S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተስፋ ምጽኣቱ ኣበይ ኣሎ፧

ብዲያ /  /እግዚኣብሔር ደብረጽዮን

መእተዊ፥ ሓደ ካብቲ እምነ ዅርናዕ እምነት ክርስትና ዝዀነ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ እቲ ዘይተርፍ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ዳግም ምጽኣት ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። ዳግም ዘብሎ፡ ብቁጽሪ ኣመጻጽእኡ መበል ካልኣይ ስለ ዝዀነ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ምጽኣት፡ ምእንታና ምእንቲ ደቂ ሰብ፡ ምእንቲ ድሕነትና፡ ሰጋ ለቢሱ ሰብ ብምዃን ዝመጸሉ ምምጻእ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምጽኣት ድማ ንምድሓን እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዝግለጾ ምግላጽ እዩ። ቅዱስ ሃዋርያ፡ ንዕላማ እዚ ክልተ ምጽኣታት ጽሙቕ ብዝበለ ሓሳብ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።” (እብ 928) እዚ ክልተ ምጽኣታት ከምቲ ብዕላማ፡ ብዓይነት ኣመጻጽኣውን ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ንምርሓቕ ዝዕላማኡ ቀዳማይ ምጽኣት፡ ብሰላሕታ፡ ብዘይ ብዙሕ ተርእዩ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ናይዛ ምድሪ ምንባሩ ንርኢ። እቲ ካልኣይ ምጽኣት ግና፡ ሓደ እዃ ክስሕቶ ብዘይኽእል፡ ብዓቢ ተርእዩ፡ ከምቲ መብረቕ ምስ ዝበርቐ፡ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ዝርኤ፡ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ። በቲ ቀዳማይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ብኵሉ ትሕትና፡ ኣብታ ካብ ኵለን ኣቑሻት ይሁዳ ዝነኣሰት ቤተ ልሄም ኣብ መብልዕ ማል ብምውላድ መጸ። በቲ ካልእ ምጽኣት ግና፡ ክርስቶስ ብኩሉ ክብሩ፡ ምስ ኩሎም ቅዱሳኑን መላእኽቱን  ክመጽእ እዩ። እቲ ቀዳማይ ምጽኣት ታሪኽ እዩ፡ እቲ ካልኣይ ምጽኣት ግና፡ ገና ክፍጸም ዘለዎ ትንቢት እዩ። ኣብዚ ዘመን ዘለና ደቂ ሰባት ድማ ኣብ ሞንጎ እዚ ክልተ ፍጻሜታት ንነብር ኣለና። ንፍቶ ንጽላእ ድማ፡ ህይወትናን መጻኢናን በዚ ክልተ ፍጻሜታት ክጽሎ ናይ ግድን እዩ። እቲ ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታ፡ መኣዝን ታሪኽ ደቂ ሰባት ዘማእዘነ፡ እምነ ኵርናዕ ፍጻሜ ዓለም ምንባሩ ዘማትእ የብሉን። ናይ ልደቱ ግዜ፡ ከም መወከሲ ተወሲዱ ንታሪኽ ዓለምና ኣብ ክልተ ዝኸፈለ ፍጻሜ ዀይኑ ኣሎ። ቅድምን ድሕርን ልደተ ክርስቶስ ኢልና ድማ ንሰምዮ። ብመንጽር እዚ ልደት ዝፈጸሞ ዕላማ ተራእዩ ድማ፡ ዓመተ ኵነኔ፡ ዓመተ ምሕረት ኢልና ክንከፍሎ ኣኽኢሉና ኣሎ።

ጽልዋ ምጽኣታት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥

ከምቲ ኣቀዲምና ዝጠቐስናዮ፡ እዚ ክልተ ምጽኣታት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለምና ካብ ዝረእየቶን ክትርእዮውን ካብ ዘለዋ ፍጻሜታት፡ እቲ ዝዓበየ ፍጻሜታት እዩ። ከም መጠን ዕቤቱ ድማ ህይወት ሰባት በዘን ምጽኣታት ክጽሎ ናይ ግድን እዩ። እቲ ቀዳማይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ፡ ብትሕትና ከም ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ርእሱ በጃ ከሕልፍ፡ ሓጢኣትና ወሲዱ፡ ምስቲ ከግህዶ ዝመጸ ኣምላኽ ክዓርቐና መጸ። ነቲ ዝመደበልና ንዕኡ ናይ ምምሳል ዕላማ ዝኸውን ኣርኣያ ክሓድገልና ዝፋኑ ገዲፉ መጸ። መጸ ወዲ ኣምላኽ፡ ደቂ ኣምላኽ ክገብረና። ምስ እዚ ኵሉ ግና፡ እዚ ዕላማታት ኣብ ሰባት ክፍጸም፡ ግብረ መልሲ ናይ ሰባት ዝጠልብ ምምጻእ እዩ ዝነበረ። ነቲ ክርስቶስ ዝሓለፎ ናይ ምብጃው ስራሕ ተቀቢልካ ምስ ኣምላኽ ዕርቂ ምርካብ። ምስ ኣምላኽ ዕርቂ ረኪብካ ድማ ንክርስቶስ ኣብ ናይ ምምሳል ህይወት ምጉዓዝ ዝሓትት ግብረ መልሲ። እቶም ነቲ በቲ ቀዳማይ ምጽኣት ዝዀነ ምብጃው ተቀቢሎም ንኣምላኽ ዝስዕቡ፡ ካብ መንፈሳዊ ሞት ናብ ህይወት ዘለኣለም ይኣትዉ። እቲ ከልካሊ መንደቕ ስለ ዝፈረሰ፡ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣለዎም። ካብ ኣምላኽ ካብ መንፈስ ስለ ዝውለዱ ተኻፈልቲ ኣምላኻዊ ብህርይ ድማ ይዀኑ። እቲ ካልኣይ ምጽኣት ግና፡ ካብዚ ዝተፈልየ እዩ። ግብረ መልሲ ናይ ደቂ ሰባት ዘይጽበ ምምጻእ እዩ ክኸውን። ነቲ ሰባት በቲ ነቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ዘርኣይዎ ግብረ መልሲ መፈጸምታ ዝገብረሉ ፍጻሜ እዩ ክኸውን። ከም ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ድማ ካልኣይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ክርስቶስ፡ ኣብ ዕጻ እቶም ነቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ዝተፈላለየ ምላሽ ዝሃቡ ሰባት ዝተፈላለየ ብይን ዘምጽእ ምምጻእ ከኽውን እዩ። ነዘን ክልተ ክፍሊ ምናባባት ምርኣይ ኣካሊ እዩ።

2 ተሰ 1 5-12 ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። በቲ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ ኢየሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝኣመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም። ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ክፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን አሎና።

ማቴ 2132-33 ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም።

ስለዚ እቲ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ፡ ንግብረ መልሲ ስባት ናብቲ ቀዳማይ ምጽእቱ መዛዘሚ ዝገብር ፍጻሜ እምበር፡ ዝጠልቦ ግብረ መልሲ የብሉን።

ክርስቶስ ብርግጽ ክመጽእ እዩ፥

ካብ ጊዜ ሃዋርያት ኣትሒዞም ሰባት ንርጉጽነት ናይ ክርስቶስ ምጽኣት ኣብ ሕቶ ዘእቱ ምርዳእ ብዘንቀሎ ህይወት ይምርሑ ምንባሮን ምህላወምን ግሁድ እዩ። ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ እተሓሳስባ ገለ ሰባት፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፥ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም።” (2 ጴጥሮስ 3:4) እዞም ሰባት፡ እቲ ንውሓት ናይ ጊዜ ርእዮም ዝበጽሕዎ መደምደምታ፡ ዳግም ምጽኣት ዝብሃል የለን ዝብል ነበረ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ህይወቶም ብስጋውነት ዝተመልአ፡ ናይ ምብላዕን ምስታይን ዀይኑ ክተርፍ ከም ዝገበሮ ንርኢ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ምውታት ኣመልኪቱ ዝጽሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል፥ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን።” (1ቈረ 1531) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉውን ነዚ ዝመስል ኣተሓሳስባ ኣብ ሰባት ከም ዝመጽእ ኣተንቢሁ ኔሩ እዩ።እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን።” (ማቴ 24:48-49) እዚ ሕድሪ ዝተቐበለ ባርያውን በተሓሳስብኡ፡ ጐይትኡ ጠቅሊሉ ኣይምለስን እዩ እዃ እንተዘይበለ፡ ይድንጕ እዩ ብምባሉ ጥራይ፡ መገዱ ምስ ሰኸርቲ ከም ዝገበረ ነንብብ። ኣብቲ ኣቀዲምና ዘንበብናዮ ናይ ሓዋርያ ጴጥሮስ መልእኽቲ እንተ ኣስተብሂልና ድማ፡ እዞም ሰባት ነቲ ኣብ ሕቶ ዘእትውዎ ዘለዉ ምጽኣት ጐይታ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ኢሎም ክሰምይዎ ከለዉ ንዕዘብ። እዚ ዘርእየና ድማ ምጽኣት ጐይታ ተስፋ ምዃኑ እዩ። ተስፋ ኣወንታዊ ቃል እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ነዚ ምግላጽ ብተመሳሳሊ ይገልጾ፥እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና ..” (ቲቶ 2:11) ናይ ጐይታ ምጽእት እምበኣር ናይ ተስፋ ምንጪ እዩ። እንተዀነ፡ ናይ ተስፋ ምንጪ ዝዀነ፡ ነቶም ነቲ ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታና ኣወንታዊ ምላሽ ዝሃቡን ኣብኡ ድማ ጸኒዕም ዝነብሩን ዘባት እምበር ንኵሉ ኣይዀነን። ስለዚ ናይ ጐይታና ምጽኣት ንሰዓብቱ እቲ ብሩኽ ተስፋ ዝተባለ፡ ብብዙሕ ሃንቐውታ ዝጸባበይዎ ምጽኣት እዩ። ተስፋ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓዘን ኣይነብርን። እዚ ድማ እዩ ንክርስትያን ደቂ ምጽንናዕ ዝገብሮም። ብትዕግስቲ ክንጽበ ዝገብረና ድማ እዚ ተስፋ እዩ። ብኣንጻሩ ነቶም ነቲ ቀዳማይ ምጽኣት ዝባኖም ዝሃቡ፡ ክርስቶስ ከም ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓጢኣት ብኣምላኽ ዝተቐዝፈ ዝቆጸርዎ ሰባት፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ምጽኣቱ ነዚኣቶም ተስፋ ዝብሃል የብሉን።

ሓቅነት (ወይ ተፈጻምነት) ሓደ መብጽዓ፡ ምስ መንነት እቲ ወሃቢ መብጽዓ ቀጥታዊ ዝምድና ከም ዘለዎ እንርድኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ፍቃድን፡ ክእለትን፡ እሙንነትን እቲ ወሃቢ ተስፋ ድማ ይሙርከስ።  ንሓቅነት ተስፋ ምጽኣቱ ክንርኢ ኣብ እንፍትነሉ ጊዜ ነዘን ዝጠቐስናየን ሓቅታት ክንርኢ ከድልየና እዩ።

ፍቓድ፥ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዩ ዕላማ ዳግማይ ምጽኣቱ ንምድሓን እቶም ሰዓብቱ ምዃኑ እዩ። በቲ ቐዳማይ ምጽኣቱ ንዝዘርኦ ዘርኢ ዝሓፍሰሉ ጊዜ እዩ። እንታዋይ ሓረስታይ እዩ፡ ዘርኢ ዘሪኡ፡ እኽሉ ክእኽብ ዘይምለስ። ስለዚ ምድሓንና ተፈጻምነት ዝረኽበሉ ብምጽኣቱ ካብ ዀነ፡ እቲ ኵሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ኣምላኽውን ክበጽሕ ጽፈቱ ኣምላኽ፡ ኣይምለስን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣንጻር ባህርይ ኣምላኽ ምሕሳብ እዩ።

ክእለት፥ ጐይታ ነቲ ዝበሎ ክገብሮ ክእለት ከም ዘለዎ ዘማትእ የብሉን። ኵሉ ብእኡ ዝዀነ ካብቲ ዝዀነ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ ዘየል ጐይታ እዩ። ኣብርሃም እቲ ኣቦ እምነት፡ ንኣምላኽ ክኣምኖ ዝገብሮ ድርኺት፡ ኣምላኽ ንዝሃቦ ተስፋ ኺገብሮ ክእለት ከም ዘለዎ ምርድኡ እዩ (ሮሜ421) ናይ ኣምላኽ ኵሉ ከኣልነት ነቲ ንሓቅነትን ተፈጻምነት ተስፋታት ኣምላኽ ተወሳኺ መርትዕ እዩ።

እሙንነቱ፥ እዚ ባህርይ መምዘኒኡ ናይ ዝሓለፈ ታርኽ ናይቲ ኣካል እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ደቂ ሰባት ጐይታ ንዝሃቦ ኩሉ ዓይነት ተስፋ ብከመይ ዝበለ ልክዕነት ክፍጽሞ ከሎ ርኢና ኢና። ብፍላይ ድማ ነቲ ብዛዕባ ቀዳማይ ምጽኣቱ ኣመልኪቱ ሂብዎ ዝነበረ እሞ ዝፈጸሞ ተስፋታት ምምልካት ኣካሊ እዩ። ብዛዕባ ኣወላልድኡ፡ ዝውለደሉ ቦታ፡ ኣተዓብብይኡ፡ ኣማውትኡ፡ ቀብሩን ትንሳኤኡን ዝጠቕስ ብዙሕ ተስፋታት ብዘገርም ልክዕነት ተፈጺሞም እዩም። ነዚ ሓንሳብ ዘጊሙ ዝመጾ ምምጻእ ዝምልከት ተስፋታት ድማ ተዋሂቡና ኣሎ። ብመንጽር እሙንነት ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ናይቲ ብዛዕባ ቀዳማይ ምጽኣቱ ዝተዋህበ ተስፋታት ክንርእዮ ከለና፡ ንሓቅነትን ተፈጻምነትን ተስፋ ምጽኣቱ ምንም ዘጠራጥር ምኽንታት ኣይሃበናን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርጉጽነት ተስፋ ምጽኣቱ ብዙሕ ይምህረና እዩ። ጐይታና ባዕሉ ከምዚ በለልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።” (ዮሃ 14:1-3) ጐይታ ናብ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ግዜ እቶም መላእኽቲ ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ከምዚ በልዎምኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።” (ግብ 1:11) ሃዋርያትውን ንሱ ሰቢኾም ሓለፉ።ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ።” (እብ 10:37)ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዐገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ።” (ያእ 5:8)

ብተውሳኪ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንዝሓቦ ተስፋ እሙን ምዃኑ ከምዚ ኢሉ ይምይረና፥እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።” (እብ 10:23) ደጊሙውን ኣምላኽ ክሕስወለን ዘይኽእል ክልተ ዘይልወጣ ነገራት ተስፋኡን ማሕላኡን ምዃነን ክጥቅስ ከሎ ሃዋርያ ከምዚ ይብልበተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።” (እብ 6:18) ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ከይፈጸሞ ከም ዝተርፍ ዝእምት ምንም ፍንጪ የልቦን።

ዕላማ ምድንጓይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ፥

ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝምህረና፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝመስሎም ኣምላኽ ንተስፍኡ ኣየደንጉዮን እዩ። ኣምላኽ ብናቱ ግዜ እዩ ዝኸይድ። ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲዩ ድማ ነገራት ይፍጽም። ከምቲ ሓረስታይ ቀውዒ ክሳብ ዝበጽሕ ዝዕገስ እምበር ተሓዊኹ ንእክሉ ገና ክይበጽሐ ዘይዓጽዶ፡ ኣምላኽ ድማ ነዚ ቀውዒ እዚ እዩ ዘማዕዱ ዘሎ። ምድንጓይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ እምበእር ንምብጻሕና ዝዓለመ ምዃኑ ሃዋርያ ብከምዚ ይገልጾጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሐደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።” (2 ጴጥ 3:9) ሰለዚ ኣምላኽ ንምምጻእ ወዱ ዘደንጉየሉ ዘሎ ምኽንታት፡ ኣነን ንስካትኩምን ብንስሓ ናብኡ ክንምለስ፡ እቲ ኣባና ዝተዘርአ ናይ እምነት ዘርኢ ኣምላኽ ንዓጺድ ክሳብ ዝዳሎ ዓብዩን ፈርዩ ምእንቲ ክረኽቦ እዩ ግዜ ዝህበና ዘሎ። እዚ ድማ ነቲ ዕላማ ጐይታ በቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ንዝሞቶ ሞት ተቐቢልካ ምንባር ማለት እዩ። ብሞቱ ምስ ኣምላኽ ዕርቂ ምርካብ። ንዕኡ ክትመስል ድማ ኣሰኣሰኡ ምስዓብ እዩ። እቲ ብሓቂ ንዕኡ ዝስዕብ ኣማኒ፡ ከምቲ ሃዋርያት ዝእመንዎ ዝነበሩከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።” (1ቆረ 11:1)ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።”  ክብል ትቦዓት ክህልዎ እዩ (1ዮሃ 3:2)

ጐይታ ናብ ሰማይ ካብ ዝዓርግ ድሮ ክልተ ሽሕ ዓመት ጌሩ ኣሎ። ነዊሕ ግዜ ድማ እዩ። እቲ ግዜ ክንድ ዝነወሐ እንተ ነውሔ፡ ኣብቲ ብግልና ክህልወና ዝግብኦ ድልውነት ግና ዘምጽኦ ለውጢ ብዙሕ የብሉን። ምኽንያቱ፡ ዳግም ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ክርስቶስ መዛዘሚ ተስፋና እምበር ንናይ ምድላውና ጉዳይ ዝውስን ግዜ እቲ ኣምላኽ ዝህበና ዘይንሰግሮ ድውብ ደረት ዝዀነ ውሱን ዓመታት ዕድሜና እዩ። ነተን መዓልታት ዓመታትና ልክዕ ቁጽረን ዘይንፈልጠን ስለ ዝዀንና ድማ፡ ንመዓልቲ ምጽኣት ድልዋት ናይ ምዃን ምስጢር ኣብዚ እዩ ዘሎ፥ ኣብ ነፍሲ ወኸፍ ሁመት ናይ ህይወትካ ድልው ምዃን። ነዚ ክበቕዕ ዝኽእል ሰብ፡ ንድልውነት ትንፋሱ ዝገበሮ ሰብ እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከምዚ መንነት ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ…” ወሲኩውንደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹይብለ። ስለዚ ንክርስቶስ ህይወትናዶ ጌርናዩ ኣሎና።

ንሓደ ክመጽእ ምዃኑ ዘይተረታዕካሉ ኣካል ተዳሊካ ክትጽበ እይከኣልን እዩ። ስለዚ ምርታዕ ልብና ብርግጽነት ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ እቲ ናይ መጀመርያን ቀንድን ረቛሕን እዩ። ክርስቶስ ከም ተስፋ ቃሉ ክመጽእ እዩ። እዚ ሓቂ ልብና እንተ ርዒምዎ፡ ነቲ ዘይተርፍ ምጽኣቱ ተዳልየ እለኩዶ ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጥና ክልዓል ናይ ግድን እዩ። እዚ ሕቶ ክሳብ ኣወንታዊ መልሲ ዘይረኸበ፡ ወሽጥና ዕረፍቲ ስለ ዘይብሉ ናብቲ ሓቂ ክመርሓና እዩ። ዝደለየ ከም ዝረክብ ነታ ሓቂ ክንረኽባ ኢና። እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኽተውጽኣና እያ። እቲ ሓቂ፡ እቲ ዕላማ ቀዳማይ ምጽኣት ወልድ ዋህድ፡ እቲ ሓራ እንወጾ ድማ፡ ካብቲ ብካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ዝመጽእ ቁተዓ ኣምላኽ። ዕላማ እቲ ቀዳማይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ፡ ብትሕትና ከም ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ርእሱ በጃ ከሕልፍ፡ ሓጢኣትና ወሲዱ፡ ምስቲ ዘግሃዶ ኣምላኽ ክዓረቐና መጸ። ነቲ ዝመደበልና ንዕኡ ናይ ምምሳል ዕላማ ዝኸውን ኣርኣያ ክሓድገልና ዝፋኑ ገዲፉ መጸ። መጺኡ ወዲ ኣምላኽ ደቂ ኣምላኽ ክገብረና። ኣብዚ ዕላማ እዚ ንምበር። ሽዑ፡ ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበለእምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምንካብ ኩነኔ ሞሊቕና ኣብ ዕረፍቱ ክንኣቱ ኢና።

ኣምላኽ ተስፋ ምጽኣቱ ኣብ ልብና የሐድሰልና። ንክርስቶስ ኣብ ልብና እንጊስና ንምቅባል ጐይታ ድልው ዝዀነ ህይወት ክንመርሕ ኣምላኽ ይርድኣና። እሜን

ስብሃት ለእግዚኣብሄር።

ብዲያ /  /እግዚኣብሔር ደብረጽዮን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div