S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ስፍራኡ ኣይናወጽን (3ይ ምዕራፍ)

በቲ ቕነ እቲ ኩሉ ዓለም ኪጸሓፍ፣ ካብ ኣውግስጦስ ቄሳር ትእዛዝ ወጸ። እዚኣ እታ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ከሎ ዝኾነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ” (ሉቃ 21-2)

ወቕቱ ሮማውያን ንዓለም ዝገዝእሉ ግዜ ነበረ። ካብ ሮም ክሳብ ማእከላይ ምብራቕን ክሳብ ርሑቕ ምብራቕን ክሳብ ሰሜን ኣፍሪቃን ዘሎ ሃገር ኩሉ ብናይ ኣውግስጦስ ቄሳር ንጉሰ ንገስት ይመሓደር ነበረ። ንጉሰ ነገስት መቐመጢኡ ሮም ክኸውን ከሎ ንመላእ ዓለም ዝገዝኦ ኣብቲ ቦታ ብዘቐመጦም ሹማምንቱ ነበረ።  ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተመደበ ሹም መቐመጢኡ ሶርያ ዝገበሮ ቄሬኔዎስ ክኸውን ከሎ ኣብ ትሕቲኡ ድማ ንእስራኤል ዘመሓድሩ ሄሮድስን ጲላጦስን ነበሩ። እስራኤል ብዙሕ ግዜ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ ዝተፈራረቕዋ ሃገር እያ። ኣብ ዘዘመናቱ ናይ ግብጺ፣ ኣሶር፣ ባቢሎን፣ ግሪኽን ሮምን ኣገዛዝኣ ወዲቕዋ ከምዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። እዘን ሓሙሽተ ሃገራት ዝተፋላለየ ናይ መግዛእቲ ስልቲ ነበረን። እዚ ናይ ኣገዛዝኣ ስልቲ ሎሚ ድማ ዓለም ክርስቲያናት ንምግዛእ እትጥቀሎም መንገድታት ይጥቁሙ።

"ግዝኣት ግብጺ"

ግብጺ ብግዚያዊ ጥሜት ንሓዎም ዮሴፍ ኢሎም ብእንግድነት ንዝመጹ እስራኤላውያን 430 ዓመት ባራዩ ገይራ ገዚኣቶም።  ኣገዛዝኣኣ ኣጨናቒ ክኸውን ከሎ ናጻ ከውጽእ ዝኽእል ወዲ ኩሉ ገና ኣብ ቤት ሓራስ ከሎ ምቕታላ ናይ ግፍዓኣ ግፍዒ ነበረ። እግዚኣብሄር ካብዚ ናይ መግዛእቲ ኣርዑት ብመገዲ ሙሴ ነጻ ኣውጺእዎም። ፈርኦን ገዛኢ፣ ሙሴ ከኣ መራሒ ነበሩ። ብገዛኢ ተጨነቑ፣ ብመራሒ እናዘመሩ ወጹ። እግዚአብሔር ክንገዝእ ዘይኮነ ክንመርሕ ይደሊ።

ግብጺ፣ እስራኤላውያን ንሓዎም ኢሎም ምስ ወጹ ዝተረፉላ ሃገር እያ። ግብጺ ናይ ዓለም ምሳሌ እያ። ዓለም ድማ ብግዚያዊ ሽግር ወይ ድማ ዝፈትውዎም ሰባት  ንኸይስእኑ ብእንግድነት ንዝኸድዋ ባራዩ ገይራ ትገዝእ። ዶብ ዝጠሓሰ ሰብ መዓስ ከምዝምለስ ባዕሉ ኣይፈልጥን። ግብጺ ንኹሉ ወዲ ትቐትል ከምዝነበረት ዓለም ድማ ነጻ ከውጽእ ንዝኽእል ቆራጽነትን ጸሎትን ተስእን። ካብዚ ሕጂ ዘለኻዮ ዝሓሸ ናብራ የለን ብምባል ባርያ ገይራ ትገዝእ።

ነገር ግን ዝሓሸ ናብራ ኣሎ። ዝማዕበላ ሃገራት ንዝተማህሩ ደቂ ኣፍሪቃ ናይ ፖለቲካ ሓዊ ብምልዕዓል ካብ ሃገር የውጽእዎም። እዞም ዝተማህሩ ሰባት ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ንሃገሮም ሓዊ እናገበሩ ተስፋ የቑርጽዎም። ሃገሮም እናፍቀሩ ናይ ሰብ ባርያ ኮይኖም ይተርፉ። ዓለም ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ነውሪ ብምግላጽ እንተ ኸድኩም ኣብኡውን ሓዊ እዩ እናበለት ባርያ ትገብር።

ዓለም ቅተል ኢላቶ ዝተኣዘዘላ ሰብ እንደገና ቀታሊ ነፍሲ እናበለት ተጨንቖ። ዓለም ምስ ክርስቶስ ዝነብር ሰብ ናብኣ እንተ መጸ ኣይትኣምኖን። ምስቶም ቀንዲ ደቃ ከይሓወሰት ኣብ ናይ ስደተኛ መጽለሊኣ ተቐምጦ።ንሱ ክርስቲያን ዝነበረ ሰብ እዩ። ንዘይውድኦ እዩ ጀሚርዎእናበለት ተላግጸሉ። ተመሳሲሉ ክጻወት ክብል ኣፍ ኣፉ ትምልሰሉ። ዓለም ቂማ ኣይትርስዕን።

እወ እስራኤል ዝገጠማ ናይ መጀመርያ መግዛእቲ ናይ ግብጺ ኣጨናቒ መግዛእቲ እዩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ከምዘተንስአ ንዓና ድማ ንክርስቶስ ኣተንስኣልና። ስለዚ ንዕኡ መራሒ ጌርና ካብ ግብጺ ክንወጽእ ይግባኣና። ሙሴ ባዕሉ፣  -“ከማኻ ዝበለ ነቢይ ካብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፣  ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ከንብር እየ፣ ንሱ ድማ ዝኣዘዝክዎም ኩሉ ክነግሮም እዩ” (ዘዳ 1818) ኢሉ ነበረ። ትንቢቱ ድማ ብክርስቶስ ተፈጺሙ (ግብ፣ ሃዋ 322) ሓቀኛ መውጽኢ ሓራ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

"ግዝኣት- ኣሶር"

ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ  722 ዓመት ኣሶራውያን ንሰማርያ ወሪሮም ነይሮም። ኣሶራውያን ንሰማርያ ወሪሮም ናይቲ ሃገር ባህሪ ዝፈልጡ መኸርቲ ሽማግለታት ማሪኾም ናብ ኣሶር ወሰዱ ካብ ኣሶር ድማ መናእሰያት ኣምጺኦም ምስ ሳምራውያን ኣዋሰብዎም። በዚ ምኽንያት ቋንቋኦምን ባህሎምን ተበረዘ። እግዚኣብሄር ብመውስቦ ምስ ኣህዛብ ከይተኣሳሰሩ ምስ ዝኸልከሎም ኣህዛብ ተዋሰቡ። እዚ ኣገዛዝኣ ክፉእ መግዛእቲ ስለ ዝነበረ ክሳብ ክርስቶስ ዝመጽእ ጸኒሑ። ኣብ ደቡብ ምስ ዝነብሩ ኣሕዋቶም ጽልኢ ፈጢርሎም ብሓደ መገዲ ሓቢሮም ዘይከዱ፣ ካብ ሓደ ምንጪ ዘይሰትዩ፣ ኣብ ሓደ መቕደስ ከምዘየምልኹ ገርዎም (ዮሃ 47-20) እዚ ኣገዛዝኣ ከም ናይ ግብጺ ኣጨናቒ ዘይኮነ ብመውስቦ ዝተኣሳሰር በራዚ መግዛእቲ እዩ። ውሽጡ ድማ ፍቕሪ ዝመስል ነገር ኣለዎ።

ዓለም ንክርስቲያናት እትገዝኣሉ  ካልኣይ  ኣገዛዝኣ ምብራዝ እዩ።  እዚ ናይ መውስቦ ስትራተጂ (ስልቲ) እዩ። ክርስቲያናት ብክርስቶስ ምስ ዘይኣምኑ ብመውስቦ ክተሓዋወሱ ትገብር። ኣቦን ኣቦ ሓጎን ወይ ድማ ኣደ ብምግባር መእሰሪኣ ብናይ ኪዳን ደም ተጥልቖ። ከምዚ ዝበለ ኣገዛዝኣ ንኹሉ ትውልዲ ይብክል። ኣብ ማእከል ትውልዲ ድማ ሰላም የስእን።ምስ ዘይኣምኑ መውስቦ ምምስራት ሓማት ሰይጣን  ምዃን እዩዝበሃል ትኽክለኛ ኣበሃህላ እዩ። ሓማት ክፍእቲ እንተ ኮነት ጓላ ሓቒፍካ ካብኣ ምርሓቅ ኣይከኣልን። ሓማት ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይረኸበትካ ብኢድ ኣዙር ግን ትዋጋእ። ናይ ጥንቲ ቀስቲ ወርወርቲ ነቲ ኩናት ቅጥራን ወይ ድማ ነዳዲ ይቐብእዎ ሓዊ ኣንዲዶም ይድርብይዎ። ክፍእቲ ሓማት ድማ ንጓላ ብነገር ኣንዲዳ ምስ እትልእኽ እቲ ሕማም ዘይተምልጠሉ ይኸውን። ምስ ዘይኣምኑ ምውሳብ ድማ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ናይ ሰይጣን ፈተና ምእታው እዩ። ወዱ ኣብ ጸግዕና ኣሎ ናይ ውግእ በሪ ምዕጻው ኣይከኣልን። ቃሉ፣ -“ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” (2 ቆሮ 614) ይብል።

"ግዝኣት-ባቢሎን"

ኣብ 586 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ባቢሎናውያን ንኣይሁድ፣ ልቦም ኣብ ሃገሮም ከይተርፍ የሩሳሌምን ቤተ መቅደስን ኣቃጺሎም ናብ ባቢሎን ማረኽዎም። ኣብ ባቢሎን ምግብን መስተን እናቕረቡ ብምቾት እንተሓዝዎም ብዘይ ሃገርን መቕደስን ምንባር ንእስራኤላውያን ናይ ሕሊና ቁስሊ ኮይንዎም ነበረ። ናይ ምርኮ ዝማሬኦም ንዓና ከይተረፈ የብክየና።

ኣብ ጥቓ ርባታት ባቢሎን ተቐመጥና፣ ንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና፣ መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና። እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፣ እቶም ሰቀይትናውን፣ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፣ እናበሉ ክንሕጐስ ለመኑና። ከመይ ጌርና መዝሙር እግዚአብሔር ኣብ ምድሪ ጓና ክንዝምር፣ የሩሳሌምየ፣ እንተ ረሲዐክስ፣ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ። እንተ ዘይዘኪረኪ፣ ንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ኩሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፣ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ” (መዝ 1371-6)

ባቢሎን ንስጋ ክፍእቲ ኣይነበረትን። ኣይትኺዱ  ኣብዚ ኮይንኩም ዘምሩ እትብል ደስታ ዝነበራ ነበረት። ግን ንናይ ሕሊና ምሩኽ ምጥባር ኣይከኣሉን። ናይ የሩሳሌም ናይ መቕደስን ናይ ነጻነታን ትዝታ እናበልዑ ኣዕበሮም። እናሰተዩ ኣጽመኦም፣ እናለበሱ ኣዕረቖም፣ እናረኸቡ ኣጐሳቐሎም።

ዓለም ከም ባቢሎን ዝበለ ኣገዛዝኣ ኣለዋ። ባቢሎን ዝብል ስም ትርጉሙ ድብልቕልቕ ማለት እዩ። ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ዝማሬ፣ ብናይ ገንዘብ ግፍዒ ምጽዋት ዘለዋ ግዝኣት እያ። እስራኤላውያን ልቦም ንዋያተ ቅድሳትን ታቦትን ከይደሊ ባቢሎን ወሲዳትሎም እያ። ነገር ግን እስራኤል ኣብ ዘይቦትኦም፣ ንዋያተ ቅድሳቱ ኣብ ዘይቦትኡ ስለ ዝነበሩ ደስታ ሰኣኑ። ደጋዊ ሰሓቕ ጎድኦም።እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ኣሎብዝብል ዘይቤ ዓለም ኣምላኾ ተደባልቕ። ጽሩይ ዘይኮነ ዝፈረሰ ዝማሬ ተሰናድእ። ባቢሎን ኣካኣኢልኩም (ከም ሻሙ) ንበሩ። ንኩሉ ነገር ምስምማዕ ይከኣል እዩ። ኣብዚ ኣብቲ እንተ ተመለኸ ሓደ እዩ። ኩሉ ብኣተሓሳስባኡ ልክዕ እዩ ዝብል ምርሒት ኣለዋ። እዚ ኣገዛዝኣ ሎሚውን ንብዙሓት ናይ ሃይማኖት መራሕቲ እናማረኸ ዘሎ ኣገዛዝኣ እዩ። ኣብ ባቢሎን ነቢያት፣ ካህናትን ነገስታትን ከይተረፉ ተማሪኾም ከምዝነበሩ ሎሚ ድማ ብናይ ዓለም ድለላ ብዙሓት ተወሲዶም እዮም። ባቢሎን ንዝተኣዘዙላ ብምቾት ኣንቢራ። ሎሚውን ካብ ንጹሕን ጽሩይን ኣምልኾን፣ ካብ ምቾትን  ኣብ ናይ ምምራጽ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኢና።

"ግዝኣት-ግሪኽ"

ድሕሪ ባቢሎናውያን፥ ሜዶንን ፋርስን ኣገዛዝኣ ናይ ግሪክ መንግስቲ ኣብ ዓለም ኣንቀጥቂጡ። ኣብ ባቢሎን 70 ዓመት ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ሃገሮም ድሕሪ ምእታዎም እስክንድር ናይ ግሪኽ መንግስቲ ከስፍን ገዚኢዎም። ናይ ግሪኽ መንግስቲ ናይ ጥበብን ናይ ፍልጠትን ትምክሕቲ ዝነበሮ ክኸውን ከሎ ናይዚ ውጽኢት ድማ ነውርነትን፥ሕፍረት ኣልቦን (ሃፍረተ ቢስ) ነበረ። ስለዚ ናይ ግሪክ መንግስቲ ኣብ ዘስፋሕፋሓሉ ስፍራ ንኩሉ ትውልዲ ዝብክል ናይ ነውሪ መርዚ ነበሮ። እስራኤል ድማ በዚ ተጠቒዓ። ናይ ግሪኽ ኣገዛዝኣ ረቂቕ ኣገዛዝኣ እዩ። ስልጣኔ ዝመስል ውድቀት ነበረ። ዓቢይ ናይ ኢኮኖሚ ምንጋዕ፣ ዓቢይ ምንቅትቃጥ መሬት፣ ዓቢይ ናይ ከተማ ኩናት ናይ ሞራል ውድቀት እዩ። ዝተለወጠ ወለዶ ንዘይተለወጠት ሃገር ይልውጥ። ዘይተለወጠ ወለዶ ግን ንዝተለወጠት ሃገር የፍርሳ።

ዓለም ካልእ ናይ ኣገዛዝኣ መረባ ስልጣኔ ዝመስል ንሓጢኣት ዘቖንጁ ስርዓት እዩ። ድምጺ ጥይት ኣይስማዕን ግን ብዙሕ ትውልዲ ይሃልቕ። መብቲ ይኽበር ግን ፍቕሪ የለን። ርእስኻ ምኽኣል ኣሎ ግን ናይ ምንባር ብርተዐ የለን። እዚ ኣገዛዝኣ ንናብራ እምበር ንህይወት ዘይጭነቕ፣ ንጸልማት ብርሃን ንብርሃን ጸልማት ዝብል ንናይ ሓቂ ሚዛን ብጌጽን ብናይ ደጋዊ ጽባቐን ዝልውጥ እዩ። እዚ ኣገዛዝኣ ኣብ ዝሰፈነሉ ዘመን ተስፋ ምቑራጽ ናይ ባዶ ምዃን ስምዒት፣ ናይ ህይወት ዋጋ ምውዳቕ ይኽሰት። ዓለም ንክርስቲያናት ካብ ትገዝኣሉ ስልቲ ሓደ ናይ ግሪኽ ኣገዛዝኣ እዩ። እዚ ኣገዛዝኣ ክሰፍን ከሎ ይፈልጥ እየ ምባል ስለዝነግስ ዝልፍልፍ እምበር ዝሰምዕ ኣይህሉን። ብሓቂ መለክዒ ንርእስኻ ካብ ምርኣይ በቃ ኣይንተናኸፍ ኩላትና ትኽክል ብምዃና ብሓሶት ንሰማማዕ ዝበሃለሉ ዘመን እዩ። ኩሉ ትኽክል እዩ፣ ነገር ግን ኣይሰማምዑን። ትኽክልን ትኽክልን (ሓቅን ሓቅን) ከመይ ኢሎም ይጻልኡ? ኣብዚ ዘመን ኣገዛዝኣ ደጋዊ  ቃልሲ እንተ ዘይሃለወ ናይ ሰብ መንፈስ ግን ብዘይ ምቁራጽ ይዋጋእ።

ናይ ጥበብ ውጽኢታት ዝበሃሉ ፊልም ልበ-ወለድ፣ ወሎዶና ንነፍሱ ከይከውን፣ መንነቱ ክጸልእ፣ ሃገሩ ክገፍዕ ዝገብሩ ናይ መንፈስ  ግዝኣትታት እዮም። ብዙሓት ክርስቲያናት ናይ ክርስቶስ ናይ ቅድስና መልክዕ ዘይኮነ ናይ ዘመን መልክዕ ንምምሳል ይጽዕሩ። ንርእሶም ዝሕልዉ ይመስሉ። ሞራሎም ግን ኣውዲቖም። ዝጽብቑን  ሽቶ ዝንስንሱን ንሓጢኣት እዩ። ብዙሓት ኣገልገልቲ  ድማ ንዘመናዊነት ናይ እግዚአብሔር ምስጢር ከም ምርዳእ ዝኣክል ቆጺሮሞ።

"ግዝኣት-ሮም"

ናይ ሮም ኣገዛዝኣ ካብ ናይ ግብጺ፣ ኣሶር፣ ባቢሎን፣ ግሪክ ዝተፈልየ ኣገዛዝኣ እዩ። ናይ ግብጺ ናይ ምጭናቕ፣ ናይ ኣሶር ምብራዝ፣ ናይ ባቢሎ ምምራኽ፣ ናይ ግሪክ ናይ ምርካስ ኣገዛዝኣ እዩ። ናይ ሮም ግንልዑላውነተይ ኣብ ዘለኻዮ ኮንካ ተቐበል፣ ዓቕምኻ ገብር። ብሰላም ንበርዝብል እዩ። ንእስራኤል ናይ መወዳእታ ኣገዛዝኣ ናይ ሮም ኣገዛዝኣ እዩ። ናይ ሮም ኣገዛዝኣ ንጉሰ ነገስታት ወይ ቄሳር ካብ ናይ ሮም መንበሩ ከይተናወጸ መልእኽተኛታቱ እናሰደደ ንዓለም ዝገዝኣሉ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ ኣብዚ ናይ ሮም ኣገዛዝኣ ዘመን እዩ። ናይ ሮም ኣገዛዝኣ ካብ ናይ እግዚአብሔር መንግስቲ ዝተቐድሐ እዩ። እግዚአብሔር ኣቦ ካብ ስፍራኡ ከይተናወጸ መልእኽተኛኡ ቃሉን መንፈሱን ናብ ዓለም ብምልኣኽ ይገዝእ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ንትምህርቲ ሥላሴ ብጸሓይ ምግላጾም ዝተለምደ እዩ።

ጸሓይ ሰለስተ ኩነታት ኣለዋ። እግዚኣብሄር ድማ ኣካላዊ ሰለስትነት ኣለዎ። ጸሓይ ክበባ፣ ብርሃናን ሙቐታን ስለስተ መግለጺኣ ኽኸውን ከሎ ሓንቲ ጸሓይ ግን ትበሃል። ከምኡውን ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ምስ እንብል ሓደ ኣምላኽነት እናሰዓርና ኣይኮናን። ካብ ውሽጢ ሓደ ኣምላኽነት ሰለስተ ኣካላት ይወጹ። ናይ ጸሓይ ኣካላ ኣብ ግዜ ቀትሪ ምርኣይ ከምዘይንኽእል ኣቦውን ኣይርአን። ብርሃና ግን ከምንርኢ ወልድ ድማ ስጋና ለቢሱ ተራእዩ። ሙቐታ ከምዝስምዓና መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ልብና ከም ዘሎ ብውሽጣዊ ምስክርነቱ ይስምዓና። ጸሓይ ካብ ስፍራኣ ከምዘይትናወጽ ኣብ ድማ ካብ ስፍራኡ ኣይናወጽን። ወረደ ተወልደ ኣይበሃለሉን። ጸሓይ ካብ ስፍራኣ ከይተናወጸት ብርሃናን ሙቀታን ናብ ዓለም ከምእትልእኽ ኣቦ ድማ ካብ ስፍራኡ ከይተናወጸ ብርሃኑ ወልድ፣ ሙቀቱ መንፈስ ቅዱስ ይልእኽ። ናይ ጸሓይ ብርሃንን ሙቐትን ንሰከንድ ካብ ኣካላ ከምዘይፍለዩ ወልድ ሰብ እንተኮነ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ በዓለ ሓምሳ እንተ ወረደ ካብ ኣቦ ከይተፈልዩ እዮም።

ናይ ሮም መንግስቲ ንጉሰ ነገስታት ካብ መንበሩ ከይተናወጸ ንዓለም ይገዝእ። እዚ ንናይ እግዚኣብሄር ኣገዛዝኣ ስርዓት ዝመስል እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ካልኦት ናይ ኣገዛዝኣ ዘመን ዘይኮነ ኣብ ናይ ሮም ኣገዛዝኣ ዘመን ምላዱ ናቱ ኣገዛዝኣ ብዝመስል ዘመን ንምውላድ ሓሊኑ እዩ። ናይ ሮም ንጉሰ ነገስት ባህልን ቋንቋን ከይተንከፈ ንጉስነቱ ክቕበሉ ጥራሕ ይደሊ። ብክርስቶስ ዝተሰብከ ወንጌል ድማ ባህልን ቋንቋን ንክብሪ እግዚኣብሄር ክንገብር ዝእዝዘና እምበር ባህልና ቋንቋን  ዘጽንዓልና ኣይኮነን።

ናይ ሮም መንግስቲ ካልእ ድማ ብዙሕ ትንታኔ ኣለዎ። ኣብ ምብቃዕ መንግስቲ ሮም ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ ተወሊዱ። ኣብ መወዳእታ ዓለም  ድማ ናይ ሮም መንግስቲ ክነግስ  እዩ። ዝፍጸም ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ንፍርዲ ምስ መጸ እዩ። ናብዚ ትንታኔ ቅድሚ ምሕላፍና ትንቢት ዳኒኤል ምዕራፍ ክልተ ብሓጺሩ ምርኣይ የድልየና። ንጉስ ናቡከደንጾር ሕልሚ ሓለመ። ሕልሙ፣ ትርጉሙ ጠፍኦ። ናይ ንጉስ ትእዛዝ ቀጣን  እያ ንሕልመይ  ዝፈትሕ ኣምጽኡ ኢሉ ንናይ ባቢሎን ጠቢባን ኣጨነቐ። ንሳቶም ድማ ሕልሙ፣ ትርጉሙ ክፈልጥሉ ኣይከኣሉን። እግዚኣብሄር ግን ሕልሙን ትርጉሙን ንዳንኤል ነገረ። (ት፣ ዳኒ 231-45 ኣንብቡ)

ንጉስ ናቡከደንጾር ዝረኣዮ ሕልሚ ድሕሪኡ ስለዝነግሱ ናይ ዓለም ገዛእቲ እዩ። ንሱ ናይ ርእሲ ወርቂ ከምዝነበሮ ከምኡ ዝኸበረን ኣብ ኩሉ ዓለም ዝበልጸገን  ኣይነበረን። ናቱ መንግስቲ እናተዳኸመ  ክኸይድ ግን ናይ ሜዶንን ፋርስን መንግስታት ብጥምረት ኮይኖም ናይ ባቢሎን ኣገዛዝኣ ወሲዶም። እዚ ድማ ዳኒኤል ኣብ ዘመኑ ሪኡ  ጽሒፍዎ። ድሕሪ መንግስቲ ፋርስ ድማ ኣብ ዓለም ዝተንሰአ ናይ ግሪክ መንግስቲ እዩ። ድሕሪ መንግስቲ ግሪክ ቀጺሉ ናይ ሮም መንግስቲ ዝተንሰአ ክኸውን ኣብዚ ናይ ሮም መንግስቲ ዘመን ብኢየሱስ ክርስቶስ ምላድ ናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ ኣብ ምድሪ ተመስረተ። እዚ መንግስቲ ናይ ግዝኣቱ ስፍራ ልቢ ክኸውን ከሎ ኣብ ሰብነት ኣማንያን ዝሰልጠነ ኣብ ኣጽናፋትን ዘመናትን ኩሉ ዝጸንዐ መንግስቲ እዩ። ናይዞም ኩሎም ማለት ናይ ናቡከደንጾር፣ ዳርዮስ፣ ቂሮስ፣ እስክንድር፣ ናይ ቄሳር ልዕልና ከንቱ ዝገበረ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይትነት ዝምራሕ ዓቢይ መንግስቲ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተወልደሉ ግዜ ንጉስ ተወልደ ምባሉ ኣብ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ ከም ዝተመስረተ ዘመልክት እዩ። ሰብኣ ሰገልእቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ? ኮኾቡ ኣብ ምስራቕ ሪኢና ክንሰግደሉ መጺእናኢሎም (ማቴ 21-2) ናይዚ ዓለም ታሪኽ ፍጻሜ ክኸውን መንግስታትን ሰራዊታቶምን ንዘለኣለም ክሓልፉ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ብጽድቂ ትኽፈት።

ኣብ መወዳእታ ዘመን ዝትንስእ ሓሳዊ መሲሕ ናይ መንግስቲ ሮም ተባሂሉ። ሓሳዊ መሲሕ ናይ ሮም መንግስቲ ምባሉ ናይ ምስጢር ርክብ ስለዘለዎ እዩ። እዚ ድማ፣ ንእስራኤል ናይ መወዳእታ ገዛእቲ ሮማውያን ነበሩ። ክርስቶስ ምስ መጸ ግን ኣገዛዝእኦም ኣብቂዑ። ናይ መወዳእታ ዘመን ገዛኢ ድማ መንገሲኡ ዝገብሮ ኣብ የሩሳሌም ክኸውን ከሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መጸ ኣገዛዝእኡ የብቅዕ። ናይ ሮም መንግስቲ ኣብ ሮም ተቐሚጡ ንዓለም ከምዝገዝአ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጡ ንዓለም ይገዝእ። ንጉስነቱ ብደሓር ድማ ኣምላኽነቱ ንዘይተቐበሉ ብኢኮኖሚ ማዕቀብ ይቐጽዕ (ራኢይ 13) ናይ መወዳእታ ገዛኢ ሓሳዊ መሲሕ ናይ ሮም መንግስቲ ምባሉ ካልእ ትርጉሙ ካብ ኤውሮጳ ዝውከል ብምዃኑ እዩ። ዓለም ሎሚ ብሓደ ሰብ ንምምራሕ ናብ ዘኽእል ስልጣኔ እናምረሐት እያ። ብሓደ ገንዘብ ምዕዳግ፣ ብሓደ ኩናት ምምራሕ፣ ናይ ዓለም ማሕበር ምቛም ንሓሳዊ መሲሕ መንግስቲ ዘንጸፍ ምንጻፍ እዩ።

ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ክዘግብ ከሎ፣በቲ ቕነ እቲ ኩሉ ዓለም ክጸሓፍ፣ ካብ ኣውግስጦስ ቄሳር ትእዛዝ ወጸይብል (ሉቃ 21) ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ኣገዛዝኣ ብዝመስል ኣብ ናይ ሮማ ዘመን ኣገዛዝኣ  ተወልደ።

ይቕጽል 4 ምዕራፍ።

ተርጓሚ፥-ቀሺ ኣፈወርቂ።

እዚ ጽሑፍ እዚ:  "ተወልዶልናል" ካብ ዝብል ብዲያቆን ኣሸናፊ መኮነን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዝተተርጐመ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሙ ክቐርብ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div