S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ 12 ዓመታት ብዘይ ገበን ኣብ ማሕዩር!

ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 12 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 . ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 12 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ) ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ወላኳ በደሎም ክንገሮም ፍትሒ ክወሃቦም ሓቲቶም፥ ይግባይ እንተበሉ፥ ክሳብ ሕጂ ፍትሒ ይኹን ርትዒ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብየት ዝብል ኣካል ስለዝተሳእነ ዘይኮነስ፡ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያንና በቶም ዋናታቱ ዘይኮነ፡ ብፖለቲከኛታት ሃገርና ጅሆ ስለ ዝተታሕዘ እዩ። እቲ ዓሚ ይኹን ቅድሚ ዓሚ ብሓሶት ዕርቂ ተፈጺሙ፥ ውግዘት ተላዒሉ፥ ዝብል ካብ ኤርትራ ዝተፈነወ ዜናውን፡ ፍረ ዘይብሉ ወረን ናይ ሓሶት ተዋስኦን ምዃኑ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብኣግኡ ዝተረድኦ ጉዳይ እኳ እንተነበረ፡ ብፍላይ ንምእመናን ተዋሕዶ እቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ከኣ ጭካነ ገለ ጳጳሳትን ብንጹር ዘግሃደ ኣገዳሲ ፍጻመ ምንባሩ እዩ ነይሩ።

እምበኣር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ወንጌል፡ ....ሓሚመ በጻሕኩምኒ፥ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ! (ማቴ 2536) ዝብል ዓስቢ ዘለዎ መልእኽቲ ሕድሪ ከም ዝሃበና ዘኪርና፥ ፍሉይ መደብ ብምኽንያት መበል 12 ዓመት ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ኵርናዕ ዓለም እትርከብ፡ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ብሕብረት ንሰንበት 14 ጥሪ 2018 . ከኣ ኣብ ጸሎተ-ቅዳሴ ጸልዩ! በእንተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ! ተባሂሉ ናይ ሕልና ጸሎት ክዓርግ ምብራህ ሽምዓ ሥነ ሥርዓትን ክግበር፡ ብኣኽብሮት ንኹሉ ነዘኻኽር።

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሕይወቶም ከለዉ፥ ብናይ ዓመጽ ሽመት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብዝብል ሸፈጥ: ውገዝ ኣቡን ሉቃስ ዝገብርዎ ዘለዉ ሃይማኖታዊ ግህሰት ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፡ ኣማኒ ተዋሕዶ ዓገብ ክብሎም ንምሕጸን። ከምኡውን ኩሎም መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ውሉደ-ክህነት ካብ ጸቢብ ምድራዊ ኣተሓሳስባን ፖለቲካዊ መፈንጠራን ርሒቖም እሙናት ኣምባሳዶራት ናይ ክርስቶስ ብምዃን መስቀሎም ጸይሮም ኣሰር ኣሰር ክርስቶስን ኣብነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ብምኽታል ነዚ ኣብ ፈተናን ቀቢጸ-ተስፋን ወዲቑ ዘሎ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ህዝብና ብትግሃት ክንጓስዮምን ኣብ ቤት ኣምላኽ ብፍቕሪ ከገልግሉን መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ። ዮሓ 2115-17

ኦ ጎይታ! ’’ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።" መዝ 7911

መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

12 ጥሪ 2018 ( ጥሪ ፳፻፲ . ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div