S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዕንወት ቤተክርስቲያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብኣባ ሉቃስን ግርማይን

ኣባ ሉቃስን ግርማይን ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ፥ ዝሕተትዎ ሕቶ፥ ኩነትታ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ጉዳይ ሕግን መምርሒ ቤተ ክርስቲያንን እዩ።

መልሶም ግን ብምፍርራሕ፥ ብጉልባት ትእዛዝ፥ ብምቅብጣር፥ ብብኽያት፥ ኣደናጊሮም እዮም ዝሓልፍዎ ሕቶ ኮይንዎም ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ኣሜርካ ዑደቶም ዝያዳ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ኣብ ከቢድ ጥርጣረን ዘይምትእምማንን እዮም ፈጢሮሙሉ ከይዶም። ብፍላይ ኣብ መንጎ ካህናትን ምእመናንን ከቢድ ናይ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዝፈጥር፥ ንቤተክርስቲያን ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ዘምርሕ፥ ምእመን ንኣምላኹ ኣብ ዝውፍዮ ገንዘብ ምጥርጣር ከም ዘኣቱ እዮም ገይሮሞ።

ዓላማ እቲ ጉባኤ፥ ገንዘብ ቤተክርስቲያን ምዝራፍ፥ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንህዝቢ ምትዕሽሻው፥ ንሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ምጽላምን ዝተኮረ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሓሳብ ምውጻእ-ገንዘብ ዝምልከት ኮይኑ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ ክርስቲያን ክንሰርሕ፥ መንፈሳዊ ኮለጅ ክንከፍት፥ ገዳማት ክንሕግዝ ዝብል እዩ።

1. ኣብ እስራኤል ሕጋዊ ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖታዊ ትካልን ንምምሥራት ድሕሪ ሰነ 19,  1946 መንግሥቲ እስራኤል ዝኣወጆ፥ ኩሉ ኣብ ዘለዎ ክጸንዕ (Status Quo Ante) ዝብል ነቕ ዘይብል መምርሒ ኣለዎ። በዓል ኣባ ሉቃስ ብኸመይ መገዲ ሕጊ መንግሥቲ እስራኤል ጥሒሶም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሕጋዊ ቤተ ክርስቲያን ንምስራሕ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዘገርም እዩ።

2. መንፈሳዊ ኮለጅ ንምህናጽ ዚብል፥ እቲ ሓሳብ ኣዝዩ ዘሕጉስ እዩ። ካብ ዓለም ክሳብ ሕጂ መንፈሳዊ ኮለጅ ዘይብላ ቤተክርስቲያን፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ እያ። ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ክንከፍት ዝብል ግን መምህር ከይሓዝካ ቤት ትምህርቲ ኣይክፈትን እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ናይ ስነ መለኮት ብሕጋዊ መገዲ ወዲኦም ዝተመረቑ መምህራን የለዉን። ካብ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ መደብ ሓንጺጾም ዝተበገሱሉ ኣብ ኤርትራ ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ክኽፈት ምሁራት መምህራን ክለኣኹ እዩ ነይሩ። መስርሒ እቲ ኮለጅ ንምጅማር ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ሂቦም እዮም። ክሳብ መፈጸምታኡ ከብጽሕዎ ዝኣተውዎ መብጽዓ ግን ብሰንኪ ኣባ ሉቃስ፥ ኣባ ማርቆስን፥ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን፥ ዝወጠንዎ ቀኖናዊ ፓትርያርክ ምውራድን ዝተፈጸመ ሓዋርያዊ ግህሰትን እቲ ጽቡቕ ተስፋ ተነቢርዎ ዝነበረ ቅሂሙ ተሪፉ እዩ።

3. ገዳማት ንምሕጋዝ፥ ቃሉ ኣዝዩ ጥዑም እዩ እንተ ኾነ ገዳማትና ኣብቲ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝጸሓፎ ዘዋሪ ደብዳቤ ከም ዝገለጾ፥ ገዳማት ኤርትራ መሕብኢ ሸፋቱ፥ ተባሂለን ኣይተጸርፋን ድየን? ንምዃኑ እቲ ቅድሚ 2005 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ዘይመልእ ጊዜ $167,000 (ሓደ ሚእትን ስሳን ሸውዓተን ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ) ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተላእከ ኣብ ምንታይ መዓላ ውዒሉ? ስለምንታይ ኣብ ገዳማት ዘይወዓለ? ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ገዳማትና መፍረዪ ጳጳሳትን ካህናትን እየን፥ ዝዓንዋ ዘለዋ ድማ ብሰንኪ እቶም ጊዜ ዝሃቦም በጋሚዶታት በዓል ዮፍታሄ፡ ግርማይ ዘርኣይ፥ ካሕሳይ ወዘተ ዝኣመሰሉ ካድራት ትምራሕ ስለ ዘላ እዩ። ኣባ ሉቃስ  መጉልሒ ድምጺ ናይ እዞም ሰባት እዮም። ኣባ ሉቃስ  ብቕዓት ኣለዎም ኢልካ ዝግመት’ ውን ኣይኮነን።

4. ኣብያተ ክርስቲያናት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ኩሉ ኣታዊታተን 15% ክኸፍላ ዘገድድ ትእዛዝ እዩ። ሓቂ እዩ ኣቦታት ጳጳሳት፥ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን፥ ጸፊፉን ብግቡእን ክምራሕ እንተ ኾይኑ፥ ግድን እዩ ኣብያተ ክርስቲያናት እዚ ጥራይ ዘይኮነ ካልእ’ውን ክገብራ መንፈሳዊ ግዴታአን እዩ። ግን እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ በዓል መን እዮም ኣማሓደርቱ? ንሕዝቢ ከቢድ ሕቶ ኮይንዎ ዘሎ እዩ። ግርማይ ዘርኣይን ካሕሳይ ግርማይን፥ ንቤተ ክርስቲያን ከመሓድሩ ዘይበቕዑ ምዃኖም ርዲእ እዩ። ስዉር ካልእ ተልእኾ ዘለዎም ምዃኑ ዝተረድኡ ሓሙሽተ ኣቦታት ጳጳሳት’ውን ብኽታሞም ካብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ክወጽኡ፥ ብውግዘት ተሰጒጎም እዮም። ከመይሲ ቤተክርስቲያን ዘየዕበየቶም፥ በረከት ቅዱሳን ዘይተኻፈሉ፥ ነቶም ምእንታኣ ቆሚሎም፥ ዓቢቖም ለሚኖም መስዋዕቲ ዝኾንዋ ኣቦታት ክመርሕዎም ምሕሳብ ካብ ብድዐ ንላዕሊ ካልእ ኣይከውንን። “ዘኢነገዳ ለባሕር ኢየኣምር ፍኖታ” ዝበልዎ ኣቦታት ድማ ነዚ እዩ።

5. ካህናት መራሕቲ ሰበካ ጉባኤ (ሊቃነ መናብርት) ክኾኑ ዝብል እዩ። እዚ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱውን ኣይነበረን። ከመይሲ ኩለን ሃዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝጥቀማሉ ኦርቶዶክሳዊ ሕጊ እዩ። ካህን ዘይመርሖ ቤተክርስቲያን ምድራዊ ድርጅት እምበር፥ ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን። ሕዝብና’ውን ናይ ስነ ሞራል ሕዝቢ እዩ። ነፍሱ ንካህኑ ዝሃበ ኣብ ገንዘቡን ንዋዩን ዘይኣምነሉ ምኽንያት የለን። ጉዳይ ካህናት ብጀካ ሒደት ንዕቀት ኣብ ክህነት ዘለዎም ንካህን ከም ሓደ ዓሰባ፥ ገረድ ቁጹር ዝቖጽሩ ስንኩፋትን ፍልጠት ቤተ ክርስቲያን ዘይብሎምን፥ እቲ ዝበዝኀ ሕዝቢ ኦርቶዶክስ ኣብ ካህናቱን ታቦቱን ዘለዎ ኣኽብሮ፥ ኣዝዩ ረዚንን ከቢድን እዩ። ኣብ ምስላኡ ከይተረፈ፥ “ካህን ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻ፥ ንጉሥ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካ” ዚብል ሕዝቢ ነቶም ኣበ-ንስሓ ኢሉ ናይ ውሽጢ ልቡን ሓሳቡን ዝገልጸሎምን ምሥጢረይ ይሰትርዩ እዮም ዝብሎም፥ ብጸሎቶም ዝምራሕ፥ ብንስሓኦም ዝምለስ ብኢዶም ዝቖርብ፥ ኣቦ ኢሉ ዝጽውዖም ካህናቱን ሕይወቱን ምሥጢሩን ሂብዎም ከብቅዕ ኣብ ገንዘቡ ዝጥርጥሮም ምኽንያት ኣይነበሮን። እንተ ኾነ ከም በዓል ኣባ ሉቃስ ዝኣመሰሉ ጳጳሳቶም ካህናት፥ ካብ 2005 ዓመተ ምሕረት ጀሚሩ ዝተራእየ ንሓደ ወገዝኩኻ ንሓደ ኣሰርኩኻ እናተባህለ ካህናት ኣብ ስክፍታን ፍርህን ከም ዝወድቁ፥ ገይሮም ዝደሃልዎም ካህናት፥ ከመይ ኣቢሎም ክኣምንዎም? ጽባሕ ገዘብናን ንብረትናን ኣብ ክንዲ ንኣናን ንደቅና መገዲ ኣምላኽ ንፈልጠሉ፥ ንካህናት ብውግዘትን ምፍርራህን ተተቒሞም፥ ዘሚቶም እንተ ወሰድዎ እንታይ ውሕስነት ኣሎና ካብ ዝብል ፍርሃት ዝተላዕለ ኣብ ርእሲ ካህናቶም ጥርጣረን ዘይምትእምማንን ከሕድሩ ኣገዲደሞ ኣለዉ። ብጀካ እቶም ተባዓት ዝመከትዎም፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዝወደቑ ካህናት ኣብ ናይ ፍርሂ መንፈስ ተሸሚሞም፥ እሞ እንታይ ክንገብር ክህነትና እንተሓዙናኸ? እሞ ካብ ሲኖዶስ እንድዩ እናተባህለ ይነብር ኣሎ። እዚ ድማ ብገምጋም ዘይኮነስ፥ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝዓንውኦ ዘለዋ ግሁድ ምስክር እዩ። ሳጹን ካሳ ሞባእ ብሠለስተ መፍትሕ ከም ዝዕጾ፥ ሓደ ምስቲ ንሳቶም ዘፍርህዎን ዘርዕድዎን ዘሰምብድዎን ካህን፥ ሓደ ምስ እቲ ብፖለቲካዊ ኃይሊ ኣብ ሥልጣን ዘሎ ግርማይ፥ ሓደ ድማ ኣብ ሃገረስብከት ኣሥመራ፥ ተታሓዙ ካብ መቐነት ድኻታት ንዝግልገሉሉ ቤተክርስቲያን ተባሂሉ ዝወጸ ገንዘብ፥ ኣብ ካዝና በዓል ግርማይ ኣትዩ፥ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓንዩ፥ ኣገልገልቲ መግቢ ዕለት ስኢኖም፥ ኣብ ጸገም እናሃለዉ፥ ንሳቶም ግን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ይሻራሸሩሉ ኣለዉ። ስለ ቤተክርስቲያን ዝዓበቑ፥ ጾሞም ዝሓደሩ ለሚኖም ዝተማህሩ ሊቃውንቲ ግን ሓንሳብ ብጉልባብ ውግዘት፥ ሓንሳብ ብጸለመ፥ ሓሳብ ብምፍርራሕ፥ ብማእሰርቲ ኣፎም ተለጒሞም፥ ዕለታዊ መግቢ ደቆም ካብ ኢድ ኣባ ሉቃስን ግርማይን ብትኳቦ ይድረሩ ኣለዉ። እንተኾነ ሕጊ ኣፍሪስካ ሕጋዊ ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ቃል ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ተመሊሱ ይረግጸካ” ዝበልዎ። መሪሕነት ግርማይ ዘርኣይን ኣጫፈርቱን፥ ቋንቋ ቤተክርስቲያን ዘይፈልጥ፥ ፖለቲካዊ ልኡኽ፥ ነቶም ከም መጉልሒ ድምጺ ዝጥቀመሎም ኣባ ሉቃስ ተጠቒሙ፥ ንቤተክርስቲያን ኣብ ዕንወትን ምፍልላይን ኣእትይዋ ይርከብ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ድማ፥ ኣብ ኤርትራ እትረክብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ ኩለን ኣብ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ንበይና ተነጺላ ሕጊ ኣልቦ ትኸይድ ዘላ እያ። ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ዝረቐቐ፥ ኣብ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ናይ ዓለም ተተግቢሩን ተራእዩን ዘይፈልጥ፥ ካብ ክውንነት ሕዝብናን ልምድናን ወጻኢ፥ ንኣኣቶም ኣብ ዝጥዕም ጥራይ ዝጥቀሙሉ ንኣኣቶም ግን ዘይገዝእ ሕጊ እዩ።

ኣብነት ዓንቀጽ 28 ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሃል ክጠቅስ እንከሎ፥ “ፓትርያርክ፥ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ጳጳሳት ዘለውዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ይበሃል” ይብል። እሞ እዚ ሕጂ ዘሎ ፓትርያርክ ዘይብሉ፥ ብሓደ ተራ ጳጳስ ብኣባ ሉቃስ ዝምራሕ በዓል ግርማይ ዝዝውርዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢልና ክንጽውዖ ዝከኣል ድዩ?

እቲ ንሳቶም ሕጊ ኢሎም ዘውጽእዎ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ወይ ቃለ ዓዋዲ ዝብልዎ ኣብ ምዕራፍ 8 ዓንቀጽ ዓንቀጽ 97 “ማእከልነት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፥ ኩሉ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣቱ ገንዘብ ናይ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክፍሊት፥ ናይ ዕሽር፥ መብጽዓታት ካብታ ዝለዓለት ክሳብ እታ ዝተሓተት ኣብ ሓደ ሕሳብ መንበረ ፓትርያርክ ክኣቱ ኣለዎ ይብል። እዚ፥ ድሮ ናይ ኣሥመራ ኣብያተክርስቲያናት ኣብ ከቢድ ፈተናን ዕንወትን ኣብጺሑ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ሕጊ ዓንቀጽ 100 ካብ ፓትርያርክ ጀሚሮም ክሳብ ተራ መነኮሳት መነባብሮኦም ብመቑነን ኮይኑ ደሞዝ ይኹን ኣበል ኣይህልዎምን ይብል። እሞ ስለምንታይ ደኣ እዚ ሕጊ እዚ ንበዓል ኣባ ሉቃስ ኣይምልከቶምን። ብዙኃት ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ደቆም ምቕላብ ዝሰኣኑ እናሃለዉ፥ ዝለዓለ ደሞዝ ናይ ቤተክርስቲያን ዝኽፈሉን ኣበልን ካልእን እናበሉ ቤተክርስቲያን ዝግህጽዋ ዘለዉ ግና በዓል ኣባ ሉቃስ እዮም። ስለምንታይ እቲ ሕጊ ንእኦም ኣይምልከቶምን? ዓንቀጽ 93 ፓትርያርክ ቅድሚ ምውራዱ ምእንቲ መሰሉ ክጣበቕ መሰሉ ሕልው እዩ ይብል ስለምንታይ ቅዱስ እንጦንዮስ ምእንቲ መሰሎም ክጣበቑ ዘይተፈቕደሎም?  ሕጊ ንኹሉ ማዕረ እዩ። ከምቲ ምስላ ኣቦታት ነውሐ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅተበሉ ንኹሉ ማዕረ ዝገብር መምርሒ እዩ። ንስኻ ዘይትገብሮ ንኻልኦት ግበርዎ ኢልካ ምእዛዝ ድማ ሕጊ-ፈሪሳውያን ግልቡጥ ሕጊ እዩ።

እዚ እቲ ሓቂ ኮይኑ፥ እሞ ደኣ ሕዝብና ከመይ ጌሩ እዩ ንበዓል ግርማይ ኣሚኑ ገንዘቡን ንዋየ ቅዱሳንን ክህቦም? ክሳብ ክንደይ እዮም ነቲ ኣማኒ ሕዝቢ ዝንዕቅዎ? ዘገርም እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ጽሑፍ የራኽበና።

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሕይወት ይሓልወልና። ጸሎቶምን በረኸቶምን ኣይፈለየና።

እዝራ ጸሓፊ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div