S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተወሊዱልና - 2ይ ምዕራፍ

ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወለደሉ መዓልቲ፣ ምሉእ መዓልቲ ብዝማሬን ምስጋናን የኽብርዎ። ናይ ክርስቶስ ምውላድ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ብልዕን መስተን ምድላው ኩልኩል እዩ።

ንምንታይ? ስጋዊ ደስታ ነቲ መንፈሳዊ ደስታ ንኸይጋርዶ ብምሕሳብ እዩ።  ንጽባሒቱ ግን ብልዕን መስተን ምድላው ይፍቀድ።  ናይ ጐይታና ምውላድ ናይ ወዲ ሰብ ዘርኢ እንደገና ዝተፈጠረሉ መዓልትን ምስጢሩ ድማ ዓቢይ ብምኻኑን ብስጋዊ ነገር ከይሽፈን ቤተ ክርስቲያን ክትክልክል ኣለዋ። እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት መንፈሳዊ ግዴታአን ብምውጻእ ጐይታና ዝተወልደሉ መዓልቲ ብ ኣምልኾን ምስጋናን ጥራይ የኽብራኦ። ኣብ ሃገርናን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ልደት ክርስቶስ ስጋዊ ደስታ ጋሪድዎ ንርኢ ኣለና።

ክርስቶስ ኣብ ዝተወለደሉ መዓልቲ ትዝ ዝብለና ነገር ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር ኣይኮነን። ጸዓዱ ስለ ናይ ልደት ኣቦን  ናይ ልደት ጽሕዲን ስለ በረድን ይሓስቡ። ኣብ ሃገርና ድማ ስለ ልደት ምጽዋት ይዝከር። ኣብ ሓደ ሓደ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ “ልደት ናይ ህጻናት እዩ” ተባሂሉ ንህጻናት ከረሜላ ብምዕዳል ይጠናቐቕ። ናይ ክርስቶስ ምውላድ ግን መላእ ወዲ ሰብ እንደገና ዝተወለደሉ እምበር ተራ ናይ ህጻን በዓል ኣይኮነን። ናይ ልደት በዓል ምኽባር ጥራሕ ክርስቲያን ኣየብልን። ናይ ምስልምና እምነት ተኸተልቲ ዝኾኑ ናይ ፍልስጤም ኣመሓደርቲ ቅድም ያሲን ኣራፋት፣  ሕጂ ድማ መሕሙድ ዓባስ ቤተ ልሄም ተረኺቦም የኽብርዎ እዮም። ናትና ኣከባብራ ካብዚ ዝዓበየ እንተ ዘይኮይኑ ድኻም ጥራሕ እዩ።

ነቲ ዝተወልደ ህጻን ብቕንጣመንጢ ብስጋዊ ነገር ዘይኮነ ብህይወትና ከነኽብሮ፣  ደስታና ድማ ብብልዕን መስተን ዘይኮነ ብፍቕሩ ክኸውን ይግብኦ።

ብዙሓት እንኳዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና እናበሉ ይስዕስዑ፣  ይጭፍሩ፣  ይሰኽሩ። ክርስቶስ ግን ዝተወልደ ሳዕሳዒት፣  ሓጢኣትን ዝሙትን ካብ ዝተባህሉ ግብሪ ጸልማት ከድሕነና ምዃኑ ገና ኣይፈለጡን። ብዓቢኡ ቃሉ፣ -“እግዚአብሔር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዓለ ከይቀጽዔ ኣይሓድጎን እዩ’ሞ፣ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል” ይብል (ዘጸ 20፡7/። ስም እግዚኣብሄር ብኸንቱ ኣይትጸውዕ ማለት ብስሙ ዝተሰየሙ መዓልታት ሓጢኣት ምስራሕ እዩ። እዚ ንእግዚአብሔር ናይ ሓጢኣትና ተሓባባሪ ምግባር እዩ። ፍርዱ ድማ ከቢድ እዩ።

ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላዱ ናይ ዓለም ታሪክ ንኽልተ ዝኸፈለ እዩ። ሎሚ ብክርስቶስ ዝኣምንን ዘይኣምንን  ዘመን ክቖጽር ከሎ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን እናበለ ይቖጽር። ንምንታይ? ምስ እንብል ኢየሱስ ክርስቶስ  ንናይ ዓለም ዘመን ንኽልተ ስለዝኸፈለ እዩ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ዘመን ዓመተ ፍዳ፣ ዓመተ ኩነኔ ክበሃል ከሎ፣ ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ድማ ዓመተ ምህረት ተባሂሉ።

ናይ ጐይታና ምላድ ሰማይን ምድርን ዝተራኸብሉ፣ ኣብ መንጐ እግዚኣብሄርን ሰብን ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ዝፈረሰሉ፣ ህዝብን ኣህዛብን ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ዝኮንሉ፣ ሰማያውያንን ምድራውያንን ብሓድነት ዝዘመርሉ እዩ። ናይ ጐይታና ልደት ናይ ዓመት በዓል ዘይኮነ  ዕለታዊ ኣርእስቲ እዩ። ናይ ደቂ ሰብ ናይ ነጻነትን ሰላምን መዓልቲ እዩ። እግዚኣብሄር ኣማኑኤል ዝኾነሉ ወይ ድማ ካብ ስጋና ስጋ ካብ ነፍስና ነፍሲ  ወሲዱ እግዚኣብሄር ምሳና ዝኾነሉ ዓቢይ ደስታ እዩ። እግዚኣብሄር ቅድሚ ተዋህዶ ምስ ህዝቡ ብረድኤት፣ ብተኣምራት፣ ብድንቂ፣ ብምልክት ምስኦም ነበረ። ብክርስቶስ ሰብ ምዃን ግን ብስጋን ደምን ብምዝማድ ተዛሚዱና ምሳና ኮነ። ናይ ጐይታና ምላድ ምስ እግዚኣብሄር ቤተ ዘመድ ዝኾንናሉ ናይ ተዋህዶ ምስጢር እንዝክረሉ እዩ። እግዚኣብሄር ምሳና ይኹን ኢልና ሎሚ ኣይንመራረቕን። ኣማኑኤል ማለት “እግዚኣብሄር ምሳና ኮነ” ማለት እዩ (ማቴ 1፡23)። እግዚኣብሄር ብፍቑር ወዱ ንዘለኣለም ምሳና ኮይኑ።

ጐይታና ካብ ሰማይ ርሒቕና ንዝነበርና ከቕርበና ንሱ ምድራዊ ኮነ። ንዓና ደቂ እግዚኣብሄር ክገብረና ንሱ ወዲ ሰብ ኮነ። ውድቀት ልማዱ ንዝኾነ ስጋ ለቢሱ ንጸላኢ ሰዓሮ። ጽቡቕ ስራሕ ንምስራሕ ዝተፈታሕና ህዝብታት ክንከውን ብምላዱ ነጻነት ሂቡና። ናይ ክርስቶስ ልደት እግዚኣብሄር ንዓና ዓቢይ ስራሕ ዝሰርሓሉ ዘይኮነ ንዓና ንዓቢይ ህይወት ዝሰርሓሉ መዓልቲ እዩ። መጀመርታ ኩሉ ሰብ ዝኾነ ኣዳም ብዘይ ዘርኢ ሰበይቲ ካብ ድንግል መሬት  ከምዝተረኽበ፣ ንዝደሓነ ዓለም መድሓኒ ዝኾነ ዳግማዊ ኣዳም ክርስቶስ ድማ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ። ብኣዳም ደቂ ሰባት ተባሂልና ነይርና፣ ብክርስቶስ ድማ ደቂ እግዚኣብሄር ተባሃልና። ኣዳም ዝተፈጥረ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምድረ እስራኤል ነበረ። ብክርስቶስ ምላድ እንደገና ዝተፈጠርናዮ ድማ ኣብ ቤተ ልሄም እዩ።

ናይ ጐይትና ልደት ካብ ብስራት ጀሚሩ ብሰፊሕ ዝተረኸልና ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ እዩ፣ -በቲ ቕነ እቲ ኩሉ ዓለም ኪጸሓፍ፣ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወጸ” ሉቃ 2፡1፡ብምባል ናይ ልደቱ ዘገባ ይጅምር። ኣብቲ ወቕቲ እቲ ንኹሉ ዓለም እትገዝእ ሮም ነበረት። ንጉሰ ነገስት ድማ ቄሳር ብዝብል መዓርግ ይጽዋዕ ነበረ። መንበሩ ኣብ ሮም ክኸውን ከሎ ንዓለም ዘመሓድሮ ድማ በቲ ናይቲ ቦታ ነገስታት ገይሩ እዩ። ንጉሰ ነገስታት ንዓለም ዝገዝእ ካብ መንበሩ ከይተንቀሳቐሰ እዩ። ብመልእኽታቱ መንገዲ ንዓለም ይገዝእ። ጐይታና ዝተወልደ ካብ ዘመን መሪጹ ኣብ ናይ ሮም ኣገዛዝኣ እዩ። ናይ ሮም ኣገዛዝኣ ንናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ ዝገልጽ እዩ። እዚ ድማ፣ -እግዚብሄር ኣቦ ካብ ስፍራኡ ከይተናወጸ ይነብር። መልእኽተኛ ቃሉ ወይ ድማ ወዱ ከምኡ’ውን መንፈስ ቅዱስ ግን እናለኣኸ ንዓለም ይገዝእ። ናብዚ ዓለም ብስጋ ዝመጸ እግዚአብሔር ወልድ እዩ። ንሱ ምስ ዓረገ ድማ መንፈስ ቅዱስ መጺኡ። ክርስቶስ ብትምህርቱ ብበጃነቱ ንዓለም ገዝአ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ብጸጉኡ ብተኣምራቱ ከምኡውን ብናይ ክርስቶስ  ቃላት ንዓለም ይገዝእ። ከምዚ ክኸውን ከሎ ግን ናይ ሥላሴ መንግስቲ ሓንትን ማዕረን እያ።

ጐይታና ኣብ ናይ ሮም ኣገዛዝኣ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ዓለም ክቑጸር ትእዛዝ ኣብ ዝወጸሉ ሰሙን እዩ። እዚ ዝገበሮ ድማ ናይ ዓለም ዜጋ ኮይኑ ንምቑጻር እዩ። ንሱ ንናይ ዓለም መዝገብ  ከይተረፈ ዝፈልጥ እዩ። ብዙሓት ክርስቶስ ደግ ሰብ ከምዝነበረ፣ ዓቢይ ናይ ሞራል ለውጢ ድማ ከም ዘምጸአ ይዛረቡ። መለኮታውነቱ ግን ኣይቅበሉን። ንሱ ግን ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ዝተገልጸ ጥራሕ ዘይኮነ ታሪኽ ዝለወጠ ናይ ዓወት ጐይታ እዩ። ዓለም ደግ ሰብ እዩ ካብ በለት ደግ ሰብ ማለት ሓቂ ዝዛረብ እዩ (መዝ 11፡1)። እሞ ደግ ክርስቶስ፣ ---“ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ብምባል ተዛሪቡ እዩ’ሞ ምስ ኣቦ ማዕረ ከምዝኾነ ክንቅበል ይግባኣና (ዮሃ 10፡30)።

ይቕጽል 3ይ ምዕራፍ።

ተርጓሚ፥-ቀሺ ኣፈወርቂ።

እዚ ጽሑፍ እዚ:  "ተወልዶልናል" ካብ ዝብል ብዲያቆን ኣሸናፊ መኮነን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዝተተርጐመ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሙ ክቐርብ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div