S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር

ከም-ዝፍለጥ ንህብን ሃመማን ተመሳሰልቲዮም። ምውዓሎም ግና ሓደ ኣይኮነን። ከመይሲ ሃመማ ዝርከበሉ ኣድራሻ፥ ኣብ ጎዱፍ ክኸውን ከሎ። ንህቢ ግና ኣብ ቖፎ መዓር ዝርከብ። ምርጫ ሰባትውን ከምኡ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም መንገዲ ዴማስ መሪጾም፥ ናብቲ ባሕሪ-ዓለም ዘሊሎም ብምእታው ክሕምብሱ ከለዉ። ገሊኦም ድማ ብኣንጻሩ መንገዲ ቤት-ኣምላኽ መሪጾም፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምውዓሎም ምሕዳሮም ዝገብሩ ኣለዉ።

ስለዚ ድማ ኣርእስቲ-ጽሑፍና “-ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ክኸውን ዝተመርጸ። እዚ ማለት ድማ “-ንሳቶምሲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንዮም ቆይሞም ዝርከቡ-” ከም-ምባል ዘስምዕ እዩ። ብርግጽ ድማ እዚ ኣርእስቲዚ፥ ነዞም በዚ ዕለት ብደረጃ ዩኒቬርስቲ ዝምረቑ ዘለዉ፥ ዲያቆናት ደቅና ዝሰማማዕ እዩ።

 ከመይሲ ንሕና ከይተዛረብና ስቕ እንተበልና፥ እቲ  ኣገልግሎቶም ቀዲሙና ባዕሉ ክዛረብ ስለ-ዝኽእል። ብዛዕባ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ዘለዎም መዘና ዘይብሉ ተወፋይነት፥ ክንምስክርሲ ንግደድ ኢና። ከምቲ ኣብ ኣርእስትና ተባሂሉ ዘሎ። ካብ መነባብሮኦም ንላዕሊ፥ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ቀዳምነት ብምሃብ፥ ኣብ ቤት-ኣምላኽ ተተኺሎም ዝርከቡ ዘለዉ እዮም፥ ተባሂሎም እንተ-ተገልጹ ዝበዝሖም ኣይኮነን። ንሳቶም ድማ፥

ዲያቆን ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት

ዲያቆን ኣማኑኤል ተክለ-ሃይማኖት

እዮም። እዞም ክልተ-ዲያቆናት ኣብ ማንችስተር-ዩኒቨርስቲ፥ ንሓሙሽተ-ዓመት ትምህርቶም ክከታተሉ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣካዳሚካል-ቲኦሎጂ ድሕሪ ምውዳእ፥ (ፖስት-ግራዱወሽን) ብደረጃ-ማስትረይት ክምረቑ ክኢሎም ኣለዉ። እዚ ዓወት ድማ ምንም ናታቶም መሲሉ ዝርአ እንተኾነ። ብዓቢኡ ግና ዓወት እታ ውጽዕቲ ቤተ-ክርስቲያንና እዩ። ከመይሲ ብሰንኪ ምሁራን ዘይምህላው፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ዝርከብ ዘሎ ስለዚዩ።

በቲ ሓደ ሸነኹ እዚ ዓወት ክርአ ከሎ። ናይ ማኅበረ-ምእመናን ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ማንችስተር እዩ ክበሃልውን ይከኣል። ከመይሲ እቶም ኣብዚ ቤተ-ክርስቲያን ዘለዉ ሕዝቢ። ነዞም ዲያቆናት ከም ወለዲ ኮይኖም፥ ካብ ጎኖም ከይተፈልዩ ሓቝፉሞምን ሓብሒቦሞምን እዮም። ስለዚ ከኣዮም ነቲ ኩሉ ዝሓለፈ ጽንኩር ፈተና ተሳጊሮም፥ ኣብዚ ሕጂ እታ ቤተ-ክርስቲያን በጺሓቶ ትርከብ ዘላ፥ ናይ ዓወትን ሰላምን መድረኽ ክበጽሑ ዝኸኣሉ።  እቶም ኣብዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ ዝርከቡ ዲያቆናትን ምእመናንን ብዝገበሩዎ ናይ ሓባር ጻዕሪ ከኣዩ፥ እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ክርከብ ዝኸኣለ።

እምበኣር ማኅበረ-ምእመናን መድኃኔ-ዓለም ማንችስተር፥ ነቶም ዲያቆናት ደቆም ዘለዎም ፍቕርን ኣኽብሮትን ንምግላጽዮም። ሰፊሕ ውራይ ብምግባር፥ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኮይኖም ተዓጢቖም ዝወዓሉ። እቲ ኣብ መንጎቶም ማኅበረ-ምእመናንን፥ እቶም ዲያቆናትን ዘሎ ስጡም ፍቕሪ ከኣዩ፥ ነታ ብኽንደይ ጽንኩር ፈተናታት ዝሓለፈት ቤተ-ክርስቲያን ማንችስተር ኣብ ዓወትን ሰላምን ከብጽሓ ክኢሉ ዘሎ።

ብዝተረፈ እዞም ክልተ በዚ መዓልቲዚ፥ ብመዓርግ ዝምረቑ ዘለዉ ዲያቆናት ደቅና። እቲ ዝተቐበሉዎ መዓርግ፥ መዓርግ ቅድስናን ዓወትን ክኾነሎም፥ ናይ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ጸሎትን ትምኒትን እዩ። እግዚኣብሔር ዝኸብረሉን ንሳቶም ዝባረኹሉን ክኸውን ድማ ጸሎት ቤተ-ክርስቲያን እዩ።

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን 

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

More Photos

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div