S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።

መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዚሓስቦ ሓሳባት፡ ኲሉ ጊዜ ስናይን ንደሓናን ዚኸውን ምዃኑ እዩ። ኣብዛ ኣብ ምድሪ እዚኣ ኣብ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመና፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ኣንጻራውን ኲነታት ኢና እንሓልፍ። ኣብቲ ዚሰማምዓና ዂነታት ክንህልዉ ከሎና ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ዚህልወና ስምዒታትን ርድኢትን በኣንጻሩ ኣብቲ ዘይንፈትዎ ዂነታት ክንህሉ ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚህልወና ስምዒትን ርድኢትን፡ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ ዝተረሓሓቐ እዩ።

እቲ ዂነታት ርኡይ ሳዕቤናቱን ድኣ ኣዝዩ ይፈላለይ እምበር፡ እቲ ኣምላኽ ነቲ ዂነታት ኪኽሰት ዝገበረሉ ዕላማን ሓሳባትን ግና ሓደን ዘይልወጥን እዩ። እግዚኣብሄር ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ኪገብሩና ኸሎና፡ ብብዙሕን ብኸቢድን ሕማማት ክንጥቃዕ ከሎና ዘለዎ ዕላማን ሓሳባትን ሓደን ዘይልወጥን እዩ። እግዚኣብሄር ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ኪገብረና ኸሎን፡ ብብዙሕን ብኸቢድን ሕማማት ክንጥቃዕ ከሎና ዘለዏ ዕላማን ሓሳባትን ሓደን ዘይለዋወጥን እዩ። ንሕንና ግና ከም ሰባት መጠን፡ኲነታትና ኪለዋወጥ ከሎ ብዛዕባ እቲ እንሓልፎ ዘሎና ዂነታት ይኹን ብዛዕባ እቲ ንዂነታትና ዜልውጥን ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያ ማዕረ ዂነታትና ዚለዋወጥን ዚገላበጥን እዩ። ስለዚ ድማ ሓሳባትናን ሓሳባት ኣምላኽን ሓንቲ መዓልቲ እኳ ከይተጋጠመ፡ ዕድመናን ምሉእ ሕቘን ከብድን ኰይኑ እዩ ዚነብር። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ሓሳባትና ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ኣብቲ ንሕናሕማቕእንብሎ ዂነታት ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ ኣብቲ እንፈትዎንጥዑምእንብሎን ኲነታት ከይተረፈ ምዃኑ እዩ። እቲ ንኸምዚ ዝበለ ዜሕዝን ወጽዓ ኣሕሊፉ ዚህበና ዘሎ ድኻምና ግን እንታይ እዩ፧ ዝዂነ እንተ ዂነ፡ ጠንቂ ናይዚ ወጽዓና ኣባና እምበር ኣብ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ኣዕናዊ ጠንቂ ከየወገድና፡ ኣብ ዝሓለፍናዮ ዂነታት ንሕና ኽንሕጐስ፡ ኣምላኽውን ብኣና ኺሕጐስ ኣይክእልን እዩ። እግዚኣብሄር በቲ ሰናይ ሓሳባቱን ተግባሩን ወርትግ ሕጉስ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ነቲ ሰናይ ሓሳቡ ኸይተረዳእናሉ ኽንተርፍ፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ኣብ ልዕሊ እቲ ሰናይ ሓሳቡን ኽንሓጥእ ኪርእየና ኸሎ እቲ ሓጐሱ ምሉእ ከም ዘይከውን ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ። እምበኣር ንምንጪ ሓጢኣትና ምእንቲ ኸነድርቕ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰናይ ሓሳብ ምእንቲ ኸይንሓጥእ፡ ሓጐስናን  ሓጐስ ኣምላኽን ካብ ምዂላፍ ምእንቲ ኽንድሕን ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ቅኑዕን ቀዋምን ምርዳእ ክህልወና ይግባእ ማለት እዩ።

እቲ ንጹብቕና ተሓሲቡ ዝተዋህበና ዂነታት ንጒድኣትና እንልወጦ ዘሎና፡ ነቲ ዂነታት ጥራይ እምበር ነቲ ንዂነታትና ዝደረኸ ሓሳባትን ዕላማን ናይ ኣምላኽ ስለ ዘይንጥምት እዩ። ኣብ ውሽጢ እዛ ሓጻር ዕድመና ክንሓልፎም እንኽእል ኲነታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ብኸብደቶም ድማ ብዙሕ ፍልልያት ዘለዎም እዮም። ንነፍሲ ወከፎም በብሓደ እናተንተንካ ኽትርድኦም፡ ምስ ሓሳብ ኣምላክ ድማ ከተዛምዶም ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን። እቶም እንሓልፎም ኲነታት ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባና ከቢድ ተጽዕኖ ስለ ዜሕድሩ፡ እቲ ናይ ምትንታንን ናይ ምድርዳእን ዓቕምና ኣዝዩ እዩ ዚልወጥ። ናብ ኣዝዩ ዜሐጒስ ኲነታት እንተ ኣቲና፡ እቲ ሽዑ ዘሎና ፈንጠዝያዊ ወይ ሃሴታዊ (euphoric) ስምዒት ነቲ ኣእምሮና ስለ ዚዕብልኾ፡ ይትረፍ ነቲ ረቂቕ ሓሳባት፡ ንጒሉሕ ፍጻመታት እኳ ከነቕልበሉ የጸግመና እዩ። ምኽንያቱ ሓድሓደ ጊዜ ልዑል ሓጐስ ካብ ብርቱዕ መስተ ንላዕሊ የስክር እዩ። ናብ ከቢድ ሓዘን  ኣብ እንጥሕለሉ እዋን ድማ፡ ኲነታት ኣተሓሳስብና ፈጺሙ እዩ ዚድፈን። ስለዚ ደድሕሪ ዂነታትና ኽንወርድን ክንድይብን ዘይኰነ ርድእ ዝኰነ ልባዊ ዕረፍቲ ዝመልኦ ናብራ ኸነሕልፍ እንተ ዀንና፡ ከም ዂነታትና ሕልፍ ኢልና ናይ ምርኣይን ሓሳብ ኣምላኽ ናይ ምርዳእ ዓቕሚ ኸነማዕብል የድልየና እዩ።

ቃል እግዚኣብሄር ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ሓሳባት እግዚኣብሄር ካብ ሓሳባትና ኣዝዩ ዝተፈለየን ዝረቐቐን እዩ። ነብዩ ኢሳይያስ፡

ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።ብምባል ነቲ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ 558,9) ቅዱስ ዳዊት ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ኪርዳኦን ኪበጽሖን ምስ ኣጸገሞ፡እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፡ ልዑል እዩ፡ ከርክቦ ኣይክእልን (እየ)ክሳዕ ምባል በጽሐ ( መዝ 1396) ዕምቀት ሓሳባት ኣምላኽ ኪብጻሕ ዘይከኣል ምዃኑ ሰፈር ናዕማዊ፡ ንቕዱስ እዮብ፡

ናይ ጥበብ ምስጢራት ካብቲ ዘሎ ዕጽፊ ምዃኑ እንተ ዚገልጸልካ፡ ንገሊኡ ኣበሳኻ ኸም ዚርስዖ፡ መስተብሀልካ ኔርካ ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮ፡ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ: ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ካብ ሲኦል ይዐምቚ፡ እንታይ ክትፈልጥ ኢኻ : ስፍሩ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፡ ካብ ባሕሪውን ይሰፍሕ እዩ።ኢሉ ተዛረበ (እዮ 116-9) ቅዱስ እዮብውን ወገኑ ሓያሎ መንፈሳዊ ሓቅታት ድሕሪ ምግላጹን፡

ካብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል።ብምባል ብኣስተንክሮ ተዛሪቡ ኣሎ ( እዮ 2614)።ኣብ ሓድሽ ኪዳን እንተ ረኣናውን፡ ሃዋርያ ቅዱድ ጳውሎስ ንዕብየት ሓሳባት ኣምላኽ፡

ወዳጄ፡ መዓሙቚ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ ወይስ መን እዩ፧ ዘማኽሮ፡ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሀቦ እሞ ዚፍደዮ፧

ብምባል ብኣድናቖት ገሊጽዎ ይርከብ ( ሮሜ 1133-35) እምበኣር ሓሳብ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ረቂቕን ኪብጻሕ ዝይክእልን እንተ ዀይኑ ንኽትርድኦ ቀሊል ኣይኰነን ማለት እዩ። ነቲ ዓሚቝስ ሰፊሕን ዓብይን ሓሳባት ኣምላኽ፡ ኣብዚ ንእሽቶ ኣእምሮና ኸነእትዎ፡ ኽንርድኦ ኸነቝሮ እንተ ፈተንና፡ ንብዘሎ ማያት ዓለም፡ ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ብኬሪ ወይ ዋንጫ ( ምለሊኽ) ኸተዕቍሮ ከም ምፍታን ዝዓነቱ ዕሽነት ኪዀነና እዩ። እምበኣር፡ነቲ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እንሓልፎ ዂነታት፡ ኣምላኽ ዘለዎ ሓሳብ ክንፈልጦ ክንበጽሖን ዘይንኽእል ካብ ኰንና፡ ብኸመይ ደኣ ኢና ነቲ ዕላማ ኣምላኽ ክንርድኦ እንኽእል፧ ስለዚ ካብቲ ዝርዝር ሓሳብቱ ሕልፍ ኢልና፥ ናብቲ ንሓሳባቱ ዘማእዝነሉ ባህርዩ ከነድህብ ይግብኣና ማለት እዩ። ሓደ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጐሊሖም ዝተገልጹን ዝተራኡን ባህርያት ናይ እግዚኣብሄር ሰናይነቱ እዩ። (God is good, all the time) እግዚኣብሄር ሰናይ ኣምላኽ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ካብቶም ንሰናይ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ኣጒሊሖም ካብ ዝገለጽዎን ዝዘመሩሉን ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ እዩ። ሰለዚ ድማ፡

እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ. . .  እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፡ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።. . .  እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡ እምነቱ ( እሙንነቱ) ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።ብምባል ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኣሎ ( መዝ 258 348 1005 1061 1071 135 3) እግዚኣብሄር ብባህርዩ ሰናይ ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ዚወጽእ ሓሳባት፡ ቃላት ይኹን ተግባራት ዘበለ ዂሉ ድማ ሰናይ ጥራይ እዩ ዝኸውን። መሪሕ ጥቕስና፡ ሓሳባት ናይ ኣምላኽ ሰናይ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ቃላቱ ( ሕግታቱ) ሰናይ ምዃኑ  ቅዱስ ዳዊትን ሃዋርያ ጳውሎስን ደጋጊሞም ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ ( መዝ 11939: ሮሜ 712 እብ 65 )ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፡ ሰናይ ተብር ኣሎኻ።ብምባል ቅዱስ ዳዊት ግብርታት እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ  ኣረጋጊጹልና ኣሎ ( መዝ 119 69, 65) ባዕሉ እግዚኣብሄርውን ብኣፍ ባርያኡ ነብዩ ኤርምያስ፡ ብዛዕባ እቶም ላሕ ዘበልዎ ህዝቢ እስራኤል፡ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎም እዩብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ ( ኤር 3241 ነብዩ ኢሳይያስ እንተ ዀነውን፡

ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረላና ዂሉ ሰናይ ግብርን፡ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዩ ግብርን፡ ከም መጠን፡ ምሕረቱን ዕብየት ልውሃቱን እናዘከርሉ፡ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።ብምባል ሰናይነት ናይ ግብርታት እግዚኣብሄር ኣረጋጊጹልና ኣሎ ( ኢሳ 637) ግብርታቱ ቃላቱ ዀነ ሓሳባቱ ሰናይ ኪኸውን ዝኽኣለ እምበር፡ እግዚኣብሄር ብባህርዩ ሰናይ ስለ ዝዀነ እዩ። እዚ ሰናይነቱ እዚ በቲ ዚፍጽሞ ዓይነት ግብራት፡ በቲ ዝዛረቦ ዓይነት ቃላት፡ በቲ ዚሓስቦ ዓይነት ሓሳባትን ኣይጽለዉን እዩ። እግዚኣብሄር እንተ ቐተለ ሰናይ እዩ። እንተ መሓረውን ሰናይ እዩ። እንተ ሃበን እንተ ኸልኣን እንተ ኣሕመመን እንተ ኣጥዓየን፡ ብሓፈሻ ዋላ ኣዝዩ ተጻራሮ ተግባራት እንተ ገበረ ዂሉ ጊዜ ብሰናይ ዕላማን ሃቐናን ጥራይ እዩ ዚገብሮ። እቲ ሰናይነቱ ዓይነት ናይቲ ንሱ ዚብሎን ዚገብሮን ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓይነት ናይቲ ንሱ ሰናይ ዚገብረሉ ሰብን ህዝብንውን ኣይጸልዎን እዩ። ንዂሉ ሰብ ኲሉ ዓይነት ሰናይ ብምግባር ዚፍለጥ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ድማ ቅዱስ ዳዊት

እግዚኣብሄር ንዂ (ሰብ) ሰናይ እዩ። ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ዂሉ ግብራታቱ እዩ (ዚግለጽ) . . .  እግዚኣብሄር ብዂሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፡ ብዂሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።

ብምባል ንኣምላኹ ኣድነቐ ( መዝ 1459,17) እግዚኣብሄር ዝሓስበልናን ዝተዛረበናን ዝገበረልናን ግና ንሕና ኸይንረድኦ ኸይንቕበሎን ከይንሕጐሰሉን ይከኣል እዩ። ንዓና ዘይጽቡቕ ተሰሚዑና ማለት ግና እግዚኣብሄር ሕማቕ ከም ዝገበረ፡ ሰናይነቱ ድማ ከም ዘጥፍኦ ኣየስምዕን እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር  ንዂሉ ሰብ ( ንሓጥኣንን ንጻድቕን) ሰናይ እዩ።ንዂሉ ሰብ  ( ንሓጥእንን ንጻድቕን) ሰናይ እዩ፡ ብዂሉ ግብራታት ድማ፡ ንስጋና ጥዑም ይኹን ኣይኹን፡ ሰናይን ጻድቕን ሓያዋይን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ካብ ቅድሚ ምስራት ዓለም ጀሚሩ፡ ድሕሪ ሕልፈት ሰማይን ምድርን ከይተረፈ ኸይተለወጠ ዚነበረ ዘለኣለማዊ ሓቂ እዩ። ናትና ምርዳእ ዘይርዳእ፡ ምቕባል ዘይምቕባል ኣብ ልዕሊ እዚ ዘለኣለማዊ ሓቂ እዚ ዚፈጥሮ ዝዀነ ዓይነት ተጽዕኖን ለውጥን የልቦን። እዚ ሓቂ እዚ ኻብቲ ቀዳማይ መጽሓፍን ምዕራፍን ጥቕስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስና ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳኣታ ምዕራፍን ጥቕስን ተደጋጊሙ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።

እግዚኣብሄር ንሰብ ድንቅን መስተንክርን ገይሩ ኣብታ ፍጽምቲ ገነት ኤድን ኬቐምቶ ኸሎ ሰናይ ግብሪ እዩ ዝገበረ። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሰይጣን ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ኣምላኽነቱ ብዓመዳ ተላዒሎም ኣበሳ ምስ ፈጸሙ ካብ ገነት ኤድን ከም ዘውጽኡን ካብታ ኦም ህይወት ምስ ሓጢኣቶም ከለዉ ከይበልዑ እሞ ከም ሰይጣን ንዘልኣለም ህያዋንን ሓጥኣንን ኰይኖም ከይነብሩ ምግባሩ ድማ ብሰናይ ዕላማ እዩ ዝገበሮ። ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ኼጥፍእ፡ ንኣብርሃም ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ውላድ ኬጻብይ፡ ንዘርኡ 400 ዓመታት ባሮት ኰይዶም ኪነብሩ ዝገበረ ብሰናይ ዕላማ እዩ። ንቕዱስ ባርያኡ ዮሴፍ ብባርነትን ብማሰርትን ኬሕልፎ፡ ንሙሴ ብቤተ መንግስትን፡ ብጒስነት ኣባጊዕ ኣብ ምድረ ባዳን ኬሕልፎ ዝገበረሉ ሰናይን ቅዱስን ዕላማ ነይርዎ እዩ።ካብ ምድሪ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸንኣንን ቀጥ ኢልካ እንተ ኼድካያ መገዲ 40 መዓልታት ክነሳ፡ ንሱ ግና ብመገዲ 40 ዓመት ኪመርሖም ዝመረጸሉ ዕላማ ኬድክሞምን ብጻሓይ ምድረበዳ ኬቓጽሎም ኢሉ ዘይኰነስ ብቕዱሳን ሰናይን ዕላማ እዩ ( ዘጸ 1317-18) ነብዩ ሙሴ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ በቲ ጽንኩር ኲነታት ዘሕላፈሉ ምኽንያት፡ ነቲ ህዝቢ ኣኪቡ።

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ. . . ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዀንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ኹሉ እንቲ ኽፈልጥ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ ዘክር።

 “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኩሉ ነገር ደአ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር፡ ምእንቲ ኼፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ . . . በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ . . .   ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት በርነት ዘውጽአካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ፡  በቲ ዚነዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዎም፡ ማይ ብዜብሉ ኣጻምእ ገፊሕን ዚፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡  ኣብ በረኻ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ እዚ ኸአ ምእንቲ ኼዋርደካን ኪፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ኬጸብቐልካ ኢሉ እዩ።ብልብኻ ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ኹሉ ሃብቲ ደለበለይ፡ ከይትብል እዩ።ብምባል ገለጸሎም ( ዘዳ 82,3, 12-17) እስራኤላውያን ግና ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰናይ ሃሳብን ዕላማን ፈጺሞም ምስ ዘይተረድእዎ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰናይ ኣምላኽ ከቢድ ምጒርምራምን በደል ኣድማን ፈጸሙ። እግዚኣብሄር ግና ነቲ እዋናዊ በደሎም ሰናይ ብዝዀነ ተመጣጣኒ ቕጽዓት ድኣ ቐጽዖም እምበር፡ ነቲ ብሰናይ ባህርዩ ዝገተኦ ሰናይ ሓሳቡ ኣይደርበዮን። ደርብይዎን ሓዲግዎን እንተ ዚኸውንን ብድኻም ሰብ ዚሰዓር ሰናይነት ንዘለዎ ኣምላኽሰናይኢልና ኽንጽውዕን ክንእመኖን ኣይምኻኣልናን ኔርና። ዘለኣለማውን ዘይልወጥን ባህርይ ዘይብሉ እንተ ዚኸውንኣምላኽኪበሃልውን ኣይምበቕዐን ነይሩ። ሰባት ነቲ ሰናይ ሓሳባቱን ተግባራቱን እንተ ዘይተረድእዎ ካብ ዘይርድኣ ሓሊፎም ኣንጻሩ እንተ ተዓጥቍ እኳ በቲ ብዘይፍልጠት ዝገበርዎ ተግባሮም ነቲ ሰናይ ምኽሩ ኬጸልምትዎ ኣይክእሉን እዮም ( እዮ 423)

ቅዱስ ዳዊት ኣብ ዘመን ህይወቱ ብኣዝዩ ከቢድን መሪርን ኲነታት ሓሊፉ ነበረ። ብዙሕ ውርደትውን ጥዒሙ እዩ። እንተ ዀነዝኸም ልበይክሳዕ ዚበሃል ሓሳብ ኣምላኽ ዚሓስብ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ንጊዚኡ እቲ ዂነታት እንተ ዘይተረድኦ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ ልቡ ኽሳብ ልቡ ኽሳዕ ዚገብር ተዓጊሱ ይጽበዮ ነበረ። ደሓር ነቲ ናይ ሓሳብ  ልቡ ኽሳዕ ዚገብር ተዓጊሱ ይጽበዮ ነበረ። ድሓር ነቲ ናይ ሓሳብ ኣምላኽ መወዳእታ ምስ ተዐዘበ፡ እቲ ዂሉ መሪር ኲነታት ንምንታይ ከም ዝሰርዓሉ ድሕሪ ምርድኡ ንእግዚኣብሄር፡

ጐይታየ፡ ፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፡ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒ እፈልጥ ኣለኹ።. . . ስርዓታትካ ምእንቲ  ኽመሃር ውረደተይ ሰናይ ኰነለይ።ብምባል ኣመስገነይ ( መዝ 11975,71) መንእሰይ ዮሴፍ ብጽልኢ ኣሕዋቱን ብፍትወት እመቤቱን ናብ ከቢድ ባርነትን ማእሰርትን ምእታው  እግዚኣብሄር ንምንታይ ናብዚ ዂነታት እዚ ኸም ዘእተዎኣብቲ ዓመታት እቲ ፈጺሙ ኸም ዘይተረደኦ ፍሉጥ እዩ። ቐዳማይ ሚኒስተር ናይታ ዜግነታ እኳ ዘይነበሮ ናይቲ ዘመን እቲ ልዕለ ሓያል ዝነበረት መንግስቲ ግብጺ ምስ ኰነ እሞ፡ ኣሕዋቱ እኽሊ ኺስምቱ ምስ መጹ እቲ ሓሳብ ኣምላኽ ተረድኦ። መንነቱ ንኣሕዋቱ ደሕሪ ምግላጹ ድማ እቲ ክፍኣት ናታቶም ዘይኰነስ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኽፋእ ሓሳባቶም ተሰዊሩ ዝነበሩ ኣብ መዓልቱ ኸኣ ዝተገልጸሉ ሰናይ ሓሳብ ናይ ኣምላኹ፡

ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡ በሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጉሀይ ኣይትጨነቑ። ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩም ብዓብዩ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ።  ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኡንን ኣቡኡን ጐይታ ኹላ ቤቱን ገዛእ ኩላ ሃገር ግብጽን

ገብረኒ።”  ብምባል ነቶም ኣሕዋቱ ገለጸሎም ( ዘፍ 454-8) እግዚኣብሄር ከኣል ኲሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብጽቡቕ ኲነታትውን ነቲ ሰናይ ሓሳቡን ተግባሩን ኪገልጾ ይኽእል እዩ። ካብ በላዒ ብልዒ ኻብ ውርደት ክብሪ፡ ካብ ክፋእ ድማ ጽቡቕ ኬውጽእ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ፡ ኣልኣዛር ፈታዊኡ ከም ዘሓመመ ዚነግር መልእኽተኛ ምስ መጸ፡ ንደቂ መዛሙርቱ፡እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር ንሞት ኣይኰነን።በሎም ( ዮሃ 114) ኣፈ ርክቡ ብህጹጽ ከመጽእ ተጻዊዑ ኼብቅዕ ግና ክልተ መዓልቲ ኸይተበገሰ ደንጐየ። ሙማቱ ምስ ፈለጠ ድማ፡ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ (ሞይቱ) ኣሎ፡ ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ ክኸይድ እየ’” በሎም። ካብ ገሊላ ናብ ቢታንያ ክሳዕ ዚበጽሕ ድማ ሞይቱ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ በስቢሱ ጸንሖ። ናይ ትንሳኤ ንጉስ እዩ እሞ፡ በቲ ህያው ቃሉ ኣዚዙ ህይወት ሂቡ ኣተንስኦ። ስለዚ እቲ ሕማምን ሞትን ኣብ ገዛእ ፈታዊኡ ይፈጸም ዝሓደገሉ ዕላማ ሰናይ ዕላማን ሓሳብን እዩ ዝነበረ። ኣልኣዛርን እንተ ክልተ ፍቕሪ ጐይታ ዝጠኦኣማ ኣሓቱን ግና፡ እዚ ሰናይ ሓሳብ እዚ ፈጸሙ ኣይተረድኦምን፡ ጐይታ ምስ መጸውን ካብ ክልቲኣን ፈተውቱ ዘይተጻበዮ ናይ ዘይምእማን መልሲ ግብሪ ተቐበለ። እንተ ዀነ ነቲ ብሕማምን ሞትን ናይ ኣልኣዛር ገይሩ ኪገልጾ ዝደለየ ሰናይ ሓሳቡ ግን ኣይገደፎን።ንሱ ዂሉ  ጊዜ፡ ኣብ ኲሉ ዂነታትን ንዂሉ  ሰብን ሰናይ እዩ።

ሃውርያ ጳውሎስ፡ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ተነጢቝ፡ ሰብ ኽርእዮን ኪዛረበሉን ዓበይቲ ሰማያዊ ምስጢራት ድሕሪ ምርኣዩ፡ ሰይጣን ብትዕቢት ጠሊፉ ኬውድቖ ውዲት ኣጻዊዱሉ ኸም ዘሎ ጐይታ ረኣየ። ከምቲ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ መከራ ብዓወት ዝሰገሮ፡ ነዛ ረቃቕን ስውርትን ንፍጹማት መላእኽቲ እኳ ዘውደቐት ኣበሳ ግን ጳውሎስ ብቐሊል ኺሰግራ ከም ዘይክእል ስለ ዝተረድኣ፡ ካብዛ መጻወድያ ኣዚኣ ንባርያኡ ዜድሕነሉ ሰናይ ሓሳብ ሓሰበ። እታ ሓሳብ ድማ ግራጭ (ሕማም) ኣብ ስግኡ ምግባር ኰነት።፡ ትዕቢት ኣብ ዝተፈታተኖ እዋን፡ እታ ግራጭ ሽቕ ኣቢላ ብምውጋእ ድኹም ሰብ ምዃኑ ከተዘክሮ ዝተዋህበቶ እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብረድኤት ኣምላኽ ንቡዛሓት ሰባት ካብ ከቢድ ሕማማት ዘፈወሰ ከም ምዃኑ መጠን ነዛ ግራጭ እዚኣ ኣይተቐበለን። ንሳ ኽትእለየሉ ድማ በቲ ብዙሕ ዘስለጦ ጸሎቱ ስለስተ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ለመነ። ጐይታ ግና ንባርያኡ ኬሳቕይ ደልዩ ዘይኰነስ፡ ብሰናይ ዕላማ ዝሃቦ ብልጽቲ ውህበት ስለ ዝዀነት ከስምዖን ኪኣልየሉን ኣይፈተወን። ብኣንጻሩ ነቲ ኸምኡ ኺገብር ዝደረኾ ሰናይ ሓሳቡ ኪገልጸሉ መረጸ። ስለዚ ድማ፡ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይእኽለካበሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ድሮ ብዛዕባ ሰናይ ባህርያትን ሓሳባትን ግብርታትን ናይ ጐይታ ልዑል ብስለትን ምትእማንን ኣጥርዩ ስለ ዝነበረ፡

ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።. . . ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ (ብግራጨይ) ክምካሕ እየ።እምብኣርከ (ብስጋ) ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ (ብመንፈስ) ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም (ስጋይ) ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጒ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።ብምባል፡ ነቲ ሰናይ ሓሳብ ጐይታ ኽብሪ ሃበ፡ ንኣና ድማ መስተንክር ዘይሃስስን ሃዋርያዊ ኣራኣያ ሓደገልና (2ቈረ 127-10)

እምበኣር እቲ ሰናይ ሓሳብን ግብርን ናይ እግዚኣብሄር ኰነ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ሰናይ ሓሳብ ናይ ጐይታኦም ዝነበሮም መልሲ ግብሪ ነዚ እዩ ዚመስል። ናይዚ ኣርእስትና መራሕ ጥቕሲ፡ ነቶም ኣብ ምርኮን ባርነትን ናይ ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝተዘርበ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዩ ኤርምያስ ከምኡ ኺብሎም ከሎ፡ ብዓይኒ ሰብ ሰናይ ኰይኑ ኪረኣይ ኣብ ዘይክእል ናይ ባርነትን ውርደትን ኲነታት ዝነበሩ እዮም። እዚ ቕጽዓት እዚ፡ ብሰሪ እቲ ካብ ነገስታቶም ጀሚርካ ኽሳዕ ተራ ህዝቢ ዝፈጸምዎ በደልን ክሕደትን ዝወረዶም እዩ። ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ዓይነት ኣበሳ ዝገበሩ ብዙሓት ኣህዛብ ነይሮም እዮም፡ እንተ ዀነ ከምዚ ንእስራኤላውያን ዝገበረሎም ንኣታቶም ኣይገበረሎምን። ኪብደሉ ኸለዉ ብነብያቱ ተመለሱ ዚብሉ ምሩጻት ነብያት ለኣኻሎም፡ ምስ ኣበዩ ድማ ብልክዕ ከም ዝቐጽዖም ኣምበር ከይቀጽዐ ከም ዘይሓደጎም ፡መን ከም ዝማርኾም ክሳዕ ደቂ ደቁ ከም ዝገዝኦም፡ ናይ ምርኮ ዘመኖም ሰብዓ ዓመታት ከም ዚኸውን ንዂሉ ብግልጺ ነገሮም እዩ። ነዚ ዂሉ ድማ ብሰናይ ሓሳብ እዩ ዝገበሮ። ኣብቲ ናይ ቅጽዓት ዘመኖምውን ንበይኖም ኣይሓደጎምን። ካብ ማእከሎም ነብያት ኣተንስኣሎም፡ ካብ ኢየሩሳሌም ብነብዩ ኤርምያስ ብደብዳቤ መልእኽቲ እናለኣኸውን ኣብ ሃገር ባቢሎን ኪዀንዎን ኪገብርዎን ዚግባእ ይነግሮም ነበረ። እምበኣርሲ እቲ ሰናይ ኣምላኽ ነዚ ዂሉ ብሰናይ ዕላማ እዩ ዝገበሮ። እቶም ኣብ ሃገር ጓና በዚ ናይ ምርኮን ባርነት ኩነታት ዚሓልፍ ዝነበሩ ህዝቢ ግና ነቲ ሰናይ ሓሳብ ናይ ኣምላኽ ኪርእይዎን ክረድእዎን ኣይከኣሉን። ከምቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዘይተኣዘዝዎ፡ ኣብ ምድሪ ባቢሎንውን ኣይተኣዛዝዎን። ንዘይተረዳእካዮን ንዘይተቐበልካዮን ሓሳብ ክትነብሮ ድማ ኣጸጋሚ እዩ። እግዚኣብሄር ግና እቲ ህዝቢ ነቲ ሰናይ ሓሳቡ ስለ ዘይተረዳኣሉን ዘይተቐበለሉን ኣኳ፡ ንሳ ግና ነቲ ሰናይ ባህርዩ ኪሓድግ ስለ ዘይኰነሉ ነቲ ምኽሩ ፈጸም እምበር ኣይተጣዕሰሉን። ስለዚ ድማ ብኣፍ ነብዩ ኤርምያስ፡

ብደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ኪኸውንሲ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ፡ ሓደ ልብን ሓደ መገድን ክህቦም እየ። ንኣታቶም ሰናይ ካን ምግባር ከይዘሐጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክአትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ። ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎም እዩ። ብዂሉ ልበይን ብዂሉ ነፍሰይን ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ዂሉ እዚ ዓብዪ ሕሰም ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘውረድክዎ፡ ከምኡ ድማ ኲሉ እቲ ዘተስፈኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ።ብምባል ነቲ ሰናይ ባህርዩን ሓሳቡን ኣጒሊሑ ኣርኣዮም ( ኤር 3239-42)

ክሳብ ሕጂ ከም መርኣያ ሰናይ ባህርይን ሓሳብን ናይ ኣምላኽ ኣዕሪና ዝረኣናዮ እቶም ክንሓልፎም ዚኸብዱናን ዚመሩናን ሓማቕ ዚመስሉ ኲነታት እዮም። እንተ ዀነ ዋላ እቶም ጽቡቕ ዚመስሉና እግዚኣብሄር ብሰናይ ሓሳብ ብኣታቶም ዜሕልፈና ኲነታትውን ንሕና ከምቲ ሓሳቡ ሰናይ ብዝዀነ መገዲ ኣይንነብሮምን ኢና። ብምድራዊ በረኸት ተባሪኽካ ሃብታም ጥዑይ ውላድ ሓያል፡ ምሁር ስልጡን ( በዓል ስልጣን) ምዃንውን እንተ ዀነ እግዚኣብሄር ብሰናይ ሓሳብ እዩ ዚህበና። ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ እግዚኣብሄር ንሓደ ሰብ ሃብታም፡ ኪኸውን ዚምድበሉ፡ ለጋስን መማቐልን ብምዃን ብሰናይ ግብሪ ኣዝዩ ክህብትም እሞ፡ ካብ ሲኦልን ገሃነምን ድሒኑ ናብ ገነትን መንግስተ ሰማያትን ዚኣትወሉ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ዘለኣለማዊ ህይወት ንርእሱ ጽቡቕ መሰረት ምእንቲ ኼንጽፍ ኢሉ እዩ ( 1ጢሞ 617-19) እቲ ኣብቲ ዝተዋህቦ ሃብቲ ዘሎ ናይ እግዚኣብሄር ሰናይ ሓሳብ ዘይተረድኦ ሰብ ግና፡ ብኣንጻሩ ብሰናይ ግብሪ ዘይኰነ፡ ብግብሪ ዓመጻ ብብቂ ብጭካነ ብስሰዐ ይህብትም እሞ፡ ከምቲ ጐይታሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚኣቱስ ገመል ብዓይነ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልልዝበሎ ነቲ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ዕድሉ ከም ዓይኒ ዕንቍ ንምጽባብ ይጥቀመሉ ማለት እዩ ( ማቴ 1923-24) ሰማያውን ዘላኣለማውን ረብሓ ኪረኽበሉ ይኽእል ንዝነበረ ዕድል ብኸንቱ ኣባኺኑ፡ ምድራውን ጊዝያውን ረብሓ ጥራይ ገበሮ። ከም ንጉስ ሰላምን ገይሩ ሃብትን ክብረትን ጥበብን ዘስተማቕረ ሰብ ኣይነበረን። ንዂሉ ኣስተማቒሩ ምስ ወድኣ ግና ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ንህይወቱ ብምስትውዓል መርመረ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡

ኣዒንተይ ዝደለያኦ ኹሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጎስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን።ልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ኹሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ። ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ኹሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸአ፡ እዚ ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።. . . ኩኡ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ

እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ።ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ኹሉ ዕዮይ ጸላእክዎ።. . . ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቖረጽክዎ።ኢሉ ደምደመ ( መክ 210—11,17-18,20) ንጉስ ሰለሞን፡ እቲ ንህይወት ብዝለዓለ ምልኣታን ክብረታን ዝረኣያ ከምዚ ክሳዕ ምባል እንተ በጺሑ መን እዩ፡ በቲ ዝረኸቦ ሃብትን ጥበብን፡ ስልጣንን ተድላን ንዓለምን ኣብ ትሕቲ ጻሓይ ንዚርከብ ረብሓን ከም ሓደ ዓብይ ነገር ገይሩ ኪቖጽሮ ዚኽእል፧ ልዕሊ ጻሓይ እምበር ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ረብሓ የልቦን። እቶም ልዕሊ ጻሓይ ረብሓ ዘረኽቡ ድማ ነቲ ኣብ ሕማቕ ይኹን ኣብ ጽቡቕ ኲኒታቶም ዘሎ ሓሳብ ኣምላኽ ዘርድእዎን ዚቕበልዎን ዜተግብርዎን ጥራይ እዮም። እቶም ኣብ ህይወት ይኹን ሞት፡ ኣብ ጥዕና ይኹን ሕማም፡ ኣብ ርኽባት ይኹን ስእነት፡ ኣብ ሃገር ይኹን ስደት፡ ኣብ ሰላም ይኹን ህውከት፡ ኣብ ፍትሒ ይኹን ዓመጽ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ይኹን ኣብ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዜጋጥሞምን ንዚሓልፍዎን ኲነታት፡ ልክዕ ምስቲ ሰናይ ሓሳብን ፍቓድን ኣሳማሚዖም ዚነብሩ ብልህታት፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን ጽሓይ ዚረብሑ፡ ንውጽዓ እኳ ናብ ረብሓ፡ ንውርደትውን ናብ ክብረት ኬልውጡ ዚኽእሉ ብቝዓት እዮም።ንሓሳባተይ ንምርጫይን ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ፡ ኣብ ርድኢተይን ምስትውዓለይን ተመርኲሰ ኽነብር ኣይትሕደገኒ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኲነታት፡ ኲሉ ጊዜ እታ ሰናይ ሓሳብካ ትግዝኣንን ትምለኸንንዚብል ጸሎት ወትርግ ክንጽልዮ ዚግብኣና እዩ።

ምኽንያቱ ንዓና ብመሰረቱ ንሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸነገልግል ብኣርኣያ ቅድስቲ ስላሴ ዝተፈጠርና፡ ምድረ ሰማያውያን ፍጡራት ኢና። እቲ ሓመድ ምድራዊ ዝተካፈልናዮ ስጋዊ ተፈጥሮናኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናይ ምንባር ቡቕዓት ኬውሕሰልና ኸሎ፡ እቲ ኻብ ኣምላክ ዝተኻፈልናዮ መለኮታዊ እስትንፋስ ድማ ህያው ነፍሲ ክትህልወና፡ ነቲ መለኮታዊ ሓሳብ ናይ ኣምላኽ ብመገዲ እቲ ለጊስናዮ ዘለና ስጋ ጌርና ከነተግብሮን ክንነብሮን ዜኽእለና ብቕዓት ዜልብሰና እዩ። ኣብ ትንቤት ኢሳይያስ ብንጹር ተገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ ንሓና ሰባት ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ተፈጢርናን ተደኲንናን ( ኢሳ 436-7, 21) ቅዱስ ጳውሎስውንኣቕሓ ኽብሪክንከውን ከም ዝተጸዋዕና ገሊጹልና እዩ ( 2ጢሞ 220,22) እንተ ዀነ፡ ዘርኢ ኣዳም ካብ ንድሕነቱ ኣቕሓ ኽብሪ ዚኸውን፡ ንጥፍኣቱ ኣቕሓ ውርደት ኪኸውን ምስ መረጸ፡ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከም ምርጫኡ ኺፈድዮ ኣይመረጸን። ብኣንጻሩ ኣብታ ዝወደቐላ ዕለትዘርኢ እታ ሰበይቲዀይኑ ተወሊዱ ኸም ዜድሕኖ ኣበሰሮ ( ዘፍ 315) እግዚኣብሄር ንኣዝዩ ልዑል ክብሪ ከምዝፈጠሮ፡ ካብ ኪፈጥሮ ኸሎ ኬድሕኖ ኸሎ ብዝያዳ ኣጒሊሑ ኣግሃዶ፡ካብ ፍጥረትስ ምስጢረ ድሕነት ይዓብይእንብለሉ ምኽንያት ድማ ንሱ እዩ። ንኺፈጥረና እግዚኣብሄር ዝኸፈሎ ዋጋ የልቦን። ንኼድሕነና ግና እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ነቲ ሓደን እንኮን ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኺህብ ሓቲትዎ እዩ። እቲ ፍጹም መለኮት ዝዀነ ጐይታ ስጋ ኺለብስ፡ ብዙሕ ውረደትን መከራን ኪቕበል፡ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ነዛ ንዓይኑ ሓጢኣኣት ኪርእይ እኳ ዘይኰነሉ ጻድቕን ቅድስን ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ኪርእይ እኳ ዘይኰነሉ ጻድቕን ቅዱስን ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ኲሉ ዓለም ኣብ ዝባኑ ጸይሩ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኽቡር ደሙ ኼፍስስን፡ ነቲ ዘይግብኦ መሪር ሞት ኪጥዕም ገበሮ። ስለዚ ነቲ ዘጥፋእናዮ ኽብሪ ምእንቲ ኺመልሰልና፡ ርእሱ ብምሕሳር መዳርግቲ ኣልቦ ዋጋ ኸፈለ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኽብርን ክብደትን ናይ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ዋጋ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።. . ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡. . . ” (1ጴጥ 118-19,22-23) እምበኣር፡ ንኽንድሕን ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብን፡ ክንድዚ ዚኣኣክል ክቡር ዋጋ ካብ ተካፈልና፡ ሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ኣዝዩ ሰናይን ክቡርን ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። ቅዱስ ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕብኡ ዝነበሮ ክቡርን ሰናይን ሓሳብ ምስ ተረድኣ፡

ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ።. . . ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፡ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበጽሕ፡ እንተ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ (ዘለኹ)”  ብምባል ኣመስገነ (መዝ 405 13917-18)።ንሕናውን ልክዕ ከምኡ ዝበለ ምርዳኣ ኪህልወና ይግባኣ። ምኽንያቱ ንዘይተረዳእካዮ ነገር ክትገብሮን ክትነብሮን ኣይከኣኣልን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ቕዱስን ሰናይን ጽውዓ ኣምላኽ ዚበቅዕ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር ዕላማ ጽውዓና እንታይ ከም ዝዀነ፡ በቲ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ መልእኽቲ፡

ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ (ብእኡ) ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኲሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ኪፍጸም፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንልምን ኣሎና።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (2ተሰ 1 12) ስለዚ ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ጻሓይ እንነብሮ ናብራ፡ እዘን ክልተ ገጻት ናይ ክርስትናዊ ህይወት ምፍጻመን ርግጸኛታት ክንከውን የድልየና። ቅድም ንሕና ንእኡ ከነኽብሮ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንሱ ኬኽብረና፡ ቅድም ተኸተሉ ሓልዩ ኣብ ህይወትና ኪፍጸም ይግባእ።

ናብ ኲሉ ነገር ጀማሪ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ። ስለዚ እቲ ኽብሪውን ብእኡ ከም ዝተጀመረ ርዱእ እዩ። መጀመርታ ብገዛእ ኣእዳውን ብገዛእ ኣምሳሉን ብምፍጣር እቲ ዝዓበየ ኽብሪ ኣጐናጸፈና። ነቲ ኽብሪ እቲ ደርቢና ብፍቓድና ውርደት ምስ መረጽና ድማ፡ ነቲ ኪሩቤልን ሱራፌልን ኲሎም ሰራዊት መላእኽትን ብምኽንያት ክብሩ ዜንቀጥቅጡሉ እንኮ ወዱ ንስጋ ምልባስን ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ብኽቡር ደም ወዱ ብምዕዳግ ነቲ ዘጥፍእናዮ ክብርና መለሰና። እዚ ሓንሳእን ንዂሉ ዘርኢ ሰብን ዝተፈጸመ ተግባር እዩ። ብድሕርዚ፡ ማለት እዚ ናይ ክብሪ ድሕሪ ባይታ እዚ ድሕሪ ምንጻፍ። ብድሕሪኡ ኪኸብር ወይ ዘይኺከብር፡ ናይቲ ውልቀ ሰብ ምርጫ እዩ ዚኸውን። እቲ ኣብዛ ምድራዊት ህይወቱ ንኣምላክ ዘኽበረ፡ ካብቲ ኣምላክ ኣብ ምድሪ ዝሃቦ ኽብሪ፡ ናብቲ ሰማያውን ዘለኣለማውን ክብሪ ኺሰግር እዩ። እቲ ኣብ ስግኡ ንኣምላኽ ኬኽብር ዘይፈተወ ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ብኽቡር ደም ወዱ ዝሃቦ ኽብሪ ዳግማይ ስለ ዝደርበዮ፡ ካብ ኣምላኽ ዚጽበዮ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኣይህልዎን እዩ። ብኣንጻሩ፡ ዓቕሚ ኣእምሮኡ ኺርድኦን ኪግምቶን እኳ ዘይክእል ውርደትን ስቓይን ኪጐናጸፍ እዩ። እቶም ኣብዛ ናይ ትሕቲ ጸሓይ ሓጻርን መራርን ዕድሚኦም፡ ብዂሉ ተግባራቶምን ቃላቶምን ሓሳባቶምን ዘኽበርዎ ግና፡ ዘይሓልፍን ዘይረኽስን ዘይጽምልውን ክብሪ ተዳልዩልም ኣሎ። ነቲ ከይረኣይዎ ዘፍቀርዎ፡ ሕጂውን ከይረኣይዎ ብእኡ ዚኣምኒ ዘለዉ፡ መደምደምታ እምነቶምን ምድሓን ነፍሶምን ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ረኸብዎ፡ ኪንገርን ኪግለጽን ብዘይክእል ክቡር ሓጐስ ኪሕጐሱ እዮም ( 1ጴጥ 13-9)

እቶም ነቲ ኣምላኽ ሓሲቡሎም ዘሎ ሰናይ ሓሳብ ዝተረድኡ ብልህታት፡ ነቲ ኽቡር ሓሳብ ኣምላኽ ዚዳረግ ክቡር ህይወት እዮም ዚነብሩ። ነቲ ንኽብሪ ኣምላኾምን ንኽብሪ ርእሶምን ዜሕስር ሓጢኣት ይጽየፍዎን የርሕቕዎን። ከምቲ ንቓኤል ዝተባህለሉ፡ ነቲ ወርትግ ዘቃጸዎም ሓጢኣት ይገዝእዎ እምበር ኣይግዝእዎን እዮም። ነቲ ብኽቡር ደም ክርስቶስ ዝተዓደገ፡ ማሕበር መንፈስ ቅዱስ፡ ቤት መቕደስ ናይቲ ልዑል ኣምላኽ ኪኸውን ዝተሓርየ ስጋኦም ( ሰብነቶም)  ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ኪኸውን ደኣ ይውፈይዎ እምበር ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይገብርዎን እዮም (ሮሜ 612-23)።ብምሕዳስ ሓሳቦም ተለዊጦም፡ ንኣእምሮኦም ካብቲ ርኹስ ዓላማዊ ኣተሓሳስባ ድሕሪ ምንጻህ፡ ነቲ ሰናይን ባህ ዜብልላ ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጥን ከግዝእን፡ ንስጋኦም ህያው ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌሮም ንኣምላኽ እዮም ዚውፍይዎ ( ሮሜ 121-2)።ኣተሃሳስባኦም ከም ናይ ጐይታኦም ክቡርን ሰናይን ስለ ዝዀነ፡ እቲ ብደም ክርስቶስ ዝኸበረ ስብነቶም፡ ብሓጢኣት ኪረክስን ኪማስንን ኪሓስርን ኣይፈቕዱን እዮም። ስጋኦም ንኽብሪ ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረን ክቡር ዋጋ ተከፊልዎ ኸም ዝድሓነ ኣነጺሮም ስለ ዚፈልጡ፡ስጋ እንድየ ለቢሰብዚብል ኣጒል ምስምስ ንሰብነቶም ንጥፍኣት ኣሕሊፎም ኣይህቡን እዮም። ሰብ ምዃኑ ስጋ ምልባስ፡ ግድነታዊ ናይ ምሕጣእ ረቛሒ እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስውን ምሓጥኣ ነይሩ። ጐይታ ግና ይትረፍ ነቲ ንእኡውን ዝተፈታተኖ ሓጢኣት፡ ነቲ ናትና ሓጢኣት ከይተረፈ ብስጋኡ ኸም ዝሰዓሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹልና እዩ ( ኤፌ 214-16) ብዙሓት ከምዚ ኸማና ስጋ ዝለበሱ ቅዱሳን ነዚ ንጹር ኣርኣያ ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ብስጋኦም ንኣምላኽ ኣኽበሩ እምበር በቲ ኣምላክ ዘልበሶም ስጋ ንሓጢኣትን ንሰይጣንን ኣየገልገሉን ንኣምላኾም ኣየሕሰሩሉን። በቲ ኣምላኽ ዘልበሰካ ስጋ ተመሊስካ ንኣምላኽ ተሕስረሉ እንተሊኻ፡ገረብ ብሓኽላዝዓይነቱ ግፍዒ ትፍጽም ከም ዝሎኻ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ

ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማትውን ረብሓይ እዩ፡ እሞ፡. . .  ከምቲ ዂሉሳዕ ሕጂውን ብትብዓት፡ እንተ ብህይወት እንተ በሞት ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ።ብምባል ከም ናይ ክርስቶስ ኣርኣያ ዝሓደጎ ቅዱስ ሃዋርያ እዩ ( ፊሊ 120-21) ስለዚ ድማ፡ ነቶም ባዕሉ ሰቢኹ ክርስትያን ዝገበሮም ምእመናን ቘረንቶስ ንኣናን፡

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።ብምባል ስጋና ነቲ ሰናይ ሓሳብ ናይ ኣምላኽ ኬገልግልን ኬኽብርን እምበር መጋበርያን ኣጽዋን ናይ ሓጢኣት ኪኸውን ከም ዘይግብኦ ኣመልኪቱና ኣሎ (1ቄረ 619-20)

እዚ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እነሕልፎ ናብራ፡ ብዓይነቱን ብኽብደቱን ኣዝዩ ብዙሕ ገጻትን ምዕራፋትን ዘለዎ እዩ። ገጻት ህይወትናን ናብራናን ዝደለዮ መልክዕ ይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ናይ ህይወት ተልእኾና ነቲ ሰናይ ሓሳብ ኣምላኽ ብስጋና ምግልጋልን ምኽባርን እዩ። እዚ ተልእኾ እዚ ምስቲ ንሓልፎ ዘሎና ዂነታትን ስምዒታትን ዘይለዋወጥን ቀዋምን እዩ። እዚ ናይ ኣምላኽ ሰናይ ሓሳብ ናይ ምግልጋል ተልእኾና፡ ብቦታን ብጊዜንውን ዘይለዋወጥ እዩ። ስለዚ እቲ ንሓልፎ ዘሎና ዂነታት ንምንታይ፡ ክሳዕ መዓስ ምዃኑ ዘይክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱን ንውሓቱን ክንዲ ዝደለየ ይኹን ሰናይነት ናይ ኣምላኽ ምርዳእናን ነዚ ቕዱስ ባህርይ ናይ ኣምላኽ ናይ ምኽባር ተልእኾናን፡ ኣብ ውሽጢ እዛ ሓጻርን ምድራውን ዕድመና ኸም ዝተፈጸመ ኸንረጋግጽ ርግጸኛታት ንኹን። ከምዚ እንተ ገበርና ነቲ ሰናይ ኣምላኽ ከንኽብሮ፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ነቲ ሰናይ ባህርዩ ኽንወርሶን ኢና። ከመይሲ እቲ ሰናዩ ባህርዩ ተወራሲ እዩ። እቲ ንሰናይ ሓሳብ ከም ዚግባእ ዝተረድኦ ሰብ፡ ከም ኣምላኹ ሰናይ ኪኸውን ዜኽእሎ ጽቡቕ መሰረት ዝሰረተ ዕውት ሰብ እዩ። እግዚኣብሄር ብባህርዩ ሰናይ ስለ ዝዀነ፡ኲሉ ጊዜ ሰናይ ከምዚሓስብ፡ ሰናይ ከም ዚዛረብ ሰናይውን ከም ዚገብር ኣቐዲማና ጠቒስና ኣሎና። ነቲ ስናይ ሓሳቡ ከምዝተረዳእናዮ፡ ነቲ ሰናይ ባህርዩ ድማ ከም ዝወረስናዮ እንፈልጥ ድማ፡ ኣብ ሓሳባትናን ቃላትናን ተግባራትናን፡ ሰናይነትና ኪረኣይን ኪዓዝዝን ከሎ ጥራይ እዩ።፡ ኣምላኽ ሰናይ ምዃኑ ተረዲእናዮን ኣድኒቕካዮን ከተብቅዕ፡ ነቲ ሰናይ ባህርዩ እንተ ዘይተካፈልካዮ፡ ዕዳ ድኣ ተሰኪምካ እምበር ዝረባሕካዮ ዋላ ሓንቲ ነገር የብልካን ማለት እዩ። እግዚኣብሄር በቲ ሰናይ ምኽሩ ብድኽነት፡ ብሕማም፡ ብሓዘን፡ ብምኽነት (መኻንነት) ከምኡውን ብብዙሕ ካልእ ፈታኒ ዂነታትን ኽትሓልፍ እንተ ፈቐደሞ ንስኻ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ዂነታት ዀንካ ብዛዕባ ኣቲ ትሓልፎ ዘሎኻ መሪር ጥዑም (bitter sweet) ኲነታት ሰናይ ክትሓስብን ክትዛረብን ክትገብርን እንተ ዘይክኢልካ ሽዑ ልብኻ ተጠቢሩ ኸም ዘሎ ኣይትጠራጠር፡ እግዚኣብሄር በዚ ዘይጥዑም ኲነታት ክትሓልፍ ዘፈቀደልካ፡ ተማቓሊ ናይቲ ኣምላኻዊ ሰናይ ባህርዩ ምእንቲ ኽትካፈል ኪሕግዘካ ኢሉ እዩ።

ብኣንጻሩ ብዂሉ እቲ ሰብጽቡቕ ጥዑምዚብሎ ብሃብትን ጣዕምን፡ ብሓይልን ስልጣንን፡ ብኣሳልጦን ክብረትን ኬሕልፈካ ኸሎ ድማ ብእኡ ኪድልለካን ኬፈንጥረካን ኢሉ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሰናይ ባህርዩ እንትካፈለሉን እትምኮረሉን ደገ ምእንቲ ኪኸፈተልካ ኢሉ እዩ። በቲ ሰናይ ውህብቶኡ፡ ካብቲ ሰናይ ባህርዩ ምክፋል ሓዲግካ ብግብረ እከይ ትውሕልለሉ እንት ዀንካ ግና፡ ነቲ ሰናይ ሓሳብ ኣምላኽ ኣይተረዳእካዮን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻሩ ዝዓጠቕካ ዓቀይታይ ኰንካ ኣሎኻ ማለት እዩ። እምበኣር ህይወት ተልኾ እያ፡ ምርጫ ድማ እያ። ኣብ ጒዕዞ ህይወትካ ዜጋጥመካ ኲነታት  ይዕበይ ይንኣስ፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ይኽፋእ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ምርጫ ኽትገብር ኬገድደካ እዩ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰናይ ተልእኾ እንተ መሪጽካ፡ ነቲ ሰናይ ሓሳብ ኣምላኽ ኽትርድኦን ከተገልግሎን፡ ስለዚ ድማ ነቲ ሰናይ ባህርዩ ክትወርሶ ኢኻ። ብኣንጻሩ ነቲ ኽፋእ ምርጫ እንተ ኣልዒልካ ግና፡ ዋላ ወዳ መዝሙርን ሃዋርያን ክሳዕ ምዃን ዓቢኻ ክነስኻ እኳ፡ ከም ይሁዳ ክሳዕ ንጐይታኻ ምሻጥ ከም እትወድቕ ኣይትጠራጠር ኢኻ።

ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ፡ ዓረፈ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትና ይኹን፡ ኣሜን!!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div