S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰረተ-እምነትና (ዶግማ)

ዶግማ እንታይ እዩ፧
ዶግማ ማለት ቃሉ ጽርኢ ኰይኑ ትርጉሙ ድማ መትከላዊ እምነት ክርስትና ማለት እዩ። ንዶግማ ሓጸረ ኢልኻ ኣይትልቅበሉን ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉን ከም ዘለዎ እትቕበሎ ሕጊ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ወይ ቃል እግዚኣብሔር እዩ። ከመይሲ ቅዱስ ዮሃንስኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቓላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጉደለ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኸተማን ግዴኡ ኼጉደለሉ እዩ” (ራኢ 2218-19) ክብል ጽሒፉ እዩ እሞ ናብ ዶግማ ማለት ቓል እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ምድሪ

ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ሰብ ይኹን መልኣኽ ክውስክ ክንኪ ሥልጣን ዝተዋህቦ ወይ ዝተፈቕደሉ ከቶ የልቦን። ከመይ ሓዋርያ ጳውሎስግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ ሕጂውን ከም ብሓድሽ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ ንሱ ውጉዝ ይኹን እብል ኣሎኹ። ስለ ዝበለ። (ገላ፡ 18-9)ቀኖና ግና ንምትርጓምን ንምሕላው ቓል እግዚኣብሔር ብሓዋርያትን ብኣበውን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝተሰርዔ እዩ። ጎይታ ንሓዋርያትእቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩከም ዝበለ (ዮሃ፡1613) ሓዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ ጽሑፍ እዚ መልሲ ከጽድቖ ከሎ፥ንሕና ግና መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎናኢሉ ቀኖናውን ስራሕ መንፈስ ቅዱስን መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖም ሰባትን ከም ዝዀነ ኣረጋገጸልና። (1ቄረ፡213) ሓዋርያትን ኣበውን ንቀኖና ብመንፈስ ቅዱስ ማለት እቲ መንፈስ ሓቂ ተመሪሖም ከም ዝሰርዕዎ የረጋግጸልና። ቀኖና ናብቲ ንጹህ ዝዀነ ቓል እግዚኣብሔር ኣበር ከይውሰኾ ብሓዋርያትን ኣቦታትን ብመንፈስ ቕዱስ ተመሪሖም ዘቑሙዎ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝሕሉ ጽሑፋት እዩ።

ብርግጽ ኣቦታት ከም ዝኣመትዎ ኣብቲ ሰለስተ ጉባኤታት ድማ ከም ዝተራእየ ንቀኖና እንተነውሔ ከነሕጽረሉ እንተ ሓጸረ ድማ ክንልቕበሉ በቶም ነዚ ሥርዓት እዚ ዝሰርዑ ኣቦታት ተፈቒዱልና ኣሎ። ይኹን እምበር ንቐኖና ክንውስኸሉን ከነሕጽረሉ እንኽእል ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን (ecumenical Councils) ተኣኪባ ብመሪሕነት መንፈስ ቕዱስ ድኣ ይስራዕ እምበር ብዝኾነ ኣይስራዕን።ግዜ ዝሃቦ ሓምሓም እምኒ ይሰብርከም ዝተባህለ ግና ዝዀነ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ወይ መራሕ ሃገር ወይ ዝዀነ ሓያል ሓይሊ ስለ ዝረኸበ ወይ ቃሕ ስለ ዝበሎ ተነጺሉ ከውስኽ ወይ ከጉድል ፈጺሙ ኣይፍቀደሉን። ከመይሲ ቀኖና ሓላው እምነት ሓጹር ንትምህርትን ንቓል እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ። ተዘይ ዀነ መርስዮን መንታኒዮስ ኢጥያቀስ ግናሽ ደሲትዮስ ኣርዮስ መቅደንዮስ፥ ኣጰሎርዮስ ንስጥሮስ ወዘተ ዝተባህሉ ከሓድቲ ብቀኖና እንተዘይ ክልከሉ ንቓል እግዚኣብሔር ሓጹር ጥሒሶም ኣትዮም፥ ከም ድላዮም ምገበሩዎ ነይሮም።

ቀኖና ነቶም ኣብ እምነት ዘለዉ፥ ኣብ መትከል እምነት ክሳዕ ሞት ምእንቲ ክጸንዑ፥ ካብ ሰበኻ ክሳብ ዓለም ለኻዊ ዘለዉ መእመናን ዘነባብር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ድማ ንዶግማ ገፈል ከይኣትዎ ከዲኑ ዘነባብር ልምድን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ከይቅየር ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝሕሉ ጽሑፋት ድማ እዩ።

ጸሎተ ሃይማኖት ተኣምኖ ዶግማ እዩ።

ኣቦታት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣዳም ክሳብ ኣብራሃም ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ሙሴ ካብ ሙሴ ክሳዕ ሓዋርያት ካብ ሓዋርያት ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝተኣመንዎ ጸሎተ ተኣምኖ ወይ ዶግማ ወይ ጸሎተ ሃይማኖት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

. ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ፥ ዝርኤን ዘይርኤን ዝፈጠረ፥ ንኹሉ ብዝሓዘ፥ ብሓደ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ንኣምን።

1.ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ንኣና በቲ ወራስ ኹሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጥረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና። ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ ኹሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ። ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዚበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸ። እስኪ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኹኻ ከም ብሓዱሽ ድማ ኣነ ኣቦ እዀኖ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ ዝበሎ። ከም ብሓዱሽ ድማ ነቲ በኹሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ ኹላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ ይብል።………….ዕብ 1:1-6.

1. “ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልውኻ……………………….....ዘጽ፡ 203

2. “እግዚኣብሔር ብሹድሽተ መዓልቲ ሠማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ኹሉን ገይሩ እዩ እሞ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ኸኣ ዓረፈ”.ዘጽ፡ 2011

3. እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሠማይ ኣብ ታሕቲ ኸኣ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሔር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከም ዜልቦን ሎሚ ፍለጥ ኣብ ልብኻውን ሕሰቦ።…..ዘዳ፡ 439

4. እስራኤል ስማዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሔር እዩ።………..ዘዳ፡64

5. ንኣናስ ኹሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣቦ ኣሎና። ኹሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጎይታውን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና።…………………... ቆረ፡86

6. እቲ ልዕሊ ኹሉን ብኹሉን ኣብ ኹሉን ዘሎ ሓደ እምላኽን ኣቦ ኹሉን ንሱ እዩ።….ኤፌ፡46 

. ዓለም ከይተፈጥረት፥ ምስኡ ህልዊ ብዝዀነ፥ ብሓደ ጎይታ ወልድ ኣብ ብኢየሱስ ክርስቶስውን ንኣምን።

1. እግዚኣብሔር በለኒ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኹኻ።……………..መዝ፡ 17

2. እስኪ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ከም ብሓድሽ ድማ ኣነ ኣቦ እዀኖ፥ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ ዝበሎ።...……...እብ፡ 15

3. ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጥፍእሲ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።……....ዮሃ፡316

4. ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።…..ግብ፡ 412

5. ንሳቶም ከኣ ብጎይታና ኢየሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም በልዎ።ግብ፡ 1631

6. ንኣናስ ኹሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣቦ ኣሎና። ኹሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጎይታውን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣሎና።……………………….. ቆረ፡86

7. ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኹሉ ብርኪ ብስም ኢየሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ኢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ኹሉ ልዕል ዘበሎ፡ ኻብ ኽሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ።…………...ፊል፡ 210-11

ካብ  ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፥ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፥ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ።

1. ብቓል ብመጀመርታ ነበረ፡ ኣቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።……...ዮሃ 11

2. ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።……………………………………………………ዮሃ 10:30

3. ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ።…………………………………………………...ዮሃ 14:9

4. እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ኹሉ ናተይ እዩ።……………………………..ዮሃ 16:15

5. ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኹ፥ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ።ዮሃ 16:28

6. እቲ ብርሃን እዚ እዩ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።….ዮሃ 3:19

ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝዀነ፥ ኹሉ ብእኡ ኰነ፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ፥ ብዘይ ብእኡ ሓንቲ እኳ ዝዀነ የልቦን።

1. ብእኡ ኹሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ዮሃ 1:3

2. ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዚርኤን ዘይርኤን ዝፋናት ኰነ ወይስ ጉይትነት ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት ኹሉ ብእኡ እዩ እተፈጥረ። ……ቄሎ 1:16

3. ፍጡራቱ ኢና እሞ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተፈጠርና ኢና።ኤፌ፡ 210

ምእንታና ምእንቲ ሰብ፥ ምእንቲ ድሕነትና፥ ካብ ሰማይ ወረደ፥ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ድማ፥ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፥ ፍጹም ሰብ ኰነ።

1. ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት..ማቴ 1:18

2. መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩሉቃ 1:35

3. ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክሲ፥ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።……………………………………….ገላ 4:4

ብዘመን ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኸኣ፥ ምእንታና ተሰቕለ፥ መከራ ተቐበለ፥ ሓሚሙ ሞተ ፥ተቐብረ፥ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ድማ ተንስኤ። ከምቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ፥

1. “ጲላጦስ ዘይምብዛሕ ጫውጫው እምበር ገለ እኳ ኸም ዘይጠቕም ምስ ረኣየ ማይ ወሲዱ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ ባዕሉኻትኩም ፍለጡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። ማቴ 27:24

2. “ኹሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቕናን ይኹን ኢሎም መለሱሉ።ማቴ፡ 27:25"

3. "ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ ተቐብረ ኸኣ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ……...1ቆረ: 15:3-4

4. “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።….ዮሃ: 3:13

5. “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቔሰለ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትኸተ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረኽብ፥ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና……………………ኢሳ 53:4-5

6. “ኢየሱስ ከም ብሓዱሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ ነፍሱ ድማ ወጸት…..ማቴ 27:5

7. “ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቔጽረ……….ኢሳ 53:12

8. “ዮሴፍ ነቲ ሥጋኡ ወሲዱ ብሓዱሽ በፍታ ገነዞ። ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓዱሽ መቓብር ኣንበሮ፡ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዓጽይዎ ኸደ….. ማቴ 27 59-60

9. “ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፡ሉቃ፡ 24:5""

10. "እንሆ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ወሪዱ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፥ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ።……ማቴ 28:2-4

11. “ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ ኣብዚ የሎን………………....ማቴ፡ 28:6

12. “እምብኣርከስ ፍለጡን ኣስተውዕሉን እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቓል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ፡ መስፍን ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ ግዜ ጸበባ ኽነሱ ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓዱሽ ክትህነጽ እያ። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ ንርእሱ ግና ኣይኰነን።ዳን 9:25-26

13. “ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ እምብኣርከስ ስብከትና ኸንቱ እዩ እምነትኩምውን ኸንቱ እያ…………1ቆረ 15:14

ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ። ንሕያውያንን ንምዉታንን እውን ክፈርዶም፥  መሊሱ ብምስጋናን ብኽብርን ኪመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ ድማ መወዳእታ የብላን።

1. ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን መንግሥቲ ኼተንስእ እዩ። ንኹለን እዘን መንግሥታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ ንሳ ግና ንዘልኣለም ክትቀውም እያ።ዳን 2:44

2. “ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ ንሱ እቲ ብሥጋ እተገልጸ ብመንፈስ ጸደቐ ንመላእኽቲ ተራእየ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ ኣብ ዓለም ተኣምነ ናብ ክብሪ ዓረገ።1ጢሞ 3:16

3. “ኰነ ድማ ኪባርኾም ከሎ ካባታቶም ተፈልየ ናብ ሰማይውን ዓረገ።….......ሉቃ 24:51

4. “እዚ ምስ በለ ድማ እናረኣይዎ ዓረገ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶግብ 1:9

5.“ንሱ ኪዓርግ ከሎ ንሳቶም ከኣ ናብ ሠማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ እንሆ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ   ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሠማይ ኪዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸማኡ ገይሩ ኸኣ ኪምለስ እዩ፡በልዎም……….ግብ  1:10-11

6. “እንሆ ሠማይ ተኸፊቱ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ በለ………ግብ 7:56

7. “ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ዚመስል ብደበና ሠማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፡ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኹላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስ ግዝኣትን ክብርን መንግሥትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ። መንግሥቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ….. ዳን 7:13-14

8. “ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፥ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ”..ማቴ 16:27

9. “ንሱ ኣብ ቤት የኢቆብ ንዘለኣለም ክነግሥ እዩ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን….…ሉቃ 1:33

10. “ጎይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን  ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም….1ተሰ 4:16

ጎይታናን መሕየውን ብዝዀነ፥ ካብ ኣብ ብዝሠረጸ፥ ብነብያት ዝተዘረበ፥ ብመንፈስ ቅዱስ እውን ንኣምን። ምስ ኣብን ምስ ወልድን ኣሕቢርና ንሰግደሉ።

1.“እቲ ኣነ ካብ ኣቦይ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ…….ዮሃ15:26

2.ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺሰደልኩም እዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እም፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።ዮሃ፡ 1416-17

3.“ስለዚ ኺዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ግብርዎም። እንሆ ድማ ኣነ፡ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኹሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።……….. ማቴ 28:19-20

4.ኣብ በዓል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህበቡላ ንፋስ ካብ ሠማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦምላ ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኽም ዝሃቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።……ግብ  2:1-4

5.ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፈቓድ ሰብ ኣይመጸን።…..2ጴጥ 1:21

6.እቲ መንፈስ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዚምስክር ዘሎ።……………1ዮሃ5:7

ንልዕሊ ኹሉ ጉባኤ ሓዋርያት ብዝዀነት፥ ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እውን ንኣምን።

1.“ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጰጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።ማቴ 16:18
2.ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቕራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቕሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃ ሃበ።………………...ኤፌ 5:25

  ንሥሬት ሓጢኣት ብዝዀነት ብሓንቲ ጥምቀት እውን ንኣምን።

1.“ሓደ ጎይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት……………………….ኤፌ 4:5

2. እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕልና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ሥጋ ኣይኰነን።…………………………1ጴጥ 3:21

3.ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።……….ማር፡1616

፲፩. ብትንሣኤ ሙታን ከኣ፥ ተስፋ ንገብር።

1.ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበራ እዮም።.…ዳን12:2

2.ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።ዮሃ3:5

3.ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ፡ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቕ።………………ዮሃ5:29

4.ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና።.ፊሊ 3:20-21

፲፪  ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ፥ ኣሜን

1.እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዅነኔ የብሎምን…….ሮሜ፡ 81

2.ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽኻዮ ኢየሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።ዮሃ፡ 173

3.ኢየሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምንስ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ።..ዮሃ፡ 1125

4.እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኽኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያውያን ኪዀኑ እዮም።.ዮሃ፡ 525-26

5.ንኣና ብበደልና ምውታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያውያን ገበረና፡-- ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። ኤፈ፡25-7 ይሁዳ፡ 24-25 ዮሃ፡ 146 ራኢ፡211-7 ማቴ፡ 2549 ራኢ፡ 221-5

መጠቓለሊ
ዓላማ ዶግማ

ብመሰረት እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጽሑፋት፡ ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሰለስትነትን፡ ናይ ኢየሱስ ክርቶስ መድሓኒነትን ስለ ዝዅነ፡ ዶግማ ይብሃል። ዶግማ ነውሔ ኢልካ ኣይትንክየሉ፡ ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅበሉን ኢኻ እሞ ብሓቅነቱ ንዘለኣለም ጸኒዑ ይነብር። ከመይሲ እቲ ከጽድቕን ክኹንን ዝኽእል፡ ክመሓየሽ ክልወጥ ፈጺሙ ኣይክእልን። ዓሻ ብልቡ እግዚኣብሔር የለን ይብል ከም ዝተባህለ፡ ዝዀነ ሰብ ጽሑፍ ስዒሩ፡ እግዚኣብሔር የለን፡ ክርስቶስ ኣየድሕንን ዝብል ዓማጺ ሓይሊ እንተ መጸካ ግና ካብ ምኽሓድ፡ ፍጹም ውሳኔኻ ሞት ክኸውን ይግባእ።

1. “ብእኡ ክንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። ግብ፡412

2. ንሳቶም ከኣ፡ ብጎይታና ኢየሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። ግብ፡ 1631

3. “እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጽእ መከራ ኣይትፍርሃዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።ራእይ፡ 210

ብዶ/ ሽሞንዲ ኃይለ

Posted September 19, 2008 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div