሰለስተ ክፍሊ ትምህርቲ ከፊትኩም ክፈሉ። ብቀጥታ ናብ ሰልሰተ  ክፍለ-ትምህርቲ ከተእትወኩም እያ

(ሐ). ብቸክ ክፍሊትኩም ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ልኣኹ። ኣብቲ ንመን ዝብል “Eritrean Orthodox Tewahdo Theology” ስም ግበርሉ

ተወሳኺ ሓበሬታ እንሆ፡

Name of bank: Wells Fargo

Name on the Account: Eritrean O.T. Diocese of North America

Account Number: 1534659386

Routing Number: 061000227

ብፖስታ ዝልኣኽ ቸክ (በዚ ዝሰዕብ ኣገባብ ይለኣኽ)

Send Check to:  Eritrean Orthodox Tewahdo Theology

Address: Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America,

P. O. Box 392156

Snellville, GA 30039

USA.

2. ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም ኪትጥቀምሉ ዝተዋህበኩም “user id” and “password” ኣብ ግዜኡ ኣቲኹም ስለዘይተጠቐምክምሉ ኣብዩና ዝብል ሕቶታት ብዝምልከት። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብክፍሊ ጉዳያት ተመሃሮ ዝውሃብ ዘይኮነ፡ ባዕልኹም ናይ ገዛእ ርእስኹም “user id” and “password” ከተዳልዉ ዘፍቕድ ስይስተም ተኣታትዩ ኣሎ። ዝሰርሕ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ኪህልወኩም ግን ግድን እዩ። ናይ ቴክኒክ ጸገማት ምስ ዝህሉ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ትኣምንዎም ኪእላታት ተማኸሩ። እቲ “user id” and “password” ግን ናይ ውልቅኹም ስለዝኾነ ንማንም ሰብ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን።

3. ምስ ተመዝገብኩም ሽዑ ንሽዑ ናብ ኢመይልኩም ሊንክ ክትሰደልኩም እያ ኢመይልኩም ምስ ከፈትኩም መላግቦ ክጸንሐኩም እዩ ንዑ ጠዊቅኩም ናብ መምሃሪ ክፍሊ ትኣትው።

4. ኣብ ላዕሊ ዘይሰፈረ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ብናይ ኢመይል ኣድራሻና ሓብሩና።

እግዚኣብሔር ጾምናን ጸሎትናን ተቐቢሉ፡ ንቤተክርስቲያንናን ሕዝብናን ዘመን ፍትሒ፡ ርትዒ፡ ሕግን ሥርዓትን የምጽኣልና። ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ፡ ንብፁእ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንኹሎም ኃይማኖትም ቅኑዕ ዝኾነ ጳጳሳት፡ ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ኣብ ኩሉ ኣገልግሎቶም ሓይሉን ረድኤቱን ይሃብ። ነቶም ብጉግይ ቅንእን፡ ዓቕምኻ ብግቡእ ብዘይምፍላጥን ካልእ ምኽንያታትን፡ ኣብ ክንዲ ቤተ ክርስቲያን ምኅናጽ፡ ንኃዋርያዊ መሠረቶም ኣብ ምንቃልን ምፍራስን ዝተጸምዱ ከኣ ዝጥዓስ ልብን ዘስተውዕል ኣእምሮን ይዓድል።

ካብ ጉዳያት ተመሃሮ፡  ስነ መለኮት ኮለጅ ተዋሕዶ

ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣምሪካ

የካቲት 28, 2017 (ግእዝ የካቲት 21, 2009)

Website: www.tewahdotheology.org

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div