S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾመ ነነዌ: ምሕረት ኣምላኽ ዝተገልጸሉ ጾም

እግዚኣብሔር ንህዝቢ ነነዌ ካብ ጥፍኣት ንምምላስን ኣብ ደምቢኡ ንምሕቋፍን መልእኽቲ ክልእከሎም

ንኣገልጋሊኡ ዮናስ ምስ ጸወዐ፡ ዮናስ ድማ ጻውዒት ከም ዘይሰምዐ ምሉቕ ኢሉ ካብ ኣገልግሎት ክሃድም  መር ተሰቒሉ ጉዕዝኡ ናብ ተርሲስ ምስ ጀመረ፡ እቲ ዅሉ ዘይስወሮ ኣምላኽ ድማ ነታ ዮናስ መህደሚት ዝተጠቕመላ ጃልባ ክሳዕ እትናወጽ ብማዕበል ወቒዑ፡ ካብታ ብድቃስ ተዓምጺጹላ ዝነበረ ስፍራ በቲ ሓለቓ እታ መርከብ በንቍሩ ብምውጻእ፡ ምኽንያት ናይቲ እታ መርከብ እትናወጾ ዘላ ንሱ ምዃኑ ክጋለጽ ኣገደዶ። ዮናስ ምስተናዘዘ እቶም ሰብ መርከብ ካብቲ ዘይሓሰብዎ ዘጋጠሞም ሞት ዘንጸላሉ ማዕበል ባሕሪ ንምድሓን፡ ነቲ ምንጪ ጸገሞም ዝኾነ ሰብ ናብ ባሕሪ ክድርብይዎ ነብሶም ብምሽቕራር ወሰኑ። እቲ ዘደንቕ ተኣምራት ኣምላኽ ግና ንሳቶም ክድርብይዎን፡ ኣፍ እቲ ዓቢ ዓሳ ክትውሕጦን ጊዜ ኣይወሰድን።

ናይ ነገር ኣብ መከራ ዝኣተወ ሰብ፡ ዮናስ ብኡብኡ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኮይኑ ናብ ኣምላኽ ምስ ኣእወየ ድማ እቲ ወትሩ ርሕሩሕ ዝኾነ ኣምላኽ ደንገጸሉ እሞ ነቲ ዓሳ ናብቲ ንቑጽ ገምገም ባሕሪ ክተፍኦ ኣዘዘ። ካልኣይ ጊዜ መልእኽቲ ከብጽሕ ምስተሓተተ ሓለንጊ ጎይታኡ ዝጠዓመ ባርያ ድማ ብዘይ ሓንቲ ዕሪምሪም ናብ ከተማ ነነዌ ከይዱ መልእኽቲ ከብጽሕ ፍቓደኛ ኮነ። ህዝቢ ነነዌ መልእኽቲ ዮናስ ተቐቢሎም ብቑልጡፍ ዓቢ ምስ  ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ክቡር ካዳውንቶም ካብ ዝባውንቶም ቀንጢጦም፡ ስልማቶም ኣራጊፎም፡ ክሻ ተከዲኖም ኣብ ሓሙክሽቲ ኮፍ ኢሎም ልቢ እግዚኣብሔር ዝትንክፍ ምሕልላ ምስ ተማሕላሉ፣ እቲ ምሕረት ዝመለለይኡ ፈቃር ኣምላኽ ድማ ብቕጽበት ነቲ ኣብ ርእሲኦም ኣንጠልጢልዎ ዝነበረ ማዓት ቀንጠጠሎም።

እቲ ካብ ቀዳማይ ጌግኡ ዘይመሃር ነቢዪ ዮናስ ግና ነቲ ካብ እኩይ ተግባሮም ብንስሓ ተመሊሶም ጸልማቶም ተቐንጢጡ ብርሃን ክርእዩ ባህ ስለዘይበሎ ካብ ብህይወት ንህዝቢ ነነዌ ምርኣይ ሞት ተመነየ። ከምዚ ኸኣ በለእምበኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ እልምነካ ኣሎኹ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” (ዮናስ 35) እግዚኣብሔር ንዮናስ ሓላፍነቱ ዝረሰዓ ኣገልጋሊ ምዃኑ ስለዝፈለጦ፡ ኣብ ጽላል ተቐሚጡ ንኸተማ ነነዌ እቲ ዝወርዳ ክርኢ እናተጸባበየ ከሎ እግዚኣብሔር ርእሱ ከተጽልለሉ ጕልዒ ኣዳልወሉ። ዮናስ መቐረት ጽላሎት እታ ጕልዒ ኣስተማቒሩ ከይወደአ ድማ እግዚኣብሔር ነታ ጕልዒ ብሓሰኻ ወቕዓ፡ ጽላል ካብ ምሃብ እውን ኣቋረጸት። በዚ መጺኡ ዘይተባህለ ሆሮሩማ ጸሓይ ከኣ ክሳዕ ዘሕለሉ ንዮናስ ወቕኦ። ዮናስ ኮታ መሊሱ ብዛዕባ እታ ዘይተኸላን ዘይኮስኮሳን ጕልዒ ኣዚዩ ጐሃየ። እቲ ገና ኸሎ ህይወት ኣገልጋሊኡ ዝመዘነ ቅኑዕ ፈራዲ እግዚኣብሄር ግና ንዮናስ በታ ናይ ሓደ ማዓልትን ሓደ ለይትን ዕድመ ዘለዋ ጕልዒ ምሕራር ብሓዘን ተዋሒጡ ካብ ደንገጸ፡ ነቶም ብኣርኣያኡን ብኣምሳሉን ዝፈጠሮም እሞ ድማ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን ይትረፍሲየማናዮም ካብ ጸጋማዮም ክፈልዩ ዘይክእሉ”(ዮናስ 411)ካብቲ ሃብተ ምሕረቱ ከንጀርብበሎም ፍታዉ ምዃኑ ዝኽልክሎውን ከምዘየለን ገለጸሉ።   

ክቡራን ኣንበብቲ እታ ንዮናስ ካብቲ ቀርቂራ ሒዛቶ ዝነበረት ከብዲ ዓሳ ብዘደንቕ ዘውጸአት ኢድ፡ ብተመሳሳሊ ንህዝቢ ከተማ ነነዌ ገና ንድሕሪ ኣርባዓ መዓልቲ ንዝወርድ መዓት ምስራዛ ርእዩ ዮናስ ብጓሂ ክሳዕ ሞት ምምናዩ  ኣየገርምን ? “ሃብታም ኪህብ ድኻ ከንፈሩ ይሓብጥዝብልዎ ከምዚ ዶኾን ይኸውን?

ብዝኾነ ሎሚ ንሕና ካብ ሰብ ነነዌ እንታይ ንመሃር? ኣብ ምሕረት እግዚኣብሄር ተኣሚና፡ ብጾምን ጸሎትን ተመርኲስና ትሕት ኢልና ናብ ሰማይ ምእዋይ እዩ። ኣብ ርእሴናን ኣብ ርእሲ ህዝብናን ኣብ ሃገርናን ተቐሚጡ ዝልቝምጸና ዘሎ ተደጋጋሚ መከራ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን እግዚኣብሄር ክቕንጥጠልና ነቲ ዝድንግጽ ኣምላኻ እእጋሩ ሒዝና ምንባዕ ጥራሕ ኢዩ ዝሕሸና። ከም ስልማት ኣንጠልጢልናዮ፡ ከም ካባ ነገስታት ለቢስናዮ ዘሎና ትምክሕተ-ስጋ ኲሉ ብምርጋፍ፡ ብእምነት ብትብዓት ኣብ ቕድሚ እቲ ዚድንግጽ ኣምላኽ ብልቢ ብንስሓ ምቕራብ ንምረጽ። እዚ ንምግባር ድማ ብጾምን  ብጸሎትን ከነሰንዮ ይግባእ።

ጾም ንነብስና ኣብ ጸሎት ከም ዝጸምዳ፣ ጸሎት ድማ ኣብ እምነት ብምጽናዕ ብዝተጠርነፈ ሓሳባት ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ የኽእለና። ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝምህረናእዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ ገጸይውን እንተደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ” (2 ዜና 714) ይብል። ህዝቢ ነነዌ ካብዚ ሓሊፎም ዝገበርዎ ነገር የለን። ፍሉይ መስዋእቲ ወይ ዘፍሰስዎ ደም ኣይነበረን። ልቦም ቀዲዶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ነገሮም ብዘይቀልዓለም ከም ዘፍሰሱ ግና ኣይሰሓትን።

እምበርከስ ንሕናውን ብጾምን ብጸሎትን ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከሎና ኣጻላልያና ከነጸብቕ ይግባእ። ነቲ ንህዝበ ነነዌ ዝተለመ ንበይኑ ርህሩህ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ አዒንትና እናሰረቓ ዝቋመትኦ ካልእ ክህሉ ከምዘይብሉ ነፍስና ኣርጊጻ ክትፈልጥ ይግባእ። ምኽንያቱ ንዝተለመንዎን ካብ በደሎም ንዝተመልሱን ምሕረት ዝገብር፣ ንዘኣበይዎን ዝባኖም ንዘሃብዎን ግና ጉሁር ቍጥኣኡ ዝኽዑ ቅኑዕ ፈራዲ ሓደ ኣምላኽ ንሱ ስለዝኾነ። ስለዚ ከምቲ ብስብከት ዮናስ ህዝቢ ነነዌ ገጾም ናብ ኣምላኽ ዘቕንዑ፣ ንቓል የሱስ ክርስቶስ ሰሚዓን ልብና ናብ ኣምልኽ ከነቕንዕ እሞ ምሕረት ረኺብና ኣብ ደምበ ኣምላኽ ምስ ቅዱሳን ክንሕቈፍ ምስ ኣምላኽ ምሉእ ዕርቂ እንገብረሉ ጊዜ ጾም ክኾነልና ኣምላኽ ፍቓዱ ይኹን።

ምስጋና ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ይኹን! ኣሜን!

ለካቲት 04/2012
ቀሺ ሰመረ ስብሃቱ
ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤድመንተን ካናዳ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div