S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ውጽኢት መኣዲ

ትርጉምን ኣገዳስነትን ሓድነት፥

እቲ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ምርድኣት ዝሰማማዓሉ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሓድነት ወይ ሕብረት ምንጪ ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ሓድነት ዝብል ቃል ዘመሓላልፎ ትርጉም፡ ሓደ ምዃን ወይ ምስማማዕ ማለት እዩ።

ሓድነት ዘድልየሉ ኸኣ ኣብቲ ብዙሕነት ዘለዎ ቦታ ወይ ኩነት ምዃኑ ንኹላትና ርዱእ ዝዀነ ሓቂ እዩ። ሓድነት ምንጪ ሓይሊ እዩ ምባልና፡ ሰባት ካብ ድምር እቲ ብተናጸል (ብብሓደ) ዝሰርሕዎ፡ እቲ ብሕብረት ዝዓይዎ ውጽኢቱ ከም ዝዓቢ ንምምልካት እዩ። ብሕብረት ምዕያይ ከም ንሓደ ገመድ ናብ ሓደ ኣንፈት ምስሓብ ብምዃኑ ዝባኽን ሓይሊ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኾነ ዝፍጠር ሓዲሽ ሓይሊውን ምህላው ዘመልክት እዩ። ነዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ንሽሕ፡ ክልተ ድማ ንዓሰርተ ሽሕ ክሰጉ እዮም ብምባል፡ ሕጊ ሓድነት (ሕብረት) ዝፈጥሮ ውጺኢት እንታይ ምዃኑ ዝገልጸልና።

ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምድሪ ክሳብ ሓደ እዋን ብሓደ ቋንቋን ብሓደ ንግግርን ምንባራ ነንብብ። እንተ ኾነ ግን ሰብ ብሰንኪ እታ ኣብ ገነት ኤደን ዝኣበሳ ቦኽሪ ኣበሳ፡ ሕልንኡ ስለ ዝሞተ ወርትግ ዝሓስቦ ሓሳብ ክፉእ ነበረ። ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ ህይወት ዝኸይድ መገዲ ሒዞም ክዓዩ ምጅማሮም ድማ ንዕዘብ። ከተማ ባቤል ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን ምስቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ዝጻረር ክልተ ዕላማታት ኣቐሚጦም ክዓዩ ጀመሩ። እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ ክፈርዩን ክፋረዩን ንምድሪውን ክመልእዋ ዝጠልብ ሓሳብ ኣምላኽ ዝጻረር፡ ፋሕ ከይብሉ ኣብ ሓደ ክኾኑ ምድላዮም ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብታት ብምስራሕ ኣስማቶም ከጸውዑ (ከስምዩ) ምድላዮም እዩ። (ዘፍ 111-9 ኣንብብ)

ምንም እኳ እዚ ዕላማታት ጽቡቅ እንተዘይነበረ፡ ኣብ ዕዮኦም ግና ኣሳልጦ ከም ዝነበሮም ንዕዘብ። ምስጢር ናይዚ ኣሳልጦ ድማ እቲ ሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ ሓደ ህዝቢ ምዃኖም እዩ። እዞም ብቋንቋኦም ዝሓበሩ ሰባት ዚህቅንዎን ኪገብርዎ ንዝሓሰቡዎ ነገር ድማ ንኸይገብርዎ ክዓግቶም ዝኽእል ሓይሊ ዘይምህላዉ እግዚኣብሔር ክዛረብ ከሎ ንርኢ። እግዚኣብሔር ነዚ ዘይቅዱስ መደብ ኣብ ምቁራጽ ዝተጠቕመሉ መገዲ እንተ ነይሩ ድማ ነቲ ምኽንያት ኣሳልጥኦም ዝነበረ ሓደ ቋንቋ ምሕንፋጽ እዩ ዝነበረ። ቋንቋኦም ምስ ተሓናፈጸ ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምስማዕ ስኢኑ ምርድዳእ ጠፍኤ፡ ምስራሕ እታ ከተማ ሓዲጎም ድማ ናብ ብዘላ ምድሪ ፍሕፋሕ ክብሉ ተራእዩ። እግዚኣብሔር ቋንቋኦም ዝሓንፈጸሎም፡ ኣምላኽ ኣንጻር ሓድነት ኮይኑ ዘይኮነስ፡ እቲ ድርኺት ናይዞም ሰባት ምስ መደብ ኣምላኽ ክራጸም ስለ ዝጀመረ እዩ።

መሰረት ሓድነት፥

ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገዳስነት ምዝራብ ሓደ ቋንቋ ኣብ ምውቃዕ ሸቶኻ ልዕሊ ዝዀነ ኣካል ስለ ዝፈልጥ ነዚ ነገር ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርቱ ክዓየሉ ከም ዝጀመረ ንዕዘብ። እቶም ጐይታ ነቲ ዓቢ ናይ ወንጌል ዕዮ (ሕድሪ) ዝሓረዮም ሃዋርያት ገሊላውያን እዮም ዝነበሩ (ካብ ይሁዳ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ገዲፍካ) ከምቲ ብዝሖም፡ ዝተጸውዑሉ ኩነታት፡ ዝመጽሉ ድሕረ- ባይታ፡ ዝነበሮም ሰብኣዊ ባህርያት ድማ ዝተፈላለየ እዩ ዝነበረ። ካብ ገፈፍቲ ዓሳ (ከም ደቂ ዮናን ደቂ ዘብዴዎስን ዝኣመሰሉ) ክሳብ ንጉሳዊ ዓሌት ከም ዝነበሮ ዝእመነሉ በርተሎሜዎስ፡ ካብ ከም ማቴዎስ ዝኣመሰሉ፡ መሳርሒ መግዛእቲ ሮማ ኮይኖም ንህዝቦም ዝቐርጹ ተገውቲ ክሳብ ከም ስምኦን ብዓል ቃና ዝኣመሰሉ ኣንጻር መንግስቲ ሮማ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካይዱ ቀነኣት፡ እቲ ዘፈላልዮም ነገራት ብዙሕ ክዝርዘር ይከእል እዩ። ኮይኑ ግና እዞም ዝተጸውዑ ሰባት ከምቲ መጸውዒኦም ዕላማ ዝሕብረና፥ ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን ነበረ (ማር 3:14) ቅድሚ ናብ ልእኮ ምውጽኦም ምስኡ ብምዃን ካብ መኣዱ ክካፈሉ ይግብኦም ነበረ። እዛ ጐይታ ዝቐረበሎም መኣዲ እዚኣ፡ ነቲ ዝነበሮም ዘበለ ኹሉ ኣውሪዳ፥ ሓደ ነገር ብምዕጣቕ ቋንቋኦም ሓደ እትገብር መኣዲ ነበረት። ዋላውን ኣብቲ ብሞት ጐይትኦም ተስፋ ቆሪጾም ንድሕሪት ክምለሱ ኣብ ዝተበገስሉ እዋን፡ ነቲ ስምኦን ጴጥሮስ ዘምጽኦ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ናይ ምምላስ ሓሳብ፡ ብምሉኦም ንሕናውን ምሳኻ ኢሎም ክስዕብዎ እትገብር ሓድነት እትፈጥር መኣዲ ነበረት። ስለዚ እቲ ኣብተን ዝሓለፋ 3 ዓመትን መንፈቕን ናባታቶም ዝኣተወ መግቢ መኣዲ ጐይታ ከመይ ዝበለ ሓድነት ከም ዝፈጠረሎም ንምርኣዩ ኣየጸግምን እዩ (ዮሃ 21:3) ድሕሪ ትንሳኤኡ ድማ ከም ሓደ ሰብ፡ ብሓደ ልሳን ነቲ ዝጠዓምዎን ዝረኣይዎን ብትብዓት ክሰብክዎ ክብገሱ ንዕዘብ። ክቃወሞም ዝኽእል ሓይሊ ድማ ኣይነበረን። ስለዚ እዛ መኣዲ እዚኣ ተራ መኣዲ ኣይነበረትን። ንዝሞተ ሕልንኦም ፈዊሳ ቋንቋኦም ዝቀየረት መኣዲ እያ። መምከኺት ቑራዕ ዝዀነት መኣዲ! እዛ መምከኺት ቑራዕ እዚኣ ናብኣ ንዝኣተወ ኹሉ፡ ዝነበሮ ዘይጽሩይነት ኣራጊፋ፡ ሓደ ሓዲሽ ዓረር ጌራ እተውጽእ ፍልይቲ መምከኺት ቑራዕ እያ።

እቲ ልብኻ ከፊትካ እትሰምዖ ዘበለ ኹሉ ኣብ ባህርታትካ ገለ ለውጢ ናይ ምግባር ስልጣን ስለ እትህቦ ክቕይረካ ባህርያዊ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብትሰምዕዎ (ካብ ትሰምዕዎ) ተጠንቀቑ ክብሎም እንዕዘብ። ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኽጥንቀቑ ማለት ካብ ምህሮ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክሕለዉ ከም ዘለዎም ከጠንቅቖም ከሎ ንርእይ። ባዕሉውን ይጥንቀቐሎም ነበረ። እቲ ካብ መኣዲ ፈሪሳውያን ክኻፈል ኣእዳዉ ዝሰደደ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ብሓሳብ ልቡ ካባታቶም ተፈልዩ፡ መወዳእትኡ እንታይ ከም ዝዀነ ኩላትና እንፈልጦ ታሪኽ እዩ። ስለዚ ሓድነት ናይ ድሌት ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን፡ ናይ እትምገቦ ዓይነት መግቢ ውጽኢት ድማ እምበር። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህረና ሓድነት፡ ሓደ ክትከውን ስለ ዝተሰማማዕካ ዝመጽእ ዘይኮነስ፡ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ስለዝሰተኻ (ሓደ መንፈሳዊ መግቢ ስለ ዝበላዕካ) ዝመጽእ ነገር እዩ። ሓደ ምእንቲ ክንኸውን ሓደ መንፈስ ሰቴና ይብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ።

ጽላታት ሓድነት፥

ሓደ ሰብ ናብ ክርስቶስ ምስ ቐረበ፡ መጀመርታ ኣብኡ ዝፍጸም ተኣምራት ናይ ሕልና ምፍዋስ እዩ። እቲ ድኹምን ምውትን ኣዳማዊ ሕልናኡ፡ ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ተሓጺቡ ህያው ይኸውን። እቲ እዚ ዝገብር፡ እቲ መሕወዪ (ወሃቢ ህይወት) ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ናይ ዋንነቱ ምልክት ማሕተም ብምግባር ኣብ መቅደሱ ይሓድር። እዚ መንፈስ ናይቲ እቲ ኣማኒ፡ ንክርስቶስ ኣብ ምምሳል ዝገብሮ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ዋሕስ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ኩሎም ስሙ ዝጸውዑ ሓደ ዝገብሮም ናይ መንፈስ ሓድነት ዝፍጠር። እቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስትያን ላዕልን ታሕትን እንብለሉ ጉዳይ ኣብ መንጎ ምእመናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ክህሉ እዩ። ነዚ ነገር ኣብ ክልተ ከፊልካ ምርኣይ ነቲ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ተራ ዘለዎ እመስለኒ። ኣብ መንጎ ናይ መንፈስ ሓድነትን ናይ ኣሰራርሓ ሓድነትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርካ ምርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ናይ መንፈስ ሓድነት፥ እዚ ሓድነት እዚ፡ ቦታን ኩነታትን ባህልን ከይዓገቶ ኣብ ኩሎም ሰዓብቲ ጐይታ ዝርከብ ሓድነት እዩ። እዛ ሓድነት እዚኣ፡ ኣብ ርድኢት ትክኽለኛ መንነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሞርኮሰ ፍልጠት ዝፈጥረሎም ፍቅሪ ንኣምላኽን ንሓድሕዶም ዝዀነት ሰማያዊት ሕውነታዊት ፍቅሪን እያ። እዚ ድማ እቲ ኣባ ኣቦ ኢሉ ዘጸውዕ መንፈስ ወዱ፡ ናባካ ምስ መጸ ሰመያዊ ውልድነት ከም ዝረኸብካ ተፈሊጡካ፡ ንኣምላኽ ኣቦይ፡ ነቶም በዚ ምርዳእ ንኣምላኽ ኣቦይ ዝብልዎ ድማ ኣሕዋተይ ክትብሎም ዘኽእለካ ሓድነት እዩ። እቲ ናይ ሕብረት ሓባራዊ ረቛሒ እንስመየሉ ስም፡ እቲ ናይ ሓድነትና ምንጪ ድማ እቲ እንሰትዩ መንፈስ እዩ።ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና” (1ቈረ 12:13)

ናይ ኣሰራርሓ ሓድነት፥ እዚ ሓድነት እዚ ነቲ ዝተዋህበና ዕዮ (ሰማያዊ ተልእኾ) ኣብ ምትግባር እንኽተሎ መንገዲ ንክንርዕሞ ዘኽእለና ናይ ርድኢት ስምረት እዩ። እዚ ሓድነት ብቦታን፡ ግዜን ባህልን ካልኦት ኩነታትን ክጽሎ ዝኽእል ሕብረት እዩ። ንውጽኢታውነት ዕዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዓይነት ሓድነት ድማ እዩ። ብሓደ ክትዓዪ ናይ መንፈስ ሓድነት ግድነታዊ ቅድመ ኩነት እዩ።

ብሓደ ክዓዩ ዘይምኽኣሎም፡ ኣመንቲ ናይ መንፈስ ሓድነት የብሎምን ዘብል እኳ እንተዘይኾነ፡ ብሓደ ክትዓዪ ምስምማዕካውን ንህላውነት ነቲ ናይ መንፈስ ሓድነት ውሕስነት ክከውን ኣይኽእልን እዩ። ኣመንቲ ብስሙር እቲ ናይ መንፈስ ሓድነትን ናይ ኣስራርሓ ሓድነትን ሃልይዎም ብሓባር ክዓዩ ክኽእሉ፡ ካብ ሓደ መኣዲ ኣብ ምብላዕ ክውሰኑ ኣለዎም። እዚ እቲ ኣምላኽ ብዘለኣለማዊ መጋብነቱ ዘዳለወልካ መኣዲ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካብ ዝተፈላለየ መኣድታት ንምብላዕ ርእስካ ምፍናው፡ ብሓሳብካ ንምፍልላይ ርእስካ ምቅላዕ እዩ። ዝኣተወ ኩሉ፡ እንተ ንጽቡቅ እንተ ንሕማቕ ኣብ ርድኢትካን ባህርያትካን ኣካይዳካን ለውጢ ከምጽእ ናይ ግድን እዩ። ንሓንቲ ቤተ ክርስትያን ዝጐድኣ፡ ኣብ ዕዮኣ ኣሳልጦ ዘስእና ነገር፡ ናይ ኣሰራርሓ ሓድነት ኣብ መንጎ ምእመናን፡ ኣብ መንጎ ኣገልገልታን ክሰኣን ከሎ እዩ። እዚ ድማ ውጽኢት ዝተፈላለዩ፡ ባህላዊ፡ ኩነታዊ፡ ወሎዶኣዊ ጽልዋታት ኮይኑ ኢና እንረክቦ። በዚ መንጽር እዚ፡ ብወገን እቲ ኣማኒ ብዝተፈላለየ ኩነታት ንኽጽሎ ርእሱ ናይ ምቅላዕ፡ ወይ ብወገን ቤተ ክርስትያን ድማ ሓደ ሓባራዊ መኣዲ ካብ ምቅራብ ምብኳራ፡ መርኣዪ እዩ። ናይ ኣሰራርሓ መገድታት ሽሕ ሰማያዊ መሰረት ዘለዎም ይኹኑ፡ ኣብ ሓደ ቦታን ግዜን ካብ ሓደ ንላዕሊ መንገድታት ክትክተል ምፍታን ንዘይውጽኢታውነት ዕዮ ጠንቂ እዩ። ንሰማያዊ መቦቆልነት ናይቲ ብመንፈስ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ምድሪ ዓረብ ዝተማህረ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን፡ ኣብ እግሪ ጐይታ ወንጌል ዝተማህሩ ቅዱሳን ሓዋርያትን ዝተኸተልዎ ኣገባባት ጥርጥር የብልናን። እቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኣህዛብ፡ ሃዋርያት ድማ ኣብ ኣይሁድ ዝተከተልዎ ኣገባባት ገለ ፍልልይ ከም ዝነበሮ ርዱእ እዩ። እዚ ኣገባባት ከም ዘለዎ በብቦትኡ ክዓይሉ እምበር ኣብ ሓደ ቦታ ንክዓዪ ክቖራቖስሉ ግና ኣይንርእን ኢና። ስለዚ ናይ ኣሰራርሓ መገድታት ምውህሃድን ሕብረትን እንተ ዘይረኺቦም እቲ ፍረ ክበዝሕ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሓደ ቦታ፡ ካብ ብብሉጽ ጸጋታት ዝግልገል ዝተፈላለየ ኣገባባት፡ ብውሱን ጸጋታት ዝግልገል ሓባራዊ ኣገባብ ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ። ሰይጣንውን እንተኾነ ኣመንቲ በቲ ዝተሓደሰ ሕልንኦም ነቲ ሰማያዊ ዕዮ ከይተግሁ፡ ምስራሕ እቲ ዕዮ ዘቛርጽ፡ (ማንም ንዘረባ ብጻዩ ካብ ዘይምስማዕ) ምሕንፋጽ ናይ ቋንቋ ንክገብር ለይትን መዓልትን ይዓይይ ኣሎ። እንተ ተኻኢልዎ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝደልዮ፡ ኣብቲ መሰረታዊጽ ዝዀነ ናይ መንፈስ ሓድነት ምፍላስ ምእታው እዩ። ነዚ ክገብሮ ዝፍትኖ ድማ፡ ኣብ መንነት ክርስቶስን ኣምላኽን ዘተኾረ፡ ካብቲ ሓቀኛ (ኦርቶዶክሳዊ) ትምህርቲ ሃዋርያት ዝወጸ ህጸት ብምትእትታው እዩ። እዚ እቲ ጐይታ ልዕሊ ኹሉ ሓቅታት ብጥንቃቐ ክንስረተሉ ዝሃበና ከውሒ እዩ። ንሃዋርያት ካብ ዝሓተቶም በዳህቲ ሕቶታት፡ ንክርስቶስ መን ከም ዝብልዎ ዝብል ሕቶ ነበረ። ኣገዳስነቱ ዓቢ ስለዝዀነ ድማ ኣብ ምምላስ እዚ ሕቶ ስጋን ደምን ፈተነውን ክገብር ከየፍቀደ ባዕሉ ኣቦ ክገልጾ ደኣ ፈተወ። (ማቴ 16 15- 19) ሰለዚ ውሕስነትና ንናይ መንፈስ ሓድነት ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ከውሒ ምስራትና እዩ፡ እቲ ንክርስቶስ መን ንብሎ ምህላውና ነዚ ከውሒ እዚ ይመስል ምህላዉ ንመርምር። ኣብዚ ምብታን እቲ ናይ መንፈስ ሓድነት እንተ ዘይሰለጦ፡ ዘቛምቶ ካልኣይ ዕላማ ድማ፡ ኣብቲ ካልኣይ ናይ ኣሰራርሓ ሓድነት ስኒት ስኢኖም ንሓድሕዱ ዝባላዕ ዕዮ ዘለዎም፡ ዝለመሱ ንምግባሮም እዩ። እቲ ዝጥቀመሉ ስልቲ (ስትራተጂ) ድማ ስኒት ከስእኖም ዝኽእል መግቢ ምእንቲ ክረኽቡ ኣብ ዝተፈላልየ መኣድታት ክቋደሱ ምእንጋድ እዩ። ሰናይ ብዝመስል ይባረኸሉ ኣለኹ ኢልኻ ዝተካፈልካሉ መኣድታት፡ ድሕሪ ግዜ ካብ ቦታኻ ነቂሉ ዘውጽኣካ ባህሊ፡ ኣገባብ ኣሰራርሓ ከማዕብለልካ ይጅምር። እዚ ድማ ባህጊ ጸላኢ ዘርዊ ምህውታት እዩ። እቲ ፍረ እቲ ዕዮ እንተ ጐዲሉ፡ ወይ እቲ ዕዮ ብቐንዱ እንተ ቦኺሩ ዓወት ጸላኢ እዩ። ስለዚ ንጥዕና ሕብረትናን፡ ንውጽኢታውነት ዕዮናን፡ ነቲ ሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ንሓልዎ (ኤፌ 43) ሓሳብና ሓደ ክኸውን ድማ ንመዓድ (ፊሊጲ 4:2) እዚ ክኸውን ድማ እንቛደስሉ ዘለና መኣድና ነስተብህል።ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብ 10:24-25)

ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ዲያ. / /እግዚኣብሔር ደብረጽዮን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div