S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቀሺ ብርሃነ ጠዓመ  -  ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተዋህበ ስብከት (ዓርቢ 21 ሓምለ 2017)

ንስኻትኩም ግና፡ እቲ ቤተ ኣምላኽ እትስርሓሉ ጊዜ ገና እዩ፧ በልኩም።እዚ ቓል እዚ፡ ኣንጻር እግዚኣብሄር ካብ ዝተዘርቡ ቃላት ሓደ እዩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ንዕዮ ኣምላኽ ዜሰናኽሉ፡ ነቲ በሃሊኦም ድማ ባዕላዊ ዕንወት ዜስዕቡ ቓላት፡ እግዚኣብሄር ኪጸሮም ዚኸብድዎ መረርትን ክፋኣትን ቃላት እዮም።

እግዚኣብሄር፡ ሓያል ኣምላኽ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ኪጸሮ ዚኸብዶ፡ ዘይክእሎ ነገር የብሉን።ኣዝዮም ዚኸብድዎን ኪጸሮም ዚመርርዎ ነገራት፡ ቃላት ወይ ተግባራት ከም ዘለዉዎ ግን ባዕሉ ተኣሚኑልና ኣሎ። ብኣፍ ነብዩ ኢሳይያስ ኣብ ኢሳ 113,14 “ንሰርቂ ኣዋርሕኩምን፡ በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ ኣላ፡ ጾር ኰይኑኒ ምስካሙ ስኢነ ኣለኹ፡ኣብ ኢሳ 713 ድማ፡እቲ ሰብ ላሕ ምባልኩምዶ ውሒዱ እዩ፡ ንኣምላኽይ ድማ ላሕ እተብልዎ፡ኣብ ኢሳ 4424 ከኣ፡ብሓጢኣት ደኣ እትግብኣኒ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምክኒ፡. . . “ ብምባል እኝታይ ከም ዜድክምን ምጻሩ ዚስኣይን ግልጽ ኣቢሉ ነጊሩና ኣሎ። ነብዩ ኤርምያስ ድማ፡ ንህዝቢ እስራኤልእግዚኣብሔር ከኣ ብሰሪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰሪ እቲ ዝገበርክምዎ ርኽሰትን ካብዚ ንንየዉ ኪዕገስ ኣይከኣለን።ብምባል ነገሮም ( ኤር 4422) ብነብዩ ሚልክያስ፡ ድማ፡ቃላትኩም ኣድከመኒ፡ ቃላትኩም በርትዓኒብምባል ነቲ ንሱ ኪጾሮ ዚኸብዶ ነገራት ገሊጹልና ኣሎ ( ሚል 217 ፡ሚል 313-14) እምበርኣር እዛ ኸም መራሕ ጥቕሲ ተጠቒምናላ ዘሎና ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ሓንቲ ካብተን እቲ ህዝቢ እተዛረበን ንኣምላኽ ዝኸብድኦን፡ ግቡእ ዓስባን ከኣ ዝሃበን ኣበሳታት እያ። ገሊኣቶም ነዛ ኣዘራርባ እዚኣ ብኣእምሮኦም ጥራይ ሓሲቦምዎ እምበር ብኣፎም ግና  ዘየውስእዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኣቶም ብወግዒ ዓው ኢሎም ዝተዛረብዋ ደጋገምዋን  ኣይሰኣኑን እዮም። ብግብራዊ መገዲ ግና ኲሉ ሰብ እዩ ተዛራበዋ። ብኣእምሮኦም ከምኡ ኢሎም እኝተ ዘይሓስቡ፡ ብልሳይምውን ከምኡ ኢሎም እኝተ ዘይተዘረቡ እኳ፡ ብዘይካ ንስድርኡ ዚኸውን ስሉም ቤት ኪስርሕ ንቤት ኣምላኽ ኪስርሕ ተበግሶ ዝወሰዱ ዋላ ሓደ ስለ ዘይነበረ። ካብዛ ኣበሳ እዚኣ ነጻ ዝዀነ ሰብ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ኣብ ኲሉ ስርሖምን ትሕዝቶኦምን ደርቂ ብምእዛዝ ዓስቢ ዓመጻኦም ሂቦም። ብልቦም መገዶም ክሓስቡን ኪምርምሩን ድማ ኣዘዞም።

ነቲ ኣተሓሳስባኦምን ኣዛራርባኦምን ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሮ፡ ኣብቲ ሉኣላዊ ስልጣን ናይ ኣምላኽ ኢዶም ብምእታው ኪውስኑ ምፍታኖም እዩ። ንጊዜ ዚእዝዞን ዚሰርዖን እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ይትረፍ ነቲ ጊዜ ክንድውጦን ክንውስኖን፡ ክንፈልጦ እኳ ዓቕሚ የብልናን። ሓደ እዋን ደቀ መኣሙርቲ ናይ ጐይታ  ተኣኪቦም ንጐይታ

በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ (ክትምስርት) ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ጐይታ ግና በዚ ሕቶኦም እዚ ኣይተሓጐስን።ደረት ሰጊሮም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሄር ጊዜ ናይ ምውሳን ሉኣላዊ ስልታን ሕቶ ኼልዕሉ ምስ ጀመሩ ኣይፈተወሎምን።ስለዚ ድማ

ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።” ብምባል ደረቶም ኣፍለጦም (ግብ 16,7) ስለዚ ዝዀነ ይኹን ተግባርን ክስተትን ዚፍጽጸመሉ ጊዜ ዚውስን እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ናይ ሰብ ግዳ ኣብታ ብኣምላኽ ዝተመደበትሉ ጊዜ፡እታ ኺገብራ ዝተዋህበቶ ስራሕ ምፍጻም ጥራይ እያ። ንጉስ ሰለምን፡ ንጊዜን ነቲ ኣብቲ ጊዜ እቲ ኪፍጸም ዘለዎ ስራሕን ዚውስዶ እግዚኣብሄር ምዃኑ ግሩም ገይሩ ገሊጹልና፡ ኣሎ።

ንዂሉ ዘዘመኑ ኣለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዂሉ ነገር ከኣ ገጊዚኣኡ ኣለዎ። ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ከኣ ጊዜ ኣለዎ። ንምትካል ጊዜ ኣለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዘ ኣለዎ፡ ንምቕታል ጊዘ ኣለዎ ንምሕዋይ ከኣ ጊዜ ኣለዎ። ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ ኣለዎ።ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፡ ንስሓቕ ከኣ ጊዜ ኣለዎ ንሓዘ ጊዜ ኣለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ ኣለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ ኣለዎ፡ ንምእካብ ኣእማ ከኣ ጊዜ ኣለዎ ንምሕቋፍ ጊዜ ኣለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ ኣለዎ። ንምድላይ ጊዜ ኣለዎ፡ ንምጥፋእ ከኣ ጊዜ ኣለዎ። ንምእርናብ ጊዜ ኣለዎ፡ ንምድርባይ ድማ ጊዜ ኣለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንምስፋይ ከኣ ጊዜ ኣለዎ።ስቕ ንምባል ጊዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ ኣለዎ። ንምፍቓር ጊዜ ኣለዎ። ንሰላም ድማ ጊዜ ኣለዎ።. . . ኣነ ብልበይ፡ንዂሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ። ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረስእን ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ።መክ 31-8, 17

እታ ቐዳመይቲ መስተንክር ቤት መቕደስ እትስርሓሉ ጊዜን ዚስርሓ ሰብን ዝወስነ እግዚኣብሔር እዩ። ንእኡ ሓዲጎም ነታ ቤት መቕደስጥራይ ከም ጣኦት ኬምልኽዋ ምስ ረኣየ፡ ቤት ይሁዳ መቕደሶምን ክፈርሱ ጊዜ ዝመደበላውን ንሱ እግዚኣብሔር እዩ። እቲ ናይ መቕጻዕቲ ጊዜ ሰብዓ ዓመታት ኪኸውን ብኣፍ ነብያቱ ብምግላጽ ነቲ ጊዜ ወስኖ (ኤር 2511 ኤር 29 10 ኢሳ 2315,17) እቲ ነዚ ትንቢታዊ ቓል ናይ እግዚኣብሔር ዝተቐበሎን ዝኣመኖን ሰብ እቲ ምዱብ ናይ ምርኮን ዕንወትን ዓመታት ክንደይ ምዃኑ ብንጹር ተነጊርዎ ኣሎ። ብቓል ጥራይ ዘይኰነ ብግብሪውን ልክዕ ኣብ ሰብዓ ዓመቶም፡ ነቲ ንግዝኣት ባቢሎን ስዒሩ ንጉስ ነገስት ናይ ግዝኣት ፋርስ ዝዀነ ቂሮስ ብራእይ ብምእዛዝ፡ ምስ ኲሉ እቲ ዝተማረኸ ንዋየ ቅድሳትን ኲሉ ክቡር  ህያባትን ካብ ምርኮ መለሶም። እቲ ጊዜ እንተ ዘይኣክል፡ ካብ ምርኮ ዚምለሱሉ ምኽንያት ኣይምሃለወን ነይሩ። ብንጉስ ቂሮስ ይኹን በቶም ምስኣቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ነብያት ገይሩ ቤት መቕደስ እትስርሓሉ ጊዜ ከም ዝኣኸለ ነጊርዎም እዩ። ንሳቶም ግና ነዚ ድምጺ እዚ ኺሰምዕዎ ኣይፈተውን።

ጊዚኡ ኣይበጽሀንንምባል ዝተጠቕመሉ ምኽንያት ግን ነይርዎም እዩ። ነታ ቤት ኪስርሕዋ ኢሎም ምስ ተበገሱ እቶም ንጉስ ኣሶር ካብ ካልእ ሃገር ኣግዒዙ ኣብ ሰማርያ ዘቐመጦም ኣህዛብ፡ ናብ ንጉስ ኣሕሽዌሮስ ከሲሶም፡ ከይሰርሑ ዚኽልክል ትእዛዝ ካብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣምጺኦም ኣጊዶምዎም ነበሩ ( እዝ 41-24) እዚ እጎዳ እዚ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት እዩ፡ ቐጺሉ። እቲ ተቓውሞ ኣብ 536-530 ዓ፡ዓ ጀሚሩ፡ ካብ 530- 520 ዓ፡ ድማ እቲ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ ከም ዝነበረ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ የረጋግጹ። ስለዚ እቲ ዕዮ ብሓፈሻ ንኣስታት ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት እዩ ተዓንፊኡ። እግዚኣሄር ግና ነቲ ዓንፍቃፊ ንጉስ ኣልዩ፡ ንዕዮ ቤቱ ዜፍጥን ካልእ ንጉስ (ዳርዩስ) ብምትካእ ዚሰርሑሉ ዳግማይ ዕድል ሂብዎ ኬብቅዕ፡ ውልቃዊ ቤቶምን ዋኒኖምን ኣብ ምህናጽ ስለ ዝተዋሕጡ፡ ነቲ ጽቡቕ ስራሕ  ኢዶም ኬልዕሉ ኣይፈቐዱን። ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ድማ፡ ንዂሉ ዕዮኦም ምፍራስ ተተሓሓዞ። እቲ ዝጻዓሩሉ ዕዮኦም ፍረ ዘይብሉ ዀይኑ ምስ ተረፈ፡ንምንታይ እዩ ኽምዚ ዝኸውን ዘሎ፧ኢሎም ልቦምን መገዶምን ኣይመርመሩን።ጐይታ ድማ ንነብዩ ሃጌ ብምልኣኽ ብሰሪ እዛ፥ጊዜኡ ኣይበጽሐኢሎም ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ሸለል ምባሎም እዚ መሪር መረገም ይወርዶም ከም ዘሎ ብምንጋር ካብቲ ድንዛዘኦም ኬንቕሖም መረጸ።

ቃል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ልዕል ኢልናውን ዝረኣናዮ ንዂሉ ነገርን ተግባርን ኣብ ኣምላኽን ጊዜ ተመዲብዎ እዩ። ኣምላኽ ኲሉ ጊዜ ብመደብ እዩ ዚዓይዩ፡ ንሱ ካብ ዘለኣለም ናብ ዘለኣለም ዚነብር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መደቡ ብእኡ መሰረት እዩ ዚሕንጾ። ስለዚ ዝዀነ፡ ነቲ መደቡ ብእኡ መሰረት እዩ ዚሕንጽጾ። ስለዚ ዝዀነ ሰብ ኣብታ ዝተዋህበቶ ሓጻር ዘመን፡ ነታ ተዋሂባቶ ዘላ ናይ ህይወቱ ተልእኾ እንተ ዘይፈጺሙ፡ ነቲ መደብ ኣምላኽን ንናቱ ናይ መጻኢ ዕድልን እዩ ዜበላሽዉ። እቲ ኣብታ ዝተዋህበቶ ጊዜ ነቲ ዝተመደበልና ጊዜ ብምፍጻምና እንጥቀም ንሕና ኢና።እግዚኣብሄር ግና ናይ ጊዜ ፈጣርን መላኽን ባዕሉ ስለ ዝዀነ ነቲ ዕዩኡ ዚፍጽመሉ ሰብን ጊዜን ኣይስእንን እዩ። ነተን ሓጸርቲ ናይ ምድሪ ዓመታትና ምስቲ ዘለኣለማዊ ጊዜ ናይ ኣምላኽ ከም ዚጋጠም ናይ ምግባር ሓላፍነት ናትና እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ እግዚኣብሄር ንምህናጽ ዝመደቦ ጊዜ ብምህናጽ እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ምህናጽ መደብ ኣውጽኡ ኣሎ ንሕና ግና ምህናጽ እንተ ኣቤና፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ምፍራስ እንተ ተጻሚድና፡ ነዚ ሓጽጺርን ክቡርን ጊዜና ነባኽኖን ነዕንዎን ከም ዘሎና ኽንርዳእ ይግባኣና። ጐይታ ናብ ምድሪ ሰማርያ ኸይዱ ኣብኡ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ወንጌል እናሰበከላ ኸሎ፡ እቶም መግቢ ኽሽምቱ ናብ ከተመ ተላኢኾም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ መጹ። መምህር፡ ብላዕ ኢሎም ድማ ለመንዎ። ጐይታ ግና ንሳቶም ዘይፈልጥዎ ብልዒ ከም ዝተመገበ ብምግላጽ ኣበዩም።ዘይትፈልጥዎ ብልዒኢልዎም ክነሱ ንሳቶም ግናሰብ ደዀነ ገለ ዚብላዕ ኣምጺ ኢሉ ዀይኑ፧ኢሎም ሓሰቡ። ሰብ ዜምጽኦ ዝዀነ ዓይነት ምግቢ ንሳቶም ዘይፈልጥዎ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ጐይታ ነቲ ሓሳቡ ኸም ዘይተረድእዎ ስለ ዘስተውዓሉ፡ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዩኡውን ክፍጽም እዩብምባል ኣግሃዱሎም። እምበኣር ጐይታ ዝበልዖ ምግቢ ዘየለ ጥራይ ከብዱ ኽነሱ ጽጉብ ነበረ። እዞም ንዛረበሎም ዘሎና እስራኤላውያን ግና፡ በሊዖም ክነሶም ምጽጋብ፡ ሰትዮም ክነሶም ምርዋይ ክሳዕ ዚስእኑ ዀኑ። ስለዚ ዕግበት ዚርከብ ካብ ድኻ ብምምላእ ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻምን ዕዩኡ ብምግባርን እዩ። እቲ ኻብ ከምዚ ዝበለ ዕግበትን ዓወትን ዜብኲረና ግን፡ እቲ ንጊዜ ብሕማቕም ምንባብ ምዃኑ ብኸምዚ ዚስዕብ ገለጸሎም።

ንስኻትኩምዶ፡ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጸዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።ዮሃ 4:34-35

ኣብዚ ቓል እዚ ቀሪቡ ዘሎ ተምሳልያዊ ኣገላልጻ፡ ንጊዜኻ ብግቡእ ዘይምንባብ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ዕንወት ከም ዜስዕብ ጽቡቕ ገይሩ ዜርእየና፡ እዩ። እቶም  ደቀ መዛሙርቲ፡ናይ ዓጺድ ጊዜ ገና ኣርባዕተ ወርሔ ተሪፍዎ ኣሎኺብሉ ኸለዉ፡ ጐይታ ግናሕጂ ናይ ዓጽድ ጊዜ ድሮ ኣኺሉ እዩ፡ እቲ ኺዕጻድ ዘለዎ እኽሊ ድማ ድሮ ጻዕድዩን ነቒጹን ኣሎኢሉ ነገሮም። ስለዚ ብመሰረት እዚ ጌጋ ኣናብባ ናይ ጊዜ፡ ንምዕጻድ ኣርባዕተ ወርሒ እንተ ተጸብዮም፡ እቲ እኽሊ ድዩ ረጊፋን በዕዋፍ ሰማይ ተበሊዑን ኪጸንሖም እዩ። ስለዚ ድማ ጐይታ፡ዓይንኹም ቋሕ ኣብሉኢሉ ካብዚ ኣዕናዊ ኣረኣእያኦም ዚናገፋሉ ጥበብ  ገለጸሎም።

እዚ ምባሉ ግና ኣዒንቲ ስጋኦም ዓሜቶም ይኸዱ ነይ ሮም ማለት ኣይኰነን። እቲ እኽሊ ድማ ኣብ መሬት ዝተዘርኣ እኽሊ ማለት ዘይኰነን። እቲ እኽሊ ድማ ኣብ መሬት ዝተዘርአ እኽሊ ማለት ዘይኰነስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣመልኪቱ ይዛረብ ከም ዘሎ ኸንተስተውዕል ይግብኣና። ስለዚ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ነዚ ህዝቢ እዚ ወንጌል ሰቢኽካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትወሉ ጊዜ ኣኺሉ እዩይብሎም ከም ዘሎ ኽንርዳእ የድልየና። ስለዚ ቋሕ ኣቢሎም ኪኻፍትዎ ዜድልዮም ዘሎ እቲ ናይ መንፈስ ኣዒንቶም ወይ ኣዒንቲ ልቦናኦም እዩ። እቲ ብስጋዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣረኣእያ ዚርእይ ሰብ፡ ሚዛን ኣተሓሳስብኣኡ ምስቲ ናይ እግዚኣብሄር ኪስማማዕ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ ኣንጻር እምበር ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኺሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ካብ ፍረን ካብ ዓወትን ድማ ይበኲር፡ ስለዚ እቲ ብሓቂ ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ጥበብ ዘጥረየ ሰብ፡ ነቲ ጊዜ ኣምላኽ ዜለልየሉ ጸጋ ኺወሃቦ ኽንጽልይ እዩ ዚግብኦ።ኣዒንቲ ልቦናይ ክፈተለይ፡ እዚ ሓጺር ዕድመይን፡ እቲ ዘለኣለም ናትካን ከይተረኸቡ ዘመሩይ ከይውዳእ ሓልወኒኢልካ ምጽላይን ንኣምላኽ ምምሕጽጻንን ግቡእ እዩ።

ዚበዝሕ እዋን፡ ብዛዕባ ኺስራሕ ዘለዎ ስራሕን፡ ብዛዕባ ኸፍጸም ዘለዎ ፍጸመን ኪንገረና ኸሎ፡ ናብ ኣእምሮና ቐልጢፍ ዚመጽእ ሕቶ፡መዓስ እዩ፧ዚብል እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ እስራኤል ምድራዊ መንግስቲ ዚምስርተሉ ጊዜ መዓስ ከም ዝዀነ ዚፍትሽ፡ ካብኡ ሓሊፎምውንኣብ ውሽጢ እዚ ወርሓት እዚ መንግስቲ ኽትምስርት ንጽበየካ ኣሎናዜስምዕ ሕቶ ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታ ኣይተሓጐሰን።እቲ  ምዱብ ጊዜኣብዚ ዓመተ ምሕረት እዚወይውንካብዚ ጊዜ እዚ ክሳዕ እዚ ጊዜ እዚዚብል ካብን ናብን ብዘለዎ መገዲ ኽንፈልጦ ኢና ንደልይ። ከምኡ ጌርና ክንፈልጦ ግን እግዚኣብሔር ኣይፈቐደልናን።ምኽንያቱ፡ እዚ ፍልጠት እዚ ንወዲ ሰብ የልምሶን የስንፎን እምበር ኣይጠቕምን እዩነቲ ጊዜ ብንጹር እንተ ፈሊጥናዮ ፡ከምዚ ኣብ ጊዜ ትምህርቲ እንገብሮ፡ እቲ ዚበዝሕ ጊዜ ተዛኒና ነሕልፎ እሞ እታ መዓልቲ ፈተና ምስ መጸት ሸበድበድ ኢልና ነጽንዕ፡ ንታ ናይ ኣምላኽ ጊዜን ዕዮንውን ብኸምኡ ኸንበላሽዎ ኢና ንደልይ። ሰብ ብዛዕባ ጊዜ ዘለዎ ምርዳእ ኣዝዩ ዝምቡዕ እዩ። ንሓንሳእእዚ ጊዜ ብኸመይ ከም ዝሓለፈ ኣይተፈላጥንንንብል፡ ካልእ ጊዜ ድማኣታ ኽንደይ ይነውሕ እዩ እዚ ጊዜ!! እዛ ሓንቲ ሰዓትሲ ሓደ ዓመት ኰይና ተስሚዓትኒኽንብል ንስማዕ። ሰማይን ምድርን ካብ ዚፍጠር ጀሚሩ፡ ጊዜ ዘይቕልጥፍ፡ ዘይድንጒ፡ ዘይነውሕ፡ ዘይሓጽር፡ ቀዋሚ እዩ። ከምኡ ዀይኑ ዚረኣየና ዘሎ ካብቲ ብዛዕባ ጊዜ ዘሎና ግጉይ መረዳእታ ዝተላዕለ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነቲ ምዱብ ጊዜ ኽንፈልጦ ዘይፈቕደልና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነታ ብምጽኣት ዚግለጸላ፡ መዓልትን ሰዓትን ብንጹር ኣፍሊጡና እንተ ዚኸውን፡ ብዘይካ ውሑዳት ሰባት፡ ካብታ ዞኣረገላ ኽሳዕ ዝመጸላ ኣብ ዘሎ ኣሽሓት ዓመታት ዘሎ ዂሉ ወለዶታት ምጠፍአ ነይሩ። ኣሽንኳይ ፍሉይ መዓልቲ ገሊጹልናስ፥ በሃንደበት ከም ሰራቒ ኣብ ዘይሓስብናዮ መዓልቲ ከም ዚመጽኣና እናነገረና እኳ፡ እቲ ኽንዓይዩ ዚግብኣና ዕዮ እናፈጸምና ነቒሕና ምጽባይ ይኸብደና ኣሎ።እምበኣር እግዚኣብሄር ነቲ ጊዜ ኣግሂዱ ዘይነግረና፡ ኬጨንቐና ሰንፈላል ኪገብረና ንጒድኣትና ኢሉ ዘይኰነስ ንረብሓና ኢሉ እዩ። ስለዚ ድፍን ኢሉ ምእንቲ ኣይጽልምተና ነቲ ዘመን እነለልየሉ ትእምርታት (ወይ ምልክታት) የፍልጠና፡ ነቲ ምልክታት እቲ እነስተውዕለሉ ዓቕሚ ወይ ጸጋ ድማ ይቕርበልና። እቲ ነቲ ተዳልዩሉ ዘሎ ጸጋ ዝተጠቕመሉ ሰብ ነቲ ንሱ ግብርታቱ ኺገብረሉ ዚግባእ ጊዜኡ ብግብእ ይጥቀመሉ። እቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዘይኰነ ብዓቕሚ ኣእምሮኡን ብፍቓድ ስጋኡን ዚመዝን ድማ፡ ንጊዜኡ ብኸንቱ የባኽኖ። ኣብ ምብላዕን ምስታይን ኣብ ምዝንጋዕን ጸዋታን፡ ምድራውን ሓላፋን ርረብሓታት ኣብ ምምእራር የሕልፎ። ብከምዚ ዝባኸነን ዝኸንተውን (ከንቱ ዝዀነን) ሰብ፡ ወዲ ኣምላኽ ብኽብርን ብግርማን ምስ ተገልጸ፡ እቲ ዘመኑ ምሉእ ዓሚትዎ ዝጸንሐ ኣዒንቱ ልቦናኡ ተከፊቱ በቲ ወርቃዊ ጊዜኡ ኸም ዝተጻወተ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብርን ዕረፍትን ደርብዩ፡ ዘለኣለማዊ ውርደትን ስቓይን ከም ዘልዓለ ኺርድኦ እዩ። እቲ ኣብ ምድሪ ጊዜኡ ንምብኻን ዝተጠቕመሉ ኣጒል ምኽንያታት፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ምስ ቆመ ግን ኣይኬገልግሎን እዩ። ምኽንያቱ፡ ፍቁር ወልደ ኣምላክ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም ሓጢኣት ኣይምዀኖምን  ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 1522) ስለዚ ድማ ንጊዜናን ንዕዮናን ብዚምልከት ጒዳይ፡ ንጹር ብዝዀነ ቃላት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣጠንቂቝና እዩ።

ሓቛቚኹም ዕጡቕ፡መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። 36 ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። 37 እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 38 ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። 39 ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 40 ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።ሉቃ 1235-40

ነታብዘይሓሰብኩምዋ ጊዜእትብል ቃል ኣጸቢቕና ነድህበላ። ኣብ ሓለዋ ለይቲ ናይ ሮማውያን እተን 12 ናይ ለይቲ ሰዓታት፡ በብሰለስተ ሰዓታት ገይሮም ኣብ ኣርባዕተ፡ ኣይሁዳውያን ድማ በበርባዕተ ሰዓታት ገይሮም ኣብ ሰለስተ ይኸፍልዎ ነበሩ። ክርስቶስ ባዕሉ ኣይሁዳዊ ከም ምዃኑ መጠን ንኣይሁዳዊ ህዝቢ ይዛረብ ከም ዘሎ መጠንን እቲ ናይ ናይ ኣይሁድ ኣከፋፍላ ናይ ጊዜ ከም ዚጥቀም ርዱእ እዩ። ስለዚ ካብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ክሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ዘሎ ጊዜ ማለት ኣብቲ ትኽስታን ዓሚቝ ድቃስን ዚዕብልለሉ ሰዓታት ከም ዚመጽእ እዩ ዚሕብር ዘሎ።ስለዚ እቲ ንሕና ጊዜኡ ኣይኰነን እንብሎ ጊዜ እዩ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ጊዜ ማለት እዩ።ጐይታ ኬመሓላልፎ ዚደልይ ዘሎ መልእኽቲ ንሱ እዩ። እቲ ንስኻ ሕጂስ ከምዚ ዚግበረሉ ግዜ ኣይኰነንዝበልካዮ ጊዜ፡ ብትኽክል እቲ ጊዜ ንሱ እዩ። እምበኣር እቲጊዜኡ ኣይኰነንዜብለካ ዘሎ፡ እቲ ኽትዕወት ዘይደልየካ፡ ካብ ዕዮኻ ኬብኲረካ ዚደልይ ዲያብሎስ እዩ። ጐይታና ባዕሉ፡ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን፡ ጊዜኹም ግና ኲሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ።ብምባል ገሊጹልና እዩ (ዮሃ 76) ጊዜ ምብጽሑ ዘይምብጽሑ ናይ ምውሳንን ናይ ምግላጽን ስልጣን ዘለዎ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ንዓና ግና ካብ ዝተወለድናሉ መዓልቲ ጀሚሩ ጊዜና ኲሉ ጊዜ ድሉውን ብጹሕን እዩ። ኣሽንኳይ ኣይበጽሐን ኢልና ኣጒዲልናሉ፡ ዋላ ሓንቲ ኸየጒደልና ብምሉእ ስሪሕናሉ እኳ ዚኣክል ኣይኰነን። ስለዚ እኮ እዮም፡ ነብያት ዝዘርእዎ ሃዋርያት ዝዓጸድዎ።ዝዘራእናዮ ኽንዓጽደሉ እንኽእል ዕድመ እኳ የብልናን። ስለዚ ድማእዩ/ኣይኰነንኣብ ምባል ጊዜ ከየሕለፍና፡ ነቲ ዝተዋህበና ናይ ለይትን ቀትርን ጊዜና ተጠቒምና ኽንዓይዩ ከም ዚግብኣና፡ በቲ ንጢሞቴዎስ ወዱ ዝጻሓፎ መልእኽቱ፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምውታት ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን፡ ብምጽኣቱን ብመንገስቱን ከም ዚስዕብ ክትገብር ኣማሕጽነካ ኣሎኹ። ብዂሉ ዓቕሊ ነቲ ቓል እናመሃርካ፡ ብእዋን ራህዋን ጸበባን (ብጊዚኡን ብዘይ ጊዚኡን) ትጋህ፡ ኣረድእ፡ ገስጽ፡ ምኸር።ኢሉ መዓደና (2ጢሞ 41-4) ስለዚጊዚኡን ዘይጊዚኡን እናበልና ብምክፍፋል ስልጣን ኣምላኽ ክንግህስ ዘመንና ብኸንቱ ኸነባኽንን ኣይግባኣናን እዩ። ቃል እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ዚርከበሉን ዘይርከበሉን ጊዜ ኸም ዘለዎ ደጋጊሙ እዩ ዚገልጸልና ( መዝ 326 መዝ 6913) ነታ ዚርከበላ ጊዜ ድማ፡ቅብልቲ ጊዜኢሉ ሰምዩዋ ኣሎ። እታ ዚርከበላን ቅብልትን ጊዜኡ ንሱ ባዕሉ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዝፈልጣ። ሰብ ግና ፈጺሙ ኪፈልጣ ኣይክእልን እዩ። ነታ ቅብልቲ  ጊዜ ከይስሓቱ ጽቡቅ ገይሩ ኪረኽባ ዚኽእል፡ ንጸሎቱ ወይ ንኣገልግሎቱ ኸየቋረጸ መዓልትን ለይትን ምስ ዚቕጽሎ ጥራሕ እዩ።ጊዜኹም ኲሉ ሳዕ ዝተዳለወ እዩዝተባህለሉ ምኽንያትውን ነቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡል ጊዜ ምእንቲ ኽንዕወተሉ እዩ። እግዚኣብሄር ንተግባርናን ንጸሎትናን ዚቕበለሉ ጊዜ ኣየናይ ምዃኑ ንምምልካት።ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ በመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ፡ እሞ፡ እንሆ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።

ብምባል ብብርዒ ቕዱስ ሃዋርያኡ ኣፍልጡና ኣሎ (2ቈረ 62) እቶም ንምድሓን ዝለበሙ ብልህታት ክርስትያን፡ ንምሉእ ዕድሚ እሞ (ብጊዚኡን ብዘይጊዚኡን ) ስለ ዚጥቀመሉ፡ ነታ ቕብልቲ ጊዜ ወርትግ እዮም ዚዕወቱላ። ብኣጋጣሚ ወይ ብዕድል ኪረኽብዎ ኣይኰኑን  ንዚደልዩ ክርስትና ከምሎተሪ ኣይኰነን። ከም ሎተሪ ሓደ ሰብ ዚዕወተሉ ዘይኰነስ፡ እቲ ነቲ ተዳልዩ ዝተዋህቦ ጊዜ ብግቡእ ዝተጥቕመሉ ኲሉ ሰብ ዚዕወተሉ እዩ።ስለዚ ድማ እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብትንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። 17 ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ።” (ኤፌ 515-17 ቈሎ 45) ጊዜ ዚሽየጠሉ ዕዳጋ ከም ዘየልቦ ዂላትና ኣይንስሕቶን ኢና። ጊዜ፡ ካብቲ ዝተዋህበና ዕድመ ጥራይ ኢና ኽንሽምት ዚከኣል።ካብቲ ንማሕበራውን ንኻልእ ጒዳያት እንጥቀመሉ፡ ኣብ ሰማያት ድማ ዓስቢ ዘይንረኽበሉ ብኽነቱ ዚባኽን ጊዜና ዓዲግና፡ ነቲ ኣብ ሰማያት ረብሓ እንረኽበሉ መዓላ ኸነውዕሎ ተመኺርና ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዕድመ ዚቝጽራልና፡ እተን ዓዲግና ኣብ ሰማያዊ መዓላ ዘውዓልናየን ካብ ብኽነት ዝተበጀናየን መዓልትታትና እየን። ካብተን ኣብ ምድሪ ኸተሕልፈን ዝተዋህባኻ ሰብዓ ዓመታት ንሰማያዊ ረብሓ ዝዓደግካየን ዝተበጀኻየን ዓመታት ተዳማሚረን ካብ ሸውዓተ ዓመታት ዘይበዝሓ እንተ ዂይነን ተስዓ ሚእታዊት ናይ ህይወትካ ዝኸሰርካን ዝበኻንካን ሰብ ኢኻ ማለት እዩ። ቃል እግዚኣብሄርዓያሱ ኣይትኹኑዝበለሉ ምኽንያት ድማ ካብዚ ዚኸፍእ ዕሽነት ስለ ዘየልቦ እዩ። ቅዱስ ሙሴ ካብ ከምዚ ዝበለ ዕሽነት ምእንቲ ኺድሕን እዩ። ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ መዓልትታትና ክንቍጽር መሃረና።ብምባል ብልሂ ጸሎት ዝጸለየ ( መዝ 9012)ወዲ ኽንዲዚ ዓመት ኰይነን ዝተዘረበ። ከምኡ ኢልካ ምቝጻር ኣይኰነን ዝተዛረበ። ከምኡ ኢልካ ምቝጻር ጥበብ ዚህብ እንተ ዚኸውን ህዝቢ ዓለም ከም ሎሚ ገይሩ ኣይምጸደቐን እዩ። ንሱ ብዛዕባ እተን ንእግዚኣብሄር ዘኽብረለን መዓልታት እዩ ዝተዛረበ። ስለዚ ዘሎና ሓጺር ዕድመ፡ንጽባሕወይ ከኣገና እዩ ኣይበጽሐንኬብለና ዚኽእል ኣይኰነን። ምኽንያቱ እታጽባሕ ክገብሮ እዩዝበልናላ መዓልቲ እንታይ ከም ትወልዶልና ንፈልጦ ነገር የብልናን። ስለዚ ድማ እዮም ንጉስ ዳዊትን ሃዋርያ ያእቆብንመዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ ብጽባሕ ኣይትመካሕ።እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ 14 ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። 15 ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ ኣሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ 16 ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዂሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። 17 እምብኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።ያእ 413-16

ስለዚ እቲገና እዩወይከኣንጽባሕምባልና፡ ምስቲሕጂ እዩዚብል ግሉጽ ሓሳብ ኣምላኽ ብቐጥታ ገጽ ንገጽጽ ዚራጸም እዩ። ስለዚ ነቲ ጊዜ ምብኻንካ ዘይኣክል። ኣብ ልዕሊኡ ክፋእ ትምክሕቲ ትውስኸሉ ኣሎኻ ማለት እዩ ጽባህ እንታይ ሒዛ ትጽበየካ ከም ዘላ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ንሳውን ዕዮኻ ከይትገብር ዚዕንቅፍ ናታ ኽፋትን ዕንቅፋትን ሒዛ ትጽበየካ ከም ዘላ ምፍላጥ ካብዚ ዕውር ጌጋ እዚ ይባልሃካ እዩ። ኣብ ኢዱ ብዘየላ ጊዜ ዚምካሕን፡ ኣብ ኢዱ ብዘየለ ገንዘብ ዚወኦኣዓልን ዚጣላዕን ሰብ ሓደ እዮም። እቲ ግራቱ ዝቐደወሉ ሃብታም ሰብኣይ ጽባሕ ኣብ ኢዱ ትሃሉ ኣይትሃሉ ኸይፈለጠ፡ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽባሕ ውጥናት ኪሕንጽጽ ወዓለ። በታ ለይቲ እቲኣ ኽመውት ተመዲቡሉ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዂሉ ዝተጻፈፈ ውጥናት ዕሽነት ኰይኑ ተረፈ (ሉቃ 1213-21)

እግዚኣብሄር፡ ንዕድመ ሰብ ሓጺርን ውሱንን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ቓል እግዚኣብሄር ኣረጋጊጹልና እዩ ( እዮ 145 24 1 መዝ 31115 13916 394 9012) ነዚ ውሳኒኡ እዚ ብጽቡቕ ዕላማ ከም ዝገበሮ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ “ . . . ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሓገገሎም።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ ( ግሃ 17:26-28) ንኣምላኽ ሃሰስ ኢልክ ኽትደልየሉን ክትረኽበሉን ዝተዋህበካ ዕድመ። ኣብ ዘይመዓላኡ ኣውዒልካ፡ ካብ ኣምላኽ ንምፍላይን ንእኡ ንምብዳልን እንተ ተጠቒምካሉ፡ በቲ ብሕድሪ ዝተዋህበካ ጊዜ ብኣምላኽ ክትሕተት ኢኻ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ከም ብሉጽ ህያብ ገይሩ ኣምላኽ ዝሃበካ ካብ ወርቂ ዚበልጽ ጊዜን ዕድመን ከም ዚግባእ ንኽብሩ ኸም ዝተጠቐምካሉ ርግጸኛ ኽትከውን ዚግባካ።

መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ እቲ እንዛረበሉ ዘሎና ጊዜ፡ ምስ ምስራሕ ቤት መቕደስ ዝተተሓሓዘ እዩ። ቤት መቕደስ ወይ መንፈሳዊ ቤት ኪበሃል ከሎ ብዛዕባ ኽልተ ዓይነት መቕቕደስ ንዛረብ ከም ዘሎና ነስተውዕል። እቲ ቐዳማይ፡ መቕደስ ስጋና ኪኸውን ከሎ እቶም ንስጋኦም መቕደስ ኣምላኽ ጌሮም ዝሃነጹ ኰሎም ምእመናንን ኣገልገልትን ተኣኪቦም ድማ እቲ ኻልኣይ ሓባራውን መቕደስ የቝሙ። ሃዋርያ ጳውሎስ በብውልቅና ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምኻንና ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።” 1ቁረ 316-17

ስለዚ ነዚ ስጋ እዚ ኣብቲ ግቡእን ተመዲቡሉን ዘሎ ጊዜ ኽንሃኖ ይግብኣና ማለት። እዚ መቕደስ ስጋና ዚህነጸሉ ጊዜ ድማ ካብ ጊዜ ቍልዕነት ጀሚሩ ክሳዕ ጊዜ እርግና እዩ። ኣብ ጊዜ ቍልዕነት ብወለድን ብቤተ ክርስትያንን ይህነጽ፡ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ምስ በጽሐ ድማ ባዕሉ እቲ ውልቀ ሰብን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ግቡእ ጊዜኡ ( ሕጅን መዓልታውን) ኪሃንጽዎ ይግባእ።ኣብ ጊዜ እርጋን መቕደስ ስጋኡ ኪሃንጽ ዚሓስብ ሰብ፡ ነቲ እግዚኣብሄር፡ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኽ ዘክርዚብል ትእዛዝ ዝጠሓሰ ዘመኑ ብኸንቱ ዘባኸነ ሰብ እዩ። ዋላ እቲ ናብ ጊዜ ሽምግልናኡ ንኣምላኽ ዚደልየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ጸይርዎ ዘሎ ስጋ ስለ ዝጠለሞ፡ ንናይ ዓለም ጭፍራን ተድላን ዚኸውን ዕቕሙ እናደከመ ስለ ዝኸዱ እምበር ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀር ኣይኰነን፡ መኣዛን መረቕን ንእስነቱ ንሰይጣን ነቲ ዘይዋንኡ ብኸምኡ ወፍዩ፡ ናብ ኣምላኽ ዝተቐብጸን ዝነቓጸን ሰብነት ሒዙ እንተመጸ፡ ነታ ቕብልቲ ጊዜ፡ ነታ ኣምላኽ ዚርከበላ ጊዜ፡ ረኺብዋ ክንብል ንኽእልዶ፧

ዋላ እቲ ዕድሚኡ ምሉእ ኣብ ቤት ኣምላኽን ኣብ ኣገልግሎታን ተጸሚዱ ብመንፈሳውነት ዘዓበየ ሰብውን ነቲ ቕቡልጊዜ ኪስሕቶ ከም ዚኽእል ልዕል ኢልና በቲ ናይ ሃዋርያት ኣብነት ተገንዚብናዮኦ ኣሎና። ጐይታእቲ እኽሊ ጻዕድዩ እዩ፡ ጊዜ ቐውዒ ኣኺሉዩ ሃየ ማዕጺድኩም ስደዱኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሳቶም ግና ገና ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዝተረፎ ይሓስቡ እንተ ነይሮም ነታ ቕብልቲ ጊዜ ኸም ዘየለለይዋን ከም ዘይረኸብዋን ጭቡጥ መርትዖ ይህቡ ኣለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ኣብ ጥቕምትን ሕዳርን ኢና ዘሎናኺብል ከሎ ንሳቶም ግናኣይፋልናን ገና ኣብ ሓምለ ሰነ፡ ኣብ ናይ ምሕራስን ምዝራእን ጊዜ ኢና ዘሎናይብልዎ ኣለዉ ማለት እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ሓደ ዘይኰነስ ክልተ ወቕቲ ኣልጊቦም እዮም ዚኸስሩ። ፈሪሳውያን፡ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኣርእየናብምባል ኪፈታተንዎ ምስ መጹ፡ ጐይታ ዝሃቦም መልሲ፡ ነዞም ነቲ ቕቡል ጊዜ ምልላይ ዝተሳኣነና ወለዶ ኣገልግለት ምእመናን ዚበቅዕ እዩ።

ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። 3 ምስ ወግሔ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን እዩ፧ማቴ 162-3 ወንጌላዊ ማርቆስ፡ ጐይታ ነዚ ቓል እዚ፡ብመንፈስ እናሕዚንዚኑ (ብጓሂ) ከም ዝተዛረቦ ገሊጹልና ኣሎ (ማር 811) እዚ ድማ እግዚኣብሄር በቶም ትእምርቲ (ምልክት) ናይቲ ዘመኖም ዘየለልዩ፡ ኣበየናይ ጊዜ እንታይ ኪገብሩ ከም ዚግብኦም ዘይፈልጡ ሰባት ብጣዕሚ ኸም ዚሓዝን ዜመልክተና እዩ።እኽለይ ዕጸደለይእናበለካ ኽነሱ፡ ዘርእን ናውቲ ማሕረስን ሒዝካ ትወፍር ሰብ እንተ ዀንካ እንታይ ዘየጒህይ ኣለዎ፧ ከምቲ ንበልዓምበሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት ንጽላለ እቲ ነብዩ ኸኣ ዓገተትዝተባህለሉ ኣምላኽ ብምሕረቱ ንጽላለና እንተዘይዓጊትዎ፡ ኣብ ዕዩ ወንጌል እነውርዶ ዕንወት፡ ኣምልኽ እንበር ሰብ ኪግምቶ ዚኽእል ኣይኰነን ( 2ጴጥ 216) ነቶም ዘመኖም ኣብቲ ዘመኖም ኪገብርዎ ዚግብኦም ዕዮን እንታይ ምዃኑ ምልላይ ዝትተሳእኖም እስራኤላውያን፡ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዩ ሆሴእ

ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ጽድቂ ኸአ ክሳዕ ዜዝንመሎምሲ፡ ንእግዚኣብሄር እትደልዮሉ ጊዜ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ከም መጠን ምሕረቱ ኸአ ዕጸዱ፡ ሓድሽ ጽግዒውን ጽግኡ።ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ (ሆሴ 1012) ኣብ ዘመን ንጉስ ዳዊት “ . . . እስራኤል እኝታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ኺፈልጡ ምስትዏል ዘመናት ዘለዎም. . .” ኣስታት 200 ዚኣኽሉ ካብ ዓሌት ይሳኮር ዝዀኑ ሰባት ከም ዝነበሩ ኣብ 1ዜና 1232 ተነጊሩና ኣሎ። ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ኣብ ዘላ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያን፡ ይትረፍ ብኣማኢት ዚቝጸሩ፡ ዘመን ዜንብብ ምስትውዓል ዝተዓደለ ሓደ ሰብ ኪሰኣነና ምርኣይ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንቤተ ክርስትያንና ኸምዚ ዝበሉ ሰባት ኬተንስኣላን ኬብዝሓላን ብገጽና ተደፊእና ልብናን ንብዓትናን ኣብ ቅድሚኡ ከነፍስስ ይግብኣና እዩ።

ነፍሲ ወከፍና መቕደስ ስጋና ኸም ዚግባእ ድሕሪ ምህናጽና ናብቲ ህያው እምኒ ቐሪብና ህያዋን ኣእማን ምኻንን ንህንጻ መንፈስ ቅዱስ እንበቅዕ ምዃንና ድሕሪ ምርግጋጽና፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኣጸቢቕና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና፡ ነዞም ህያዋን ኣእማን ብሓንሳእ ነዲቕና፡ ነታ ዓባይ ቤተ ክርስትያን ምህናጽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብቶም ቤት ኣምላኽ ንምዃን ዝተሃንጹ ምእመናን እምበር፡ ኣብቲ ሰብ ዝሰርሖ ህንጻ መቕደስ ከም ዘይሓድር ደጋጊምና ተዘራሪብናሉ ኢና። ንህንጻ ዜብህግ ምሩጽ ኣእማን ኣብ ጐልጎል ተደርብዩ ወይ ተዀሚሩ ኽትርእዮን፡ ብብልሓተኛ ሃናጺ ኣብ ርእስ-ርእሲ ተደራሪቡ ህንጻ ዀይኑ ኽትርእዮን ኣዝዩ ዓብዩ ፍልልይ እዩ ዘለዎ።እግዚኣብሄር ኣብቲ ብብልሓተኛ ሃናጺ ብውሕልነት ኣብ ዝተሃንጸ ህንጻ ምእመናን እዩ ኪሓድር ዝብህግ። ከምዚ ዓይነት ማሕደር ኣምላኽ ምህናጽ፡ ንኣገልገልትን ንምእመናንን ዝተዋህበ ቐዳምነት ዚወሃቦ ተልእኾ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ማሕደር- ኣምላኽ ናይ ምህናጽ ሓላፍነትና፡ጊዚኡ በጽሑ/ኣይበጽሐንክንብለሉ ዘይንኽእል እዩ። እግዚኣብሄር ንቤተ ክርስትያን፡ ሃዋርያት ነብያትን ወንጌላውያንን ጓሶትን መምህራንን ዝሃባ፡ እቶም ቅዱሳት ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት፡ ማለት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ንምህናጽ ማሕደር ኣምላኽ፡ ብቝዓት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ እዩ (ኤፌ 411-13) ስለዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ

ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።(1ቄረ 39). . . እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም። ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። 22 ንስኻትኩምውን ኣብኡ  (ኣብ ክርስቶስ)ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም።

ብምባል፡ እቶም ብክርስቶስ ብምእማን ህይወት ዝረኸብና ዂልና ሓደ ኣካል፡ ሓደ መንፈስ ኰንና፡ እናተኣሳሰርና ኽንንደቕን ማሕበር ኣምላኽ ብመንፈስ ክንከውንን ምዒዱና ኣሎ ( ኤፌ 219-22) ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስውን፡ ናብቲ ብሰብ ንዑቕ ብኣምላኽ ግና ሕሩይ ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ (ናብ ክርስቶስ) ኽንቀርብ፡ ንርእስናውን ከም ህያዋን ኣእማን ኰንና ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸነቕርብ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ኰንና ኽንህነጽ ምዒዱና ኣሎ (1ጴጥ 24-5) እዚ ተግባር እዚ ድማጊዚኡ እዩ፡ ጊዚኡ እባ ኣይኰነንኢልካ እትጠራጠረሉን እትማትኣሉን ተልእኾ ኣይኰነን። ነዚ ተልእኾ እዚ እትፍጽመሉ ጊዜ ኲሉ ጊዜ ድሉው ስለ ዝዀነ፡ ጊዜኡን ዘይጊዜኡን ኰይኑ ኣብ ዝተሰምዓና ዂሉ ዂነታትን ጊዜታትን ክንፍጽሞ ዚግብኣና እዩ። እታ ነዚ ኺቋርጽ ዘይግብኦ ተልእኾኣ ከም ዚግባእ ዝፈጸመት ቤተ ክርስትያን እያ፡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናዓበየት እትኸይድ። ንኸምዚኣ ዝበለት ንዂሉ ተልእኾኣ ኣብ ገጊዚኡ እትፍጽም ቤተ ክርስትያን ደጌታት ሲኦል ዘይሕይልዋ፡ ነፍሳት ካብ ምንጋጋ ሰይጣን መንዚዓ ኸተድሕን እትኽእል እያ። እዛ ንዕዩኣ ኣብቲ ግቡእ ጊዜኡ ብምልኣት እትዓይዩ ቤተ ክርስትያን፡ ውግእ እግዚኣብሄር እትዋጋ፡ ንዓለም ኰነ ንሲኦል ነፍሳት እትዘምተሉን እትማርኸሉን ግራታ እትገብር፡ ስለዚ ድማ ብቝጽሪ ዚድሕኑ ሰባት እናዓበየት ትኸይድ ቤተ ክርስትያን እያ፡ እታ ክርስቶስ ጐይታና ድማ መርሓታት መንግስተ ሰማያት ክህባ ዚኣምና ቤተ ክርስትያን እያ (ማቴ 1618-19) እዚ ማለት ድማ መናብር ቤተ ክርስትያን ዚመልኡ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታዉ ብቝዓት ዝዀኑ ሰባት እተፍርይ ቤተ ክርስትያን ምዃና እዩ ዜመልክተና። እታ ኣብቲ ግቡእ ጊዜ ምሉእ ግብሪ ኣገልግሎት ዘይትፍጽም ቤተ ክርስትያን ግና፡ ከም ናይ ሳርዴስ ቤተ ክርስትያን ምውታት ከለዉ ህያዋን ብዚመስሉ ኣገልገልትን ምእመናንን እያ ትመልእ። ከም ናይ ሎዲቅያ ቤተ ክርስትያንውን ሕቡራትን ነዳያትን ዕውራትን ዕሩቓትን ዜደንግጹን ኽነሶም ሓንት እኳ ዝጐድሎም ዘይብሎም ሃብታማትን ፈሰስትን ዝዀኑ ዚመስሎም ዝተደናገሩ ብጥበራ ዝተጋገዩ ናይ መንነት ቅልውላዉ ዘለዎም ምእመናን እያ ተፍርይ ( ራእ 31,2,17) ስለዚ ነቲ ፈጣርን ወግናንን ሰራዕን ናይ ጊዜኣይጊዜኻንኢልና ጊዜኡ ኸይንዘምቶ፡ ነቲ ኽቡርን ወርቃውን ጊዜ እቲ ድማ፡ ኣብ ክንቱ ሓላፍን ስጋዊ ረብሓታት ከይነባኽኖ ንርእስና ንጠንቀቕ ንነፍስናውን ንሓልዉ።

እግዚኣብሄር ጊዜና እነለየሉን፡ እንጥቀመሉን ጸጋ የብዝሓልና።

እዚ፥ ብቀሺ ብርሃነ ጠዓመ - ካህን ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም፣ ፖርትላንድ፣ ኦሪጋን - ዓርቢ 21 ሓምለ 2017 ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና, ሰሜን ኣሜርካ ዝተዋህበ ስብከት እዩ። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div