S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (8ይ-ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮንጀርመን, 8ይ - ክፋል

ብድሕሪ’ዚ ንእምነት ክርስትና ብሙሉእ ልበይ ስለ-ዝተቐበልኩዎ፥ ነቶም ካህንሥርዓተ-ጥምቀት ክፍጽሙለይ፥ ደጋጊመ ክሓቶም ግድነት ኮነኒ። ካብ ብዝሒ ምህንጣየይ ዝተላዕለ’ውን፥ ንኽጽበ ዘኽእል ትዕግስቲ ኣይነበረንን። ስለምንታይ ምዃኑ እንድዒ ግና፥ ብቐጻሊ “-ተዓገሲ-” ይብሉኒ ነበሩ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ ግና፥ ሓደ ግዜ እቶም ካህን ኣብ በረኻ-ሲና ዝርከብ፥ ናይ ቅድስቲ ካተሪና ገዳም ክበጽሕ ዓደሙኒ። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ ብሓጎስ ተቐበልኩዎ።

ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ፥ ምስ ሓንቲ ንጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ እተፍቅር፥ ጽንዕቲ ክርስቲያን ኃውቲ ክራኸብ ክኢለ። ኣብቲ ነቢይ-ሙሴ ምስ እግዚኣብሔር ዝተራኸበሉ ቅዱስ-እምባ ብምድያብ ድማ፥ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ዘለዎ ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ ከኣልኩ። እቲ ኣብ ብሉይ-ኪዳን ዘሎ ታሪኽ፥ ማለት እግዚኣብሔር ንሙሴ  ብዝነድድ ዕፀ-ጳጦስ ዝተገልጸሉ ብምርኣይ’ውን፥ ነቲ ቅዱስ ታሪኽ ብምስትንታን፥ ኣብቲ ከውሒ ኮፍ ኢልና፥ በቲ ሰብ ተመራሚሩ ክበጽሖ ዘይክእል፥ ናይ እግዚኣብሔር ድንቂ ዝኾነ ሥራሕ ንዛረብ ነበርና።

ኣብቲ መንጎ ግና፥ ብዛዕባ ጸጋ-ጥምቀት ክቕበል ዘይምኽኣለይ፥ ኣብ ሓሳባተይእናመጸ የጨንቐኒ ነበረ። በዚ ድማ መዓስ ኮን ይኸውን ዝጥመቕ-? እናበልኩ ብቐጻሊ እሓስብ ነበርኩ። ባዕለይ ክምልሶ ዝኽእል ሕቶ ግና ኣይነበረን። መን ኮን ይኸውን ነዚ ዓቢይ ምስጢር’ዚ ዝፍጽመለይ-? ዝብል ሕቶ’ውን ኣብ ሓሳባተይ እመላለስ ነበረ። ብሃንደበት ድማ በዚ መጸ ዘይበልኩዎ ሓደ ድምፂ “-ቀሲስ-ጴጥሮስ እዮም-” ክብል ሰማዕኩዎ። እዚ ድምፂ’ዚ ምስ ሰማዕኩ ድማ ከም ስምብድ ኢለ “-ብዛዕባ ቀሲስ-ጴጥሮስ ዝበሃሉ ካህን-” ትፈልጦ ነገር እንተለዋ፥ ነታ ኣብቲ ጉዕዞ ምሳይ ዝነበረት ኃውቲ ሓተትኩዋ።

እታ ተሰቒልናያ ዝነበርና ኣውቶቡስ ደው ስለ-ዝበለት ግና፥ እታ ኃውቲ ገና መልሲ ከይሃበትኒ፥ብጉያ ከይዳ ንሓደ ካብታ ኣውቶቡስ ዝወረዱ ኣቦ ሰላም ክትብሎም ስለ ዝረኣኹ። ኣነ’ውን ንዕዓ ተኸቲለ ከይደ ሰላም ኢለዮም። “-ንምዃኑ መን’ዮም ንሶም?-” ክብል’ውን ሓተትኩዋ። ንሳ ድማ “-ኣይትፈልጥዮምን ድኺ-? ንሶም እኮ ኣዚዮም ዝተፈልጡ ኣቦ እዮም-” ብምባል’ውን፥ እግዚኣብሔር ብእኦም ኣቢሉ ብዛዕባ ዝሠርሖ ድንቂ ዝኾነ ተግባራት ኣዘንትያትለይ። ንሶም እዞም ኣቦ’ዚኦም ቀዳም ቀዳም ዘካይዱዎ ጉባኤ ከም-ዘለዎም ‘ውን ክፈልጥ ከኣልኩ።ብዝኾነ ግና ቤት እዞም ኣቦ ካብ ቤተይ ርሑቕ ስለ-ዘይነበረ፥ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ጉባኤኦም ክሳተፍ እኽእል’የ ዝብል ተስፋ ገበርኩ።

ናብ ገዳም ቅድስት-ካትሪና ዝገበርኩዎ ጉዕዞ ፈጺመ ምስ-ተመለስኩ፥ ብመንገዲ ጥምቀት ኣቢለ ተሳታፊት መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ክኸውን፥ ዝነበረኒ ሃረርታ ክፍጸመለይ’ዩ ትጽቢት ዝነበረኒ። ስለዚ’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ነቶም ካህን ከዘራርቦም ግድን’ዩ ነይሩ። ብጀካ’ዚ ከኣ ካልእ ሓሳብ ኣይነበረንን። ለይትን መዓልትን’ውን መዓስ ተጠሚቐ መዓስ ክርስቲያን እኸውን-? ዝብል ሓሳብ’ዩ ነይሩኒ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክዘራረብ ናብቶም ካህን ኣቢለ ክጐዓዝ ከለኹ ድማ “-ኣጋጣሚ ኮይኑ ከምዚ ሕጂ ዘለኹዎ ኮይነ እንተደኣ ሞይተ፥ እግዚኣብሔር ክርስቲያን’ያ ኢሉ ክቕበለኒ ይኽእል’ዶ ይኸውን?-” ብምባል ምስ ገዛእ ርእሰይ እማጐት ነበርኩ።

ስለ’ዚ ድማ “-ኣታ ጎይታይ-! ልብን ኮላሊትን እትምርምር ኣምላኽ ከም-ምዃንካ መጠን፥ ጸጋ ጥምቀት ተቐቢለ ክርስቲያን ንክኸውን፥ ዘሎኒ ተስፋን ትጽቢትን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ክሳብ ሕጂ ግና ክበጽሖ ኣይከኣልኩን። ብዘይ ረድኤትካ ግና ክኸውን ዝኽእል ነገር የልቦን። ስለ’ዚ በጃኻ ነዚ ምስጢር’ዚ ንምፍጻም ኣብቅዓኒ-” ብምባል ምጽላየይ ቀጸልኩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብቲ መንገደይ ክኸይድ ከለኹ። ምስ ሓንቲ ሽማግለ-ሰበይቲ ኣብቲ ሓደ ኢደን ምርኩስ ሒዘን፥ በቲ ካልእ ኢደን ድማ ኮመደረ ዝመልአ ቦርሳ ኣንጠልጢለን ዝኸዳ ተራኸብኩ።

ንሰን እዘን ሽማግለ-ኣደ ድማ “-እቲ ቅዳሴ ተፈጺሙ ድዩ-? ኢለን ተወኪሰናኒ። ኣነ ድማ ብዛዕባ’ቲ ንሰን ዝሓትኦ ዝነበራ ዝፈልጦ ነገር ስለ-ዘይነበረኒ “-ኣየናይ ቅዳሴ-?” ክብል እቲ ሕቶ ናብአን መለስኩዎ። ንሰን እተን ሽማግለ ኣደ ድማ “-እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስት-ማርያም ዝነበረ ቅዳሴ-” ኢለን መሊሰናለይ። ኣነ ድማ ዝፈልጦ ነገር ስለ-ዘይነበረኒ “-ኣይፈለጥኩን-” ኢለየን። ግዳስ ንሰን ብቐሊል ክገድፋኒ ዝደልያ ኣይነበራን።

ስለዚ እውን “-ኣብኡ’ዶ ኣይነበርክን ኢኺ-? ዝብል ሕቶ’የን ኣስዒበናለይ። ኣነ ድማ “-ኣብኡ ኣይነበርኩን። እንተ-ዝነብርሞ ኣብዚ ኣይምረአኽናንን-” ዝብል መልሲ ሂበ ክገላገል ደለኹ። ብዋዛ ክለቃኒ ዝደልያ ሽማግለ ግና ኣይነበራን። ስለዚ ‘ውን “-ክርስቲያንዶ ኣይኮንክን-?” ዝብል ሕቶ ኣስዓባለይ። ኣነ ድማ “-እዚ ኣብ ርእሰይ ዘሎ መጐልበብዶ ኣይትርእይኦን ኢኽን-” ኢለየን። ንሰን ግና በቲ መልሰይ ዕግበት ይሰማዓየን ኣይሰምዓየን እንድዒ “-ንስኺ ክርስቲያን ኢኺ-” በላኒ።

ኣነ ግና እዘን ሰበይቲ ንዓይ ክከታተላ ዝተላእካ፥ ሰላይት ክኾና ይኽእላ’የን ኢለ ስለ-ዝተጠራጠርኩ “-ክርስቲያን ምዃነይ መን ነጊሩክን-?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪበለን። ንሰን ድማ ናብ ሰማይ እናጠመታ “-ንሱ-” ድሕሪ ምባለን። ኣነ’ውን ከማኺ ክርስቲያን እየ ብምባል፥ ኣብ ኢደን ዝተወቀጥኦ መስቀል ኣርእየናኒ። ብድሕሪ’ዚ ከጸናንዓኒ ዝተላእካ ‘የን ዝብል እምነት ስለ-ዝሓደረኒ፥ ቅሳነት ተሰሚዑኒ ተረጋጋእኩ።ብድሕር’ዚ መንገደይ ንምቅጻል “-ኣታ ኣምላኸይ ምስጋና ይብጻሕካ-” ኢለ ብግስ ክብል ከለኹ፥ ንሰን እተን ሽማግለ ኣደ ክበኽያ ከለዋ ሰማዕኩወን።

ስምብድ ኢለ ድማ ስለ-ምንታይ ትበኽያ ኣለኽን ኢለ ሓተትኩወን-? ንሰን ከኣ “-እቲ ግዜ ክፉእ’ዩ። እቲ ሕይወት’ውን ኣሸጋሪ’ዩ። ንሕና ደቂ-ሰብ’ውን ጨካናት ኮንና ኢና ንርከብ ዘሎና-” ብምባል’የን መልሲ ዝሃባኒ። እቲ ኣበሃህላአን ንዓይ’ውን ከይተሰመዓኒ ኣይተረፈን። ከመይሲ እቲ ክፍኣት ደቂ-ሰብ ግዳም ዝወጸ ኮይኑ ይርአ ከምዘሎ፥ ማንም ክሰሕቶ ዝኽእል ኣይነበረን። ብዝኾነ ነተን ሽማግለ-ኣደ ገለ ቁርብተይ-ሰናትም ሂበየን ጉዕዞይ ቀጸልኩ። ይኹን እምበር ሓደ ክልተ ስጉምቲ ምስ ከድኩ ግና፥ ነተን ሰበይቲ ክንድቲ ክግደሰለን ዝግብኣኒ ዝነበረ፥ ከም-ዘይተገደስኩለን ናይ ሕልና ወቐሳ ተሰመዓኒ። ሽዕኡ ንሽዕኡ ምልስ ኢለ እንተደለኹወን ግና፥ ክረኽበን ኣይከኣልኩን። ቁሩብ ብርክት ዝበለ ገንዘብ’የ ክህበን’የ መዲበ ዝነበርኩ፥ ንክረኽበን ዝገበርኩዎ ፈተነ ግና ኣይተዓወተን።

ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ግና ናብ እንዳ’ቶም ካህን ኣምራሕኩ። እቲ ናይ ምጥማቐይ ሕቶ መልሲ ስለ-ዘይረኸብኩሉ ከደቅሰኒ ኣይከኣለን። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ፥ ነቶም ካህን ኣይተጠምቑንን ዲኹም-? ዝብል ሕቶ ኣቕረብኩሎም። ንሶም ግና “-እዚ ሕቶ’ዚ መሊስኪ ኣይትሕተትኒ። ቅድሚ ምጥማቕኪ እንተወሓደ ሓደ ዓመትክትጸንሒ ኣሎኪ-” ኢሎም መለሱለይ። ኣነ ግና እዞም ካህን ሓደ ዓመት ብሕይወት ዝጸንሕ ምዃነይ፥ እንታይ ውሕስነት ክህቡኒ ይኽእሉ-? ካልእሲ ይትረፍ ንሓንቲ ሰዓትከ ውሕስነት ክህቡዶ ይከኣሎም’ዩ-? ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዘኽእለኒ፥ ካልእ ብልሓት ክረክብ ኣሎኒ ዝብል ሓሳብ ሓዝኩ።

በዚ መሠረት’ዚ እውን፥ ምስታ ናብ ገዳም ቅድስቲ-ካትሪና ኃቢራትኒ ከይዳ ዝነበረት ኃውቲ፥ ናብ ጉባኤ ቀሲስ-ጴጥሮስ ኃቢርና ክንከይድ ተቛጺርና ስለ-ዝነበርና፥ ተተሓሒዝና ናብዚ ጉባኤ’ዚ ኣምራሕና። ኣቐዲምና ስለ-ዝኣቶና’ውን ኣብቲ ቅድም ዝርከብ ሣልሳይ መስርዕ ቦታ ክንረክብ ከኣልና። ናይቲ መዓልቲ ትምህርቲ ድማ “-ንስሓን ናብ እግዚኣብሔር ምምላስን-” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ነበረ። እቲ ትምህርቲ ድማ ኣዚዩ ዘሐጉስን ንሕልና ዝኹሕኩሕን ስለ-ዝነበረ፥ እቶም ቃላት ንውሽጠይ ኣትዮም ዝድህስሱኒ ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ።

ድሕሪ’ቲ ጉባኤ ምፍጻሙ። እታ ድሮ መሓዛይ ኮይና ዝነበረት ኃውቲ፥ ነቶም ካህን ማለት ቀሲስ-ጴጥሮስ “-እዚኣ ካብቲ ካልእ ደምበ ዝመጸት በጊዕ’ያ-” ብምባል ገለጸትሎም። ንሶም ድማ ምሳይ ምርኻቦም ብጣዕሚ ደስ ከም-ዝበሎም’ዮም ዝተዛረቡ። ብኸመይ ዝበለ ናይ ኣባትነት ፍቕሪ ይጥምቱኒ ከም-ዝነበሩ’ውን፥ ክሳብ ሎሚ ኣይርስዖን እየ። እቲ ከቢድ ዝኾነ ግርማ ሞገሶም፥ ከቶ ክርስዖ ዝኽእል ኣይኮንኩን። ክርሳዕ ዝኽእል’ውን ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ኣገራሚ ዝኾነ ጉዳይ፥ ኣብ ቤት-ትምህርትና እትሠርሕ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ፥ ናይቶም ካህን ቀሲስ-ጴጥሮስ ጸሓፊት ኮይና’ውን ተገልግል  ስለ-ዝነበረት፥ ንሳ ምሳና ተማሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፥ ኣነ ብዝተፈልየ ንዕኣ ሕያወይቲ ኣይነበርኩን እዚ ማለት ግና፥ በደል ስለ-ዝፈጸመት ኣይኮነን እቲ ምርኻብና። እንታይ ደኣ ኣነ ክርስቲያን ካብ ምጽልአይ ዝተላዕለ፥ ዝብገስ ጸገም’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እንዳ ቀሲስ-ጴጥሮስ ብኣጋጣሚ ምስ-ረኣየትኒ ድማ፥ ብስምባድ ዝኣክል ንኽትወድቕ ዝተረፋ ኣይነበራን። ብኸምዚ ኣጋጣሚ ንራኸብ ኢላ ዝተጸበየቶ’ውን ኣይመስለንን።

ዝኾነ ኾይኑ እግዚኣብሔር ስለ-ዝፈቐዶ ክንራኸብ ክኢልና። ዝኾነ ዝገበርናዮ ምዝርራብ ግና ኣይነበረን። ምስ ቀሲስ-ጴጥሮስ ንክራኸብ ግና፥ ንዝመጽእ ረቡዕ ቈጸራ ሒዛትለይ። መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ ከም-ዝበሃል ድማ፥ ረቡዕ ስለ-ዝኣኸለ ናብቶም ካህን ከድኩ። ቤት ጽሕፈቶም ኣብቲ ዓቢይ-ሕንፃ ካልኣይ-ደርቢ እዩ። ምስታ መሓዛይ እናተመራረሕና ድማ፥ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀሲስ-ጴጥሮስ በጻሕና። እቲ ዝነበርናዮ ክፍሊ ድማ ናይ መጠመቒ ቦታ ምዃኑ ገመትኩ።

እቲ ክፍሊ ምስ ረአኹዎ፥ ንኸለልዮ ግዜ ኣይወሰደለይን። ከመይሲ ብራእይ ርእየዮ ነይረ’የ። ናብቲ ብዓቢይ ሃረርታ ዝጽበዮ ዝነበርኩ ጥምቀት ዝቐረብኩ ስለ-ዝመሰለኒ ከኣ፥ ብዙሕ ሓጎስ ተሰመዓኒ። “-ኣታ ሕያው ኣምላኽ-! ስምካ ንዘለዓለም ዝተመስገነ ይኹን-” ብምባል ድማ፥ ነታ መሓዛይ ተኸቲለ ናብ ውሽጢ ኣተኹ። እቶም ካህን ድማ ዝርዝር ነገር ብዛዕባይ ክፈልጡ ደለዩ። ኣነ’ውን እቶም በብግዚኡ ክርእዮም ዝጸናሕኩ ራእያት፥ ዕንቅፍ ከይበልኩ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ብዝርዝር ነገርኩዎም። ንሶም ድማ ብዓቢይ ተገዳስነት ኣዳሚጾሙኒ።

ሰኔ 1988 ክምለሶም ቈጸራ ብምሃብ ድማ ኣፋንዮሙኒ። ንሶም እቶም ካህን ማለት ቀሲስ-ጴጥሮስ፥ ብዙሕ ግዜ ምስኦም ክራኸብ ዕድል ረኺበ እየ። ንሰብ ኣኽብሮት ዘለዎምን ትኹረት ዝህቡን ኮይኖም ድማ’የ ዝረኸብኩዎም።ትዕግስትን ኣባታዊ ርሕራሔን፥ ከምኡ’ውን ልቦናን ትዕግስትን፥ ወሳኒ ዝኾነ ስብእና ዝተላበሱ ኣቦ እዮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ከም ሓንቲ ሕፃን’የ ዝነበርኩ። ምሉቕ ፍቕርን ሓልዮትን ድማ ኣይተፈልየንን። ኣነ’ውን እቲ ናቶም ኣባትነት ባህ ኢሉኒ እቕበሎ ነበርኩ። ከም ጓሎም ክርእዩኒ ብጣዕሚ ዝብህጎ ነገር’ዩ ነይሩ።

ኣብ መንጎ’ዚ ናይ ሓጋይ ናይ ቤት-ትምህርትና ዕረፍቲ ስለ-ዝተወድአ፥ ኩሎም መማህራንና ንናይ ሓዲሽ-ዓመት ናይ ትምህርቲ ዘመን ምድላው ንምግባር፥ ላዕልን ታሕትን ዝብሉሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ስለ’ዚ  እውን “-ኣታ ኣምላኸይ-! ከም ቀደምካ ኣይትፈለየኒ-” ኢለ ጸለኹ። ግዳስ ከመይ እየ’ሞ ክኸውን-? ከመይሲ ሕጂኮ ኣዚየ ዝተለወጥኩ ሰብ’የ ኮይነ። እቲ ቀደም መፍርሕን መደንግጽን ዝነበረ ጠባየይ፥ ሕጂ ምሳይ የሎን። ቅድሚ ሕጂ ድምጸይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ኩሎም። ክጨቓጨቕን ክጻረፍን ከለኹ’ዮም ዝፈልጡኒ። ከምኡ’ውን ከም-ዝተለኽፈት ሰብ፥ ብዘይ ዕረፍቲ ሽጋራ ከጥይስ ከሎኹ ዝፈልጡኒ ዉሑዳት ኣይኮኑን። እቲ መንነት’ቲ ሕጂ ምሳይ ክህሉ ዝደልዮ ኣይኮንኩን። ብዛዕባ’ቲ ዝቀባብኦ ዝነበርኩ ቀለማት፥ ከምኡ’ውን ሥርዓት ዘይነበሮ ኣከዳድናይ፥ ሕጂ እሓፍር ኣለኹ።

ሕጂ ክርስቲያን ኮይነ’የ። ነቲ ዕቡድ ዝኾነ ሕይወት ከኣ፥ ሕጂ ክምለሶ ዝደሊ ኣይኮንኩን። ዓለም ድሕሪ ደጊም ንዓይ እንታየይ ኣይኮነን። ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ክኸውን መሪጸ እየ። ቅድሚ ሕጂ ከም-ዝነበርኩዎ ሕጂ ክኸውን ኣይክእልን እየ። ዝኾነ ሰብ እታ ናይ ቀደም ኣሸጋሪ ጠባይ ዝነበራ ሰብ፥ ከም-ዘይኮንኩ ክፈልጥ ይኽእል’ዩ። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ክገብር ምኽኣለይ ብዙሓት ዝገርሞም ኣለዉ።እቲ ብሕጊ ዘይምለኽ ዝነበረ ስዲ ዝኸደ ጠባየይ፥ ከምዚ ኢሉ ክልወጥ፥ ንዓይ’ውን ይገርመኒ’ዩ። እዚ ግና እግዚኣብሔር ብጽግኡ ስለ-ዝበጽሓኒ ደኣምበር፥ ባዕለይ ዝገበርኩዎ  ኣይኮንኩን።

ሎሚ ንኹሉ ሰብ ዝድንግጽን ዘፍቅርን ልቢ’ዩ ዘሎኒ። ስለዚ’ውን ንብዙሓት ከገልግልን ክሕግዝን፥ ባህ ዝብለኒ ሰብ ኮይነ ምርካበይ፥ ንኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ። ደቂ ሰብ ንዓይ ኩሎም ሓደ’ዮም። ዘፍቅሮ እምበር ዝጸልኦ የብለይን። እዚ ከኣ እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ዝሃበኒ ጸጋ እዩ’ምበር፥ ኣነ ባዕለይ ገይረዮ ዝብሎ ኣይኮንኩን። ስለዚ’ውን እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፥ ጠባየይ ናብ ኣራዊት ተለዊጡ ከሎ ዘሕዘንኩዎም ሰባት፥ ሎሚ ኣብ መሬት ወዲቐ ይቕሬታ እሓቶም ኣለኹ። ከመይሲ እቲ ሕያዋይ-ኣምላኽ ባዕሉ መንገዲ ፍቕርን ይቕሬታን መሪሑኒ እዩ።

ሕይወተይ ምሉእ ብምሉኡ ስለ-ዝተለወጠ፥ ነቲ ዝኾርዓሉን ዝሕበነሉን ዝነበርኩ ሥርሐይ’ውን ክሓድጎ መደብኩ። እቲ ኩሉ ዝነበረኒ ክብርን ሓበንን ሥልጣንን፥ ነቲ ክርስቲያናዊ-ሕይወተይ ዕንቅፋት ክኾነኒ’ዩ ካብ ዝብል ኣመላኽታ፥ ርሕርሕ ኣቢለ ክገድፎ ምርጫይ ኮነ። እቶም ኣብ ቤት-ትምህርትና ዝነበሩ ክርስቲያን፥ ኩነታተይ ድሮ ክርድኡዎ ክኢሎም ነይሮም’ዮም። ከመይሲ ኣዘውቲረ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክመላለስ ይርእዩኒ ኣለዉ። ርግጽ’ዩ ንብዙሓት ካባታቶም ዘይርድኦም ክኸውን ይኽእል’ዩ። እታ ጸረ ክርስቲያን ዝነበረት ኣራዊት-ፍጥረት፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኣትያ ክርእዩዋ፥ ሕልሚ መሲሉ እንተ-ተራእዮም ዘገርም ኣይነበረን። ብእኣ ምኽንያት ኣብ ዝኣትዉዎ ክሳብ ዝጨንቆም፥ ኣስካሕኪሖም እዮም። ሕጂ ግና እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ፥ ነቲ ዝጸንሓኒ ጸሊም ታሪኽ ቀይሩዎ እዩ።

እቲ ኩነታት ከምዚ’ሉ ከሎ ግና፥ ሓደ መዓልቲ ወደይ ክበጽሓኒ ኢሉ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ መጺኡ። ገጹ ብሓጎስ በሪሁ ናባይ እናጎየየ ብምምጻእ “-ኣደየ-! ፈተና ሓሊፈ ብዲግሪ ተመሪቐ-” እናበለ ኣበሰረኒ። ኣነ ድማ እቲ ዝነግረኒ ዘሎ ኩሉ ንምእማኑ ጸገመኒ። ከመይሲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እቲ ፈተና ስለ-ዝኸበዶ፥ ምንም ክገብር ከም-ዘይክእል ነጊሩኒ ስለ-ዝነበረ፥ ነዚ ናይ ሕጂ ኣበሃህላ ክርድኦ ዘይ-ከኣልኩ’ውን ስለዚ’የ። “-እቲ ፈተና ስለ-ዝኸበደካ ምንም ክትገብር ከም-ዘይከኣልካ’ኮ ነጊርካኒ ኔርካ ኢኻ። ሕጂ ደኣ ከመይ ኢሉ’ዩ ክኾነልካ ክኢሉ-” ብምባል’የ ዝሓተትኩዎ።

ወደይ ግና ኢደይ ኣገላቢጡ እናተሳለመ “-እዚ’ሞ ኣደየ ብናትኪ ጸሎት’ዩ እምበር፥ ብናተይ ጻዕሪ ኣይኮነን-” ምስ-በለኒ፥ ነቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኸይ ኣመስገንኩ። እቲ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ተሰማሚዑኒ በዚ ኣገባብ’ዚ ይቕጽል እኳ እንተነበርኩ፥ ጸጋ ጥምቀት ክቕበል ብዘይ-ምኽኣለይ ግና፥ ኣብ ሰንፈላል’የ ዝነብር ዝነበርኩ ክብል እኽእል። ኣብቲ ቀሲስ-ጴጥሮስ ዝመርሑዎ ጉባኤ ብቐጻሊ እሳተፍ’ኳ እንተ-ነበርኩ፥ ንምጥማቕ ግና ገና ኣይተፈቕደለይን ነበረ። ግዳስ እቲ ጥምቀት’ኳ እንተ-ዘንግዐ፥ እቲ ውሽጠይ ግና ኣነ ክርስቲያን’የ ዝብል እምነት’ዩ ነይሩዎ።

ብሃንደበት ሓደ መዓልቲ ግና፥ ቀሲስ-ጴጥሮስ ንረቡዕ 13-ታኅሣሥ 1988 ቈጸራ ሓዚ ኢሎም ተዳለዊ በሉኒ። እዚ ዝተባህለ መዓልቲ ድማ ኣኸለ። ንሶም እቶም ካህን ድማ ርግእ ብዝበለ ድምፂ “-ንክትጥመቒ ተዳሊኺ ዲኺ-?” በሉኒ። ኣነ ድማ ምሉእ ዕድመይ ክጽበዮ ዝጸናሕኩ ስለ-ዝነበረ፥ “-እወ-” በልኩዎም። ንሶም ድማ “-በሊ ድሕሪ ሓደ-ሰሙን ረቡዕ 20-ታኅሣሥ ከጥምቐክ’የ-” ኢሎሙኒ። ብምቕጻል ድማ “-ካብ ሰይጣን ዝመጽእ ከቢድ ኩናት ይጽበየኪ ኣሎ። ነዚ ፈተና’ዚ ስዒርኪ ብዓወት ንምውጻእ ምእንቲ ክትክእሊ፥ መጽሓፍ-ቅዱስ ኣንብቢ ብትግሃት ድማ ጸልዪ-”ብምባል ጽሒፎም ሃቡኒ። እዚ ግና ነታ መሓዛኺ እምበር ንማንም ኣይትዛረቢ’ውን በሉኒ።

ብድሕር’ዚ ጸሎት ኣየቋረጽኩን። ምስ ኣምላኸይ ድማ ርክበይ ቀጸልኩ። ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ድማ እጽሊ ነበርኩ “- መፍቀር ሰብ ዝኾንካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ-!በጃኻ እቲ ጸላኤ-ሠናያት ዲያብሎስ፥ ንጥምቀተይ ዕንቅፋት ኮይኑ ንክርከብ ኣይተፍቅደሉ። ጸጋኻ’ውን ኣይትንፈገኒ። በዚ ዝቕበሎ ጥምቀት’ውን፥ ምሳኻ ሞይተ ምሳኻ ክትንሥእ’የ። ኣብ ነፍስ-ወከፍ ስጉምተይ፥ ምሳኻ ከም-ዝኸውን ድማ ቃል እኣቱ ኣለኹ። ኩሉ ግዜ ከኣ ምሳኻ ክኸውን እየ-”

 

ይ ቕ ጽ ል

7.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 7ይ-ክፋል

6.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 6ይ-ክፋል

5.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 5ይ-ክፋል

4. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 4-ክፋል

3. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 3-ክፋል

2. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 2-ክፋል

1. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”-1-ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div