S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉባኤ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ

ጉባኤ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፥ እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ-ካህናት ሎሚ ዓመትውን ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ንሠለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ ክካየድ ቀንዩ ብሰላም ተዛዚሙ።

እቲ ካብ ሓሙስ ንግሆ ዕለት 7 የካቲት 2018 ኣ.ፈ ጀሚሩ ክሳብ ቀዳም ዕለት 10, 2018 ኣ.ፈ ክካየድ ዝቐነየ መንፈሳዊ ሥልጠና፥ መብዝሕትኦም ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣቦታት ካብ ርሑቕን ቀረባን ተጓዒዞም ብቡዕ (ድሮ-ጉባኤ) ኣትዮም ብምሕዳር፡ ሓሙስ ብጸሎተ ነግሂ ጀሚሮም ቅድሚ ቀትርን ድሕሪ ቀትርን (ናይ ምሸት) ከክልተ ኣርእስቲ መደባት ብምድላው ሰፊሕ ትምህርትን ግብራዊ ኣብነትን ቀሪቡ፡ ተሳተፍቲ ሥልጠና ከኣ እንዳተመያየጡን እንዳተመካኸሩን ኣዝዩ ሃናጺ ዝኾነ፡ ኣብ ክህነታዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብዙሕ ጠቓሚ ዘለዎ መንፈሳዊ መደባት እዩ ክወሃብ ቀንዩ።  

ኣቐዲሙ ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን ብዝተዳለወ ፕሮግረም መሠረት ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን ብኮሚቴታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ተመዲቦም ንኣዋርሕ ዝኣክል ከጻፍፍዎ ዝጸንሑ መደብ ትምህርትን ሥልጠና መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ተኣኪቡ በብዝተሰርዓሉ ጊዜ ናብ ጉባኤ ቀሪቡ፥ ጉባኤ ካህናትን ዲያቆናትን ድማ ሰፊሕ ዘተን ልዝብን ብምግባር ምስ ተወሳኺ ሓሳባት ከሀብትሞዎ ቀንዮም።  ብጽሙቕ ዝበለ ሓሳብ እቲ ክወሃብ ዝቐነየ ትምህርትን ሥልጠና መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ወላኳ ኣብ ነዊሕ ሰዓታትን ኣብ 8ተ ክፍልታት ዘተኮረ እንተኾነ ብኣጠቓላሊ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡- 

1.      ስሩዕ ኣተገባብራ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት፥

2.     ምስፋሕ ዕዮ ወንጌልን ምዕቃብ ትውፊታትን፥

3.     ግቡእ ምሕደራን ጉስነት ምእመናን፥

4.     ህልው ኵነታትን ኣጠቓቕማ መራኸቢታትን፥

5.     ካልእን ......  ዘጠቓለለ ሥልጠና እዩ ነይሩ።

ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፥ ሰብ ንሰብ ድማ ይምህሮ! (ምሳ 27፡17) ዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ኣቦታት ውሉደ-ክህነት በብእዋኑ እንዳተራኸቡ ክመሃሃሩን ክላዘቡን ምግባር ንመንፈሳዊ ትንሣኤን ብሩህ መጻእን ዕዮ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ምዃኑ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ስለ ዝኣመነሉ እንሆ ብተኸታታሊ  ይጋባእ ኣሎ። ኩሎም ውሉደ- ክህነት ከም ኣምባሳዶራት ክርስቶስ መጠን ደረጃ ሓላፍነቶም ተረዲኦም መንፈሳዊ ፍልጠቶም ክዓብን ክምዕብልን  ኣብ ኣገልግሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ብዙሕ ረብሓ ስለ ዘለዎ እዮም ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን ዕለታዊ ሥርሖም ኣቋሪጾም፡ ካብ ገዝኦም ርሒቖም ኣብ ህድኣትን ቅሳነትን ዘለዎ ጽምዋ ገዳም ተኣኻኺቦም ብጸሎትን ትምህርትን ክሥልጥኑ ዝመረጹ።

ብዛዕባ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ትምህርቲ ምምሃር ግደ ኻህናት እዩ።ንሳቶም ልኡኻት እግዚኣብሔር ጎይታ ሠራዊት ስለ ዝኾኑ ፍቓደይ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጡ ህዝቢ ናብኣቶም ክኸዱ ይግባእ። (ሚል 2፡7) ንዝብል ንጹር መልእኽቲ መበገሲ ጌርና እንተ ደኣ ተረዲእናዮ፥ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝእዘዝ፥ ቅኑዕ ትምህርቲ ዝምህር፥ እሙን ልኡኽ እግዚኣብሔር ኮይኑ ንህዝቢ ኣብ ግዜ ፈተናን ራህዋን ክመርሕ ዝኽእል፡ መንፈሳዊ ኣጽዋርን መንፈሳዊ ፍልጠትን ብግቡእ ዝሰነቐ ውፉይ ውሉደ-ክህነት ምስ ዝተሓዝ እዩ መከራና ዝሓጽርን ሽግርና ዘኽትምን ምባል ይከኣል። ምኽንያቱ ብሥነ-ምግባር እምነትን ብግብረ-ገብነትን ዝበሰለ ኣብነት ዝኸውን መሪሕነት ከይሓዝካ  ንባዕሉ ካብ ፍርሒ ሓራ ዘይወጸ ውሉደ-ክህነት ንመን ሓራ ከውጽእ ይኽእል? ንባዕሉ ኣብ ሰማያዊ ዕላምኡ ዘይጸንዐ ውሉደ-ክህነት ንኣየናይ ህዝቢ ኣብ ሃይማኖት ከጽንዕ ይኽእል ኢልካ ምሕታትን ህልው ኵነታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ምስትብሃል ከም ዘድሊውን ርዱእ እዩ። 

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዛዘሚ ምድራዊ ትምህርቱ፡ ናይ ፈነዋ መልእኽቱ ስምኦን ወዲ ዮና ካብዚኦም ኣብሊጽካዶ ተፍቕረኒ ኢኻ? በሎ። ንሱ ከኣ እወ ጎይታይ ምስ በሎ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ ኣባጊዐይ ሓሉ! ዝብል ሕድሪ-ጉስነት እዩ ዝሃቦ። (ዮሓ 21፡15-17) ስለዚ እቶም ሓዋርያዊ ህድሪ-እምነት ተቐቢልና ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ጉስነትን ኣገልግሎትን ተዋፊርና ዘሎና ኩልና ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነት፡ እዚ ዓለምን ኣብዚ ዓለምን ዘሎ ኩሉን ሓላፊ ምዃኑ ተረዲእና መስቀል እምነትና ተሰኪምና ኣሰር ኣሰር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳሰዓብና ብመንፈሳዊ ፍልጠትን እምነትን ገዛእ ርእስና ሃኒጽና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከነገልግልን ተበታቲኑ ዘሎ ህዝብና ብፍቕሪ ክንጓስን በዚ ኣጋጣሚ መንፈሳዊ መልእኽትና ከነመሓላልፍ ንፈቱ። ብተወሳኺ ንኹሎም ተሳተፍቲ ኣቦታት ካህናትን ኣኅዋት ዲያቆናትን ከምኡውን ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን ብልቢ እንዳኣመስገንና ብዝያዳ ከኣ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኣብ ገዳሞም ቦታ ስለ ዝሃቡናን ብፍሱሕ ገጽ ዝተቐበሉናን ጻምኦም ልዑል እግዚኣብሔር ክኸፍሎም ወትሩ ንኣምላኽ ንልምን። ሱባኤ ጾምና ኣፈጺሙ፡ ኣብ ብሩኽ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም የብጽሓና።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ!

ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን መንበረ ጵጵስና ሃገር ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div