S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ታሪኻዊ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ፥ ጸኒዑ ይርከብ ከም ዘሎ ዝእመነሉ፥ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ መንበር። ሓድነት ቤተ-ክርስቲያን ንምዕቃብ ብዘለዎ ሓላፍነት፥ ብብዙሕ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝፍለጥዩ። ድሕሪ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ምእታዎም፥ ማለት ካብ 1998 / (2006) ኣትሒዙ። እዚ ብብፁዕ ኣቦና እናተመርሐ ዝጐዓዝ ዘሎ መንበረ-ጵጵስና፥ ታሪኽን ክብርን ሓድነትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንምዕቃብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፥ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሓበንን ተስፋን ኮይኑዎ ይርከብ ምህላዉ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ።

እዚ ማለት ድማ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፥ “-ዓቃቤ-መንበር-” ከም-ምዃኖም መጠን፥ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ኣውያቶም ከስምዑ ምጽንሖም ዝፍለጥዩ። ይኹን እምበር ምንም ብፁዕ-ኣቦና፥ ኣብ ናይ ሽምግልና ዕድመ ይርከቡ ምህላዎም እንተ-ተፈልጠ፥ ኣብዚ ፈተና ዝኸበደሉን ሰብ ዝተሳእነሉን ሰዓት ግና፥ እቶም በዓል ዓቢይ ታሪኽ ዝኾኑ ብፁዕ-ኣቦና። ነታ  ቤተ-ክርስቲያን ካብቲ ተጻዒኑዋ ዝርከብ ዘሎ ኣርዑት-ፖለቲካ ንምልቓቕ፥ ዓቐቤት ክድይቡን ቁልቁለት ክወርዱንዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ከመይሲ ነቲ ኣብ 1996 / (2006) ንማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተኸቲሉ፥ ኣብቲ ላዕለዋይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ምምሕዳራዊ-ጽፍሒ፥ ዝተፈጥረ ምምሕዳራዊ ሃጓፍ ንምምላእ። ከምቲ ሳሙኤል “-ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ ተዛረብ-” ብምባል ዝተኣዘዘ። ብፁዕ ኣቦናውን ብተመሳሳሊ መንገዲ፥ ነታ ንህልውናኣ ብዝፈታተን ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ማዕበል፥ ትሕቈን ዝነበረት ቤተ-ክርስቲያንና ኣሎኹ ብምባል፥ “-ዓቃቤ-መንበር-“ ኮይኖም ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ክዕቅቡ ዝኸኣሉ፥ ተስፋን ጽንዓትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ ኣቦዮም።(1 ሳሙ.3/10)

ስለ ድማዮም ብፁዕ ኣቦና፥ ምንም ኣብ ናይ ሽምግልና ዕድመ ይርከቡ እንተሃለዉ። እዚ ዝተባህለ ከቢድ ሓላፍነት ኣገዲዱዎም። ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ-ምብራቕን ንዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት ክጓስዩ፥ ዓቐቤት ክድይቡን ቁልቁለት ክወርዱን ዝርከቡ ዘለዉ። እዚ ብመንገዲ ብፁዕ ኣቦና ኣቢሉ ክዕቀብ ዝተኻእለ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ከኣዩ፥ ነቲ በዓል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ኣባ-ሉቃስን ጠፋጢፎም ዝሠርሑዎ፥ ኣብ ኣሥመራ ኣሎ ዝበሃል መንበር። ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ብቐጻሊ ዘጋጥሞ ዘሎ መንጸግቲ ምጽዋሩ ስኢኑ፥ ዓይኒ ከም-ዘይብሉ ሬሳ ምዉት ዘይቅቡር ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

ብርግጽውን እዚ ካብ 1998 / (2006) ኣትሒዙ፥ ብብፁዕ ኣቦና እናተመርሐ ዝካየድ ዘሎ ሓዋርያዊ-ኣገልግሎት። ነቲ ኩሉ በቶም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ተቓውሞ ተጻዊሩ፥ ጸኒዑን ደልዲሉን ክርከብ ዝኸኣለ፥ ውጽኢት ጻዕሪ ብፁዕ ኣቦና ምዃኑ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝሰማምዑሉ ነጥቢዩ። ብዝተረፈ እቲ ብናይ ብፁዕ-ኣቦና ዓቃቤ-መንበርነት ዝምራሕ ዘሎ መንበር፥ ጸኒዑ ክርከብ እንተ-ዘይክእል ነይሩ፥ ደልዲላን ጸኒዓን እትርከብ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ክትህልወና ምኸኣለት ኢልካ ክሕሰብ ኣይምተኻእለን።

ከም መቐጸልታ እቲ ክግበር ዝጸንሐ ኩሉ ቃልሲ ከኣዮም ሕጂ፥ ብፁዕ-ኣቦና ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ዝርከቡ ዘለዉ። ከም-ዝፍለጥ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን፥ ወርሓት-ክረምቲ ምዃኑ እንተ-ተፈልጠ። እዚ ኩሉ ግና ከም ምኽንያት ኮይኑ ንብፁዕነቶም፥ ካብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝዕንቅፎም ኮይኑ ኣይተረኽበን። በዚ ምኽንያት ድማ፥ ኣብዘን ዝስዕባ ከተማታት ማለት፡-        

                                       ኣብ ማንችስተር    19-20 01/2018

                                       ኣብ በርኒንግሃም   27/01/2018

                                       ኣብ ሎንዶን        28/01/2018

ኣብ መንጎ ኣዚዩ ዝናፍቖምን፥ ዘኽብሮምን ማኅበረ-ምእመናን ተረኺቦም፥ ቅዳሴ ብምስራዕ ነቲ ሕዝቢ ተሳታፊ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ክገብሩዎ ክኢሎም። ንብዙሓት መንእሰያትውን ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስቲያን ንምዃን ዘኽእሎም፥ መዓርገ-ዲቁና ብምሃብ ባሪኾሞም። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ኣብ መንእሰያት ትዅረት ዝገበረ መደብ ኣሠራርሓ ስለ-ዘይጸንሓ፥ ንመንእሰያት ተሳተፍቲ ክገብር ዝኽእል መድረኽ ጸኒሑዋ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ድኽመት ድማ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ንወራር መናፍቓን ከም-ዝቃላዕ ገይሩዎ ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥዩ።

ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋንውን፥ እዚ ድኽመት ተኣሪሙ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ ኣብቲ ድሕሪ ነፃነት ዝነበረ ዓመታት፥ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያናት ተዋሕዶ ክሥረሓሉ፥ ተስፋ ዘግብር ተበግሶ ተጀሚሩ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ 1987 / (1995) ዝተኣወጀ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያንውን፥ ኣብ ኣንቀጽ-38 “-ክፍሊ-ትምህርቲ-ሰንበት-” ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። እቶም ሰብ-ፖለቲካ ብዝገበሩዎ ተጻብኦ ግና፥ እዚ ዝተባህለ ክፍሊ ሕይወት ዘሪኡን ትንፋስ ሰዅዑን፥ ክንቀሳቐስ ዘኽእሎ ባይታ ክረክብ ኣይከኣለን።

ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር ከኣዩ፥ እቶም ሓበን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኢልካ ክግለጹ ዝኽእሉ። ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም።  እቲ ወንጌል ምስባኾም ከም ገበን ተቘጺሩ 13-ዓመት መመላእታ ተሞቝሖም ዝርከቡ ዘለዉ። ስለ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ኣብዚ ዓቢይ ጠመተ ዘድልዮ ኣርእስቲ ብምትኳር፥ ብዙሓት መንእሰያት ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ክዳለዉ ብምባል፥ ክባርኹዎም ምኽኣሎም ክንደይ ዘሐጕስ እዩ። 

ብዝተረፈ ብፁዕ ኣቦና፥ ንብምሉኡ ማኅበረ-ምእመናን ዘሳተፈ “-ምሥጢረ-ቀንዴል-” ብምጽላይ ድሕሪ ምድላዎም፥ ንብምሉኡ እቲ ሕዝቢ  ዘይቲ ስለ-ዝቐብኡዎ፥ እቲ ሕዝቢ በቲ ዝተቐበሎ ፍሉይ በረኸት፥ ነቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ኣምላኽ ክብሪ ብምሃብ ከመስግን ዝተራእየ። ብዝተረፈ እቲ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቦና፥ ምሉእ ኣኽብሮትን ፍቕርን ስለ-ዝጸንሖ፥ ንሓጎሱ ወሰን ኣይነበሮን። ስለዚ ከኣ “-ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ-” ብዝብል ጣዕመ-ዜማ እናዘመረ፥ ብዓብይ-ክብሪ ክቕበሎም ዝኸኣለ።

እቶም ኣብዚ ዕለት ብኢድ ብፁዕ ኣቦና፥ ብበበይኑ መዓርግ ዝተባረኹ ሕፃናትን መንእሰያትን፥ እዞም ቁጽሮም ስዒቦም ተጠቒሶም ዘለዉ እዮም። ማለት ካብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ማንችስተር 17-ክኾኑ ከለዉ። ካብ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ-እንጦንዮስ በርኒንግሃም ድማ 2-እዮም። ብጠቕላላ ከኣ ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ 19-ሕፃናትን መንእሰያትን፥ ብኢድ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ንኣገልግሎት ክባረኹ ክኢሎም። በዚ ዓቢይ ፍጻሜ ከኣ ዘይተሓጎሰ ኣይነበረን።

እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ኣብቲ ናይ መንበረ-ማርቆስ ጉንዲ ኣጽሊለን፥ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት፥ ኣትሪረን ዝረገጻ ከም-ምዃነን መጠን። እቶም መንእሰያት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ክዓብዩ ኣብ ምግባር፥ ትዅረት ገይረን ክሠርሓ እንተ-ተረኽባ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ ንኹሉ ነገር ንቕሓት ወሳኒዩ። ስለዚውን እቶም ኣገልገልቲ እዘን ኣብያተ-ክርስቲያናት እዚኣተን፥ ክገብሩዎ ብዝጸንሑ ዘይሕለል ጻዕሪ ዝተበጽሐ ዓወት ደኣምበር፥ ብኸምኡ ባዕሉ ክሥራሕ ዝኸኣለ ነገር ክበሃል ኣይከኣልን።

ከመይሲ ሕፃናትና ኣብ ኣተዓባብያኦም፥ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ንኸይዓብዩ ዝጸንሐ ድኽመት፥ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ክርስትናና ታሪኽ፥ ዝገደፈልና በሰላ ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ከም ውጽኢት ኩሉ ድማ፥ ኣብ መንጎ ዘመናዊ-ወለዶን ቤተ-ክርስቲያንን፥ ገፊሕ ጋግ ክፍጠር ምኽኣሉ ከም ኣብነት ካብ ዝጥቀስ ሓደዩ። ነቲ ዝጸንሐ ጋግ ንምጽጋን ከኣዮም ሕጂ፥ ብፁዕ ኣቦና ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ መንእሰያትን ሕፃናትን ኣብ ምብራኽ፥ ትዅረት ገይሮም ክሠርሑ ዝርከቡ ዘለዉ።

 ብዝተረፈ እቲ ዑደት ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ። ኣዚዩ ሰፊሕን ሓናጽን ዝኾነ ትምህርቲ ብምሃብ፥ ነቲ ሕዝቢ ተስፋን ጽንዓትን ኮይኖሞ ተረኺቦም እዮም። ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና ኣተኵሮም ካብ ዘስምዑዎ ቃል ድማ “..... ኣብ ዕድመ 90-ዓመት ዝርከቡ ቅዱስ-ፓትርያርክ፥ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ይርከቡ እናሃለዉ፥ ሰላምን ደሓንን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ኣላትና ክንብልውን ኣይንኽእልን። ስለዚውን ነዚ ሕጊ ዝጠሓሰ ተግባርዚ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ። ንሳቶም ግና ጌጋኦም ክእርሙን ኢዶም ከውጽኡን ዝደልዩ ኮይኖም ብዘይ-ምርካቦም፥ እቲ ዕንወት ብዝኸፍአ መልክዑ ክቕጽሉዎዮም ዝርከቡ ዘለዉ .....” ብምባልዮም ብፁዕ ኣቦና ብምረት ዝተዛረቡ።

 ብፁዕ-ኣቦና ዘረባኦም ብምቕጻል “.....እዚ ኩሉ ግህሰተ-ሕጊ እናተፈጸመ ከሎ ግና፥ ንሳቶም እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኢድና ኣይመለስናን ብምባል፥ ደጋጊሞም ክዛረቡ ይስምዑ እዮም። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ከመይሲ ኣእዳዎም ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣእጋሮም ከይተረፈውን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ፥ እቶም ከቶ ክንርስዖም ዘይንኽእል ካህናት ቤተ-ክርስቲያን መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ኣይምተረኽቡን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከም-ዘረጋግጾ ግና፥ ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ፥ ቀሲስ ዶክተር-ተኽለኣብ መንግሥተ-ኣብ፥ ቀሲስ ዶክተር-ፍጹምብርሃን ገብረ-ንጉሥ፥ ከም ውን መሪጌታ ይትባረክ በርሀ፣ ካህናት ኮይኖም ብምርካቦምን ወንጌል ብምስባኾምን ጥራይ ገበን ተቘጺሩዎም፥ እንሆ 13-ዓመት ዝኣክል ግዜ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ.....” ብምባልዮም ብፁዕነቶም ምረቶም ዝገለጹ።

ብምቕጻል “..... ኣብ ሃገርና ሰላምን ራህዋን ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፥ ሕዝብና ሓሲሙዎን ጸቢቡዎን ዝርከብ ዘሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፥ እንሆ እቲ ሃገር ክርከብ ዝነበሮ መንእሰይ-ወሎዶና። ዓዱን ቤቱን ወለዱን ንድሕሪት ገዲፉ፥ ባሕሪ ተሳጊሩ ክስደድ ካብ ዝጅምር፥ እንሆ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። እዚ ስደት ከኣ ኣብ ህልውና ሃገርና፥ ብቐሊል ክጽገን ዘይክእል ሓደ ዓቢይ ስምብራት ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ ዝፍለጥ እንተኾነ፥ እዚ ክንድ ዝምኽባዱ ሃገራዊ-ጉዳይዚ፥ ክግደሰሉ ዝደሊ ኣካል ዘይብሉ ኮይኑ ምርካቡ። ካብዚ ውድቀት ንላዕሊ ንሕዝብና ክንገሮ ዘድሊ ካልእ መርድእ ኣሎ ኣይንብልን.....” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእኽቲዮም ብፁዕ ኣቦና ኣመሓላሊፎም።

 በዚ ኣገባብ ድማ እቲ ብፁዕ ኣቦና፥ ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ክገበሩዎ ዝቐነዩ፥ ዕዉት ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ሓዋርያዊ-ዑደት ክፍጸም ክኢሉ። እዚ ዑደት ዕዉት ከም-ዝነበረ ከኣ፥ ካብቲ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፍ ዝቐነየ ሕዝቢ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን። ብዝተረፈ ኣብቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ክግበር ዝቐነየ ናይ ቅዳሴ-ኣገልግሎት። እዞም ስዒቦም ዘለዉ ካህናትውን፥ ናይ ብፁዕነቶም ተራዳእቲ ብምዃን ተሳተፍቲ ኮይኖም ቀንዮምዮም። ንሳቶም ድማ መጋቤ-ካህናት ተክለማርያም ምርካ-ጽዮን፥ ቀሲስ-ሺኖዳ ኢዮብ፥ ቀሲስ-ዮናስ ተሾመ ክኾኑ ከለዉ። ናይቲ መደብ ኣወሃሃዲ ብምዃንውን ዲያቆን-ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት ተሳታፊ ምንባሮም ይፍለጥ።

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div