S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓቀኛ ልባዊ ጣዕሳን ለውጥን'ዩ እቲ መገዲ ሕውየት !

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።

መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና፡ "ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደኃን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሔርኤርምያስ 29:11ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብፍሉይ መንፈስን ተስፋን ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ።

እዚ ካብ ሓሙስ ሓምለ 20 ጀሚሩ ብመስዋእቲ ቅዳሴ 23 ሓምለ 2017 (ካብ ሓምለ ፲፫ ክሳብ ፲፯, ፳፻፱ .) ሰንበት ዝተዛዘመ ዓብዪ መንፈሳዊ ጉባኤ ንኹሉ መዳይ ሕይወትናን ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያንናን ዝድህስስ ሃብታም ትሕዝቶ ዝሓቆፈ መልእኽታት እዩ ነይሩ። ካብ መላእ ኣመሪካ ብኣውቶብሳትን ነፋሪትን ዝመጹ ብዙሓት ኣጋይሽ ቀንዮም። ከም ውልቀ ሰብ፡ ከም ቤተሰብን ከም ቤተክርስቲያንን ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ሕይወትና ዘጋጥሙናን ብድሆታትን፡ ብዓወት ኪንሰግሮም ዘኽእሉና ኣስተምህሮታት ብሰፊሑ ክቐርቡ ቀንዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፡ ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታት፡ ታሪኽ ሕዝብናን ምስቲ ናይ ዘመንና ዓምዩቕ ፍልጠት፡ ስልጣኔን ተክኖሎጅን እንዳዛመደ ኪቐረብ ዝቐነየ ትምህርትታት ነዚ ብኸቢድ ናብራ ስደትን፡ ቅልውላው ዝመልኦ ሕይወት ኤርትራዊ ሕብረተስብን ዝሓልፍ ዘሎ ሕዝብና ዓብዪ ስንቂ እዩ። ብኣካል ንዝተሳተፉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ብናፍቖት ዝጽበይዎ ድማ ብረድዮ ተዋሕዶን ተለቪጅን ተዋሕዶ ኪመሓለለፍ ብመደብ ኪስነድ ቀንዩ፡ ግዜኡ ሓልዩ ድማ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ኪዝርጋሕ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ካብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ሓደ ተካእቲ ወለዶ ምምልማል እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ፡ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ካብ ኣንበብቲ ክሳብ ዲቁና በብደረጃኦም ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተቐብኡ ደቅና ድማ ከምቲ ኣጀማምራኦም መወዳእታኦም ኪጽብቕ ወትሩ ኣብ ጸሎት ክንዝክሮም ይግባእ።

ንህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያንናን ኩነታት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ዝምልከትውን ብደቒቕ ኪዝተየሉ ቀንዩ። ውጽኢት ናይ ልዕሊ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ሕጊ-ኣልቦነት ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ብስጋን መንፈስን ሕሰም፡ መቕዘፍቲ፡ መርገም፥ ተደራራቢ ጓህን ምፍልላይን ምውላዱ መግለጺ ዘየድልዮ ርእስና ኣድኒንና፡ ብተስፋ ሙቕራጽ ተዋሒጥና ንሓልፎን ንነብሮን ዘሎና መሪር ሕይወት እዩ። እቲ ቅሉዕ ገበን መድኃኒት ዘይብሉ ኣይኮነን። እቲ ፈውሲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሕዝብን ልባውን ሓቀኛን ጣዕሳን ምግባር እዩ።

እቶም ሕጊ ኪምህሩ ዝግብኦም፡ ሕጊ ዘፍረሱ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያንና ካብ ኃዋርያዊ ሰንሰለታ ኪትብተኽ፡ ሕዝብና ኣብ ነንሕድሕዱ ኪፋላለ፡ ውሉደ ክህነት በቲ ተሰኪሞሞ ዘሎዉ መዓርግ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኪሓፍሩን ኪስቐቁን ጌሮሞ ከብቅዑ ኣብ ክንዲ ብግልጺ ይቕረታ ምሕታት፡ ብምኽሪ ፖለቲከኛታት እንዳኸዱ ዝገብርዎ ዘሎዉ ድራማ እንታይነቶም ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ የሎን። ፖለቲከኛታት ሃገርና ድማ፡ ብሰንኪ ሕጊ ኣልቦነትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ከምዝርከቡን፡ ትንኣስ ትዕበ ዝወስዱዋ ስጉምቲ ኣብ ዓይኒ ሕዝቢ ዓለም ብደቒቕ ከም እትምርመር ጠፊእዎም ኣይንብልን። በደል ኣብ ልዕሊ እዛ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን፡ በደል ኣብ ልዕሊ እቶም ኪኸብሩ ዝግብኦም ኣብ ዕብየቶም ዝዋረዱ፡ ዝቕፈዱ ዘሎዉ፡ ዘውዲ ሃገር ዝኾኑ ኣቦታት ክሳብ መኣስዩ ኪቕጽል? ገበንን ዓመጽን ፍርኃትን ተኣዛዝነትን ከምጽእ እንተኾይኑ ዝሕለም ዘሎ፡ እቲ ዝርኣይ ዘሎ ውጽኢት ብኣንጻሩ እዩ። ፍልሰት ሕዝቢ፡ ብርሰት ሃገር፤ ከምዚ እንተቐጺሉውን ዝገደደ ዓመጽ እዩ ዝወልድ። ሕማቕ ታሪኽ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ነጻ ሃገር ኪድገም ከሎ ግን ነቶም ወጠንቱ ፖለቲከኛታትን ተግበርቱ ሒደት ውሉደ ክህነትን ዘሕፍርን ዘጸይፍን እዩ።

እቲ መገዲ ሕውየት እምበኣር፡ መንግስቲ ነቲ ብኣዋጅ (ኣዋጅ ቁጽሪ 73/1995 ኣንቀጽ-2)ኃይማኖት ኣብ ፖለቲካ፡ መንግስቲ ኣብ ኃይማኖት ኢዱ ከየእቱዝብል፡ ባዕሉ ዝኣወጆ ከኽብሮን፡ ኢዱ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከውጽእን ይግባእ። ሥምረት ገዳማውያን ኣቦታት፡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ድማ ጠንቂ ናይቲ ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ገኒኑ ዘሎ ቅልውላው ብግልጺ ኣለልዮም፡ ሣልሳይ ነጻ ኣካል ክብ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ምስክር ኣብ ዘሎውዎ፡ በደልቲ ይቕረታ ኪሓቱ፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ሣልሳይ ፓትርያርክ፡ ስርየት ኪህቡን ውግዘት ከልዕሉን ብምግባር ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝተኸተለ፡ ሕዝቢ ዝድግፎ፡ ኩለን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናትን ሕዝቢ ዓለም ዝቕበለኦ ሓቀኛ ዕርቂ ኪገብሩ ይግባእ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣንፈት ዝድገፍ ኮይኑ፡ ከምዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ንድራማ እንተኾይኑ ግን ዝታለል ሕዝቢ የሎን፡ ታሪኽኩም ተበላሽዉ እምበር እታ ብርእሳ ኪትቐብርዋ ብዙሕ ዝሃለኽኩም ሓቂ ብእግራ ወጺኣ እያ ብምባል ጻውዒትና ነቕርብ።

እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ፡ ብመገዲ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ኸኣ ዝርከብ። ካብ መገዲ ሓቂ፡ ፍቕርን ዕርቅን ወጻኢ ዝግበር ኩሉ ግን ምስሉይነት፡ ፍረ ኣልቦ ድኻም፡ መወዳእታኡውን ውድቀትን ሞትን እዩ (1 ዮሓ 315)

ብሓፈሻ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ፍሉያት ናይ ክብሪ ዕዱማትን፡ ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ማዕሪጉ ዝቐነየ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ንመንፈስን ስጋን ዘዕርፍ ዓብዩ መንፈሳዊ ንግደት ኮይኑ ቀንዩ። ንዓናን ንናይ ስጋን መንፈስን መራሕትን፡ ድማ ድምጺ እግዚኣብሔር ሰሚዕና ዝእዘዝን ዝምለስን ልቢ ክዕድለና፥ ዝኸሰርናዮ ንክሓሰሉ፥ ስኒትን ፍቕርን ረኺብና እንዓርፈሉ፥ ዘመን ሕግን ፍትሕን፥ እዋን ዕርቅን ሓቅን እግዚኣብሔር ከምጽኣልና፡ ኩልና ብጾምን ጸሎትን መንፈሳዊ ገድሊ ንኽንጋድል ኣምላኽ ይደግፈና።

ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት፡ ኖርዝ ካሮላይና፡ ውሑዳት ክነሶም ብዙሕ ሕዝቢ ብብቕዓት ከስተናግዱ ምቕናዮም ዘንእድ እዩ። ልዑል እምላኽ ጻማ ድኻሞም ይሃቦም። ኣብ መጨረሻ ኣብቲ ሓድሽ ዝተገዝአ ኣስታት 11 ኤክር (44.5 ሽሕ ሜትሮ ኳድሮ) መሬት ዝርከብ ተፎጥራዊ ማይ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ማይ ጸሎት ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምብራኹ፤ ምእመናን ቅዱስ ሚካኤል ነጋድያን ሕዝብን ብዓብዩ ሓጎስ ዓሊሉን ንኣምላኹ ኣመስጊኑን።ያብጽኃመ ዓመ ከመዮምንዓመታ ብሰላም የብጽሓና ጎይታ እንዳበለ ንዝመጽእ ዓመት መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ኣብ ቅድስት ሥላሴ ሲያትል ኪኸውን ተማባጺዑ፡ ብሰላም ድማ ነናብ ዓዱ ተፋንዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስእላዊ ጸብጻብ ኣብ ፈይስቡክን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኪትዕዘቡ ንላቦ።

ክፍሊ ሕዝባዊ ርክባትን መራኸቢታትን መንበረ ጵጵስና ሃገር ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት፡ ኖርዝ ካሮላይና፡

24 ሓምለ 2017 (ሓምለ ፲፯, ፳፻፱ .)

 

ገለ ካብቶም ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተዋህቡ...

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div