S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (1ይ-ክፋል)

(ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ተተርጕሙ ዝቐርብ)

እዛ መጽሓፍዚኣ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝተተርጎመት፥ ከምኡውን ብዙሕ ኣድናቖት ክትረክብ ዝኸኣለት መጽሓፍ እያ። ጸሓፊት እዛ መጽሓፍዚኣ፥ ሓንቲ ግብጻዊት ወይዘሮ ኮይነን፥ ኣማኒት ምስልምና ኮይነን ዝጸንሓ እየን። “-ንክርስቶስ ረኺበዮ-“ ብዝብል ኣርእስቲ ድማ፥

ነዛ ግሩም ዝኾነ መልእኽቲ ዝሓዘት መጽሓፍ፥ ንንባብ ከብቅዕዓ ክኢለን። መጀመርታ ዝተጻሕፈት ብዓረብኛ ኮይና። ቀጺላውን ብፈረንሳይን, ጀርመንን, ዳችን, ሮማንያን, ኣማርኛን ክትርጎም ዝኸኣለት፥ ከምኡውን ሰፊሕ ተቐባልነት ክትረክብ ዝኸኣለት ውርይቲ መጽሓፍ እያ።

ኣብዛ መጽሓፍዚኣ ናይ ብዙሓት ሰባት ኣስማት ዝተቐየረ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ክግበር ዝተደልየሉ ምኽንያት ድማ፥ ንድኅነት እቶም ሰባት ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ። ብዝተረፈ ንሰን እዘን ጸሓፊት፥ ካብቶም ኣኽረርቲ ዝበሃሉ ኣመንቲ ምስልምና ከም-ዝነበራ ገሊጸንኦ ኣለዋ። ንሰን ኣኽራሪት ኣማኒት ምስልምና ከም-ምንባረን መጠን፥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝነበረን ጽልኣት፥ መጠኑ ዝሓለፈ ከም-ዝነበረ ባዕለን ገሊጸንኦ እየን። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ፥ ንሕጊ-ኦሪት ብዝነበሮ ቅንኣት፥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝህንደዶ ዝነበረ። እዘን ግብጻዊት ወይዘሮውን፥ ንምስልምና ካብ ዝነበረን ፍቕሪ፥ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣነን ዝነበሩ ክርስቲያን፥ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ንዕቀትን ጽልእን ከም-ዝነበረን፥ ባዕለን ብብርዐን ገሊጸንኦ ኣለዋ።

ሃገረ-ግብጺ ንክርስቲያን ምችእቲ ሃገር ትበሃል ከም-ዘይኮነት፥ እቲ ናይ ትማሊ ኮነ ሕጂ ዘሎ ህልው ታሪኻ፥ ባዕሉ ከረጋግጾ  ዝኽእል እዩ። ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ክቡር ዋጋ ይኽፈል ከምዘሎውን፥ እቶም ንቤተ-ክርስቲያን ቅርበት ዘለዎም ኩሎም ይፈልጡዎ እዮም። ኣብዛ ሃገርዚኣ ኣስላማይ ኮንካ ጸኒሕካ፥ ብሃንደበት ክርስቲያን ኮይነ ምባል ድማ፥ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን፥ ዝኾነ ሰብ ክጻወሮ ይኽእል ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን። ስለዚውን ነዚ ኩሉ ሓሊፍካ፥ ኣብዛ ሃገርዚኣ ኣነ ናይ ክርስቶስ ብምባል፥ ደው ኢልካ ክትምስክር ምኽኣል፥ ሕይወትካ ቀቢጽካን ኑዛዜኻ ወዲእካን ዝግበር ውሳኔ ደኣምበር፥ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ከቢድ ፈተና ከምዘሎ ክዝንጋዕ ዝኽእል ኣይኮነን።

እዘን ኣብ ሓደ ፍሉጥ ናይ ካይሮ ቤት-ትምህርቲ፥ ላዕለወይቲ-ተጸዋዒት ወይዲንብምዃን፥ ኣብ ሓላፍነት ተቐሚጠን ዝነበራ ግብጻዊት ወይዘይሮ። ካብ ፍሉጣትን ዓበይትን ስድራ-ቤት ዝውለዳውን ብምንባረን፥ ብሥልጣንን ብሃብትን ጸብለል ኢለን ንኸይርኣያ ዝኽልክል ሓጹር ኣይነበረንን። ንሰን ባዕለን ከም-ዝብልኦ ድማ፥ እዚ ኩሉ ግን “-ንዓይ ዕብይትን ኩርዕትን ተንኮለኛን-“ ከም-ዝኸውን ገይሩኒ እምበር፥ ዝጠቐመኒ ነገር የብሉን ይብላ። ኣነ ቁርዓን ኣዘውቲረ ዘንብብን ሃይማኖተኛ ጸላይትን እየ ነይረ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጠይ ግን፥ ሓደ ዝጎደለኒ ነገር ከምዘሎ ይስምዓኒ ነይሩ-“ ብምባልየን ነቲ ዝሓለፈ ሕይወተን ዝገልጽኦ። ክርስቶስ ዘይብሉ ሕይወት ምልኣት ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን ማለተን እየ።

ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ድማ፥ ዝተፈልየ ጽልኣት ነይሩኒ ይብላ። “-ከመይሲ ነቲ ኣነ ዝኣምኖ ኣምላኽ ኣየምልኹንዮም ኢለ ስለ-ዝሓስብ፥ ኣምሪረ  ዝጸልኦም ነይረ። ንሳቶም ካብ እግዚኣብሔር ርሒቖም ዝኸዱዮም ብምባልውን፥ ንዓታቶም ዝነበረኒ ጽልኣት ወሰን ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት እውን፥ ንክርስቲያን ካብ ምጽልአይ ዝተላዕለ፥ ንዓታቶም ከም-ዝዋረዱን ከም-ዝሽቝረሩን ንምግባር ኢለ፥ ዘይገብሮ ተንኮል ኣይነበረንን። እዚ ኩሉ ክገብር ከሎኹ ግና፥ ንሰብ ክጐድእ ደልየ ዘይኮነስ፥ ስለምንታይ ነቲ ኣነ ዘምልኾ ኣምላኽ ዘየምልኹ-? ብምባል እየ-“ ይብላ ንሰን እተን ግብጻዊት ወይዘሮ።

ስለዚውን “-ነቶም ኣብ ቤት-ትምህርትና ዝነበሩ ክርስቲያን፥ እናሃደንኩ ከጥቅዖም ወሰንኩ። ማንም ክዓግተኒ ዝኽእል የለን ኢለ ስለ-ዝሓሰብኩውን፥ መጀመርታ ዝወሰድኩዎ ስጕምቲ፥ ኩሎም ክርስቲያን ዝኾኑ ተመሃሮና፥ ዝኾነ ምልክት መስቀል ዘለዎ ነገር ከይጥቀሙ መምርሒ ከም-ዝወጽእ ገይረ። በዚ ድማ ዋና ጸላኢት ክርስቲያን ምዃነይ ከርኢ ክኢለ። ሕጋዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ድማ፥ ጥያቔኦም ንኸይቅበል ወሲነ-“ ብምባል ይገልጻ።

መወዳእታኡ ግና ክግለጽ ብዘይክእል ናይ እግዚኣብሔር ጥበብ፥ ናብቲ ዕድሚአን ምሉእ ብዓይኒ ጽልኢ ክከታተልኦ ዝነበራ ክርስትና ክመጻ፥ ናይቲ ሕያው-ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ስለ-ዝኾነ። እቲ ናብዚ ንምብጻሕ ዝሓለፍኦ መንገዲ፥ ከመይን እንታይን ይመስል ከም-ዝነበረ፥ ብዘገርም ኣገላልጻ ገሊጸንኦ ስለ-ዘለዋ። እዚ ኣዚዩ ኣገራሚ ዝኾነ መንፈሳዊ ተመክሮ ከኣ፥ ንዝኾነ ክርስቲያን ተስፋን ምጽንናዕን ክኾኖ ዝኽእል ስለ-ዝኾነ። እቲ ንሰን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝነበረን ጽልእን ዝፈጸምኦ ጭካኔን፥ መወዳእታኡ ድማ ብኸመይ ኣምላኻዊ ፍቕርን ዕርቅን ሰላምን ክረኽባ ከም-ዝኸኣላ፥ ብዘደንቕ ናይ ኣጸሓሕፋ ክእለት ኣቕሪበንኦ ስለ-ዘለዋ፥ ኩላትና ክንመሃረሉን ክንባረኸሉን ብማለት፥ ካብዚ ብምቕጻል ተተርጕሙ ከም-ዝቐርብ ተገይሩ ኣሎ። ሠናይ ንባብ ክኾነልኩም ከኣ እምነ-!!

                                ናይተን ጸሓፊት መተሓሳሰቢ-!

                        በስመ-ኣብ፥ ወወልድ፥ ወመንፈስ-ቅዱስ፥ ኣሓዱ-ኣምላክ፥ ኣሜን።

ክቃወሞን ከሳድዶን ዝነበርኩ እምነት፥ ሎሚ ብጽንዓት ደው ኢለ ክምስክረሉ፥ ጸግኡ ንዝሃበኒ ጎይታ እግዚኣብሔር አመስግኖ ኣለኹ። ንእዚኣብሔር ኣብን፥ ኣብ ግዜ መከራና ረድኤቱ ዘይፍለየና፥ ንዓይ ንትሕቲ ባርያኡውን ንዓኻትኩም መጸናንዒት ክኸውን ንዝፈቐደ፥ ንመድኃኒና ኢየሱስ-ክርስቶስ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

ብዝተረፈ እዚ ኩሉ ዝገበረለይ ሠናይ ግብሪ ስለ-ዘሎኒ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንናትኩም ድኅነት ክበሃል፥ ኣብ ልዕለይ ብዝገበሮ ብብዝሒ ጸግኡ እዩ። ስለዚውን ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑዎ። እቲ ኣብ ልዕለይ ዝገበሮ ድንቂ ዝኾነ ተግባርውን ኣስተንትንዎ። ንዓይ እኮ ዝሰበኸኒ ሰብ የሎንዩ። እምነተይ ዝረኸብኩዎ ካብ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ካብ ባዕሉ እየ። ሎምን ንዘለዓለምን ከኣ ንዕኡ ክብርን ምስጋናን ይኹን-!! ኣሜን።

እዚ ምስክርነት ዝጽሕፎ ዘሎኹ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቈይመ እየ። ኣነ ከም-ዘይሕሱ ድማ ንሱ ይፈልጥዩ። ስለዚውን ናይ እግዚኣብሔር ተግባር፥ ክሳብ ክንደይ ድንቅን ግሩምን ከም-ዝኾነ፥ ኣብ ልዕለይ ዝፈጸሞ ዓቢይ ተግባርውን፥ ዘደንቕ ከም-ዝኾነ እምስክር ኣለኹ።

ጎይታይ-! ነቲ ቅዱስ ስምካ ንምጽራፍ፥ መልሕሰይ ቅልጡፍን ዘይእሩምን ነይሩ። ንስኻ ግና ብፍቕሪ ደኣ ተቐበልካኒ እምበር ኣየርሓቕካንን። ድሕሪ ሕጂ ነፍሰይ ንዓኻ ኣሕሊፈ እህብ ኣለኹ። ብዛዕባ ቅዱስ ስምካ ድማ ኣብ ኩሉ ክሰብኽየ። ድሕሪ ደጊም ፍቓድካ እምበር፥ ናተይ ፍቓድ ኣይኹን። ኩለንትናይ ከኣ ናትካየ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ንዓይ ሓጎስ ዝኾነኒ። ካልእ ተወሳኺ ነገር ኣይጥይቐካን እየ። ካብ ፍቓድካ ወጻኢ ዝኾነ ነገር ክገብር ድማ፥ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ። በጃኻ ጎይታይ ብፍቕርኻ ምርሓኒ።

“-ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዐ ነይረ፥ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ-“(ኢዮብ 42/25)

ምዕራፍ - 1

ስመይ ናህድ ማሕሙድ ሙትዋሊ እየ ዝበሃል። ሄልመት ኤል-ዘይቱን ኣብ ዝተባህለ ናይ ደቀ-ንስትዮ ቤት-ትምህርቲ ድማዲንኮይነ እሠርሕ ነበርኩ። ኣብ ካይሮ ዝተፈልጠ ዓቢይ ቤት-ትምህርቲ እዩ።4000-ኣዋልድ ድማ ይምህር። እተን ተመሃሮ ካብ ምብዝሐን ዝተላዕለውን፥ እቲ ቤት-ትምህርቲ ብፈረቓ ናይ ንግሆን ምሸትን ዝምህር። ኣነ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ዲን ከም-ምዃነይ መጠን፥ ንኹሉ እቲ ዝካየድ ናይ ኣመሃህራ መደባት ምክትታል፥ ንዓይ ዝምልከት ሓላፍነትዩ። ምንም ካብቶም ሽዕኡ ዝነበሩ ኩሎም ዲናት፥ ኣብ ቀረባ ካብ ኮለጅ ዝተመረቕኩን፥ ብዕድመውን ዝነኣስኩን እንተነበርኩ፥ ነቲ ሓላፍነት ክረክብ ዝሕግዘኒ ግና፥ ክልተ ምኽንያት ነይሩኒ እዩ።

እግዚኣብሔር ብስለትን ርእሰ-ምትእምማንን፥ ከምኡውን ሓላፍነተይ ብዝግባእ ክወጾ ዘኽእለኒ ብቕዓት ዓዲሉኒ ነይሩ። ናይ ዝኾነ ሓገዝ ከየድለየኒ ከኣ፥ ንዝወሃበኒ ሥራሕ ብቅልጡፍ ናይ ምስላጥ ልምዲ ነይሩኒ እዩ። ሰባት ሐደ ግዜ ክሠርሑ እንድሕሪ ርእየ፥ እዚ ንዓይ ኣኻሊ ነይሩ። እቲ ዝረኣኹዎ ኣብ ተግባር ንኸውዕሎ ከኣ፥ ንዓይ ዝኾነ ጸገም ክገብረለይ ዝኽእል ኣይነበረን።

በዚ ክእለተይ ዝተላዕለ ከኣየ፥ ነቲ ሓላፍነት ክበጽሖ ዝኸኣልኩ፥ እዚ ከኣ ክበጽሖ ይግበኣኒ ካብ ዝነበረ ቅድሚ 10-ዓመት እዩ። በዚ ምኽንያትዚዝኣክልውን፥ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ናይ ዝነበሩ ክልተ ተሓጋገዝቲ ዳይረክተራት ተግባርውን፥ ኣብ ቀረባ ኮይነ ክዕዘቦ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑለይዩ። ብዝተረፈ ናይተን ተማሃሮ ኣስማት ብምስጢራዊ-ኮድ ምምዝጋብን፥ ፈተና ምድላውን ካብ ዝቐሰምኩዎም ዋና ተመክሮታት፥ እቶም ዝጥቀሱ እዮም። እዚኣቶም ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እቲ ዝዓበየ ወሳኒ ተራ ዝሕዙ እዮም። ከመይሲ ክልቲኦም ጥንቁቕ ዝኾነ ናይ ምስጢር ምሕላው ብቕዓት ዝሓቱውን እዮም።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ ድማ፥ እቲ ሓደ ዳይረክተር ኣብ 60-ዓመት ዕድሚኡ ጡረታ ወጺኡ። እቲ ካልኣይ ድማ ናብ ሓንቲ ናይ ዓረብ ሃገር ንሥራሕ ከይዱ። በዚ ምኽንያት ድማ ነዘን ክልተ ሓላፍነትታት፥ ጠቕሊለ ክሕዘን ጸገም ኣይነበረንን። እዚ ድማ ነቲ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ፥ ቀንዲ ወይ ወሳኒ ሓላፍነታት ንኽቈጻጸር መንገዲ ከፊቱለይ እዩ ክብል እኽእል።

ነዘን ዝተባህላ ሓላፍነታት ጠቕሊለ ድሕሪ ምሓዘይ፥ ልክዕ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ንግሥቲ ከም-ዝኾንኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ስለዚውን ምሉእ ሓላፍነትን፥ ምሉእ ሥልጣንን ነይሩኒ ክብል እኽእል። ካልእሲ ይትረፍ እታ ብሥልጣን ልዕለይ ዝነበረት ዳይረክተርውን፥ ብዙሕ ክትቀርበኒ ስለ-ዝኸኣለት፥ እቲ ትገብሮ ኩሉውን ተማኽረኒ ነበረት። ከምዚ ኢለ ድማ ተፈራሒትን ኃይለኛን ኮይነ፥ ኩሉ ክገብር ዝኽእል ከም ፈጣሪ ኮንኩ።

ንትምኒተይ ወሰን ኣይነበሮን። በዚ ድማ እቲ ንድኽም ዝበሉ ተማሃሮ ዝግበር ናይ ትምህርቲ ሓገዝ፥ ነቲ መደብ ባዕለይ ክከታተሎ ብማለት፥ እቲ ሓላፍነት ክወሃበኒ ሕቶ ኣቕረብኩ። ክፍቀደለይ ድማ ክኢሉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ነቲ በበወርሑ ዝእከብ፥ ካብ 12- 15 ሽሕ ዝበጽሕ ገንዘብ ሓላፊት ኮንኩ። ነዚ ሓላፍነት እዝን ፈተና ንምድላውን ድማ፥ እቲ ዝኽፈለኒ ገንዘብ ነቲ ኣታውየይ፥ ብሠለስተ ዕጽፊ ከም-ዝዛይድ ገበሮ።

ኣብዚ ኩሉ ሥልጣን ንኽበጽሕ ዘሰጋገረኒ ከኣ፥ ስድራ-ቤትና ጸብለል ኢሉ ክርአ ዝኽእል ዓቢይ-ስድራ ስለ-ዝነበረ፥ ኣብ መንግሥታዊ ቦታታት ዝነበሮም ሥልጣን እዩ። ማለት ኃወይ ኣብ ማእከል ምምሕዳርን ናይ ኣመራርሓ ሥርዓትን፥ ቤት-ጽሕፈት ኣከያዲ-ሥራሕ ነይሩ። ሓደ ካልእ ኃወይ ድማ፥ ኣብ ማዛጋጃ-ቤት ሓጋዚ-ጸሓፍን፥ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ናይ ወለድን መማህራንን ማኅበር ፕረሲደንት እዩ ነይሩ። ክልተ ኣዋልድ-ደቁ ድማ፥ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ይመሃራ ነይረን።

ሓደ ካልእ ኃወይ ድማ፥ ናይ ቤተ-መንግሥቲ ፓይለት እዩ። ኃውተይ ብወገናውን፥ ናይቲ ኣብ ሄልዮ-ፖሊስ ኣከባቢ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ፥ ናይ ምምሕዳር ሕዝባዊ-ርክብ ኣካያዲት-ሥራሕያ። በዓል ቤታ ድማ፥ ኣብ ማእከላዊ ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎት ሓላፊ ነይሩ። እዚ ኩሉ ምስቲ ናተይ ብቕዓት ተሓዊሱ፥ ምስቲ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ዝተረኽበ ክፍተትውን ተደሚሩ፥ ካብ ሥልጣን ናብ ሥልጣን ዘሰጋግረኒ ኮይኑ ተረኽበ። ግዳስ እዚ ኩሉ ብሃብትን ብሥልጣንን ደኣ ዝጠቐመኒ ይምሰል እምበር፥ ውሽጠይ ግን ዕብይትን ተንኮለኛን ግብዝን ከም-ዝኸውን ገይሩኒ።

ብካልእ ወገን ድማ ኣነ ንርእሰይ ክርእዮ ከሎኹ፥ ዝተፈለኹ ፍጥረት ኮይኑ ዝስመዓኒ ነይሩ። ንእግዚኣብሔር የፍቅሮ በሃሊት ምንባረይ፥ ዝኾነ ፈተና ኣይስዕረንን ዝብል እምነት ነይሩኒ። እወ ምንም ከም ሥጋ ዝለበሰ ሰብ መጠን ድኽመት እንተ-ነበረኒ፥ ብፍጹም ልበይ ግና ኣምላኸይ የፍቅሮ በሃሊት ነይረ። ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ምድላየይ ግና ኣየቋረጽኩን። እቲ ሕንፍሽፍሽ ኢሉ ዝተበላሸወ ሕይወተይ ግና፥ ንኸይረኽቦ ዝጋርድ መንደቕ ኮይኑ ዝኽልክለኒ ነይሩ። ነዚ መንደቅ ከኣ ከመይ ኣቢለ ክሳገሮ ከም-ዝኽእል፥ ክፈልጥ እኽእል ኣይነበርኩን። ምንም ኣበርትዐ ዝጽልን ኣብዚሐውን ቁርዓን ዘንብብን እንተነበርኩ፥ ኣብ ውሽጠይ ግን ሓደ ዝጐደለኒ ነገር ከምዘሎ ይስመዓኒ ነይሩዩ።

ክርስቲያን ድማ ነቲ ኣነ ዘፍቅሮ ኣምላኽ፥ እጸልእዎዮም ኢለ ስለ-ዝሓስብ፥ ኣምሪረ ዝጸልኦም ነይረ። በቲ ኣነ ዘምልኾ ዓይነት ስለ-ምንታይዮም ዘየምልኹ-? ንሳቶም ካብ እግዚኣብሔር ዝኾብለሉዮም ብምባል ድማ፥ ሕሱም ጽልኢ እጸልኦም ነይረ። ንክርስቲያን ካብ ምጽልአይ ዝተላዕለውን፥ ንዓታቶም ንምጉዳእን ጸገም ክገብረሎምን፥ ብዘይ ምቁራጽ እጽዕር ነይረ። ከምዚ ዝገብር ዝነበርኩ ግን፥ ብውሽጠይ ንሰብ ክፍኣት ስለ-ዘሎኒ ዘይኮነ፥ ነቲ ኣነ ዘፍቅሮን ዘምልኾን ኣምላኽ፥ ስለምንታይ ዘየምልኹ ብምባል እየ። እቲ ብዙሕ ዘገርምን ዘተሓሳስብን ኮይኑ ዝረኸብኩዎ ግና፥ እቲ ኣነ ክረኽቦ ዝምነዮን ዝሃርፎን ዝነበርኩ ውሽጣዊ ሰላም፥ እቶም ክርስቲያን ግና ድሮ ረኺቦሞን ናቶም ገይሮሞን እዮም። እዚ ከኣ እቲ ንዓይ ዘገርመኒ ዝነበረ፥ መልሲውን ክረኽበሉ ዘይከኣልኩ።

ኣነ ካብቶም ክርስቲያን ዝበለጸ ሃብቲ ዘሎኒ ሰብየ። ክቡር ዝዋግኦም ክዳውንቲውን እኽደን። ዝጎድለኒ ነገርውን ኣይነበረን። ይኹን እምበር ኣነ ክረኽቦ ዘይከኣልኩ፥ ሓደ ፍሉይ ነገር ግና ንሳቶም ኣለዎም። ማለት ኣብቲ ናይ ክርስትና- ሕይወት፥ ርእሰ-ተኣማንነትን, ትዕግስትን, ተጻዋርነትን, ሰላምን ክንበብ ይከኣል። ይኹን እምበር ስለምንታይ እቲ ዘለዎም ሰላምን ሓጎስን፥ ክዘርገሎም ከም-ዘሐጉሰኒ ሎሚ ክሕስቦ ከለኹ ይገርመኒዩ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፥ ሓደ ካህን ናብ ቤት-ጽሕፈተይ መጺኡ። ንሱ ልብሰ-ተክህኖ ለቢሱ ኣብቲ ቤት-ጽሕፈተይ ክርእዮ ከሎኹ፥ ሓደ ዘንቀጥቅጥ ነገር ጸሪጉ ዝወስደኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ግዳስ ዝገበርኩ ገይረ ተረጋግኤ ንነፍሰይ ከምዚ ክብል ኣእመንኩዋ። “-እዚ ካህን ሎሚ ኣብ ኢደይ ወዲቑ ኣሎ-“ ብምባል ብዛዕብኡ ዝኾነ ምግዳስ ከይገበርኩ፥ ሱቕ ኢለ ሥርሐይ ቀጸልኩ። ኣብ ቅድመይ ቀሪቡ ድማ ፊት ንፊተይ ደው በለ። ግዳስ ኣነ ግዱ ንዘይምግባር፥ መዛግብቲ እና-ኣጋላበጥኩ ብሥራሕ ዝተታሓዝኩ መሲለ ክርአ ደለኹ። ንገለ ደቓይቕ ምስ ተጸበየ ድማ፥ ቀስ ኢሉ ወይዘሮ ናህድ ሙትዋሊ ማለት ንስኽን ዲኺን-? ክብል ጠየቐኒ። ኣነ ድማ ቅንዕ ኢለ ጠሚተዮ።

ኣዒንቱ ክርእዮ ከሎኹ ግን ፍርሃት ተሰምዓኒ። ርግእ ዝበለን ትሕትና ዘለዎን ቁጥብ ዝበለን ሰብዩ። ይኹን እምበር ኣነ ግን  ብንዕቀት “-እወ ኣነ-“ ኢለ መሊሰሉ። ጓሉ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ካብ ዘሎ ቤት-ትምህርቲ፥ ናብ ሄልሜት ኤል ዘይቱን ንምቕያር ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ሂቡኒ። ርግእ ኢሉውን ሕቶኡ ክቕበሎ ለሚኑኒ። ኣነ ግና ንዕኡ ብምቁንጻብ፥ ድምጸይ ዓው ኣቢለ”-ካብ ላዕላይ ግብጺ ናብ ሄልሜት ኤል ዘይቱን ብሓደ ግዜ ስለምንታይ-?” ክብል ኣንጋሕጋሕኩሉ። ንሱ ግና ትሕትና ብዘለዎ ኣገባብ “-በጃኽን ልዕሊ ዓቕመይ ብዝኾነ ጸገም-“ ብምባል መሊሱለይ። ኣብዚ ከባቢ ተቐማጢ ምዃነይ ዘረጋግጽ ሰነድውን እንሆ። ኣኅዋታውን ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕዝቢ ቤት-ትምህርቲ፥ ከምኡውን መለስተኛ 2-ደረጃ ትምህርቲ ቤት ዝተዛወራሉ ምስክር እንሆ-“ ብምባል ኣቕረበለይ።

ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ንዘይምቕባል ዘኽእለኒ፥ ገለ ምኽንያት እንተ-ረኸብኩ ብምባልውን፥ ነቲ ዝቐረበለይ ወረቓቕቲ እናገናጸልኩ ረተመልከትኩዎ። ግዳስ ዝኾነ ምኽንያት ክኾነኒ ዝኽእል ክረክብ ኣይከኣልኩን። ብድሕሪ ቅንዕ ኢለ ጠሚተዮ። ብዘገርም ኩነታት ድማ፥ ጸጥ ዝበለ ሰላማውን፥ ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎን ዝተርጋግአ ኮይኑ ረኸብኩዎ። ብዝኾነ “-ኣቕዲመ ንቤት-ትምህርትና ዝኸውን ህያብ የድልየና-“ ኢለ ከበሳጭዎ ደለኹ። እሱ ግና “-ካባይ ድዩ ዝድለ ዘሎ-?  ኢሉ ተወከሰኒ። ኣነ ድማእወ ሓደ ሚእቲ-ፓውንድ ዘውጽእ ኣቑሑት ገዚእካ ከትምጽእ ኣሎካ-“ ኢለዮ። ንሱ ከኣ “-ሕራይ እሰማማዕ-“ ኢሉ መልሲ ሃበ። ብምቕጻል ግን “-በጃኽን እቲ ጉዳይ ሕጂ ፈጽማለይ። ከመይሲ ንላዕላይ ግብጺ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ዝነቅል፥ ሓደ ዓርከይ ስለዘሎ፥ ምስኡ ከማልኦ ምእንቲ ክኽእልየ። እቲ ዝበልክናኒ ከኣ ክፍጽሞ እየ። ብምባል ተመቕሊሉ ለመነኒ።

 ርግጽ እታ ጓል ብቕዕቲ ስለ-ዝነበረት፥ እቲ ናይ ቅያር ሕቶ ንኸይፍጸም ዝዕንቅፍ ምኽንያት ኣይነበረን። ኣነ ግና እቲ ዘቕረብኩሉ ምኽንያት፥ ኣይቅበሎን ይኸውን ብምባል ከበሳጭዎ ደልየ ዝነበርኩ። ንሱ ግና ነቲ ዘቕረብኩሉ ሓሳብ ተሳማሚዑዎ። ኣነ ግና ሓሳበይ ዘይከውን ምዃኑ ምስ-ረኣኹ፥ ድምጸይ ዓው ኣቢለ ከም ሓውሲ መግናሕቲ “-መጀመርታ ዝተበሃልካዮ ክትፍጽም ኣሎካ-“ ኢለዮ። ንሱ ግን ተረጋጊኡ “-እመናኒ-“ ክብል ተማሕጸነኒ። ብድሕር ነቲ ልዙብ ዝኾነ ትሕትና ክቃወሞ ኣይከኣልኩን። ስለዚውን ኣብቲ ወረቐት ክታመይ ኣንቢረ፥ ማኅተምውን ሓቲመ ክውድኣሉ ተገዲደ።

ቅድሚኡ ከምዚ ገይረ ኣይፈልጥን እየ። ከምኡ ንኽገብር ዝደፍኣኒ ሓደ ኃይሊ ከይሃለወ ግን ኣይተርፍን። ብውሽጠይ “-እቲ ዝበልኩኻ ሓገዝ ኣየድልንዩ። እዚ ኣገባብ እውን ገርናዮ ኣይንፈልጥን። በቲ ዝገበርኩኻ ኩሉውን ይቕሬታ ግበረለይ-“ ክብሎ ሓሲበ ነይረ። ግዳስ ዝኾነ ነገር ክብል ትብዓት ኣይረኸብኩን። ድሕሪ ምኻዱ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን፥ ናይ 100 ፓውንድ ቼክ ሒዙለይ ምስመጸ፥ ኣዚየ ተደኒቐ ናይ መምሃሪ ጠረጴዛ ንምምጻእ ከድልየኒ ከሎ ድማ፥ ሓደ ሰብ ጥራይ ምልኣኽ ዘድልየክን ኢሉኒ። ኣብዚ እዋን ስለምንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ኣብ ሕይወተይ ንመጀመርታ ግዜ፥ በደል ከም-ዝፈጸምኩ ኮይኑ፥ ኣብ ውሽጠይ ተሰሚዑኒ።

እቲ ካህን ብኢዱ ሰላም ድሕሪ ምባሉ ኣመስጊኑኒ ከደ። ኣብ ውሽጠይ ዝተፈጥረ ጋሻ ነገር ግን ክፈልጥ ዝኸኣለ ኣይመስለንን። ብዝኾነ ሰውነተይ ክረጋጋእ ስለ-ዘይከኣለ፥ ኣብ ውሽጠይ ብቐጻሊ ሓደ ሕቶ ይህውጸኒ ነበረ። “-ንምዃኑ ኣብ ውሽጢ ካህን እንታይ ዘሎ-? ከመይሲ እዚ ኩሉ ከስተናዕቖን ከመናጭቖን ከሎኹ፥ ብኸመይ ብትዕግስቲ ክቕበሎን ክጻወሮን ዝኸኣለ-? ብኸመይከ ብትሕትና ክምልሰለይ ክኢሉ-? ብርግጽ እዚ ሰብ ኣነ ዝሰኣንኩዎ ነገር፥ ንሱ ክረኽቦ ክኢሉ ኣሎ ማለትዩ። ከመይሲ ኣነ ነዚ ዘይናወጽ ውሽጣዊ ሰላም ዝደሊ ነይረ።

ነዚ ኩነታት ንኽርስዕውን ብዙሕ ፈቲነ ነይረ እየ። እንተኾነ ብዘይ ሓሰብኩዎን ብዘይ ተጸበኹዎን ሰዓት፥ እቲ ነቲ ካህን ዝገበርኩዎ ኩሉ ኣብ ሓሳባተይ ኣናመጸ፥ ኣጨንቕ የብለኒ ምንባሩ እዝክር። እተን ፍቕርን ለውሃትን ዘንጸባርቓ ኣዒንቲ ካህን፥ ኣብ ኣዒንቲ ሕልናይ ይመላለሳኒ ነበራ። ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ ግና እናረሳዕኩወን ስለ-ዝኸድኩ፥ ኣብቲ ቅድም ዝነበርኩዎ መንነት ተመሊሰ እርከብ ኣለኹ። እዚ ድማ ሓደ ዓቢይ ዕዳ ጾር፥ ካብ ዝባነይ ዝወርደለይ ኮይኑ ተሰምዓኒ። እቲ ከምኡ ምዃነይ ንሠናየይ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣይኮነን፥ ክፈልጥ ኢለ ሓሲበሉውን ኣይፈልጥን። ነቲ ምስቲ ካህን ዘጋጠመኒ ጉዳይ ምርስዐይ ግን ኣይጸላእኩዎን። ከመይሲ ካብ ሓደ ብቐጻሊ ዘጨንቐኒ ዝነበረ ጉዳይ፥ ዝተገላገልኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ከምኡ ምሕሳበይ ልክዕ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣይኮነን-? ርግእ ኢለ ክሓስበሉውን ኣይደለኹን።

ከም ኣቈጻጽራ ዘመን ኤውሮጳውያን፥ ኣብ 1986/87 ናይ ትምህርቲ-ዘመን። እቲ ናይ ትምህርቲ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት፥ ሓንቲ ክርስቲያን ዝኾነት ዳይረክተር ንቤት-ትምህርትና ምምዳቡ ተሰምዐ። እዚ ዜና ሓቂ ምዃኑ ምስ-ተረጋገጸ፥ ኣነ ብጣዕሚ ሰንበድኩ። ከመይ ኢላ ንዓይ ሓንቲ ክርስቲያን ሓለቓ ክትህልወኒ ትኽእል-? ብጭራሽ ክቕበሎ ዘይክእል ብምባልውን ብሕልናይ ነጸግኩዎ። ስለዚውን ገና እግራ ከይኣተወ ከሎ፥ ብኸመይ ከባርራ ከም-ዘሎኒ ናይ ተንኮል ገመድ ክፍሕስ ጀመርኩ። ነዚ ተንኮል ንምትግባር ከኣ፥ ዘሎኒ ዓቕሚ ጸንቂቐ ካብ ጫፍ ንጫፍ ንኹሉ በጻሕኩዎ። ብሰላም ተረጋጊኣ ክትሠርሕ ከም-ዘይትክእል ንምግባር ዘውጻእዎ መደብ ከኣ፥ ኣብ ኩሉ ክዝርግሖ ከኣልኩ። ካብ ኩሉ ከም-እትንጸል ንምግባርውን ብምሉእ ዓቕመይን ክእለተይን ተንቀሳቐስኩ። ተቐባልነት ከም-ዘይትረክብን፥ ዋጋ ዘይብላ ኮይና ከም-እትተርፍን ከኣ ብዙሕ ሠራሕኩላ። ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ እግራ ከተዕርፈላ እትኽእል ባይታ፥ ክትረክብ ክሳብ ዘይትኽእል ከኣ ኣጽብብ ኣበልኩላ። ኣብ ቤት-ትምህርትናስ ድማ ሓንቲ-ክርስቲያን-!! እዚ ፈጺሙ ዘይከውን በልኩ። እንኳን ክግበር ክሕሰብውን ዝግብኦ ኣይነበረን፥ ብምባል ድማ ንምስልምና ዘሎኒ ኣኽብሮት ክገልጽ ዘኽእለኒ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። በዚ ድማ እቲ ዘውጻእኩዎ መደብ ክዕወት ከም-ዝኽእል፥ ርግጸኛ ክኸውን ከኣልኩ።

ከምቲ ዝተባህለ ድማ እታ ዝተባህለት ክርስቲያን ዳይረክተር፥ ክትመጽእ ከኣለት። ሰላም ረኺባ ክትሠርሕ ዘኽእላ ባይታ ግን ኣይረኸበትን። ንዕኣ ሰላም ንምኽላእ ድማ ኣነ ዋና ሥርሐይ ገይረ ተተሓሓዝኩዎ። እቲ ኩነታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፥ ዘይተረጋግ ህሞት ይርከብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ  ድማ፥ ኣብ መጨረሻ ሓደ ወርቃዊ ኣጋጣሚ ተፈጥረለይ። ማለት ኣብ ሳይንስ-ዲፓርትመንት ናይ 10- ክፍሊ ተማሃሮ፥ ዳርጋ ዝበዝሑ ክርስቲያንዮም ነይሮም። ብዝተዋህቦም  ፕሮጀክት መሠረት ድማ፥ ሓደ ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ጥቕስታት ዘለዎ  መጽሔት ከዳልዉ ክኢሎም። እዚ ኩነታት ናባይ መጺኡ ዝጠቈመኒ፥ ሐደ ኣስላማይ መምህር እዩ። እዚ ምስ ሰማዕኩ ክልተ ግዜ ክሓስብ ዘግብረኒ ምኽንያት ኣይነበረን። ስለዚውን ብቐጥታ ናብዚ ዝተባህለ ክፍሊ ብምምራሕ፥ ነቲ ዝተባህለ በቶም ክርስቲያን ተማሃሮ ዝተዳለወ መጽሔት፥ ቀዳዲደ ደርበኹዎ። ነቲ ዝፈጸምኩዎ ተግባር ድማ ብሕልናይ ዓገብኩሉ። ተሓጉሰውን ፍንጭሕ በልኩ።

እቲ ክጽበዮ ዝጸናሕኩ ሕጂ ረኺበ። ሽዕኡ ከይወዓልኩ ከይሓደርኩ ኣከታቲለ ድማ፥ ናብ ወረዳ ምሥራቕ-ካይሮ፥ ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ ተቘጻጻሪ ቤት-ጽሕፈት፥ “-ከቢድ-ምሥጢር-“ ዝብል ማኅተም ዝዓረፎ ደብዳቤ ጸሓፍኩ። ኣብቲ ደብዳቤ ድማ እቶም ተማሃሮ ነዚ ከቢድ ዝኾነ ገበን ክፍጽሙ ዝደፈፈኣቶም፥ እታ ሓዳስ ዳይረክተር እያ ብምባል፥  ናይቲ ገበን ተሓታቲት ገይረ ኣቕረብኩዋ። ብተወሳኺውን ናይዛ ዳይረክተር  ዕላማ፥ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ናይ ሃይማኖት ምስሕሓብ ክትፈጥር ናይ ምድላይ ተንኮል ከምዘለዋ ከረድእ ከኣልኩ። እቲ ኩነታት ተጻርዩ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ  ብምባልውን ኣተሓሳሰብኩ። ብቕልጡፍ ክውሰን ካብ ዝነበረኒ ተርባጽውን፥ እቲ ደብዳቤ ብሰብ ሊኢኸዮ።

ንጽባሒቱ ናይቲ ጉዳይ ውጽኢት ክፈልጥ ተሃንጥየ ስለ-ዝነበርኩ፥ ገና ብንግሆኡ ከሎ ኣብ ሥርሐይ ዝተረኽብኩ። ከም-ዝተረዳእኩዎ ድማ እቲ ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ ተቘጻጻሪ በዓል-ሥልጣን፥ ነቲ ኩነታት ኣጻርያ ሪፖርት እትገብር፥ሓንቲ ተራር ኣስላመይቲ ምልኣኹ ተፈልጠ። እታ ነቲ ኩነታት ከተጻሪ ተላኢኻ ዝመጸት፥ ሒጃብ ወይ መሸፈኒ ካብ ገጻ ኣልጊሳ ዘይትፈልጥን፥ ንክርስቲያንውን ቅንጣብ ትኣክል ድንጋጽ ወይ ርሕራሔ ዘይብላ ምዃናን እፈልጣየ። ብዝኾነ ንሳ እታ መርማሪት፥ ኣብቲ ዝተባህለ ጉዳይ ኢድ ኣለዎም ኣብ ዝተባህሉ፥ ኣብ ኣርባዕተ ተማሃሮ ብምትኳር መርመርኣ ዝጀመረት። ኩላቶም ድማ ካብቲ መርመራ ወዲኦም ክወጹ ከለዉ፥ ክበኽዩ ይርኣዩ ነበሩ። ንነፍስ-ወከፎም ድማ ሓሓደ ሰዓት ዝወሰደ መርመራ ተኻይዱሎም እዩ። እቲ ውጽኢቱ ገና ዘይተፈልጠ እንተነበረ፥ እቲ መደበይ ግና ሠሪሑዩ።

ይቕጽል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div