S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተወሊዱልና - 1ይ ምዕራፍ

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ። ኣሜን። ኣብዚ ዘመን'ዚ ደቂ ሰባት ዓይኖም ዝሪኦ ጽቡቕ ነገር፣ እዝኖም ዝሰምዖ ሰናይ ዜና ንምድላይ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ፣  ካብ ሓደ መርበብ ዜና ናብ ካልእ ይባኽኑ።

ዓይኒ ዕምባባ ንምርኣይ እትምነዮ ንግዚኡ እምበር ንኹሉ ግዜ ኣይኮነን፣  እዝኒ ድማ ናይ መርዓ ድምጺ ምስማዕ እትደልዮ ንግዚኡ እምበር ንኹሉ ግዜ ኣይኮነን። ካብ ዕምባባ ንላዕሊ ዝርአ ጽባቐ ኣሎ፣  ካብ ናይ መርዓ ዜማ ንላዕሊ ዝጥዕም ማህሌት ኣሎ። ከርስና ጥራሕ ዘይኮነትስ ዓይንና’ውን ጥምይቲ እያ፣  ካብ ዓይንና ንላዕሊ መንፈስና ጥሙይ እዩ። ንእግዚኣብሄር ምስ እንርኢ ሽዑ ሕጉሳት ንኸውን። ድምጹ ምስ እንሰምዕ ድማ ካብ ዝደቀስናዮ ንነቅሕ። ካብ ኩሉ ደስታ ዝዓቢ ሓረስታይ ብምህርቱ፣  ወተሃደር ብዓወቱ ደስ ዝብሎ ደስታ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ናይ ቤተ ልሄም ህጻን ወልደ ማርያም ኢየሱስ ናይ ልቢ ደስታ እዩ (ኢሳ 9፡3-7)። ድምጹ ድማ ንምውታት ዝቕስቅስ እዩ (ዮሃ 5፡25)።

ኣብ ናይ ሃይቲ ግዝኣት ኣብ ዝወረደ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 3ተ ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ረጊፉ። ሓንቲ ሰበይቲ ሓደ ወዳ ካብ ዝጠፍኣ ሓደ ሰሙን ኮይንዋ። ደለይቲ ሒዛ ኣብ ትሕቲ ዝፈራረሱ ደርብታት ንወዳ ምድላይ ጀመረት። “ሓደ ወደይ እዩ፣  22 ዓመት ምሉእ ዓርከይ ንሱ ጥራሕ እዩ፣  ኣይመውትን” እናበለት ነቶም ናይ ሓደጋ ሰራሕተኛታት ትምሕጸን። ኣብቲ ርግጸኛ ቦታ ምስ በጽሑ ሓደ ሰሙን ምሉእ እቲ ህንጻ ፈሪስዎ መውጽኢ ሲኢኑ ብጥሜት ናብ ሞት እናተቓራረበ ብህይወቱ ረኸብዎ። እቲ ወዲ ክዛረብ፣ -“ናብ ሞት እናኸድኩ ነይረ።” ወደይ” እናበለት ኣደይ ክትዛረብ እንደገና ነቓሕኩ። ናይ ሞት መንገደይ ዘቋረጽኩ ብናይ ኣደይ ድምጺ እየ” በለ። ናይ ፍቕሪ ድምጺ ናይ ሞት መንገዲ ይሰብር። ናብ ሞት ንዝኸዱ እንምልሶም ብናይ ፍቕሪ ድምጺ ጥራሕ እዩ። ናትና ናይ ፍቕሪ ድምጽና፣  ኣፍቂሩ ዘድሓነና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ገብርኤል መልኣኽ ሒዝዎ ዝመጸ ብስራት ናይ ፍቕሪ ድምጺ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ፍቅሪ ኣዋጅ፣  ናይ ምድሓን ብይን እዩ። ኣብ ናይ ሞት ባሕሪ ሰጢሙ፣  ንሲኦል ገቢሩ፣  ናይ ኣጋንንቲ ግዙእ ኮይኑ ዝነበረ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ዝምልስ፣  መቓብር ይደፈን፣  ሲኦል ትተዓጾ፣  ሰይጣን ይረገጽ፣  ገነት ትከፈት፣  ትንሳኤ ይተኣወጅ፣  ህይወት ተብርህ ዝብል ብስራት ነበረ።

እዝንና ዕለት ዕለት ሓደሽቲ መከራታት ይሰምዕ። ብሓደ ወይጉድ ኢልና ከይወዳእና ካልእ ጉድ ይመጽእ። መከራ ካብ ምልማድና ዝተላዕለ እንጸናንዖ ብጉድኣቱ መጠን ምውሓድ እዩ። እንሓዝኖ ድማ ብዝሞተ ሰብ መጠን እዩ። ብማዕበል ሓደጋ፣ ብምንቅጥቃጥ መሬት ስለ ዝሞቱ ሓደ ሽሕ ሰባት ምሕዛን ደው ካብ ነብል ብዙሕ ጌርና ኣለና። ኣብ ሱናሚን ኣብ ናይ ሃይቲ ግዝኣት ዝበጽሐ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ነፍሲ ወከፎም ልዕሊ 3ተ ሚኢቲ ሽሕ ሰባት ምህላቖም ሰሚዕና። እንሓዝኖ ብሓደጋ ዘይኮነ ሓደጋ ብዘብጽሖ ጥፍኣት ክብደት እዩ። ናይ ትማሊ ጥፍኣት እንተ ዘይበሊጹ ኣይንሓዝንን። ብብኽፉእ እናተዋዳደርና ዘለናሉ ዘመን እዩ። ኣብ ሃገርና’ኳ እንሓዝኖ ብሞት ፈታዊና ዘይኮነ ናይ ቀብሩ ቦታ ርሑቕ ብምዃኑ እዩ። እዚ ስልጣኔ ድዩ ወይስ ርእስኻ ምፍታው? ሰናይ ዜና ካብ ምጽባይ ካብ ክፉእ ክፉእ እናወዳደርና፣  ብዝወሓደ ክፉእ እናተጸናናዕና ኢና። ናይ ዓለም መንግስታት ኩሎም ሰላም ንምምጻእ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ መንገዲ ኣብ’ቲ ንሓደ ቀቲሎም ኣብ’ዚ ከኣ ንኻልኦት ምዕራፍ እዩ። ዓለም ብጽቡቕ ነገር ምምጻእ ተስፋ ዝቖረጸት ትመስል። ገብርኤል መልኣኽ ሒዝዎ ዝመጸ ብስራት ግን ነዚ ኩሉ ድኽመትን ምዝሕታልን ዝስዕር እዩ።

ደቂ ሰባት ሓዘን ዝስዕር ኣጸናናዒ ቃል፣ ንጸልማት ዝገፍፍ ጽኑዕ ብርሃን፣ ንፍርሓት ዝስዕር ናይ ብስራት ድምጺ፣ ንጽልኢ ዝቐትል ናይ ዕርቂ ዜና ጠምዮም (ሲኢኖም)። ነቢይ ዳዊት፣ “ነቲ ሰናይ ነገር መን እዩ ዘርእየና ዝብሉ ብዙሓት እዮም” ከምዝበለ (መዝ 4፡6)። ጽቡቕ ንምርኣይ ኩሉ ናፊቑ። ብኣምሓርኛ ”ኩሉ ሕሙም ኩሉ ርእሰይ በሃሊ፣  ካብ ቤትና ደሓን ጠፊኡ ድዩ? ከምዝተባህለ ኣብዛ ዓለም ዘይሓዘነ፣ ዘይደኸመ የለን። ሃብታማትን ድኻታትን ብምምላእ ከብዶም እንተ ተፋላለዩ፣  ኩሎም ግን ሓደ ዝኾንዎ ጥሜት ኣሎ። ንሱ ድማ ናይ ብስራት ድምጺ እዩ።

ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናይ ብስራት ቃል ሒዙ ናብ ምድሪ ክመጽእ ከሎ ደቂ ሰባት ብሞት ስጋ ሞት ነፍሲ፣  ኣብ ልዕሊ መቓብር ሲኦል ተጻዒንዎም ይሽቑረሩ ነይሮም። ሰማይን ምድርን፣ ሰብን እግዚኣብሄርን፣ ዘርኢ ኣዳምን መላእኽትን፣  ህዝብን ኣህዛብን ተጻሊኦም ነይሮም። ናይ ስጋ መከራ፣ ናይ ነፍሲ ኩነኔ፣  ንደቂ ሰባት ኣጨኒቑ፣  ሞይቶም ይነብሩ ነይሮም። በዚ ሰዓት ናይ ዘመናት ጸልማት ዝገፍፍ፣  ናይ ዘመናት ፍርሓት ዘወግድ ብስራት ሒዙ ገብርኤል መልኣኽ መጸ። ብስራቱ ዝተላእከ ካብ እግዚኣብሄር እዩ። መልእኽተኛ ድማ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ። ንዓለም ወኪላ፣ ንዘመናት ወኪላ መልእኽቱ ዝተቐበለት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ።

ብስራት ትንቢት ኣይኮነን፣ ቅድሚ እዚ ብዙሓት ነቢያት ትንቢት ተዛሪቦም እዮም። ንቕድሚት ስለዝኸውን ጽቡቕ ነገር ተዛሪቦም እዮም። ብስራት ግን ናይ ቆጸራ ደስታ ዘይኮነ ናይ ደስታ ምርካብ ዝእውጅ እዩ። ”ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትበሃል ዓዲ ገሊላ ናብ እትበሃል ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዝብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት  ዳዊት እተሓጽየት እያ፣ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ” (ሉቃ 1፡26-27)።

"ሻዱሻይ ወርሒ"

ገብርኤል መልኣኽ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ብስራት ቃል ሒዙ ናብ ይሁዳ ናብ ካህን ዘካርያስ ከይዱ ነበረ። ንዘመናት ውሉድ ሲኢኖም ዝነበሩ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ኣብ እርጋኖም ውሉድ ረኸቡ። እዚ ውሉድ ብብስራተ መልኣክ ካብ ዝጽነስ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ። እቲ ጽንሲ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ነበረ። ዮሃንስ ናይ ወለዱ ናይ ዘመናት ጸሎት መልሲ ነበረ፣  ናይ ክርስቶስ መንገዲ ጸራጊ ነበረ። ቅድሚ ንጉስ ጸራጊ መንገዲ ከም ዝኸይድ፣ ቅድሚ ንጉስ ክርስቶስ ህዝቢ ንምድላው ዮሃንስ ወጺኡ። ዮሃንስ መጥምቕን ጐይታና ብስጋዊ ልደት ሽዱሽተ ወርሒ ይቕድሞ።

ዮሃንስን ጐይታናን ተመሳሳሊ ዝኾንዎም ነገራት ኣለዉ። መጀመርያ ብብስራተ መልኣኽ ምውላድ እዩ። ዘበሰሮ ድማ ሓደ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። ልደቶም ድማ ተኣምራታዊ እዩ። ዮሃንስ ብመኻንነትን እርጋንን ዝተወልደ ክኸውን ከሎ፥ ጐይታና ድማ ብዘይዘርኢ ሰብኣይ እዩ ዝተወልደ። ናይ ክልቲኦም ናይ ስብከቶም መጀመርያ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ሞ ንስሓ እተዉ ዝብል እዩ። በዞም ስለስተ ነገራት ይመሳሰሉ። ዝፈልዮም ነገር ድማ ዮሃንስ ነቢይ ክኸውን ከሎ፥ ኢየሱስ ግን ኣምላክ እዩ። ዮሃንስ ኣብ በረኻዘገልገለ ክኸውን ከሎ፥ ኢየሱስ ግን ኣብ ከተማ እዩ ኣገልጊሉ። ዮሃንስ ናብ ኢየሱስ ዘመልክት ኣገልግሎት ነበሮ፣ ኢየሱስ ግን ፍጻሜ እዩ።

"ምሕጻይ(ሕጸ)"

 “...ንሳ ንዮሴፍ ዝበሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሓጽየት እያ፣ -“(ሉቃ 1፡27)። እዚ ብናይ እግዚኣብሄር ጥበብ ዝተገብረ እዩ። ሓንቲ ጓል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ጸኒሳ እንተ ተረኺባ ከም ሕጉ ኣመንዝራ ስለዝኾነት ብዳርባ እምኒ ክትመውት ይእዝዝ። ድንግልማርያም ብዘይ ዘርኢ ወዲ ምጽናሳ ስጋዊ እዝኒ ዝቕበሎ ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ናይ ምድሓን ጽንሲ ንምሕላው እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ኣረጋዊ ከም መጋረጃ ተጠቀመሉ። ንዮሴፍ ምሕጻያ ንኽሕልዋ ደኣ እምበር ንስጋዊ ፍትወት ኣይኮነን።

"ስም እታ ድንግል"

“ስም እታ ድንግል ማርያም እዩ” (ሉቃ 1፡27)። ድንግልና ከም መጸውዒ ስም ኮይኑ ዝተቐጸለ ንንጽህቲ ድንግል ማርያም እዩ። ብጀካኣ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ዝወለደት ሰበይቲ ቅድሜኣ ኮነ ድሕሬኣ ኣይተንሰአትን፣ ኣይትትንስእን’ውን። ጐይታና ብድንግልና ምጽናስ ዘድለዮ ንምንታይ እዩ?ምስ እንብል፣ ንሱ ኣብ ሰማይን ምድርን ኣቡኡ ኣግዚኣብሄር ኣቦ ጥራሕ ስለዝኾነ ኣብ ምድሪ ኣቦ ኣየድልዮን። ካልኣይ ናይ ውርሻ ሓጢኣት ዝሓልፍ ዝነበረ ብናይ ዘርኢ ሰብኣይ እዩ። ኢየሱስ እንበለ ዘርዐ ብእሲ (ብዘይ ዘርኢሰብኣይ) ምውላዱ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ከም ዘይሓለፎ ይገልጽ። ሳልሳይ ደረጃ ናይ ኣምላኽነቱ መረድኢ (መርትዖ) እዩ።

ማርያም ዝብል ስያሜ ዝመጸ ካብ ሓፍቲ ሙሴ ጀሚሩ እዩ። ማር ማለት ብእብራይስጢ መሪር ማለት ክኸውን ከሎ ያም ማለት ድማ ዘመን ማለት እዩ። መሪር ዘመን ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሃገረ ግብጺ ህጻን ክውለድ እናተሓንቀ ይቕተል ስለዝነበረ ሓፍቲ ሙሴ ምስ ተወልደት ናይቲ ዘመን  መሪር ሓዘን ንምግላጽ ማርያም በልዋ።

ሓፍቲ ሙሴ ማርያም ባሕሪ ኤርትራ ተኸፊሉ ክሳገሩ ከለዉ ከበሮኣ ኣልዒላ “ሰብሕዎ” እናበለት ኣመስገነት። ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍለ፣ -“ብልይት ማርያም ናይ ብሉይ ኪዳን ጥንቲ፥ ከምዝኾነት ሐዳስ ማርያም ናይ ሓዱሽ ኪዳን ጥንቲ እያ። ኣቐዲሙ ኣብ ዘመን ማርያም ዝኾነ ግፍዕን መከራን ድንቂ ስራሕን ኩሉ ዳሕራይ ኣብ ድንግል ማርያም ንዝኸውን ኣምሳል ኮይኑ ተጻሒፉ። ማርያማት ከምዝነጻጸራ፣  ፈሮኦንን ሄሮድስን፣  ሙሴን ክርስቶስን፣  ንሴብሆን ታዓብዮን ይነጻጸሩ (ዘጸ 15፡1-21፡ሉቃ 1፡46-55)። ብልይት ማርያም ብልደተ ስጋ ሓፍቲ ሙሴ ከምዝተባህለት፣  ሓዳስ ማርያም ድማ ንስግው ቃል ብልደተ ነፍሲ ሓፍቲ ትበሃል። ምትሕብባር ልማዳ እዩ እምበር። ድንግልና ምስ ወሊድ ከም ዘተሓባበረት፣  ሓፍትነት ምስ ኣደነት ኣተሓባቢራ እያ፣  ኣብ ሰንበት ደብረ ዘይቲ ከምዝብሉ” (ኪዳነ ወልድ ክፍለ መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ ወመዝገበ ቃላት ሓዲስ ገጽ 610።

ዓቢይ ሊቅ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍለ ንኽልቲአን ማርያም ኣነጻጺሮም። ዘመሳስል ነገራት ከም ዘለወን ብግልጺ ይርአ። እዚ ድማ፣ -ኣብ ዘመነ ፈርኦን ህጻናት ሃሊቖም፣ ኣብ ዘመን ሄርድስ ድማ ህጻናት ሃሊቖም። ባሕሪ ኤርትራ ምስ ተኸፍለ ናይ መጀመርያ ኣመስጋኒት ሓፍቲ ሙሴ ማርያም ከም ዝነበረት፣  ባሕሪ ሞት ክኽፈል ከሎ ናይ መጀመርያ ኣመስጋኒት ድንግል ማርያም እያ (ሉቃ 1፡47፡55)።

"ብስራት"

“እቲ መልኣኽ ናብ ኣትዩ፣ -ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ’ሞ ባህ ይበልኪ፣ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፣ በላ” (ሉቃ 1፡28)።

ድንግል ማርያም ንኩሉ ዓለም ወኪላ ናይ ብስራት ቃል ተቐበለት። ዓቢይ ጋሻ ናብ ዓለም ከምዝመጸ እትፈልጥ ንሳ ጥራሕ እያ። ናይ ሎሚ ምእመናን፣  ኣብያተ ክርስቲያናት ወኪላ ንክርስቶስ ኣአንገደት። ዓለም ከምዝደሓነ ዝሰመዐት ናይ መጀመርያ ተሰባኺት ድንግል ማርያም እያ። ናይ መጀመርያ ናይ ወንጌል ሰባኺት ናይ ክርስቶስ ምድሓን ዝተረኸት ድንግል ማርያም እያ (ሉቃ 1፡47)። ሞት ናብ ዓለም ዝኣተወ ብሰበይቲ እዩ። እዚ ድማ ነንስቲ ዓለም የሸቑርር ነይሩ። እግዚኣብሄር ነዚ ውርደት ኣልዓለ። ህይወት ብሰበይቲ መጸ። ንሕና ኩላትና ብናይ ኣቦ ዘርኢ ምምጻእና፣ ብናይ ኣቦ ስም ምጽዋዕና የኹርዓና ይኸውን። ኢየሱስ ግን ዘርኢ ሰበይቲ እዩ። ወዲ ሰበይቲ ዝብል ስም ጸርፊ ዘይኮነ መዓርግ ኮነ።

ናይ ውሉድ ብስራት ደስታ ዝኸውን ውሉድ ሲኢኖም ንዝነበሩ ንእኒ ኤልሳቤጥ እዩ። ንሓንቲ መንእሰይ ድንግል ከምኡ’ውን ድንግልና ንዝመረጸት ጓል ውሉድ ብስራት ከይከውን ይኽእል። ናይ ኢየሱስ ምውላድ ግን ናይ ውሉድ ምውላድ ጥራሕ ዘይኮነ ናይመድሓኒ ምውላድ እዩ። ናይ ኢየሱስ ምውላድ ናይ ገዛ ጸልማት ዝገፍፍ ውሉድ ዘይኮነ ናይ ዓለም ጸልማት ዘብርህ ውሉድ ነበረ። ናቱ ልደት ናይ ህጻን ውሉድ ልደት ጥራሕ ኣይነበረን፣ ናይ ሰላም ምውላድ፣ ናይ ፍቕሪ ምውላድ ነበረ። ዝተወልደ መድሓኒ እዩ። ኣብ ማህጸን ድንግል ዝሓደረ ዓለም ዘይትኽእሎ እያ። ኣብ ኣእዳዋ ዝሓቐፈቶ ንዓለም ዝተሸከመ እዩ። ኩሉ ውሉድ ድሕሪ ወለዲ ዝተረኽበ እዩ። ድንግል ማርያም ግን ዝወለደቶ ቅድሜኣ ዝነበረ ፈጣሪኣ እዩ። ብሓደ ግዜ ውሉድ፣  ብሓደ ግዜ መለኮት፣  ብሓደ ግዜ ሰብ ምባሉ ብድርብ ክብሪ ንዝነብር ንክርስቶስ ዝተገብአ (ግቡእ) እዩ።

ጸጋ እንተ ዘይበዚሑ (እንተዘይመሊኡ) ንኣምላክ ምውላድ ዘይከኣል እዩ። ንድንግል ማርያም ዝተዋህበ ጸጋ ዘይድገም እዩ። ናይ ሰበይቲ ክእለት’ውን ኣይኮነን። ናይ ሰበይቲ ወግዒ ውሉድ ምጽናስ እዩ። መድሓኒ ግን ምጽናስ ኣይክእልን። ዓበይቲ ኣንስቲ ኣብ ዓለምተንሲአን እየን። ንጉስ፣ ጳጳስ ብምውላደን ተኸቢረን። ካብ ኣንስቲ ዝተፈልየት ድንግል ማርያም ግን ንኣምላኽ ወለደት። እዚ ብማንም ክውሰድን ክወሃብን ዘይከኣል፣ ብኽእለት’ውን ዘይርከብ ብጸጋ ዝኾነ ምምራጽ እዩ። ደናግል እስራኤል ድሕሪ ሓፍቲ ሙሴ ማርያም ኮይነን ንሴብሆ ከምዝበላ ኣንስቲ ዓለም ድማ ምስ ፊታውራሪት ተዓብዮ ኢላ ምስ ዝዘመረት ድንግል ማርያም ስለ ክርስቶስ ምድሓን ክዝምራ ይግባእ። ናትኩም ድማ ውሉድኩም ዝኾኑ ነፍሶም ንጐይታ ምስ ተኽብር፣ መንፈሶም ድማ ኣምላኽን መድሓኒትን ብዝኾነ ጐይታ ደስታ ምስ ትገብር ጥራሕ እዩ።

ድንግል ማርያም ትሕቲ ነበረት። እንተኾረዐት’ውን የጸብቐላ እዩ ነይሩ። ነገር ግን መለለይኣ ትሕትናን ምስጢር ምሕላውን ነበረ። ልሳና እትኸፍቶ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ መገልገሊ ጥራሕ እዩ። መልኣኽ ምምራጻ ኣብ ዝነገራ ግዜ ይግባኣኒ እዩ ኣይበለትን። ምምራጽ ካብቲ መራጺ ጸጋ ከምዝኾነ ስለእትፈልጥ።

ገብርኤል መልኣኽ፣ “…እንሆ ክትጸንሲ ወዲ’ውን ክትወልዲ፣ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓቢይ ክኸውን፣ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቡኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለኣለም ኪነግስእዩ፣  መንግስቱ ድማ መወዳእታ የብሉን። --“ በላ (ሉቃ 1፡30-35)።

ሎሚ’ውን እዚ ብስራት ንዝተጨነቐት ዓለም መልሲ ኣለዎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ኮይኑ ኣብ ቤት ኣብ ጐደናና ክውለድ ይደሊ። መድሓኒ ኮይኑ ጽላሎት ሞት ኣብ ዘንጸላልወሉ ምድሪ ክውለድ ይደሊ። ነገር ግን ናይ ብስራት ድምጺ ኣሚንካ ምቕባል ይሓትት። ሎሚ ንዓና ዝተሳእኑና ሽግራት ዓቕሚ ምስ ንረክብ ዝስንብዱ ኣይኮኑን፣ ዘድልየና ናይ ስልጣኔ ዓቕሚ ምጉልባት ዘይኮነ ብስጋ ንዝመጸ ጐይታ ምእማን፣ ሞይቱ ንዓለም ኣድሓነ ዝብል ብስራት ምቕባል ጥራሕ እዩ (1 ጢሞ 1፡15)። ንሕና’ኸ ብስራቱ ተቐቢልና?

ካልኣይ ምዕራፍ ይቕጽል።

ተርጓሚ፥-ቀሺ ኣፈወርቂ።

እዚ ጽሑፍ እዚ:  "ተወልዶልናል" ካብ ዝብል ብዲያቆን ኣሸናፊ መኮነን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዝተተርጐመ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሙ ክቐርብ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div