S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ንፍቕርን ሰላምን ዘይዕድም ኣፍራሲ ተልእኮ ኣባ-ሉቃስ-!!

ሰላምሲ እቲ ዝኸበረ ህያብ ኣምላኽ ስለ-ዝኾነ፥ ብሰላም ውዒሉ ብሰላም ክሓድር ዘይምነ ፍጡር የልቦን። ከመይሲ ሰላም እንድሕሪ ዘየሎ፥ እቲ ብሕይወት ምንባር ንርእሱውን፥ ውሕስነት ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ስለ-ዝኾነውን ሰላም ዝረሓቖ ሕይወት ዝምነዮ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ጎይታናውን ኣብ ወንጌሉ “-ገበርቲ ሰላም፥ ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉዮም እሞ፥ ብፁዓንዮም-“ ብምባል ዝምህረና። ስለዚ ንሕና ደቂ-ሰብ፥ ቅድሚ ሰላም ክንሰርዖ ዝግብኣና ካልእ ነገር ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ ሰላም ብቕድስና ዝጥመት፥ ክብሪ ዘለዎ ኣዚዩ ብሉጽ ዝኾነ ህያብ ኣምላኽውን እዩ። (ማቴ. 5/9)

እቲ ሓቂ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ይኹን እምበር፥ ጸረ ሰላም ዝኾነ ኣቕዋም ዘለዎም ሰባት፥ የለዉን ማለት ግን ኣይኮነን። ማለት ከምቲ “-ለኣድግ ኢይጥዕሞ መዓር፥ እንበለ እጉስጣር-“ ዝበሃል። ሰላም ዘይሰማምዖም ሰባት የለዉን ክበሃል ድማ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ፥ “-ንኣድጊ ጐሓፍ እምበር፥ መዓር ኣይምቅሮን-“ ተባሂሉ ዘሎ። እቶም ብሰላም ክነብሩ ባህርያቶም ዘየፍቅደሎም ድማ፥ ሰላም ንዓታቶም ከምቲ ንኻልእ ሰብ ዝርድኦ፥ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚውን ከምቲ መንደላይ-ተመን መርዚ ብምንዛሕ ሰብ ዝጐድእ፥ እዞም ዓይነት ሰባትዚኣቶምውን ብተመሳሳሊ መንገዲ፥ ንፍቕርን ሰላምን ዝዕድም ጥዑምን ሠናይን ዘረባ ካብ ኣፎም ክወጽእ ኣይኮነሎምን እዩ።

ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋንውን፥ ብወገን እታ ዓባይ ሃገር-ኣሜሪካ ኣቢሉ ዝነፈሰ፥ ንሰላም ዘይዕድም ሕማቕ ንፋስ ክነፍስ ዝስማዕ ዘሎ። እዚ ከኣ ከምቲ “-ንበዓል ነጎዳስ፥ ብሓዊ ተኩሶ-“ ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ እዚ ኣፍራሲ ተልእኮ ዘለዎ ዘረባዚ፥ ነዚ ፍቕርን ሰላምን ሪሒቑዎ ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና፥ ክንገሮን ክሰምዖን ዝግብኦ ኣይነበረን። “-ዒራ ዘይኩሩምትኻ ጸጸር ቈርጥመሉ-“ ከም-ዝበሃል ስለ-ዝኾነ ግን፥ እቶም ካብዚ ዝሓለፈ ዓሠርተ ዓመት ኣትሒዞም፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከም-ዘይሓልፍ፥ ክሕምሱዋ ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ወይ ኣባ-ጽጌ፥ ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ኣሜሪካ  ኮይኖም፥ ከም ኣእማን ዝፋጋእ ቃላት፥ ክውንጭፉ ይርኣዩን ይስምዑን ኣለዉ።

ግዳስ ንዕኦም ንኣባ-ሉቃስ ደኣ ዘይርድኦም ኮይኑ እምበር፥ ኣብዚ እዋን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጻ ትርከብ ምህላዋ፥ ንሕና እቶም ኦርቶዶክሳውያን እንበሃል ዋናታታ ጥራይ ዘይኮነ፥ ብሙሉኡ ማኅበረ-ሰብ ዓለምውን ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማዩ፥ ኣባ-ሉቃስ ኣብቲ ንዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ተኸቲሎም፥ ክሳተፉዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ዓለም-ለኸ ጉባኤታት፥ መንጸግትን መስጐጕትን ኣስዒቡሎም ክንጸጉ ዝጸንሑ። ከመይሲ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ካብ ፓትርያርክነት ኣቡነ-እንጦንዮስ ወጻኢ፥ ንዝግበር ዘይቀኖናውን ዘይሕጋውን ፓትርያርክነት፥ ኣፍልጦ ክህብ ስለ-ዘይደለየ ምዃኑ፥ ካብኦም ካብ ኣባ-ሉቃስ ንላዕሊ ክፈልጦ ዝኽእል የልቦን። ከመይሲ ንሶምዮም ካብቲ ጉባኤታት መንጸግቲ እናጋጠሞም ክስጎጉ ዝጸንሑ።

እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ኮኑ፥ እቲ ኦሪየንታል ብምባል ዝፍለጥ ናይ ኣብያተ-ክርስቲያናት ኅብረትውን፥ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ጌግኦም ክእርሙ ምኽርን መጠንቀቕታን ክህብ ምጽንሑ ዝፍለጥዩ። እዚ ኩሉ ከኣ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዝግብኦ ኣይነበረን። እዚ ጉዳይ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ብምርዳእውን፥ ዳርጋ ኩሎም ጳጳሳትን ገዳማውያን-ኣቦታትንውን፥ እቲ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ዝተገብረ ምውራድ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ዘይቀኖናውን ዘይሕጋውን ምዃኑ ተኣሚኑ። እቶም ፓትርያርክ ኣብ ቦታኦም ክምለሱ ዝብል ጎስጓስ፥ ከካይዱ ከም-ዝጸንሑ ዝፍለጥዩ። ኣባ-ሉቃስ ግና ካብ መንፈሳዊ-ተልእኮ፥ ናይ ፖለቲካ-ካድረ ኮይኖም ክዋስኡ ስለ-ዝተፈተዎም፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተፈቲሖም ዕርቀ-ሰላም ንኸይከውን፥ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዘዕገርግሩዎ ዘለዉ፥ ንሶም ኣባ-ሉቃስን ምዃኖም፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ፥ ኣብዚ ሰዓት ኣብ ኣሜሪካ መጺኦም፥ ነተን ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ድቃስ ስኢነን፥ ኣብ ከቢድ ጻዕሪ ተጸሚደን ዝርከባ ዘለዋ፥ ሃገረ-ስብከታት ኣሜሪካን, ኤውሮጳን, ማእከላይ-ምብራቕን፥ ብተሓድሶን መናፍቕነትን ከሲሶም ከጸልሙወንን ክውንጅልወንን ኣይምተረኽቡን። እዚ ከኣ”-ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ-“ ከም-ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ እዘን ንድኅነትን ክብርን ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ክብላ፥ ዕላማ በዓል ኣባ-ሉቃስ ኮይነን ጸሎሎ ክቕብኣ ዝውዕላ ዘለዋ ኣሕጉረ-ስብከታት፥ ከምቲ ንዓታቶም ዝመስሎም ዘይኮነስ፥ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ጽኑዕ-መሠረት ሒዘን፥ ይጐዓዛ ምህላወን በዓል ኣባ-ሉቃስ እንተ-ዘይተረድኡዎ ዘገርም ኣይኮነን።

ብዝተረፈ “-ሌባ ሌባ-! እንተበሉዎስ፥ ልዋ ልዋ-! ዝበሉዎ ይመስሎ-“ ከም-ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ንከም ኣባ-ሉቃስ ዝኣመሰሉ ኣብ መርዓርገ-ጵጵስና ዝርከቡ ሰባት፥ እቲ ኣብዚ እዋን ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ቃላት፥ ካብ  ኣፍ ሓደ ጳጳስ ይወጽእ ኣሎ ኢልካ ክትቅበሎ፥ ክንደይ ንሕልና ዝኸብድ ዘይውርዙይ ቃላትዩ። ብዝተረፈ ነቲ ኣብ ሕጋዊ-ፓትርያርከነት ኣቡነ-እንጦንዮስ ኣሚኑ፥ ብጽንዓት መኪቱ ዝቃለስ ዘሎ ዉሉደ-ክህነት “-ጸረ ሃገርን ጸረ ሕዝብን-“ ዝብል ጸሎሎ ቀቢኦም ክውንጅሉዎ ምርካቦም፥ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ተልእኮ ቤተ-ክርስቲያን ሓዲጎም፥ ናይ ፖለቲካ-ካድረ ክኾኑ ከም-ዝመረጹ ዘረድእ ዘሎ። ስለዚ ንዕኦም ካብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንላዕሊ፥ ዘገድሶምን ዘተሓሳስቦምን ጉዳይ ፖለቲካ ካብ ኮነ “-ዘኢይክል ሠሪዓ ቤቶ እፎ ያስተሓምም ቤተ-እግዚኣብሔር-“ ማለትሓደ ቤቱ ክመርሕ ዘይክእል ሰብ፥ ከመይ ኣቢሉ ቤት-ኣምላኽ ከመሓድር-?’  ዝተባህለ ኃይለ-ቃል ክጥቀሰሎም ግቡእ (1 ጢሞ. 3/5)

ብዝተረፈ እቶም ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብቐረባ ርሕቀት ኮይኖም ዝከታተሉዎ ኩሎም ከም-ዝፈልጡዎ፥ ብጽቡቕ ደኣ ኣይኮነን ኣምበር፥ ስም ኣባ-ሉቃስሲ ብብዙሕ ክለዓል ጸኒሑ እዩ። ከመይሲ ሰብ ዘይዘርኦ ክዓጽድ ከም-ዘይክእል፥ ንሶምውን እንተኾኑ ጽቡቕ ዘርኢ ክዘርኡ ጸኒሖምዮም ዝበሃሉ ኣይኮኑን። በቲ ክብሉዎ ዝጸንሑ ኩሉውን፥ ብብዙሕ ክውቀሱን ክንቀፉን ጸኒሖምዮም። እዚ ኩሉ ድማ መለበምን መአርምን ክኾኖም ይግባእ ነይሩዩ። “-ወሓጥዮ እንተ-ተባህለትሲ፥ መመሊሳ ትጐስሞ-“ ከም-ዝበሃል ስለ-ዝኾነ ግን፥ ኣብ ርእሲ ዝጸንሐ ጌጋኦም፥ መመሊሶም ጌጋ ክውስኹ ዝደልዩ ደኣምበር፥ ክጠዓሱ ዝደልዩ ኮይኖም ብዘይ-ምርካቦም፥ እታ ልሣኖም ከም ቀደማ ንሰላም ዘይዕድሙን፥ ከም እሾኽ ዝዋጋኡን መርዛማት-ቃላት ከተውጽእ ትስማዕ ዘላ።

ስለዚውን ሕጂ ኣባ-ሉቃስ ሕፍር ሕንኽ ከይበሉ “-ምስቶም ወገን ኣቡነ-እንጦንዮስ ኢና ዝብሉ ተሳትፎ ኣይሃሉኹም። ንሳቶም ጸረ-ሃገርን ጸረ-መንግሥትን ስለ-ዝኾኑ፥ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ኣይትሓውሱዎም-!! ኣብ ቀብሮምውን ኣይትካፈሉ-!! “ ብምባል፥ ንምስምዖም ዘደንጽዉ ቃላት ካብ ኣፎም ክወጹ ከም-ዝተሰምዑ፥ ኣብቲ ብመርበብ-ሓበሬታ ኣሰና ዝተፈነወ ዜና ተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ከኣ ካብ ካድረታት-ፖለቲካ ወጺኡ ክበሃል ዘሕፍር ክነሱ፥ ካብ ሓደ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ኣለኹ ዝብል ሰብ ወጺኡ ክበሃል ከሎ፥ ክንደይ ዘጉህን ዘሕዝንን እዩ። ብዕድል ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያና፥ ዝስመዓና ጓህን ሓዘንን ድማ ወሰን የብሉን። ከመይሲ ኣባ-ሉቃስ ንሕዝብና፥ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጽልእን ምፍልላይን ክነብርዮም ዝምነዩሉ ዘለዉ። “-ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ-“ ከም-ዝበሃል ድማ፥ ነዚ እሾኽ መርገም ዝኾነ ቃላት ክዘርኡ ከኣዮም፥ ክሳብ ኣሜሪካ ተሃንዲዶም ዝመጹ።

ኣባ-ሉቃስ ኣብቲ ኩሉ ክግበር ዝጸንሐ ጉዕዞ እንተ-ረአናዮም፥ ናይ ባእስን ምፍልላይን ፋሕፋሕን እምበር፥ ንፍቕርን ሰላምን ዝዕድም ተበግሶ ክገብሩ፥ ተራእዮም ዝበሃል ታሪኽ ኣለዎም ዝበሃሉ ከም-ዘይኮኑ፥ ባዕሉ እቲ ታሪኾም ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂዩ። ወዮ ደኣ ኣብቲ ናይ ፖለቲካ-እምባ ተጸጊዖም ብምህላዎም ዘይከኣል ኮይኑ እምበር፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ብሰንኪ መን-? ሰላምን ምርግጋእን ስኢና፥ ኣብ ቀጻሊ ህውከትን ዕግርግርን ትርከብ ከምዘላ፥ ዝጠፍኦ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ግዳስ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኾም ደኣ ከምኡ ይንበር እምበር፥  ሕጂ ግና ኣብቲ ሎሚ በጺሐሞ ዘለዉ ናይ ዕድመ ደረጃ ኮይኖም፥ ንሓድነት እቲ ሕዝቢ ክዘርጉን ክብትኑን ብምባል፥ “-ክሳብ ኣብ ቀብሪ ኣይትተሓዋወሱ-“ ዝብል መርዛም ቃላት ክነዝሑ ምርካቦም፥ ክሳብ ክንደይ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ንምዝራግ፥ ንሓደገኛ ተልእኮ ተሰሊፎም ከም-ዘለዉ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎዩ። ብዝኾነ እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለሎም-!!

ብዝተረፈ ኣባ-ሉቃስ፥ ሓደ ባዕሎም ዝመልመሉዎ ግርማይ ዘርኣይ ዝተባህለ ካድረ ሒዞም፥ ዝገብሩዎ ዘለዉ ምዕግርጋር፥ ንረብሓ ተጸጊዖሞ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ-እምባ ዘገልግል እንተ-ዘይኮይኑ፥ ንረብሓ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከም-ዘይኮነ፥ ኩሉ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦ ሓቂዩ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ መንበሮምን ኣብ ሥልጣኖምን ከይተመልሱ ከኣ፥ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎ ዝኽእል ዕርቂ የልቦን። ኩሎም ጳጳሳትን ገዳማውያን-ኣቦታትን፥ ኣብዚ ሓሳብ ረጊጾም ምህላዎም ድማ ብሙሉኡ ደምበ-ተዋሕዶ ይፈልጥ እዩ። እሞ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ደኣ፥ እዞም መንገዲ ጠፊኡዎምን ኣንፈቶም ስሒቶምን ዝርኣዩ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ፥ ንመንን ንረብሓ መንን ክብሉ እዮም-? ባሕሪ ተሳጊሮም ክሳብ ኣሜሪካ እናተሃንፈፉ ብምምጻእ፥ ናይ ጽልእን ምፍልላይን እሾኽ ክዘርኡ ዝርከቡ ዘለዉ-?

እቲ ካልእ ዘገርም ድማ፥ ህልውና ቤተ-ክርስቲያንና ንሓደጋ ተጋሊጹ ይርከብ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፥ እቲ ማኅበረ-ምዕመናንውን ደው ዝብለሉ ባይታ፥  ኣብ ዝሰኣነሉ ህሞት ይርከብ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ፥ ኣባ-ሉቃስ ግና ብዛዕባ መንፈሳዊ-ኮለጅን፥ ኣብታ ቅድስቲ-ሃገር ኢየሩሳሌም ብዛዕባ ክሥራሕ ኣለዎ ዝብሉዎ፥ ቤተ-ክርስቲያንንዮም ክዛረቡ ንሰምዖም ዘሎና። ኣብዚ እዋን ግና እዚ ኣጀንዳዚ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ከልዕሎ ዝደሊ ኣጀንዳ ኣይኮነን። ከመይሲ እታ ቤተ-ክርስቲያን ብቐንዳ ጅሆ ተታሒዛ እናሃለወት፥ እቶም ፓትርያርክውን እንተኾኑ ኣብ ማሕዩር ተታሒዞም እናሃለዉ፥ እዚ ኣርእስቲ ክለዓል ዝገብሮ ምኽንያትውን ኣይነበረን።

እቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣባ-ሉቃስ ግና ንሱ ኣይኮነን። ከመይሲ ዕላማ-ተልእኮኦም ገንዘብ ሕዝቢ ገፊፎም ንምምላስ ዝዓለመ ምዃኑ ከይደቀስካ ዝተሓልመዩ። ከመይሲ ንሶም ቅድሚ ሕጂ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሓልዮት ነይሩዎም ኣይፈልጥን፥ ሕጂውን ካብኦም ንላዕሊ ንጥፍኣታ ዝተዓጥቀ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ንሶም ካብ ካልኦት ጳጳሳት ንበይኖም ተፈልዮም፥ ንሓደ ኣባ-ባስልዮስ ዝተባህሉ ጳጳስ ኣኸቲሎም፥ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ንምትግባር ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ከም-ዘይሓልፍ ክሕምሱዎዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ሕጂ ድማ ከምቲ “-ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጡዎ ከይዱ ቈርበት ኣንጽፉለይ በለ-“ ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ። ብዝኾነ ተኣምር ኣባ-ሉቃስ ናይ ፖለቲካ-ካድረ እምበር፥ ጳጳስ ኢሉ ዝቕበሎም ክርከብ ኣይሕሰብንዩ። ከመይሲ ቀደም ባዕሎም ቀልባባዕ ክብሉ ዘጥፍኡዎ ክብሪ፥ ሕጂ ተመሊሶም እንተደለዩዎውን ክረኽቡዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን።

ዝኾነ እንተኾነውን ኣብዚ እዋንዚ፥ ነባ-ሉቃስ ዝግድሶምን ዘተሓሳስቦምን ካልእ እምበር፥ ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት ዝግደሱ እንተ-ዝነብሩስ፥ እቲ ነዛ ቤተ-ክርስቲያንዚኣ ስቓይ ኮይኑዋ ዝርከብ ዘሎ፥ እንታይ ምዃኑ ንኽፈልጡ ዝጽግሞም ኣይምኾነን። ካልእሲ ይትረፍ ኣብ ገለ ዓድታት ሃገርና፥ ጸረ-መስቀል ዝኾነ ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ፥ ነባ-ሉቃስ ተሓቢኡዎም ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።፥ ኣብ መቓብር መስቀል ከይግበር ብወግዒ ዝተቐበልኦን ዘተግበርኦን ወረዳታት ምህላወንውን፥ ኣባ-ሉቃስ ኣይፈልጥዎን እዮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ መን ይፈልጥ ጽባሕውን፥ መስቀል ካብ ቤተ-ክርስቲያን ክወርድ ኣለዎ፥ ናብ ዝብል ካልእ ሓደገኛ ኣንፈት ከምርሕ ይኽእል ይኸውን። ኣባ-ሉቃስ ግና ብዛዕባ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ዝኾነ ጉዳይዚ፥ ገለ ክብሉ ተሰሚዖም ኣይፈልጡን። እሞ ሕጂ ደኣ በየናይ መዐቀኒዮም ጳጳስ ኮይኖም፥ ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዝሓስቡን ዘስቈርቁሩን መሲሎም ክርኣዩ ዝደልዩ ዘለዉ-?!

ብዝኾነ ኣባ-ሉቃስ ምቕባሉ ደኣ ዝኸብዶም ዘሎ እምበር፥ ሕዝቢ ተዋሕዶስ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግቶን ዝወዓለ መጋባእያ፥ ብግልጺ ነጊሩዎም እዩ። ማለት እቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ በደሎም ኣሚኖም፥ ይቕሬታ ሓቲቶም ነይሮም እዮም ብምባል ክዝርግሑዎ ዝቐነዩ ሓሶት፥ “-በሉ ሓቂ እንተለኩምሲ ሃየ ኣስምዑና-“  ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡሎም ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ግዳስ “-ኣናጹ ዝነደቑዎ መንደቕሲ፥ ኣንጭዋ ክንቁ ከሎ ይፈርስ-“ ከም-ዝበሃል ስለ-ዝኾነ ግና፥ እቲ ብዛዕባ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት ኩሉ፥ ፈጺሙ ዘይተባህለን ዘይተገብረን ተራ ሓሶት ኮይኑ ተሪፉ። እዚ ነውሪ ሒዝካ ከኣ ኣብ መጋባእያ-ሕዝቢ ክቕረብ ይግባእ ኣይነበረን። ዘይሓፍር ግን ኣይሓፍርን እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ሕዝቢ ነቶም በይኖም ዝዕንድሩ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ዝኸዓቦም። ኣይንሰምዓኩምን ኢሉውን ነቲ ጉባኤ ረጊጹ ክኸይድ ዝተራእየ። ኣብቲ ብመንገዲ ኢንተርኔት ዝተፈነወ ዜና ድማ፥ እቲ ሕዝቢ ክሳብ ክንደይ ተቓውሞ ከም-ዝገበረ፥ ዓለም ብዓለሙ ርእዩዎ ስለ-ዝኾነ፥ ሕጂ ከም-እንደገና  ሕዝቢ ንምትላል ዘኽእል ባይታ ክረኽቡ ይኽእሉዮም ኣይንብልን።

ብዝተረፈ ከም ሓቂ ክዝረብ እንተደኣ ኮይኑ፥ ኣባ-ሉቃስ ካብ ሓሳብቶም ጳጳሳትን ገዳማውያን-ኣቦታትን ተፈንቲቶም፥ ኣብ ናይ ፖለቲካ-ፈረስ ተወጢሖም ንበይኖም ይጋልቡ ከም-ዘለዉ፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ ነቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ንምምላስን፥ ጸገም ቤተ-ክርስቲያን ንምፍታሕን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፥ ከም ዋና ዕንቅፋት ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ ንሶም እምበር፥ ካልእ ዝጥቀስ ስም ከምዘየሎ ብሙሉኡ ደምበ-ተዋሕዶና ዝርእዮን ዝከታተሎን ዘሎ ሓቂዩ። እዚ ከኣ ናብቲ ዘይምጡኑዎ በሪኽ-መንበር ንምድያብ፥ ካብ ዘለዎም ዘየደቅስ ሕልሚ ዝብገስ ምዃኑ ርዱእዩ። እዚ ኩሉ ከኣ ቤተ-ክርስቲያን መጋበርያ-ፖለቲካ ንኽትከውን፥ ኣሕሊፎም ብምሃብ ምዃኑ ክሕሰብ ከሎ፥ እዞም ሰብኣይ እንታይ ወሪዶዎም ዘሎ ዘየብል ኣይኮነን።    

ከም-እንፈልጦ እቲ ካሳብ ሕጂ፥ ብዛዕባ መንበረ-ፓትርያርክ ዘሎ ጽጹይ-ሓበሬታ፥ እቶም ዘለዉ ዝርካቦም ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ኣቡነ-እንጦንዮስ ተሓላሊፉ ዝርከብ ዘሎ ውሳኔ፥ ዘይቀኖናውን ዘይሕጋውን ዝብል ኣቕዋም ዘለዎም ኮይኖም፥ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኣብ መንበሮም ክምለሱ በሃልቲ እዮም። እቶም ገዳማውያን ኣቦታትውን ምሉእ ብሙሉእ ነዚ ሓሳብ እዮም ዝድግፉ። እቶም ንዝመሓሉሉ መዓርግ ክሒዶም፥ ናይ ፖለቲካ መጋበርያ ክኾኑ መሪጾም ዘለዉ ክልተ-ጳጳሳት፥ ማለት ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ግና፥ ኣብ ሰላም ኣለዉ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ድማዮም ከምትኪ ንዓይኒ እሾኽ ከኣ ንእግሪኮይኖም፥ ንቤተ-ክርስቲያን ክሳቕዩዋ ዝርከቡ ዘለዉ።

ብዝተረፈ እቶም ንዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ እኩያን፥ ብውግዘት ፈልዮም ዘውጽኡዎም፥ እዞም ጳጳሳትን ገዳማውያን ኣቦታትን ምዃኖም ዝፍለጥዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ግርማይ ዘርኣይን ካሕሳይ ግርማይን ንዝተባህሉ ክልተ-ካድረታት፥ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ኣይኮኑንዮም ብምባል፥ ኣንጻሮም ክሳብ ውግዘት ዝበጽሕ ውሳኔ ከም-ዘመሓላለፉ ዝፍለጥዩ። እዞም ክልተ-ጳጳሳት እዚኣቶም ግና፥ ንውግዘት እቶም ጳጳሳትን ገዳማውያን ኣቦታትን ዕሽሽ ብምባል፥ ነቲ ኣብ ኣብ ኣሜሪካ ክግበር ዝቐነየ ኣፍራሲ ተልእኮ ዝነበሮ ጉባኤታት፥ ኣብቲ ምፍራስ ንኽሕግዙዎም ተማሊኦሞም መጺኦም ከም-ዝነበሩ ዝፍለጥዩ። በዚ ከኣ ኣከያይዳ እቶም ክልተ-ጳጳሳት፥ ንቤተ-ክርስቲያን ሕቑኡ ሂቡ ናብ ፖለቲካ ዝወገነ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

ስለዚውን ተልእኮኦም ከምዚ ዝተባህለ ስለ-ዝኾነ፥ ናይ ጽልእን ምፍልላይን እሾኽ ኣብ ምዝራእ ምእንቲ ክሕግዙዎም፥ እንሆ ክሳብ ኣሜሪካ ተሰኪሞሞም መጺኦም ኣለዉ። እንሆ ከኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ሕዝቢ፥ ብዛዕባ መንገዲ ፍቕርን ሰላምን ዝምህሩዎ፥ ብኣንጻሩ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ንኽነብር፥ ብቐጻሊ ናይ ጽልኢ እሾኽ ክዘርኡሉ ይርከቡ ኣለዉ። ከመይሲ ኣብ መንፈሳዊ-ተልእኮ ኣለኹ ዝብል ሰብ፥ ተበኣሱ, ተፈላለዩ, ኣብ ቀብርኹምውን ኣይትተሓዋወሱ ኣይብልን እዩ። እቶም ቀይዲ-በተኽ ኮይኖም ዝርኣዩ ዘለዉ ክልተ-ጳጳሳት ግና፥ ሕዝቢ እንተ-ተፈላለየ ኮነ ቤተ-ክርስቲያን እንተፈረሰት ፈጺሞም ክግደሱ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ ነቶም እሙናት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን፥ ጸረ-ሃገርን ጸረ-መንግሥትን እዮም ዝብል ሕብሪ ብምልካይ፥”-ምሳኹም ኣይትሓውሱዎም ኣብ ቀብሮምውን ኣይትካፈሉ-“ ክሳብ ምባል ዝበጽሕ ርሕቀት ሰጢጦም ክኸዱ ኣይምተሃንደዱን።

ብዝተረፈ ወዮ ደኣ ሕዝቢ ክቡር ምዃኑን፥ ኣኽብሮት ከም-ዝግብኦን ዘይርድኦም ኮይኑ እምበር፥ “- ንዝሞቱ ኣይንፈትሕን, ኣብ ቀብሮምውን ኣይንሕወስን-“ ምባሎም፥ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ንዕቀት ከም-ዘሎዎም ዘረድእዩ። ግዳስ ሕዝቢ-እስራኤል ንዕሽነት ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክዕገሶ ከም-ዘይከኣለ፥ ሕዝቢ-ተዋሕዶውን ንንዕቀት በዓል ኣባ-ሉቃስ፥ ንዘለዓለም ተጻዊሩዎ ክኸይድ ይኽእል ዝብል እምነት የብልናን። የግዳስ እቲ መስፈር ምስ-መልአ፥ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ባዕሉ ክዛረብ ስለ-ዝኾነ፥ ኣብቲ ሰዓት በዓል ኣባ-ሉቃስ ብሕይወት ጸኒሖም ምእንቲ ክርእዩዎ ክንጽልየሎም ኢና-!! (2 ዜና.10)

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div