S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዕዳ ፍቕሪ - ካልኣይ ክፋል

መእተዊ፥

ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል ጽሑፍና፡ ፍቕሪ እታ ቐዳመይትን ዓባይን ብልጽትን ትእዛዝ ናይ እግዚኣብሔር ምዃና፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝዀነ ዓይነት ውህበት ጸጋ፡ ዝዀነ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ዝዀነ ዓይነት መንፈሳዊ ስነ ምግባርን ትርጒም ይኹን ተቐባልነትን ከም ዘይብሎም፡ ብኣንጻሩ

እቲ ጽቡቕ ተግባርና ናብ ርኽሰት ከም ዚልወጥ ኣስፊሕና ዳህሲስና ኔርና። ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ዝባንና ዘሎ ዕዳ ፍቕሪ፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ብሞት ናይቲ ራእሲ ህይወት ዝዀነ ቅዱስ ወዱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዘጾረና ምዃኑን፡ ነዚ ዕዳ ፍቕሪ እዚ ድማ ንሕና ብግዴና ኣብቶም ምሳና ዘለዉ ብጾትናን ኣሕዋትናን ክንፈድዮ ከም ዚግብኣና ተማሂርና ኔርና። ሎሚ ድማ ፍቕርና ንምግላጽ ዚረድኡና ኵነታትን ዕድላትን እንታይ ከም ዚመስሉን ብኸመይ ክንጥቀመሎም ከም ዚግብኣናን ካብ ዓወት ንኼብኵረና ሰይጣን ዚጥቀመሉ ውዲታትን ክንድህስስ ኢና።

ዕላማ ምክፋል ባህርይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ንምግላጽ እዩ፥

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌና ዝዀነ ይኹን ተግባር ዚፍጽሞ፡ ንሕና ኣብ ልዕሊ እቶም ምሳና ዚነብሩ ሰባት ተመሳሳሊ ተግባር ምእንቲ ኽንፍጽም እዩ። ብመልክዑን ብምስሉን ኪፈጥረና ዝመረጸ፡ ናይ ባህርዩ ነጸብራቕ ኴንና ምእንቲ ኽነገልግሎ ኢሉ እዩ። ክሳዕ ምጽኣት ጐይታናን መወዳእታ ዓለምን ዝኽሰት፡ ንእግዚኣብሔር ብዓይኑ ዝረኣዮን ዚርእዮን ኣይክህሉን እዩ። እንተ ዀነ እቲ መዓሙቕ ጥበቡ ኪምርመር ዘይከኣል ኣምላኽ፡ ብመገዲ እቶም ካብ ባህርዩ ተኻፊሎም ነቲ ባህርይ እቲ ዜንጸባርቑ ሰባት ገይሩ ኪግለጽ መረጸ። ስለዚ ሓደ መንፈሳዊ ክርስትያን፡ በታ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበላ ፍቕሪ ገይሩ ንብጻዩ ወይ ንብጽይቱ ኬፍቅር ከሎ ንእግዚኣብሔር ይገልጾን ከም ዚርኣይ ይገብሮን ኣሎ ማለት እዩ። ከም ኣብነት ንይሳሃቅ ኣቦና ኽንወስድ ንኽእል ኢና። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣህዛብ ዝዀዓቶ ዒላታት እናደፈኑ ካብ ከባቢኦም ብግፍዒ እናሰጐጉ ኬሳቕይዎ ከለዉ፡ ብዘይሕለልን ብዘይውዳእን ትዕግስቲ ተዓገሶም። ተኻፋሊ ትዕግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስከረ። እቶም ገፋዕቱ ግና፡ ስቕ ኢሉ ስለ ዝተዓገሶም ጥራይ በቲ ትዕግስቱ ኪቐስኑ ኣይከኣሉን። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ጊዜ ትዕዝብቲ ድማ፡ ናብኡ መጽኦምእግዚኣብሔር ምሳኻ ኸም ዘሎ ኣርጊጽና ርኢና ኢና እሞ፡. . . ንሕናን ንስኻን ንሓድሕድና ንመሓሓል ምሳኻ ድማ ኺዳን ንእቶበልዎ (ዘፍ 26:28,29) እዞም ኣረማውያን ሰባት፡ ንእግዚኣብሔር ብስጋዊ ዓይኖም ፈጺሞም ኣይረኣይዎን። ይስሃቅ ትዕግስቲ ሰብ ዘይኰነስ ትዕግስቲ ኣምላኽ ኬንጸባርቕ ምስ ረኣይዎ ግናእግዚኣብሔር ምሳኻ ከም ዘሎ ኣርጊጽና ርኢና ኢናኪብሉ ኽሳዕ ክንድዚ ትብዓትን ርግጽነትን ተሰመዖም። እዚ ዅሉ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ይስሃቕ ነቲ ባህርይ ኣምላኽ ብብቕዓት ኣብ ማእከሎም ስለ ዘንጸባረቖ እዩ። እምበኣር ንሕናውን ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌና ዘውሓዞ ፍቕሪ፡ ናብቶም ምሳና ዚነብሩ ሰባት ከነውሕዛ ኸሎና ነጸብራቕ ባህርዩ ኣባና ስለ ዝተራእየ፡ እቶም ሰባት ነቲ ዘይርኣይ ኣምላኽ ኪርእዩ ንገብር ኣሎና ማለት እዩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ መለኮታዊ ባህርይ እዩ። ስለዚ ነታ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ከነርእዮም ከሎና፡ ንኣና ዘይኰነስ ንኣምላኽ እዮም ዜመስግኑን ዜድንቑን። እምበኣር ፍቕርና ብዛዕባ ኣምላኽ ክልተ ዓበይቲ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። እቲ ቐደማይ ኣምላኽ ህልዊ ከም ዝዀነ ኪኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣምላኽ ፍቕርን ፍቃርን ከም ዝዀነ እዩ።

ምስጢር ክተፍቕር ምኽኣል፥

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ናይ ግድን ክንሓቶ ዚግብኣና ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። መቸም ንፍቕሪ ዘየድንቓን ዘይብህጋን ዋላ ሓደ ሰብ እኳ የልቦን። ክንድዚ እናድነቕናያን እናበሃግናያን ከሎና ግዳ ስለምንታይ እዩ ክንፍጽማ ዚኸብደና፧ እቲ ቐዳማይ ጸገምና ትርጉም ፍቕሪ እንታይ ማለት ምዃኑ ፈጺምና ዘይምፍላጥና እዩ። እዚ ዘይምፍላጥ እዚ ድማ ኣብቶም ዝዀነ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዘይብሎም ተራ ምእመናን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብቶም ንፍቕሪ ኣዘውቲሮም ዚሰብክዋ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ኣዝዩ ገኒኑ ዚረኣይ ምዃኑ ድማ ነቲ ነገር ኣዝዩ ኸቢድ ይገብሮ። መቸም ምፍላጥ ማለት ሓበሬታ ኣብ ርእስኻ ምውህላል ማለት ከም ዘይኰነ መብርሂ እኳ ዘየድልዮ ብሩህ ነገር እዩ። ከም ኣብነትንመኪና ምፍላጥዝብል ሓሳባት ኣልዒልና ክንዘረበሉ ጽብቕ እዩ። ሎሚ ብዘይካ ውሑዳት ሰባት ንመኪና ትፈላጣዶ፧ኢልና እንተ ንሓትትኣይፋለይን ኣይፈልጣን እዩኢሉ ዚምልስ ሰብ ክህልው ዝከኣል ኣይመስለንን። ብዓይኑ ዘይረኣያ ዳርጋ የለን። ኣብኣ ተሰቒሉ ዘይተጓዕዘላ ሰብውን የልቦን ክትብል ኣጸጋሚ እዩ። ካብቲ ብምርኣይ ዚፈልጣ ባዕሉ ዘዊሩ ኬንቀሳቕሳ ዚኽእል ድማ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ። ካብቶም ዘወርቲ ድማ እቶም ብምልከት ዚዝውርዋ ኣዝዮም ዝወሓዱ እዮም። ካብቶም ብምልከት ዚዝውርዋ እንተ ተበላሽያቶም ጸገማ እንታይ ምዃኑ ዚፈልጡ ውሑዳት ኺዀኑ ከለዉ ካብቶም ጸገማ ፈሊጦም ነቲ ጸገማ ፈቲሖም ዳግም ናብ ጐደናታት መሊሶም ኬንቀሳቕስዋ ዚኽእሉ ብሚታዊት እንተ ተራእዮም ሓደ ሚታዊት እዃ ኣይበጽሑን እዮም። ካብ ምዝዋርን ምጽጋንን ሓሊፎም ባዕላቶም መኪና ኪሰርሑ ዚኽእሉ ግና 0.1 ሚታዊት እዃ ኣይኣኽሉን እዮም። ኣብ ፍቕሪ እንተ መጻእናውን እቲ ሓቂ ኻብኡ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ፍቕሪ ጥዕምትን ኽብርትን ምዃና ብደረጃ ክልሰ ሓሳብ (theory) ምፍላጣን፡ ንፍቕሪ ምምራሓን ምጽጋናን ፈጺማ ኣብ ዘየላትሉ ቦታን ኵነታትን ድማ ምህናጽን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። እምበኣር እቲንፍቕሪ እፈልጣ እዩዚብል ሰብ ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ከም ዚግባእ ዚምልስን ዚትግብርን ሰብ እዩ። ንሳተን ከኣ፦

ፍቕሪ ንመን፧

ፍቕሪ መዓስን ኣብ ከመይ ዝበለ ኹነታትን

ፍቕሪ ብኸመይ ዝበለ ጥበብን መገድን፧ ዚብላ እየን።

1. ፍቕሪ ንመን፧ ናብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታውና ብዛዕባ እታኣምላኻዊት ወይ ክርስቶሳዊት ፍቕርንዛረብ ከም ዘሎና ኣይረስዕ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂፍቕር ስሓቦ ለወልድ ኃያል እም መንበሩከም ዝበለ ነቲ ሓያል እግዚኣብሔር ወልድ ካብ ናይ ክብሪ መንበሩ ስሒቡ ናብዛ ዝረኸሰት ዓለም ዘውረዶን ኣብ ማእከል ሓጥኣን ኪሃድር ዝገበሮን ፍቕሪ እዩ። እቲ ፍቕሪ ድማ ፍቕሪ ሓጥኣን፡ ፍቕሪ ጸላእቱ እምበር ፍቕሪ ጻድቃንን ፍቕሪ ፈተውቱን ኣይነበረን። ባዕሉውንወዲ ሰብ ንጥፋእ ኪደልይን ኬድሕን እዩ ዝመጸ. . . ኣነ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን።ኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ ( 1910 ማቴ 913) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ካብቲ ኣብ ህይወቱ ዝጠዓሞ ፍቕሪ ተበጊሱ።ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ፡ወሲኹ ድማገና ድኹማት ከሎና ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ፡. . ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርእይ ኣሎ፡. . . ጸላእቱ ኸሎና ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕናብምባል ነቲ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ (1ጢሞ 115 ሮሜ 56,8,10) እምበኣር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚፍቕሪ ነመን፧ዚብል በዳሂ ሕቶ ብዜገርም ግብራዊ መገዲ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ። ስለዚ እቲንፍቕሪ እፈልጣ እየዚብል ኵሉ ብኸምዚ ክርስቶስን ሃዋርያኡን ዝገለጾ መገዲ ገይሩ ኪፈልጣ እዩ ዚግባእ። ንዘፍቅረካ ምጽላእ ሰይጣናዊ ባህርይ፡ ንዘፍቅረካ ምፍቃር ሰብኣዊ ባህርይ፡ ንዝጸልኣካን ንዝበደለካን ምፍቃር ድማ ክርስቶስዊ ፍቕሪ እዩ። እታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መጎስን ጸማን እትረክብ ፍቕሪ ድማ እታ ክርስቶሳዊት ፍቕርን ጥራይን እያ፡፡እታ ንዝፈትወካ ምፍታውን ጽቡቕ ምግባርን ዝጥበባ ሰብኣዊት ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ዓይነት ጻማ ኣይትቕበልን እታ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ካብ ናይቶም ሓጥኣንን ንጣኦታት ዜምልኹ ኣረማውያንን ፍቕሪ ዘይትፍለ፡ ዓስቢ ድማ ዘይብላ ምዃኑ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሊጹልና ኣሎ።ነቶም ዚፈትውኹምን እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ተገውትስ (ሓጥኣንስ) ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።” (ማቴ 546-48) ስለዚ ንፍቕርኻ በቶም ምሳኻ ብሰላም ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ዘይኰነ በቶም ዚጸልኡኻን ክፋእ ዚገብሩኻን ሰባት ክትዕቅና እዩ ዚግባእ። ሰይጣን ንዚፍትወና ክስዕ እንጸልእ፡ ናብቲ ናቱ ድረጃ ኬውርደና እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ኣብቲ ንፈተውትና ጥራይ እንፈትወሉ ሰብኣዊ ደረጃ ፍቕሪ ኪሓጽረና እንተ ኽኢሉ ተዓዊቱልና ኣሎ ማለት እዩ። ካብ ሰብኣዊ ፍቕሪ ልዕል ኢልና ናብቲ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ እንተበጻሕና ግና ልክዕ ከምቲ ኣምላኽና ፍጹም ዝዀነ ንሕናውን ናብ ፍጽምና ስለ እንበቅዕ፡ ዓስብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ዓብዩ ኪኸውን እዩ። ንዚጸልኣካ ፍቕሪ ምኽላእ ልክዕ ንጥሙይ መግቢ፡ ንጽሙእ ማይ፡ ንዝሓመመ ድማ መድሃኒት ከም ምኽላእ እዩ።

2. ፍቕሪ ምዓስን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታትን፧ ፍቕሪ ንመን ከም ዚግባእ ኣነጺርካ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ፍቕርኻ መዓስን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም ዝድለይ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጥ ይግባእ። በደልን ጽልእን እናዓዘዘ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት ይኽሰት ከም ዘሎ ኵላትና ይርድኣና እዩ። ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞዚ መዕገቲ እንተ ዘይተገብረሉ፡ ህይወት ብዙሓት ምልካሙ ዘይተርፍ እዩ። ኣብ ሓደ መንበሪ ቤት ንእሽቶ ሓዊ ፈኸም እናበለ ይናኸስን የስፋሕፍሕን እንተሎ፡ እነርእዩ ስንባድን እንገብሮ ሸበድበድን ንፈልጦ ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ ናብቲ ሓዊ ገጹ ዕንጸይቲ፡ ወረቐት፡ ጨርቂ፡ ፕላስቲኽ ወይ ነዳዲ ዚድርብይን ዚኽዕውን ዋላ ሓደ እኳ የልቦን። ብኣንጻሩ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ነገራት ካብ ከባቢ ናይቲ ሓዊ ኢና ነርሕቖ። ኣንጻሩ ዝዀነ፡ ማይን ሓመድን ሓዊ ዜጥፍእ ጋዝን ኢና ንነጽገሉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታንን ተኣፋፍን ናይ በደልን ጽልእን ኵነታት ዚግደሱ ክልተ ኣካላት ኣለዉ። እቲ ሓደ እግዚኣብሔር ኪኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ድያብሎስ እዩ። እግዚኣብሔር ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ኵነታት፡ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ እነንጸባርቐሉ ወርቃዊ ኣጋጣሚ ምዃኑ ኬርእየና ኪጋዳል ከሎ፡ ሰይጣን ግና ነታ ህሞት እቲኣ፡ ንሕናውን እንሓጥኣላን እንወድቀላ ኣጋጣሚ ኪገብራ እዩ ዚኽእሎ ዚገብር። እቲ ባእስን ግፍዕን ጽልእን ዚፍጸመሉ ጊዜ፡ ፍቕርና ብዕጽፍታት ኪበዝሓሉ ዝኽእልን ዝግባእን ዝበለጸ ዕድል እዩ። ሰይጣን ግና፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ብምንጽብራቕ ከም ኣምላኽና ፍጹማት ክንከውን ስለ ዘይደልየና፡ ነዚ ክቡር ዕድል እዚ ክንዕወተሉ ኣይደልየናን እዩ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ኣይሁድን ሮማውያንን እናተበራረዩ ኣብ ልዕሊኡ በደል ኪፍጽሙ ማለት ኪገርፍዎ፡ ኪጸርፍዎ፡ ኪስቕልዎን ኬላግጹሉን ከለዉ ፍቕሩ ብዝለዓለ ደረጃ ኪገልጸሉ ዚግባእ እቲ ዝበለጸ ጊዜ ሽዑ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ፡ ነቶም ጸላእቱን ጐዳእቱን! ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ በደሎም ሕደገሎም፡ኢሉ ጸለየ (ሉቃ 23:34) እዚ ዝዓይነቱ ምሕረት ኪገብር ዜኽኣሎ፡ እቲ ነቶም ሓጥኣን ዝነበሮ ዕዙዝ ፍቕሪ እዩ። ስለዚ በደሎም ፈጺሞም ምስ ወድኡ ዘይዀስ፡ ገና እናፈጸምዎ ከለዉ ባዕሉ ይቕረ በለሎም፡ ነኣቦ ድማ ይቕረ ኢሉ በደሎም ኪሓድገሎም ተማሕጸኖ። እግዚኣብሔር ኣብቲ ኣበሳ ዝበዝሐሉ መመሊሱ ጸጋኡ ዜብዝሕ ኣምላኽ እዩ (ሮሜ 520) ኣብቲ ጽልኢ ዝበዝሖ ድማ ፍቕሪ እዩ ኪበዝሕ ዚግባእ። እምበኣር ኣብ ልዕሌና ዝፍጸሙ በደላትን ኣብ ልዕሌና ዝንጸባረቑ ከም ጽልኢ ዝኣመሰሉ ኣሉታውያን ባህርያት እናበዝሑን እናኸበዱን ኪኸዱ ከለዉ፡ ብፍቕርና ንክርስቶስ እንመስለሉ ወርቃዊ ዕድላት ይወሃበና ከም ዘሎ ክንግንዘብ ይግብኣና። ኣብዛ ከምዚ ዘበለ ተኣፋፊ ህሞት፡ እቲ ብፍቕሪ ክርስቶስ ክንዕወት ዘይደልየና ድያብሎስእናፈለጠ ዀነ ኢሉ እዩ ከምዚ ዝገበርካ። እዚ ጸላኢኻ ስለ ዝዀነ ማዕሪኡ ጥራይ ዘይኰነ ዕጽፊ ጌርካ ሕነ ፍደዮ። ሕጂ እንተ ኣፍቂርካዮን እንተ ተዓጊስካዮን ጽባሕ ድማ ካብኡ ዝገደደ ብንዕቀት ኪብድለካ እዩ።እናበለ ናብቲ መጻወድያኡ ገጹ ይደፍኣና። እዛ ህሞት እዚኣ እምበኣር ናይ መኖም ድምጺ ከም እትሰምዕ፡ ንመኖም ከም እተኽብርን ከም እተምልኽን እትገሃደላ ህሞት እያ። ስለዚ እቲ ናይ በደልን ጽልእን ጊዜ፡ ፍቕሪ ኣዝዩ ኪግለጸሉ ዚግባእ ብሉጽን ግቡእን ጊዜ እዩ። በደል ጸላእትኻ ክሳዕ ዜቋርጽ ናትካ ነድርን ጓህን ድማ ክሳዕ ዚዝሕል ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነ ኣዋርሕን ዓመታትን ዚወስደልካ እንተ ዀይኑ ሓዊ ዝጥፋእ ኣጥፊኡ ንርእሱ ምስ ጠፈአ ኣብ ልዕሊ ሓመዂሽቲ ማይ ዚኽዕው ናይ ዓሻ ለባም ትኸውን ኣሎኻ ማለት እዩ። ፍቕርኻ መዓስን ከም እትገልጾ ዘይምፍላጥን ዘይምትግባሩን እምባእር እቲ ዝዓበየ ክርስትያን ኪወድቆ ዝኽእል ውድቀት እዩ።

3 ፍቕሪ ብኸመይ ዝበለ ጥበብ እያ ትግለጽ፧ ፍቕሪ መዓስ ከም እትድለይ ድሕሪ ምፍላጥካ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ፡ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ወይ ጥበብ እያ ትግለጽ፧ዚብል ኪኸውን ባህርያዊ እዩ። መቸም ፍቕሪ ክርስቶስ ብክርስቶሳዊ ጥበብ ጥራይ ክትግለጽ ከም እትኽእል ኵላትና ኣይንስሕቶን ኢና። እቲ ቕዱስ ስሙን ፍቓዱን ንዘለኣለም ይኽበርን ይመስገን፡ ነዚ ጥበቡ እዚ ኣይሓብኣልናን።ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኪማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሓበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። ንዝለመነካ ሃቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ። ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ።ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።ብምባል ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትግልጽ ገለጸልና (ማቴ 5 38-45) ሃዋርያ ጳውሎስውንጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።ኢሉ ኣሎ (ሮሜ 12:20-21) እዚ ጥበብ እዚ ንዓለም ዕሽነታ እዩ። ነቲ ከም ባህሊ ሰብ ዚመላለስን ዚሓስብን ስጋዊ ክርስትያን ድማ ኪትግበር ዘይክኣል ከቢድን ዘይክውንነታውን ትእዛዝ እዩ። ነቲ ክርስቶስ ኣብኡ ዝሓደረ፡ ህይወቱ ድማ ንክርስቶስ ዝወፈየ መንፈሳዊ ክርስትያን ግና ጥበቡን ሓይሉን እዩ።የማነይቲ መትልሕካ ንዚወቕዓካ እታ ካልኣይቲውን ምለሰሉኢሉ ዝነግረና ዘሎ፡በጃኻ ደጊምካ ውቕዓኒኢልካ ክትልሞኖ ማለት ዘይኰነ ንኸምኡ ዝበለ ተደጋጋሚ በደላትውን ብፍቕሪ ንምጻሩ ድሉው ምዃን ከም ዚግባእን እዩ ዚገልጸልና ዘሎ። ሃዋርያት ነዚ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ ከም ዝሰዓብዎ “. . . እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሐሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኵላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና።ብምባል ገሊጾምልና ኣለዉ (1ቄረ 412-13) እምበኣር ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ካብ ዕዳ ናይቲ ኣብ ልዕሌና ዝወሓዘ መለክዒ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ርእስና እኔንጽሃሉ እንኮ ጥበብ እዚ እዩ። ነዛ ፍቕሪ እዚኣ እንተ ዘይለበስናያ ኣብ ጽልኢ ኢና ዘሎና ማለት እዩ። ንሓውኻ ዘይምፍቃር ድማ ቀታል ነፍሲ ስለ ዚገብር ንርእስና ብፍቕሪ ክርስቶስ ከነድሕና ይግብኣና (1ዮሃ 315) ፍቕሪ ንጸላእቲ፡ ፍቕሪ ኣብ ጊዜ በደልናን ጽልእን፡ ፍቕሪ ድማ ብሰናይ ግብርን ቃልን ብምግላጽ ንገዛእ ርእስና ብፍቕሪ ክርስቶስ ነማዕርጋ፡ ካብ ዕዳ ፍቕሪ ድማ ነጻ ንኹን። ኣምላኽ ይደግፈና!!

ክብርን ምስግናን፡ ንኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሕጅን ኩሉ ሳዕን ኣሜን።

ብቐሺ ተስፋኣለም በራኺ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div