S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ዝተፈጸመ ዕዉት ሓዋርያዊ ዑደት

“-ኣምላኽ ሰማይ ከቃንዓልና እዩሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ክንዓዪ ኢና-” ብዝብል መራሒ-ቃል፥ ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ከተማ-ማንችስተር፥ ካብ 15/09/1917 ሠለስተ-መዓልቲ ዝወሰደ ዕዉት ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ። እዚ ናይ ማንችስተርን, ሎንዶንን, በርኒንግሃምን ኣብያተ-ክርስቲያናት ማኅበረ-ምእመናን ተሳቲፎሞ ዝቐነዩ ጉባኤዚ፥ ወለድን መንእሰያትን ብኃባር ከሳትፍ ዝኸኣለ ጉባኤ ብምንባሩ፥ ኣብ ተመክሮና ሓድሽን ፍሉይን ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣቐዲሙ ብዝወጸ መርሓ-ግብር መሠረት ድማ፥ እቶም ንተልእኮ መደብ ኣብ ምቅናዕ፥ ካብ ሰሜን-ኣሜሪካ ተላኢኾም ዝመጹ ሰበኽቲ-ወንጌል፥ እዞም ለጠቕ ኢሎም ኣስማቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ኮይኖም።ንማኅበረ-ምእመናን ከዕግብ ብዝኽእል ኣቀራርባ ዘቕረቡዎ መደብ፥ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምንቕቓሕ፥ ንትንሣኤን ዕቤትን ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ክንደይ ቀዳምነት ብምሃብ፥ ተዓጢቑ ከም-ዝተላዕለ ዘርኢ መድረኽ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣስማቶም ድማ ከምዚ ዝስዕብዩ።

ቀሲስ-ኣትናቴዎስ ገብረኣብ

ቀሲስ-ተስፎም ገዛኢ

ዲያቆን-ብርሃነ ሥዩም

ምስዚ ብምትሕሓዝውን እቶም ሠለስተ-ምሁራን “-ትውፊት-ኣቦታት-” ዝብል ኣርእስቲ መበገሲ ብምግባር “... መጽሓፍ-ቅዱስ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ከይተጠርነፈ ከሎ፥ እቲ ክርስቲያናዊ-እምነት ብትውፊት እናተመሓላለፈ ክመጽእ ስለ-ዝኸኣለ፥ እቶም ቀዳሞት ኣቦታት መሠረት ቤተ-ክርስቲያን ንምጽናዕ ብዝፈጸሙዎ ጻዕርን ድኻምን ከኣዩ፥ እተን ብዙሕ ፈተና ዝነበረን ቀዳሞት 300-ሚእቲ ዓመታት ተሰጊረን፥ ጉባኤ-ንቅያውን ብዓወት ቤተ-ክርስቲያን ተዛዚሙ፥ እቲ መሠረት ክርስትና ጠጢሑ ክቕመጥ ዝኸኣለ ...” ብምባልዮም እቶም ሠለስተ-ምሁራን፥ ነቲ ንተመስጦ ማኅበረ-ምእመናን ኣዚዩ ዓዳሚ ኮይኑ ዝርአ ዝነበረ ኣርእስቲ ክትንትኑዎ ዝኸኣሉ።

ብምቕጻልውን እቶም ምሁራን ብዛዕባ ቤተ-ክርስቲያን ከቢድ ናይ ኑፋቄ-ፈተና ኣጋጢሙዋ ዝነበረትሉ ዓመታት ክገልጹ ከለዉ “... ነቲ ከቢድ ፈተና ንምሕላፍ ዘኽእል ጸጋን ጥበብን ዝተዓደሉ ኣቦታት እንተ-ዘይርከቡ ነይሮም፥ መሠረት ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ክርከብ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ሓደ ካብቶም ምእንቲ ድኅነት ቤተ-ክርስቲያን ዝተቓለሱ ኣቦታት ድማ፥ እቲ ኣብቲ እዋን ገና መንእሰይ ዝነበረ፥ ሊቀ-ዲያቆን ኣትናቴዎስ እዩ።

እቲ ንሱ ኣብ ጉባኤ-ንቅያ ኣርቂቑ ዘቕረቦ፥ ብጸሎተ-ሃይማኖት ዝፍለጥ ትውፊት ድማዩ፥ ከም ጽኑዕ-መሠረት ወይ ከም ኣብ መዓሙቕ-ባሕሪ ዝተቐመጠ መልህቅ ብምዃን፥ ነቲ ክርስቲያናዊ እምነት ኣብ ክናወጽ ዘይክእል ጽኑዕ-ከውሒ ረጊጹ ከም-ዝርከብ ገይሩዎ ዝርከብ ዘሎ ...”ብምባልዮም እቶም ምሁራን፥ ብዛዕባ ካብ ኣቦታት እናተዋራረሰ ዝመጸ ትውፊት ክምህሩን ከረድኡን ዝኸኣሉ።

ንጉባኤ-ንቅያን፥ ጉባኤ-ቁስጥንጥንያን፥ ጉባኤ-ኤፌሶንንብዝምልከትውን፥ እቲ ጉባኤ ክፈልጥን ክመሃረሉን ብዝኽእል ኣገባብ፥ በቶም ምሁራን ካብ ዝተዘርበሎም ኣርእስቲ ምንባሮም ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ኣይከኣልን። ብዝተረፈ እዚ ኣብ ማንችስተር ዝተኻየደ  ጉባኤ ብጠቕላላ ክርአ ከሎ፥ ድሕሪ ደጊም ዓውደ-ምሕረት ቤተ-ክርስቲያንና፥ በዘፈቀደ ማንም ተላዒሉ ኣፉ ዝኸፍተሉ ዘይኮነስ፥ ሰብ ሞያ ዝኾኑ ምሁራን ዝዋስኡሉ መድረኽ ናብ ምዃን ዝተለወጠሉ ዋዜማ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ብዝተረፈ እቲ በቶም ሠለስተ-ምሁራን ክወሃብ ዝቐነየ ትምህርቲ። ካብ ምብዝሑን ምስፍሑን ዝተላዕለ፥ ንኹሉ ኣጠቓሊልካ ምቕራቡ ግዜን ወረቐትን ስለ-ዘይኣኽሎ፥ ካብ ማይ ባሕሪ ብማንካ ኢና ኣቕሪብና ክንብል ንኽእል። ብዝተረፈ ኣብዚ ጉባኤ እቲ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንናውን፥ ዋና መዛረቢ ኣርእስቲ ክኸውን ምኽኣሉ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ኣይክእልን። እቲ ጉባኤ ዘተኮረሉ ዋና ጉዳይውን ንሱ ነይሩ።

ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓደጋ ትርከብ ኣላ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ኣብዚ ሰዓትዚ፥ ነዚ ኣርእስቲ ጎሲኻ ክሕለፍ ዝከኣል ስለ-ዘይነበረ፥ ንትዅረት ማኅበረ-ምእመናን ዝስሕብ ዋና ኣርእስቲቲኮይኑ፥ ኣብ ጉባኤ-ማንችስተር ክርከብ ዝኸኣለውን ስለ እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ጉዳይ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝመንቀሊኡ፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ መቑሕ ከብጽሕ ዝኸኣለ ጠንቂ፥ ነቲ ጉባኤ ብብዙሕ ከዛርቦ ዝኽእል ኣርእስቲ ኮይኑ ክርከብ ዝኸኣለ።

እቲ ኣብዚ እዋናት ኣብ ኣሥመራ፥ ብጉልባብ ዕርቂ ክፍጸም ዝተራእየ ፈተነውን፥ ንምትላል ተባሂሉ ክግበር ዝድለ ዘሎ ደኣምበር፥ ዝኾነ ፍታሕ ንምምጻእ ብቕንዕና ዝተበገሰ ዘይምንባሩ እቲ ጉባኤ ክግምግም ዝኸኣለ። ስለዚ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ መንበረ-ሥልጣኖም ንኽምለሱ፥ ውሕስነት ክህብ ዘይክእል ዝኾነ ናይ ዕርቂ ሓሳብ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ ሕዝቢ ተዋሕዶ ዘይቅብሎ ምዃኑዩ፥ እቲ ጉባኤ ጸቒጡ ኣቕዋሙ ክገልጽ ዝተሰምዐ።

ብዝተረፈ ንሳቶም እቶም ሠለስተ-ምሁራን፥ ናብ “-ትምህርቲ-ድኅነት-” ብምትኳርውን፥ ኣብ መንጎ “-ክርስቲያን-” ምባልን፥ ኣብኡ ኣብ ክርስትና ክትነብር ምኽኣል ዘሎ ፍልልይን ብምንጽጻር፥ ዝሃቡዎ ትምህርቲ ኣዚዩ ሓናፅን ኣገዳስን ምንባሩ ክጥቀስ ካብ ዘለዎዩ። ማለት ኣብ ክርስትና እነብር ኣለኹ ማለት፥ ኣብ ዓለም እናነበርካ ካብ ዓለም ተፈሊኻ ክትነብር ምኽኣል፥ ማለት ምዃኑዮም እቶም ምሁራን ዝገለጹዎ።

ምስ ብምትሕሓዝውን፥ “...እቲ ኣብ ክርስትና እነብር ኣለኹ ዝብል ኩሉ፥ ብቐጻሊ ነፍሱ ክፍትሽ እንተ-ኸኣለዩ፥ ሕይወት ዘለዎ ክርስትና ኣሎኒ ክብል ዝኽእል እምበር፥ ብሕጊ ክርስትና ዘይምለኽ ፋሉል ዝኾነ ሕይወት ሒዝካ ክርስቲያን ምባል፥ ትርጉም ዘለዎ ክርስትና ክኸውን ዘይክእል ምዃኑዮም ...” እቶም ምሁራን ንልቢ ሰማዕቲ ክርዳእ ብዝኽእል ናይ ኣቀራርባ ዘይቤ ከቕርቡዎ ዝኸኣሉ።

ከም ኣበሃህላ እቶም ምሁራን “... ክርስትና ኣብ ጸጽባሕ መስቀልካ ኣልዒልካ፥ ብዘይ ምቁራጽ ክግበር ዝነብር ቀጻሊ ጉዕዞ ደኣምበር፥ ካብዚ መስመር ወጻኢ የማነ ጸጋም ተኣላሊኻ ዝኽየድ፥ ካልእ ኣቋራጭ መንገዲ ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚውን መስቀልካ ክትጸውር ከይከኣልካ፥ ኣብ ክርስትና እነብር ኣለኹ ምባል ስለ-ዘይከኣል፥ መስቀልን ክርስትናን ክልተ ክፈላለዩ ዘይክእሉ ምዃኖም ምፍላጥ፥ ኣብ ጉዕዞ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ዋናን ኣገዳስን ...” ብምባልዮም እቶም ምሁራን ጸቒጦም ዘረድኡ።

ብዝተረፈ ካብ ጉባኤ-ማንችስተር ክንርድኦ ከም-እንኽእል፥ እቲ ዝጸንሐ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ መድረኽ፥ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘመናዊ-ትውልዲ ክርድኦ ብዝኽእል ቋንቋ፥ ክምህሩን ከረድኡን ዝኽእሉ ዘመናውያን ዉሉደ-ክህነት፥  እናተክእዎ ይኸዱ ምህላዎም ዘረድእ። እዚ ድማ መጻኢ ዕድል ቤተ-ክርስቲያን ዘበሥር፥ ከም ነጥበ መቐይሮ ዝርአ ዓቢይ ዓወትዩ። እዚ ከርእየና ዝኽእል ድማ፥ ድሕሪ ደጊም ኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ወንጌል-ማእከል ናይ ዝገበረ ኣገልግሎት ዋና መድረኽ ኣብምዃን ይቕየር ስለዘሎ፥ ብሥራት ትንሣኤ  ቤተ-ክርስቲያን ጌርካ ክውሰድ ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር እቲ ብኅብረት ሠለስተ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ማለት ሎንዶንን, ማንችስተርን, በርኒንግሃምን ዝተግብረ ጉባኤ። እዚ ኅብረት ቀጻሊ ኮይኑ፥ በብዓመቱ ብቐጻሊ ጉባኤ ክግበር  ዝቐረበ ሕቶ፥ብማኅበረ-ምእመናን ተቐባልነት ስለ-ዝረኸበ፥ ዓመታዊ-ጉባኤ ኣብያተ-ክርስቲያናት ዓዲ-እንግሊዝ እናተባህለ ክቕጽል ተወሲኑ ኣሎ። ብዝተረፈ ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮንን ቀሲስ-ሺኖዳ ኢዮብን ኣካል እቲ ጉባኤ ኮይኖም ዝተረኽቡ ክኾኑ ከለዉ፥ ዲያቆን-ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት ድማ ኣወሃሃዲ መድረኽ ኮይኑ ዝምስገን ኣገልግሎት ፈጺሙ እዩ።

ብዝተረፈ ማኅበረ-ምእመናን ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ማንችስተር፥ኣብቲ ሠለስተ-መዓልቲ ዝወሰደ ጉባኤ። ኣጋይሾም ንምቕባል ዘርኣዩዎ ተወፋይነት፥ ክንደይ ዝምስገን እዩ። እዚ ንኽንደይ ጽንኩር ፈተናታት ተሳጊሩ፥ ጸኒዑ ደው ክብል ዝኸኣለ ቤተ-ክርስቲያንዚ፥ ነቲዝተባህለ ኩሉ ሓሊፉ ነዚ ዕዉት ጉባኤ ከካይድ ምኽኣሉ፥ “-በልዎ ለእግዚኣብሔር ግሩም ግብርከ-” ዘየብል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ዓቢይ ግብሪ ገይሩልና እዩ።

ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ከኣ ዝተመስገነ ይኹን-!!! ኣሜን።

ዘኣንበሳ ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div