S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን ኣመሰራርታኡን

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን፡ ኣመሠራርታኡን

ድሕሪ ናጽነት ሃገርና: ነቲ ብስደት ምኽንያት ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝነብር ህዝብና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ተባሂሉ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናብ ወጻኢ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ምልኣኽ ቀልጢፋ እያ ጀሚራቶ።

እዞም ንኣገልግሎት ዝተመደቡ ካህናት ምስቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ስደት ዝጸንሑ ካህናት ብምትሕብባር ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1999 ፈላሚ ጉባኤ ኣብ መካነ ሕይወት መድኃኒ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ሎስ ኣንጀሎስ ካሊፎርኒያ ኣካየዱ። ኣብዚ ጉባኤ'ዚ መንፈሳዊ ሕግን ቀኖናን ዘይገሃሰ መሰረት ኣንበሩ። እዚ መሰረት'ዚ ብሓደ ወገን ምስ ናይ ስደት ዚሰማማዕ ምምሕዳራዊ ጽፍሒ በቲ ካልእ ድማ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዝተኣሳሰር መምርሒ ኣውጺኡ ውጥኑ ጀመረ። ብቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ድማ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኮይኑ ኪቐውም ምሉእ ደገፍ ረኸበ። ብዙሓት ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብምስታፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ምግዛእን ምህናጽን፡ መምሃሪ መጻሕፍቲ ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ምትርጓም፡ መንእሰያት ኣብ ዘይባህሎምን ዘይሃይማኖቶምን ጠፊኦም ከይተርፉ ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ዘሕጉስ ምዕባለ ተራእየ። ብተወሳኺ ኣብ 2003 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘይመልአ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ልዕሊ ሓደ ሚእትን ስሳን ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ($160,000) ካብ ህዝቢ ኣዋጺኡ ነታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘላ ቤተ ክርስቲያን ንምዕባያ ብውዕዉዕ መንፈስ ተንቀሳቐሰ። እንተኾነ: እቲ ዘሕዝነና ሓድነትና ክዘርጉ ላሕ ዝብሉ ኣብ ሞንጎና ምንባሮም ኢዩ። ሓድነት ሓይልና ከም ዝኾነ ዝፈልጡ፡ ነዚ ሓድነት ኣመንቲ ተዋህዶ ኤርትራውያን ዘይፈትዉ፡ ንትንሳኤ ሃይማኖትና ዝጻረሩ ከምዝነበሩ ግና ኣብ ብዙሕ እዋናት ይቕልቀል ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ድማ ሰይጣን ነዚ መደብ እዚ ንምፍራስን ንምዕናውን ብዝተፈላለየ መገዲ ክንቀሳቐስ ጀመረ።

እዚ ሕጂ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ዋና ኣማሓዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዝብል ስም ንቤተ ክርስቲያን ከም ሕማም መንድዓት ኣብ ዝባና ተሰቒሉ ዘዕንዋ ዘሎ ዮፍታሄ ቀሺ ድሜጥሮስ፡ ኣብ 2004 ናብ ኣሜርካ ብኣካል መጺኡ፡ ነቲ ዘሎ ምዕባለን ምንቅስቓስን ድሕሪ ምርኣይ፡ ካብ ክፉኣ ቅንኣት ዝተላዕለ እቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንኽፈርስ ሰይጣን ኣብ ልቡ ኣተዎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት ከፍርሱ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ኩሉ ድማ ፈቲኑ። እቶም ብጸረ ቃል ኣምላኽን ጸረ መጽሓፍ ቅዱስን ዝፍለጡ ኣባ ሉቃንን ኣባ ሲኖዳን ብምውዳብ ድማ ናብ ኣሜሪካ ለኣኸ። 

ኣባ ሉቃስ ኣብ መጀመርታ እግሮም “ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝርከብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ፈሪሱ እዩ። "ኣዴታትትና ኣብ ኣስመራ ኣብ ቀጽሪ እንዳ ማርያምን እንዳ ሥላሴን ዘቃጸላኦ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንብሎን ኢና መጽሓፍ ርኹስ እዩ” ክብሉ ናይ ርኽሰት ቃላቶም ኣብ ልቢ እቲ ገርሀኛ ምእመን ዘርኡ። ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ክኾኑ ዝተመደቡ ኣባ ሲኖዳ ብጊድኦም ምእመናን ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ፍቕርን ሓልዮትን ናፍቖትን ንምምዝማዝ፡ "ሃገርና" ዝብል ፖለቲካዊ-መልእኽቲ ሓዘል ካብ ሓደ ሃይማኖታዊ ኣቦ ዘይትጽበዮ ቃል መርዛም ፖለቲካዊ-ቃል ኣብ ልዕሊ ምእመናን ምንዛሕ ጀመሩ። ፖለቲከኛታት ምስ ዚብልዎም ሰባት ብምሕባር ድማ ነታ ብሓደ ተጠርኒፋን ሓቢራን ክትከይድ ዝጸንሐት ቤተ ክርስቲያን ክብትንዋ ተበገሱ። እዞም ክልተ ጳጳሳት፡ መንፈሳዊ ሕግን እምነትን ረጊጾም፡ ብዘይፍቓድ ፓትርያርክ ብኢደ ወነኖም፡ "በስመ ኣብ" ኢሎም ዝቐብእዎም ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቤት ማሕዩር ኣእሲሮም፡ ውግዘት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጥሒሶም፡ ስም ሥላሴ ክሒዶም፡ ንዓለማዊ ረብሓ ዝተበገሱ ብምዃኖም፡ ሕገ-ኣልቦ ኮይኖም ዝተላዕሉ እዮም። ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ግና፡ ካብ ዝኾነ ፖለቲካን ሻራን ናጻ ኮይኑ፡ ጉዳይ ሉዓላዊነት-ሃገረ-ኤርትራ ማዕረ ኩሎም ኤርትራውያን ብምሉእ ሕልና ዝቃለሰሉ፡ ማዕረ ኩሎም ኤርትራውያን ሃይማኖታት ብጸሎት ዝነቕሓሉ፡ ምእመናኑ ጠርኒፉ ብመንፈሳዊ መንገዲ ዝጎዓዝ ዘሎ፡ ጉዕዞኡ ብፈተና ሰይጣን ዘይግታእ ምዃኑ ብምእማን መስቀል ክርስቶስ ጾይሩ ንቅድስናን ዕቤትን ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ይጎዓዝ ኣሎ። 

መምርሒ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ እቶም ብቅድስናን ሓዋርያዊ  ሰንሰለት ቅዱስ ማርቆስን ዝተሾሙ እንኮ ሓዋርያዊ ኣቦ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ በረኸት ቅድስናኦምን ተኸቲሉ ዝኸይድ እዩ። ምስ ናይ ኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ ሓድነት እምነት ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ቅድስና ቤተ ክርስቲያንና ዝወረደ ዓመጽን ንሃይማኖትና ዘዋረደን ምኽንያታት፡-

  1. ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: በቲ ዝኾነ ይኹን መዓርግ ቤተ ክርስትያን ዘይብሉ ግንከኣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ዚብል ስም ገዛእ ርእሱ አጠሚቑ ዝመርሕ ዘሎ ኣቶ ኣይምራሕን።
  2. ቃሉን መምርሒኡን ኣሚኖም ብኣቶ ዝምርሑን ዚመሓደሩን ጳጳሳት ይኹኑ ፓትርያርክ፡ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ዝጠሓሱ ውጉዛት ምዃኖም ይኣምን።
  3. ነቶም ውግዘት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጥሒሶም ካህናት ይኹኑ ዲያቆናት፡ ጳጳሳት ወይ ፓትርያርክ ዝሾሙ ጳጳሳት፡ ከም መንፈሳውያን ጳጳሳት ኣይቅበሎምን።
  4. ብርሃን ምስ ጸልማት ርክብ ከምዘይብሉ መስመር መፍረስቲ ሕግን ዓለውቲ-እምነት ቤተ ክርስቲያንናን ዝኾኑ ጳጳሳት ዝስዕብን ዝኽተልን ኣይኮነን። 

ስለዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተነብረ ውግዘት ስም ሥላሴ ተላዒሉ እቲ ውግዘት ክሳብ ዚፍታሕ፡ ንሓንቲ ሃዋርያዊት: ኣጽናፋዊት: ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ምስ እምነታን ቀኖናኣን ሥርዓታን ደው ኢላ ክትቅጽል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገር ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብተወፋይነት ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምእማን ኣገልግሎቱ እናኣስፋሕፍሐ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣገሎግሎት እናጸፈፈን እናዓበየን ነቲ ብሰይጣን ዝተጻወደ መጻወድያ እናበተኸ ይኸይድ ኣሎ።

ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ጸገምን ውድቀትን ኮይኑ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ዘይምምሃርን ቀኖናዊ ሕግታት ቤተ ክርስቲያን ዘይምፍላጥን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ተማእኪሎም ብዙሓት ምሁራት ናይ ስነ መለኮት ይፈርዩ ኣለዉ። ዕቤት ቤተ ክርስቲያንና ድማ ብሓይሊ ኣምላኽ፡ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብተራዳኢነት ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብመስዋእቲ ቅዱሳን ሰማዕታት፡ ብገድሊ ቅዱሳን ጻድቃን፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ እዩ።

እግዚኣብሔር ጸግኡ የብዝሓልና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div