S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብስራት - ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ቲቪ ተዋህዶን ናብ ኤርትራ

ዓቢ ብስራት ንተኸታተልቲ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶን

ክቡራት  ኣመንቲ፥

ካብ ባሕቲ ጥሪ 2017 ጀሚሩ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶን ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ብሳተላይት ክዝርጋሕ ምዃኑ ብሓጎስ ነበስረኩም። እዚ መደባት እዚ፥ ብሓልዮት ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብቋንቋ ትግርኛ ዝፍኖ ኮይኑ፥ ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ዘተኮረ ትምህርትን ስብከትን ዘጠቓልል መደባት ሒዙ ክጅምር እዩ።

መደብ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶ፡

መዓልታዊ ካብ ሰዓት 800 ክሳብ ሰዓት 830 ኣጋምሸት ይፍኖ።

ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይፍኖ፡

  • Nilesat
  • Transponder:  A05
  • Frequency:     10815 MHz
  • Polarity:           horizontal
  • Symbol rate:   27.500Msps
  • Modulation:   QPSK
  • FEC:                 5/6
  •  

መደብ ፈነወ ቲቪ ተዋህዶ

ወትሩ ቀዳምን ሰንበትን ካብ ሰዓት 700 ክሳብ ሰዓት 800 ኣጋምሸት ይፍኖ።

መደብ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶ ይኹን ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶ ንኤርትራን ከባቢኣን ከምኡውን ንደቡባዊ ኤውሮጳ, ገለ ክፋል ማእከላይ ምብራቅን ይሸፍን

ፈነወ ዝጅምረሉ ዕለት ሰንበት 1 ጥሪ 2017 ምዃኑ ንሕብር።

ሕቶን ርእይቶን ምስ ዝህልወኩም፥ ብቀጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋሕዶ ናብ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክትልእኩ ከም እትኽሉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

እዚ መደባት እዚ ክብሪ ኣምላኽ ዝገልጽ ንሰባት ድማ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ክኸውን ምእንቲ፥ ብጸሎት፥ ብንዋትን ሓሳብን ክትድግፉና ብኣኽብሮት ንምሕጸን።

ኣህጉረ ስብከታት: ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ

15 ሕዳር 2016

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div