S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (7ይ-ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮንጀርመን, 7ይ - ክፋል

ጉዕዞ ሕይወተይ ብኸምዚ ይቕጽል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ዝተማልአ ጥዕና ግና ኣይነበረንን። ማለት ከቢድ ናይ ጸቕጢ-ደም ሕማም ስለ-ዝነበረኒ፥ ቅሳነት ነይሩኒ ክብል ዝኽእል ሰብ ኣይነበርኩን። እቲ ዓቐነይ 200/100 ዝበጽሕ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሓደ ግዜ ኣብ ዓራተይ ኮይነ “-ኣታ ጎይታይ በጃኻ ካብዚ ሕማም ገላግለኒ ኢለ-” ጸለኹ። ብእኡ ቀጺለ ምስ-ደቀስኩ ድማ፥ ነዚ ዝስዕብ ሕልሚ ኣብ ድቃሰይ ኮይነ ክሓልም ከኣልኩ። ማለት ሐደ ዝኾነ ነገር፥ ገጸይ ትንክፍ ዘብለኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ከም ሓውሲ ስምባድ ብር ኢለ ብምትንሣእ ድማ፥ ቀልጢፈ መብራህቲ ኣብራህኩ። እንተኾነ ኣብቲ ክፍሊ ዝኾነ ነገር ዝረኣኹዎ ኣይነበረንን። ቀጺለ ድማ ኣብ ድቃሰይ ኣቶኹ። ልበይ ኣውዲቐ ድማ በጥ ኢለ ደቀስኩ።

ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን። ኣብ ድቃሰይ ኮይነ ከኣ፥ ነዚ ራእይ ረኣኹ። ማለት ኣነ ጽቡቕ ምንጻፍ ኣብ ዝተነጽፎ ክፍሊ ከም-ዘሎኹ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ኣብቲ ቅድመይ ድማ ሓደ ምንጪ፥ ወይ ዝፍልፍል ዓይኒ- ማይ ረአኹ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣነ ናይ ለይቲ ክዳን ተኸዲነ፥ ብዘይ ጫማ ከም-ዝነበርኩ ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ዝነበርኩዎ ቦታ ድማ፥ እዝስ ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን ኣለዎ ኢለ ሓሰብኩ። እሞ ቤተ-ክርስቲያን እንተኾይኑ ደኣ፥ ከመይ ኣቢለ ጫማ ዘይብለይ ኮይነ ክመጽእ እኽእል-? ብምባል፥ በቲ ኩነታት ምግራመይ ቀጸልኩ።

ቅድሚ ሎሚ መቸስ፥ ከምዚ ዝበለ ፈልፋሊ ዓይኒ-ማይ ርእየ ኣይፈልጥን። እዚ ምግራም ከይወዳእኩ ከለኹ ድማ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብቲ ዝነበርኩዎ ክፍሊ ከፊቱ ብምእታው፥ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ገጽ ገጸይ እናጠመትኒ፥ ሰውነተይ ብዘይቲ ገይሩ ክቐብኣኒ ጀመረ። ኣነ ግና ዋላ ሓንቲ ምንቅስቓስ ኣይገበርኩን። ንሱ እንተኾነውን ዋላ ሓንቲ ክብል ኣይሰማዕኩዎን። ወዲኡ ክኸይድ ከሎ ግና፥ ኣነውን ንዕኡ ተኸቲለ ዝኸድኩ። ድሕሪኡ ድማ ዓሠርተ-ክልተ ዝኾኑ ካህናት፥ ይዝምሩ ኣብ ዝነበሩሉ ቦታ በጻሕና። ንሳቶም ጥዋፋት ኣብሪሆምዮም ዝዝምሩ ዝነበሩ። እቲ ዓይነት ዜማ ግና፥ ኣነ ሰሚዐዮ ዝፈልጥ ዜማ ኣይነበረን። ኣነ ድማ ስቕ ኢለ መንገደይ ቀጸልኩ። ንሳቶም ከኣ እግሪ እግረይ ስዒቦሙኒ መጹ። ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ዝመስል፥ ዑደት ድሕሪ ምግባር፥ ወጺአ ከድኩ።

ካብ ድቃሰይ ምስ-ተበራበርኩ ድማ፥ እቲ ዝረኣኹዎ ራእይ እንታይ ከም-ዝኾነ ክርድኦ ኣይከኣልኩን። እቲ ዘይቲ ኮነ እቲ ዝነበረ ኩሉ ነገር፥ ምንም ክርድኦ ዝኸኣልኩ ነገር ኣይነበረንን። ንኹሉ ነገር ግና ምስ ሳሚያ ክራኸብ ስለ-ዝተሃወኽኩ፥ ናብ ቤት-ትምህርትና በሪረ ዝኸድኩ። ኣብ ቤት-ትምህርቲ በጺሐ፥ ንሳሚያ እቲ ዝኾነ ኩሉ ምስ ኣዘንተኹላ “- እሞ ኣብቲ ዝፈስስ ዝነበረ ፈልፋሊ-ማይ ኣቲኺዶ-?” ኢላ ሳሚያ ዝሓተተትኒ። ኣነ ድማ “-ኣይኣተኹን ግን ኣትየ እንተ-ዝነብርዶ እንታይ-?” ኢለ ብምግራም መሊሰላ። ንሳ ድማ ብምቕጻል “-እቲ ማይ ናይ ጥምቀት ምልክትዩ። ክትጥመቒ ከሎኺ ጥራይ ኢኺ ኣብኡ  ትኣትዊ-”  ብምባል ድማ ኣረዲኣትኒ።

ቀጺላ ሳሚያ ብዛዕባ ምሥጢረ-ጥምቀት ገሊጻትለይ። ኣነ ድማ “-ኣታ ጎይታይ ! “-እቲ ክኸዶ ዘሎኒ መንገዲ ባዕልኻ ምርሓኒ-” ክብል ጸለኹ። ከምዚ ኢላ ድማ ሳሚያ ምስ ካህን ተዘራሪባ ቈጸራ ክትሕዘለይ ተሰማሚዕና። ቀጺለ ድማ ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ ምስ ሞፌድ ተራኺበ። ርእይ ምስ ኣበለኒ ድማ “-እስከ ክሳብ ክንድ ሕጉስቲ ክትኮኒ ዘኽኣለኪ ምኽንያት ግለጽለይ-” ብምባል እቲ ዕላል ጀመሮ። ኣነ ድማ እቲ ዝኾነ ኩሉ ነገር ብዝርዝር ነጊረዮ። ሕጉስ ኢሉ ናባይ ኣቢሉ እናጠመተ ከኣ “-ጎይታይ ምስጋና ይብጻሕካ-!! ትማልን ሎምን ንዘልዓለምን ከም-ዘይትልወጥ እፈልጥየ። ክብርን ምስጋናን ንዓኻ ይኹን እምበኣር ንስኺ ድማ እግዚኣብሔር ነቲ ቅዱስ-ስሙ ክትምስክሪ መሪጹኪዩ። ከም-ዘድኅነክን ከም-ዝሕልወክን ድማ እኣምንየ። እቲ ብኣኺ ኣቢሉ ዝጀመሮ ሥራሕ ከኣ፥ ክፍጽሞ እዩ ንዘለዓለም ድማ ዝተመስገነ ይኹን-” ብምባል፥ ነዚ ክብሪ ብቕዕቲ ኮይነ ክርከብ መኺሩኒ።

ብድሕሪ እቲ ዝተለምደ ናይ ደም መርመራ ክገብር፥ ናብ ሓኪመይ ዘምራሕኩ። ንሱ ድማ ማለት እቲ ሓኪም ከመይ ይስመዓኒ ከምዘሎ ክፈልጥ ሓቲቱኒ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሂቡኒ ዝነበረ ምኽሪ፥ ብዙሕ እዋን ኣብ ዓራት ብምድቃስ፥ ዕረፍቲ ይገብር ምህላወይን ዘይምህላወይን  ‘ ክፈልጥ ደልዩ። ኣነ ድማ “-ፈጺመ ከምኡ ኣይገበርኩን-” ዝብል መልሲ ሂበ። ንሱ ድማ ምስ ብዙሕ ምግራም “-ቀልጢፍኪ ክትሞቲዶ ትደልዪ ኣሎኺ ኢኺ-? በለኒ። ኣነ ድማ “-ፈጺመ ክመውት ኣይደልን-” ዝብል መልሲ ዝሃብኩ።

ብምቕጻል ድማ ኣነ “-ስለምንታይ ቅድም መርመራ ዘይንገብር-” ኢለዮ። በቲ ዘቕረብኩሉ ሓሳብ ተሰማሚዑ ከኣ፥ ከምቲ ዝተለምደ መርመራኡ ኣካየደ። እንተኾነ ናይ ደም ብዝሒ ዝበሃል ምልክት ኣባይ ክረክብ ኣይከኣለን። እቲ ኩነታት ምርድኡ ስለ-ዝሰኣነ ድማ፥ እቲ መርመራ ዝገብረሉ ዝነበረ መሣርያ ተበላሽዩ ከይከውን ብምጥርጣር፥ ካልእ መሣርያ ክቕይር ተገደደ። እቲ ውጽኢቱ ግና፥ ካብቲ ቀዳማይ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ብምግራም ድማ ዓይኑ ኣፍጥጥ ኣቢሉ ጠመተኒ። እወ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዳህሲሱ ስለ-ዝፈወሰኒ፥ ናይ ሓኪም ሓገዝ ዘድልየኒ ኣይነበረን። እወ እቲ ቅዱስ ስሙ ንዘለዓለም ዝተባረኸ ይኹን-!!

በዚ ኩነታት ድማ፥ እቲ ግዜ እናሓለፈ ከደ። ኣብ ትሕቲ ጽላል መድኃኔ-ዓለም ብምዃነይ ድማ፥ ካብ መጠን ዝሓለፈ ሓጎስ ዝስመዓኒ ዝነበረ። ይኹን እምበር ብዛዕባ ኢየሱስ-ክርስቶስን  መጽሓፍ-ቅዱስን ክፈልጥ ዝነበረኒ ድሌት ብዙሕዩ። ነቲ ኩሉ ኣጨኒቑ ሒዙኒ ዝነበረ ጉዳይ፥ ሓደ መወዳእታ ክገብረሉ ነይሩኒ። ብዝኾነ ሓደ ግዜ ሳሚያ ናባይ ማለት ናብ ቤት-ጽሕፈተይ መጺኣ፥ ሓደ ካህን ከዘራርቡኒ ከም-ዝደልዩ ነጊራትኒ። እቲ ጉዳይ ስለ-ዝገረመኒ ድማ “-ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዲና ክንራኸብ-? -ኢለ ተወኪሰያ። ሳሚያ ግና የለን ኣብ ገዛናዩ። ከመይሲ ኣቦይ ተጸሊኡዎ ስለዘሎ፥ ንዕኡ ክጽልዩሉ ኢሎምዮም ክመጹ። ንስኺውን በጻሒት ኮንኪ ክትመጺሞ፥ በዚ ኣጋጣሚ ምስቶም ካህን ትራኸቢ ኢላትኒ። እሞ ንመዓስ ኢለ ሓቲተያ። ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴ ምስ በለትኒ፥ ኣዚየ ተሓጕሰ።

ጽባሕ እምበኣር ነቶም ካህን ክረኽቦም ኢለውን ተሓጐስኩ። ምስ ካህናት ብበበይኑ ኣጋጣሚ ክራኽብ ምጽንሐይ ዝፍለጥዩ። እዚ ናይ ጽባሕ ርክበይ ግና፥ ፈጺሙ ዝተፈልየ እዩ። ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝተፈለኹ ሰብ ክኸውን ስለ-ዝኸኣልኩ፥ ኣብቲ ድሮ ርክብና ቀልጢፈ ዝደቀስኩ። ኣብ ሕልመይ ድማ፥  ሓደ ሰብ ኣብ በረኻ ዝርከብ ሓደ ገዳም ክበጽሕ ኢሉ ክዕድመኒ ከሎ ረአኹ። እዚ ዝተባህለ ገዳም ኣብ ከባቢኡ፥ ብጀካ ሕጻ ምንም ዝርአ ነገር ኣይነበረን። እቲ ገዳም ሓደ ዓቢይ ማዕጾ ኣለዎ። ኣብቲ ኣፍደገ ሠለስተ ኵናት ወይ ቀስቲ ይርኣዩ። እቲ ማእከላይ ኵናት ግና፥ ካብተን ክልተ ዝሰፍሐ እዩ። ኣብኡ ድማ መስቀል ተንጠልጢሉሉ ነይሩ።

ኣነ ኣብቲ ማዕጾ ምስ-ተጸጋዕኩ፥ ሓደ ጸሊም ክዳን ዝተኸድነ ሰብ፥ ነቲ ማዕጾ ከፊቱዎ። እቲ ሰብኣይ ዝተጠልፈ መስቀል ዘለዎ ኣብ ርእሱ ጉልባብ ዝገበረ እዩ። ነቲ ማዕጾ ሓሊፍካ ንውሽጢ ምስ ከድካ፥ ኣብ ወሰኑ ገረብ ዝተተኽሎ ቀጢን መንገዲ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ  እቲ መንገዲ ድማ፥ ሓንቲ ሓዳስ ቤተ-ክርስቲያን ትርከብ። ካብኡ ቀጺሉ ከኣ ኣብ እርጋን ኣቢሉ ዝኸደ ሓደ ካልእ ቤተ-ክርስቲያን ይርአ ንሕና ድማ ኣብቲ ናይ ቀደም ጥንታዊ ቤተ-ክርስቲያን ኣቲና። ኣብኡ ብኽብሪ ኣዕጽምቶም ዝዓረፉ ቅዱሳን፥ ኣብ ድቃስ ዘለዉ መሲሎም ክርኣዩ ከለዉ፥ ብጣዕሚ ዘደንቕ ትርኢት ነይሩ። እዚ ሕልሚ ድሕሪ ምርኣየይ፥ ንግሆ ክትንሥእ ከለኹ ዝነበረኒ ፍስሓን ሰላምን፥ እዚ ኢለ ክገልጾ ኣይክእልን።

ብዝኾነ ከምቲ ብድሮኡ ተሰማሚዕናዮ ዝሓደርና፥ ንጽባሒቱ ኣንጊሀ ናብ እንዳ-ሳሚያ ከይደ። ምናልባት ደኾን ከም መእተዊ ዘረባ እንተኾነና፥ ነቶም ካህን ብዛዕባ ኣብ ሕልመይ ዝረኣኹዎ ገዳም ከዕልሎም ኢለውን ሓሰብኩ። ብዝኾነ እቶም ካህን ሰዓቶም ሓልዮምን ቈጸርኦም ኣኽቢሮምን ምስ መጹ። ኣነውን ኢዶም ተሳሊመ ተቐቢለዮም። ብምቕጻል ድማ ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝረኣኹዎ ራእይ፥ ሽዕኡ ይርእዮ ከም-ዘሎኹ ኮይነ፥ ብስምዒትውን ተደፊአ ብዝርዝር ነጊረዮም። ዳርጋ ብተስጦ ርሒቐ ከይደ ዝነበርኩ ኮይኑ ዝስመዓኒ።

ብዛዕባ ኣብ መጨረሽታ ለይቲ ዝረኣኹዎ ገዳም፥ ምስ-ኣዘንተኹሎም ድማ፥ እቲ ገዳም ገዳም-ባራሞስ ዝመስል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ክትርእይዮ ኢኺ ኢሎሙኒ። “-ምናልባት ፍቓደኛ እንተደኣ ኮንኪ ኣነ ኣሰንየኪ ክኸይድ እኽእል-” ምስ በሉኒ “- ኣነ ብዓቢይ ሃረርታ ነዚ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ናብኡ ክኸይድ ፍቓደኛ እየ-” ዝብል መልሲ ክህብ ዘጥፍኦ ግዜ ኣይነበረንን። “-እምበኣር ኣነ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ፥ ናብቲ ገዳም ከይደ ሓሙስ ክምለስየ። ስለዚ ክልቴኽን ምስ ሳሚያ ናባይ ምጻሞ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ተተሓሒዝና ክንከይድ ኢና-” ኢሎሙና። ከም ኣጋጣሚ እቲ ኣፓርታማይ፥ ካብ ቤት እቶም ካህን መንገዲ 5-ደቒቕ ርሕቀት ስለ-ዝነበረ፥ እዚውን እግዚኣብሔር ፈሊጡ ዝገበሮ ብምባል፥ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ከም-ዝኽእል ተረደኣኒ።

ካብዚ ብምቕጻል እቶም ካህን፥ ብዛዕባ ምስጢረ-ሥጋዌ፥ ማለት እቲ ናይ ኣምላኽን ሰብን ምዃን ምስጢር፥ መሃሩንን ኣረድኡንን። ብድሕሪ ኣነ ድማ “-ክቡር ኣቦይ-! ብዛዕባ ምስጢር ንዓይ ንምርዳእ ብዙሕ ከድክመኩም ኣይደልን እየ። ከመይሲ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፥ ኣብ ዝኾነ ግምት ዘይኣቱ ምናምን እንተኾንኩ፥ እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ስለ-ዝፈቐደለይ ግና፥ እቲ  ተኣምራታዊ ዝኾነ ናይ ኣምላክነቱ ምስጢር፥ ዓቕመይ ዝፈቐዶ በብግዚኡ ክርኢ ጸኒሐ እየ።ብሓጺሩ ብቋንቋ ደቂ-ሰብ ክግለጽ ዘይከኣል ምስጢር፥ ኣነ ብዓይነይ ክርኢ ዕድል ረኺበ እየ።ስለዚ ኣነ ንእግዚኣብሔር ዘሎኒ ፍቕሪ፥ ኩሉ ሰብ እንተ-ዝርድኣለይ ክንደይ ደስ ምበለኒ። ሓደ መዓልቲ ድማ ነቲ ብራእይ ዝረኣኹዎ ሰማያዊ ምስጢር፥ ብትኽክል ዝገልጹ ቃላት ክረክብ ተስፋ እገብር-” ብምባል ተዛሪበ።

እቲ ምስቶም ካህን ዝነበረኒ ግዜ፥ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ነይሩ። እቲ ርክብና ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ-ዝነበረ፥ እቲ ግዜ ምንውሑ ክፍለጠኒ ኣይከኣለን። እግዚኣብሔር ምሳና ስለ-ዝነበረ ከኣ፥ ምንም ድኻም ከይተሰመዓናን ከይተማኖናን ክንፋኖ ክኢልና። ብድሕሪ ንገዛይ ክምለስ ከለኹ። ከመይ ገይረ ካብ ቤተ-ሰበይ ክፍለ ዝኽእል-? ደቀይ እንተ-ሓተቱኒስ እንታይ እየ ክብሎም-? ዝብል ሓሳብ እናውረድኩን እናደየብኩን ዝጐዓዝ ዝነበርኩ። ብዝኾነ ምስቶም ካህን ብዘሎኒ ቈጸራ፥ ምእንቲ ዝቐረበ ክኾነለይ፥ ሰኑይ ኣብቲ ሓዲሽ ኣፓርታማይ ክሓድር መዲበዮ። ስለዚ ድማ ምድላው ክገብር ነይሩኒ።

ይኹን እምበር ካብ ደቀይ ተፈላልየ ክሓድር፥ ቀሊል ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ብዝተፈልየ እቲ ወደይ ኣብ ኤይን-ሻምስ ዝተባህለ ዩኒቬርሲቲ፥ ተማሃሪ ከም ምዃኑ መጠን። ድሕሪ ቁሩብ ዕለታት ናይ ኢንጅነሪንግ ፋካልቲ፥ ናይ መወዳእታ ፈተና ክገብር ስለ-ዝኾነ፥ ክፍለዮ ዝከኣል ኣይነበረን። ከመይሲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ትምህርቱ፥ ከይተፈለኹዎ ምስኡ ነይረ። ስለዚ ንውሽጠይ ዝፍትን ኣሸጋሪ ነገር ገጢሙኒ።ንምዃኑ እዚ ፈተና ብኸመይ ክሰግሮ-? ወደይ በዅሪ ውላደይ ከም ምዃኑ መጠን፥ ወዲ 23-ዓመት እዩ። እታ ምንኣሱ ኃውቱ 22 ክትገብር ከላ፥ እታ ሕሳስ-ልደ ድማ 20-ዓመት ምዃናያ። ኣብ ምሉእ ዘመን ሕይወተይ ተፈልየዮም ዝሓድር ዘሎኹ ከኣ፥ እዚ ናይ መጀመርታ ስለ-ዝኾነ፥ እዚ ውሳኔ ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን።

ርግጽ ኣነን ኣቦኦምን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ፍቱሓት ኢና ኔርና። ማለት ኣብ 1982 / ብሕጊ ተፈላሊና ኢና። ንደቅና ክንብል ግና ኣብ ሓደ ቤት ከም ሓደ ስድራ ንነብር ኔርና። ስለዚ ንዓታቶም ክብል ክሳብ ክንድ ዝኣክል ዋጋ ዝኸፈልኩ ክነሰይ፥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሰዓት ከመይ ኣቢለ ተፈልየዮም ክሓድር-? ንሳቶም እንተኾኑውን ዝህቦም ምኽንያት ኣሚኖም፥ ክገድፉኒ ይኽእሉዮም ንምባል ዘተኣማምን ኣይነበረን። ጥራይ እግዚኣብሔር ባዕሉ ይርደኣኒ። ብዝኾነ ንደቀይ ጽባሕ ነጊረዮም፥ ናብቲ ዝተባህለ ሓዲሽ ኣፓርታማ ክግዕዝ ከም-ዘሎኒ ወሰንኩ።

ከምዚ ገዛ ምስ-በጻሕኩ ድማ፥ ደቀይን ኣቦኦምን ኩሎም ገዛ በጺሖም ጸንሑኒ። ከም ኣጋጣሚ ድማ ኣቦኦም ኣብ ተለቪዢን ኣድህቦኡ ገይሩ ስለ-ዝነበረ፥ ንበይኖም ንደቀይ ብዛዕባ ናብቲ ካልእ ቤትና፥ ማለት ኣፓርታማ ከይደ ክግዕዝ ምድላየይ፥ ድምፀይ ኣትሕት ኣቢለ ክነግሮም  ክኢለ። ዝብሉኒ ክሰምዕውን እጽበ ነይረየ። እቲ ዝገርም ግና ኩሎም ሱቕዮም ዝበሉ። ዓይኒ ዓይነይ ጥራይ እጥምቱኒ ነይሮም። ርግጽ በቲ ሃንደበታዊ ውሳኔ ክሰናበዱ ከም-ዝኽእሉ ርዱእዩ። ካልእ ኣማራጺ ግና ኣይነበረንን። እዚ ዝገብሮ ዘሎኹውን፥ ንዓኻትኩም ሸለል ኢለ ክርእየኩም ስለ-ዝደለኹ ኣይኮነን ብምባል፥ ከረጋግኦም ፈተንኩ።

ብድሕሪ ናብ መደቀሲ ክፍለይ ብምእታው፥  ዘድልየኒ ኣቑሑት ኣብ ምጥርናፍ ኣተኹ። እዚ ድማ ምስ ደቀይ ኣብ ነዊሕ ዘረባን ክርክርን ንኸይኣቱ ሓገዘኒ። ማለት ብሥራሕ ተጸሚደ ከሎኹ፥ ንኽዛረቡኒ እቲ ኩነታት ይፈቕደሎም ኣይነበረን። ምስ ደቀይ ኣብ ዘይምትሕጉጓስ ከየብጸሓኒ ዝነበረኒ ስክፍታ ድማ ተቓለለይ። ርድኢት ደቀይ ኣብ ጽቡቕ ምህላዉ ድማ፥ ኣዚየ ሕጉስቲ ኮይነ ንኣምላኸይውን ኣመስገንኩ። ንጽባሒቱ ኣንጊሄ ካብ ምድቃሰይ ብምትንሣእ ድማ፥ ንቤት-ትምህርቲ ከይደ ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ ሠራሕተኛታት፥ ናይ ጽዕነት መኪና ኣምጺኦም ኣቑሑተይ ከም-ዘግዕዙለይ ገበርኩ።

መቸም ዝገርምዩ፥ ናብ ሓዳራ ከም-እትኸይድ ሓዳስ መርዓት መሲለ። ከም ሓቂ እንተደኣ ኮይኑ ኣነውን ሓዳስ-መርዓትየ። ከመይሲ ምስቲ ዝፈትዎ ጎይታ ክነብር ዝኸይድ መርዓት ነይረ። እቲ ስምዒት ንዓይ፥ ካብ ዝኾነ ካልእ ዓይነት ፍቕሪ ንላዕሊ ነይሩ። ብዝተረፈ ነገራት ኩሎም ከም ሓሳበይን መደበይንዮም ከይዶሙለይ። በዚ ድማ ነቲ ኩሉ ዘይሰኣኖ ኣምላኸይ ኣመስገንኩ። እቲ ኣፓርታማ-ቤተይ ጽብብ ዝበለ እንተ ነበረውን፥ ንዓይ ግና ካብ ቤተ-መንግሥቲ ንላዕሊ ገፊሕን ሰፊሕን ኮይኑ ዝተሰመዓኒ።

ከምዚ ክብልውን ጸለኹ “- ኣታ ሕያው ኣምላኽ-! ክሳብ ክንደይ ከም-እትፍቅረና ብዝፈለጥና መጠን፥ ምሳኻ ክንራኸብ ዘሎና ናፍቖት፥ ብቓላት ተዛሪብና ክንገልጾ ካብ ንኽእል ንላዕሊ ኮይኑ ዝርከብ። ንዓኻ ዘሎና ፍቕርስ ክንደይ ብዙሕዩ። ኣነ ብውልቂ ድማ ንክብርኻ እዝምርን አመስግንን ኣለኹ። ንዓኻ ንኽፈልጥን ጓልካ ንክኸውንን ስለ-ዝጸዋዕካኒ ከኣ፥ ንዓኻ ንጎይታይ ዘሎኒ ምስጋና ወሰን የብሉን-” ብምባል፥ ኣምላኸይ ኣመስገንኩ። ነቲ ሓዲሽ ቤተይ ንምስትንባር ድማ፥ ሓኾትኮት ክብል ሓደርኩ። ምስ ወግሐ ድማ ናብቲ ቈጸራይ ኣምራሕኩ። እቶም ካህን ቀዲሞሙና ስለ-ዝመጹ ክጽበዩኒ ጸኒሖም። ሳሚያውን መጺኣትና ሠለስቴና ተተሓሒዝና፥ ብመንገዲ ካይሮ/እስክንድርያ ኣቢልና ጉዕዞና ቀጸለ። እቲ ዘገርም ድማ ልክዕ ኣብቲ ገዳም ምስ-በጻሕና፥ እቲ ኣብ ሕልመይ ዝረኣኹዎ ግልጺ ኮይኑ ኣብኡ ክርእዮ ከኣልኩ። ልክዕ ብልክዕ ድማ ንሱ ነይሩ።

እቲ ዓቢይ ማዕጾ-ሓጺን፥ እቲ ኣግራብ፥ እቲ ብድሕሪኡ ዝርከብ ነዊሕ-መንገዲ፥ እቲ ሓዲሽን ጥንታውን ቤተ-ክርስቲያናት፥ብዘየጋጊ መንገዲ ከምቲ ኣብ ራእይ ዝረኣኹዎ ኮይኑ ረኺበዮ። ከምዚ ኢልና ድማ ናብቲ ቤተ-ክርስቲያን ብምእታው፥ ናይቲ ቅዳሴ ተሳተፍቲ ክንከውን ክኢልና። እዚ ከኣ እቲ ኣነ ኣብ ምሉእ ዘመን-ሕይወተይ ዝተሳተፍኩዎ ቅዳሴ ነበረ። መቸም ኣነ ነቲ ቅዳሴ ክርድኦ ዝኽእል ኣይነበርኩን። ግዳስ እቲ ውሽጠይ ግና፥ ብሓጎስ ክምላእ ይስምዓኒ ነይሩ። እቲ ዝበሃል ዝነበረ ክፈልጦን ክርድኦን ሃረር ምባለይ ኣይተረፈን። ድሌተይ ዝተረድኡ ክመስሉ ሓደ ካህን መጺኦም ድማ፥ኤል-ኮላጊዝተባህለ ናይ ቅዱስ-ባስልዮስን ቅዱስ-ጎርጎርዮስን፥ መዝሙርን ጸሎትን ዘጠቓለለ መጽሓፍ-ቅዳሴ ሂቦሙኒ። ከይጠየቕኩ ባዕሉ ኣምላኸይ ስለ-ዝለኣኸለይ ድማ ኣመስገንኩዎ።(ማቴ.6/7-8)

እቲ ቅዳሴ እናተኻየደ ከሎ ግና፥ ንዓይ ብሃንደበት ሓደ ዉዑይ ደም ይሽትተኒ ነበረ። እዚ ጣዕሚ ዝነበሮ መዓዛዚ፥ ካበይ ይመጽእ ከምዘሎ ንምፍላጥ የማነ ጸጋም ቁሊሕ ምባል ኣብዛሕኩ። እቶም ካህን ኩነታተይ ስለ-ዘስተብሃሉሉ፥ ኩነታተይ ክፈልጡ መጺኦም ሓቲቶሙኒ። ኣነ ድማ “-ብዘይ ምቁራጽ ናይ ዉዑይ ደም ሽታ ይመጸኒ ኣሎ። ካበይ ይመጽእ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተሸጊረ-” ብምባልውን ኣረዲኤዮም። ብድሕሪ እቶም ካህን፥ ደሓን እዝስ  ድሕሪ ቅዳሴ ክንመሃሮ ኢና ኢሎሙኒ። ኣብ ጥቓ ምውዳእ እቲ ቅዳሴ ድማ፥ እቶም ኣብቲ ቅዳሴ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኩሎም፥ ኣብቶም ዝቐደሱ ካህን እናኸዱ፥ ሓደ ዝኾነ ነገር ክቕበሉ ረኣኹ። ኣነ ጥራይ ናብኦም ከይደ ክቕበል ዘይከኣልኩ።

ብድሕሪ ድማ ኣነ ነቶም ካህን፥ “-ክርድኦ ዘይከኣልኩ ነገር ኣሎ። እቶም ሰባት እንታይዮም ዝቕበሉ ዘለዉ-? ኣነውን ከምኣቶም ክቕበል እደሊ-” በልኩዎም። ንሶም እቶም ካህን ድማ “-ኩሉ ነገር ደሓር ከረድኣኪየ። እቲ ሕጂ ንቕበሎ ዘሎና ግና ቅዱስ-ቁርባን እዩ። እቲ ሕብስቲ ሥጋ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ፥ እቲ ወይኒ ድማ ደሙ እዩ። እግዚኣብሔር ስለ-ዘፍቀረኪ ድማ፥ እቲ ምስጢር ሕዋሳትኪ ብምሽታት ድሮ በጺሑዎ ኣሎ-” ብምባል ኣረድኡኒ። ኣነ ድማ “- እወ እዚ ናይ ጎይታና ቅዱስ-ሥጋን ደምን ምዃኑ እኣምን-” ዝብል መልሲ ሃብኩዎም።

ኣነ ግና ናይቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ተሳታፊት ክኸውን ኣዚየ ተሃንጠኹ። ቅድም ክጥመቕ ከም-ዘሎኒ ግና ኣይሰሓትኩዎን። ስለዚ ነቶም ካህን “-ንከይጥመቕ እንታይ ዝኽልክለኒ ኣሎ በልኩዎም-? -” ንሶም ድማ ግዲ የለን በብደረጅኡ ክትበጽሕዮ ኢኺ ኢሎሙኒ። ርግጽ ድማ ብትዕግስቲ ክጽበ ነይሩኒ። ስለዚውን እቶም ካህን፥ ኣብ ምሉእ ርድኢት ከብጽሓኒ ዝኽእል፥ መጽሓፍ-ቅዱስን መጽሓፍ-ጸሎትን ሂቦም፥ ከመይ ክጽሊ ከም-ዝግበኣኒ ምሂሮሙኒ። ኣነ ድማ እቲ ቅዳሴ ብቃለይ ከጽንዖ ብማለት፥ ኣብ ካሴት ዝተመልአ ቅዳሴ ገዛእኩ።

ከምዚ ኢለ ድማ እቲ ናብቲ ቅዱስ ገዳም ዝገበርኩዎ ጉዕዞ ፈጺመ፥ ናብ ቤተይ ተመለስኩ። በዚ ድማ እቲ ንዓይን ንቤተ-ክርስቲያንን ፈላልዩና ዝነበረ መንደቕ ክፈርስ ተሰምዓኒ። እቲ ቤት-ትምህርትናውን ንዕረፍቲ ዝዕጸወሉ ግዜ በጺሑ ስለ-ዝነበረ፥ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝተሰመዓኒ። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያን ክመላለስ ዝኣክል ግዜ ክረክብ የኽእለኒ ስለ-ዝነበረ። በቲ እቶም ካህን ዝመሃሩኒውን፥ መጽሓፍ-ቅዱስ ከንብብን ክጽልይን ዝኣክል ግዜ ነይሩኒ። ሓዲስ-ኪዳን ብፍላይ ንምርድኡ ዝጽግም ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ናይቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ተሳታፊት ክኸውን ብዘይ ምኽኣለይ ግና፥ ከደቅሰኒ ኣይከኣለን። ስለዚ ቀልጢፈ ኣብኡ ምእንቲ ክበጽሕ ኣበርቲዐ ጸለኹ።

ኩሉ ምጥማተይ ናብ ክርስቶስ ስለ-ዝገበርኩ፥ ናይ ደቀይ ነገር ሸለል እናበልኩዎ ከድኩ። ማለት ተገዳስነተይ ከም-ቀደሙ ኣይነበረን። ርግጽ እናኸድኩ እበጽሖምየ። ልበይን ቀልበይን ግና ናብኡ ናብ ክርስቶስ ከይዱ። ብዝኾነ ንወደይ እቲ ኣብ ዩኒቬርሲቲ ዝነበሮ ፈተና፥ ከመይ ከም ዝነበረ ሓቲተዮ። ንሱ ድማ ኣብቲ ፈተና ጽቡቕ ከም-ዘይነበረ፥ ጽቡቕ ውጽኢት ክረክብ ዝብል ተስፋ ከም-ዘይብሉውን ነጊሩኒ። እዚ መርድእ ከኣ ክጻወሮ ዝኽእል ስለ-ዘይነበርኩ፥ ከም ሓደ ከቢድ ሓደጋ ገይረ ረኣኹዎ። ብቕጽበት ከኣ ጓህን ሓዘንን ተሰመዓኒ። ወደይ ፈተንኡ ቅድሚ ምውድኡ፥ ካብ ገዛ ክወጽእ ዝወሰድኩዎ ውሳኔ ከኣ ኣጣዓሰኒ። እቲ ጓህን ጣዕሳን ኣብ ከብደይ ኣትዩ ድማ፥ ብጣዕሚ ሳቐየኒ።

ናብቶም ካህን ብምኻድ ድማ፥ እቲ ኣብ ወደይ ዘጋጠመ ነገር ኩሉ ነገርኩዎም። ንሶም ድማ ንኽረጋጋእ መኸሩኒ። ጸሎትውን ጸለዩለይ። ብድሕሪ ምስ ጓሎምን ሕጹይ ጓሎምን፥ ናብቲ ገዳም ምስኣቶም ክኸይድ ዓደሙኒ። በዚ መሠረት ድማ ናብቲ ገዳም ንኻልኣይ ግዜይ ከድኩ። ስለዚውን እቶም ካህን ፓትርያርክ-ቄርሎስ ይጽልዩሉ ኣብ ዝነበሩ፥ ናብ ሓደ በዓቲ ጸሎተ-ሠርክ ክንጽሊ ኢሎም ወሰዱና። እቲ በዓቲ ኣዚዩ ጸቢብ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፥ ክልተ ሰብ ስለ-ዘይሕዝ፥ ኣነ ንበይነይ ንውሽጢ ናብቲ በዓቲ ኣተኹ። ኣብኡ ኮይነ ድማ እግዚኣብሔር ነቲ ወደይ ዝገበሮ ፈተና፥ ናብ ዓወት ክልውጦ ኣበርቲዐ ጸለኹ። እቲ ኣብ ስእሊ ፓትርያርክ-ቄርሎስ ዝነበረ ኣዕይንቶም ድማ፥ ከም ዝንቀሳቐስ ኮይኑ ይርኣየኒ ነበረ። ምናልባት ደኾን ናይቲ ብብዝሒ ዝነብዖ ዝነበርኩ ይኸውን ኢለውን ሓሰብኩ።

ኣብዚ በዓቲ ንነዊሕ ሰዓታት፥ ኣብ ዓሚቝ ናይ ተምስጦ ጸሎት ኣትየ ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ሰዓት። ብድሕረይ ዝኾነ ነገር ክጸዓነኒ ተሰመዓኒ። ገለ ኢድውን ኣብ ልዕለይ ተዚርጊሑ ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓኒ። በዚ ድማ ንውሽጠይ ኣትዩ ኣዕጽምተይ ዝሰናጥቖ ዘሎ መሰለኒ። ምስ ጓልቶም ካህን ንደገ ምስ-ወጻእና ድማ፥ በስመ-ኣብ፥ ወወልድ፥ ወመንፈስ-ቅዱስ ብምባል፥ ገጸይ ኣማዕተብኩ። ብኸምዚ ድማ ካብቲ በዓቲ ወጻእና። መቸም ምርድኡ ዘይከኣል ከቢድ ነገር ኮይኑኒ። ከመይሲ ኣብቲ ውሽጢ ኣነን ጓልቶም ካህን ምስ ሕጹያን ኢና ዝነበርና። እታ ዝዳህሰሰትና ኢድ ግና፥ ናይ ፓትርያርክ-ቄርሎስ ክትከውን ትኽእል ኢለ ገሚተ። ከመይሲ እግዚኣብሔር ኣብኦም ሓዲሩ፥ ብዙሕ ተኣምራት ከም-ዝገብር ክዝረብ ይስማዕዩ።

ኣነ ግና በቲ ኣብቲ በዓቲ ዘጋጠመኒ ተኣምራት ስለ-ዝፈራህኩ፥ ንካይሮ ክንምለስ ነቶም ካህን ሓቲቶዮም። ከምዚ ኢልና ድማ፥ ናብቲ ቅዱስ-ገዳም ዝገበርናዮ ምብጻሕ ፈጺምና፥ ንጽባሒቱ ንግሆ ንካይሮ ተመሊስና። ፓትርያርክ-ቄርሎስ ብኢዶም ከም-ዝሓቘፉኒ ኮይኑ እናተሰመዓኒ’’ ቤተይ ዝተመለስኩ። እቲ ሽዕኡ ኣብቲ በዓቲ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ተኣምር፥ ምንም እንተኾነ ክርስዖ ኣይክእልን እየ። በዚ ኩነት ውዒለ ድማ ኣማስያይ ግምስስ ኢለ ደቀስኩ። እቲ ዝወዓልኩዎ ኩሉ ድኻም ስለ-ዝገበረለይ ግዲ ኮይኑ፥ ድቃስ ንክወስደኒ ግዜ ኣይወሰደለይን። ኣብ ድቃሰይ ከሎኹ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ሕልሚ ረኣኹ። ማለት ኣብቲ ቤት-ጽሕፈተይ ዘሎኹ ኮይኑ ዝስመዓኒ። እቲ ወደይ ሕፃን ቈልዓ ኮይኑ ናባይ ኣቢሉ ጐዩ እናመጸ፥ ብሓጎስ ተመሊኡ “-ኣደየ-! ተጠሚቐ እኮ እየ-” ይብለኒ ነበረ። ኣነ ድማ ካብ ብዝሒ ምሕጓሰይ ዝተላዕለ፥ ዓይነይ ብንብዓት ተመሊኡ “-እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል-? ፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል ነገር ኣይኮነን-” ኢለዮ። ንሱ ድማ መመሊሱ “-ኣደየ-! እዚ ፍረ ጸሎትኪ-” ይብለኒ ነበረ። ኣነ ከኣ ንብዓተይ ክኽልከለለይ ስለ-ዘይከኣለ፥ ኣብዚሐ ይበኪ ነበርኩ። ንሱ ድማ ኣብተን ቃላት ገለ ለውጢ ከይገበረ፥ ንሳተን መመሊሱ ይደጋግመለይ ነበረ። ምስ ተበራበርኩ እንተረኣኹዎ ብርግጽ ብዙሕ ንብዓት ከም-ዝነባዕኩ፥ ክዳውንተይ ንምእማኑ ብዘጸግም ብንብዓት ጠልቅዩ ጸንሓኒ። በቲ ዝረኣኹዎ ሕልሚ ግን ምግራመይ ኣይተረፈን።

6.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 6ይ-ክፋል

5.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 5ይ-ክፋል

4. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 4-ክፋል

3. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 3-ክፋል

2. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 2-ክፋል

1. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”-1-ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div