S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ዓለም፡ ንፍቕሪ ዘይተደርፈሉን ዘይተጻሕፈሉን ዘመን የለን፡ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብዚ ምዕቡል ግዜ ከኣሞ፡ ብዝረቐቐ ኣገባብ፡ ብደርፍታትን መጻሕፍትን ፊልምታትን፡ ፍቕሪ ፍቕሪ ክብሃል፡ ካብ ምስማዕ ኣእዛና ኣየዕረፈን።

እዚ ተጀምረንስ ኣለኻ ግን ተወድአኒ ዲኻ፡ ብዝብል ሻቕሎት፡ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዝመላለስ ፍቕሪ፡ ዝውዳእ እንተ ዘይከውን ኔሩስ፡ ኣብ ዓለም ዳርጋ ኩሉ ዛንታ ፍቕሪ፡ ብንብዓት ኣይምተዛዘመን ኔሩ። እቲ ዝገርም፡ ምስዚ ኲሉ ምውዕዋዕ፡ ፍቕሪ ቀደም ጽኑዕ፡ ፍቕሪ ሎሚ ግና ዝምቡዕ ምኻኑ እዩ። ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎውን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘመን፡ ፍቕሪ ብዙሓት ትዝሕትል እያ። ፍቕሪ፡ ኣብ ኣዳባባይ ብኣፍ ተዛረብትን ስነ ጥበበኛታትን እናተጋውሐት፡ ከም ሽታ ማይ ካብ ልቢ ደቂ ሰባት ምጥፍኣስ እቲ ጠንቂ እንታይ እዩ። እስከ ነዛ ሓጻር ዕላል ብልቢ ንመልከታ።

ሓንቲ ኣብ ዓዲ ዓረብ እትቅመጥ ሰበይቲ፡ ንሓንቲ ብዕድመ ንእሽቶ ዝኾነት ጓላ፡ምስ ሓደ ብዕድመ ካብኣ ኣዝዩ ዝዓቢ ክትምርዖ ሓተተታ። ወያ ጓላ ከኣ፡ ምስ ዘየፍቅሮ ክምርዖ ኣይደልን እየ ክትብል መለሰት። ሻቡ እታ ብሃብቲ እቲ ንጓላ ዝደሊ ዘሎ ሰብ ኣዒንታ ዝዓወረት ኣደ፡ ከምዚ ኢላ መለሰት፡ስምዒ ዛጓለይ፡ፍቕሪ ደኣ ሎሚ ኣብ ደርፍን መጻሕፍትን ፊልምታትን እምበር፡ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ካብ ዘይትህሉ ነዊሕ እንድያ ጌራ። ስለዚ ሃብትን ክብረትን ክትረኽቢ ሱቕ ኢልኪ ጥራሕ ተመርዓዊበለታ ይበሃል። ሓቂ ኢዩ፡ እታ ናይ ብሓቂ ዘይተቓርጽ ፍቕሪ ሎሚ ተሳኢና እያ ዘላ። እተን ንፍቕሪ ዘይውክላ፡ ውልዕ ጥፍእ ዝብላ፡ ሃነይነይታን ናይ ዓይኒ ስሕበትን ዘማእዝነን፡ ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሳ ዓይነት ፍቕሪ ግና ገኒነን ይርኣያ ኣለዋ። እሞ ደኣ እዛ ዘይተቋርጽ ፍቕርስ ኣበይ ኮን ትህሉ፧

ነዚ ክንፈልጥ ቅሩብ ናብ ላዕሊ፡ ናብቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ኣምላኽና ንጠምት። ሽዑ ነታ ብወዱ ኣብ ቀራንዮ፡ ኣብ መስቀል ዝተገልጸት ፍቕሪ ንዘክር።ኣብዚ ነዛ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ክንረኽባ ኢና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። እቲ ንደቂ ሰብ ዘፍቅሮ ፍቕሪ ድማ ዘለኣለማዊ እዩ። እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዝነበረ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ውድቀትናውን ኣይቛረጸን። ስለዚ ድማ ደድሕሬና እናሰዓበ ናይ ምሕረት ገመዱ ሰዲዱ ካብ ዝኣተናዮ ጉድጓድን ዝተሸኸልናሉ ዓዘቕቲን ከውጽኣና ደኣ ተግሀ። ኣብዚ መወዳእታ ዘመን፡ እዛ ፍቕሩ ንዓና ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸት። ማለት ወዲ ኣምላኽ፡ ጸላእቱ እንከለና ምእንታና ኣብ መስቀልምስ ወዓለ፡ ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ፈሊጥናያ ኢና። እዛ ፍቕሪ፡ ዓቃል፡ ለዋህ፡ ዘይትቐንእ፡ ዘይትጀሃርን ዘይትንፋሕን፡ ዘይተስተሓፍርን፡ ናታ ዘይትደልን ዘይትምረርን ዘይትቕየምን ኢያ። ብሐቂ ትሕጎስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን።ኩሉ ትጸውር፡ ኩሉ ትኣምን፡ ኩሉ ተስፋ ትገብር፡ ኩሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቃርጽን ኢያ።(1ቆሮ 134-8)። ንፍቕሪ ኩሉ ነገር ኣይመዓራረያን እዩ።ትንቢት እንተ ንሱ ምስ ተፈጸመ ክሰዓር ኢዩ፡ ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎውን ኣገልግሎት ወንጌል ደው ምስ በለ፡ ማለት ጎይታ ምስ መጸ ንሱ ክውዳእ እዩ።ፍልጠት እንተሎውን ጽባሕ ኣብ ሰማያት፡ እቲ ምልኣት ምስ መጸ እቲ ምቃል ክሰዓር እዩ። (1ቆሮ 138-11)

እቲ ከም ሰዓብቲ ጐይታ፡ ካብ ኣምላኽና እንካፈሎ ዝዓበይ ባህርይ ድማ ንሱ እዩ - ፍቕሪ (2 ጴጥ 1:4) ነተን ዓበይትን ቀዳሞትን ትእዛዝት ኣምላኽ ማለትንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ እታ እትመስላንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡” (ማቴ 22:37-39) ዝብላ ክንፍጽመን እንኽእል፡ እዚ ናይ ፍቕሪ ባህርይ ካብ ኣምላኽ ምስ እንካፈል ጥራይ እዩ። ኣምላኽ ንዘይብልናን ንዘይሃበናን ነገር ከም ዘይሓትተና መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይምህረና እዩ። “… ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም።” (ሉቃ 12:48) እሞ እዚ ባህርይ እዚ መዓስ እየ ተቀቢለዩ ንብል ንኸውን። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብለና እታ ዘይተሕፈር ተስፋ ዘለኣለም ህይወት ዝረኸብናላ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ፈሲሱ እዩ። (ሮሜ 5:5) እዚ ማለት፡ኣምላኽ ከም ዘፍቀረካ ብዝተረዳእካሉ መጠን እቲ ወሃቢ ህይወት ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነዚ ናይ ፍቕሪ ባህርይ ኣባኻ የፍስሶ። ዘይተቀበለ ክህብ ስለ ዘይክእል፡ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓካ እንተ ዘይተረድኣካ እቲ ንኣምላኽ ከስምር ዝኽእል ፍቕሪ ኣባኻ ኽህሉ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ደጊሙ ዝምዕደና ከምዚ እናበለ፡ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።” (ኤፌ 3:16-19) ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንስረት ንፍቕሪ ክርስቶስ ክንፈልጣ ይግብኣና።

እዛ ፍቕሪ ኣብ ልቡ ዝፈሰሰትሉ ሰብ፡ ነቲ ሕጊ ዝጠልቦ ክፍጽሞ ኣይጽግሞን እዩ። እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘሐጉስ ድማ ፍቕሪ ማእሰር ፍጻሜ ምዃና እዩ።እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። (ሮሜ 13:8-10) ስለዚ ንክርስትያን ዘላቶ ሓንትን እንኾን ዕዳ እዛ ናይ ፍቕሪ ዕዳ እታ።ዕዳ ድማ ግድን ክኽፈል ኣለዎ። ስለዚ ክርስትያን ንዘይ ምፍቃር ከቕርቦ ዝኽእል ምኽንያት የብሉን። ብኦሪት ጸላኢካ ጽላእ ፈታዊካ ፍቶ ዝነበረ ክርስቶስ ንጸላኢካውን ከይተረፈ ፍቶ ብማለት ንኹሉ ክነፍቅር ኣዘዘና። ነዚኣ ክገብራ ዝኽእል ግና፡ እቲ ገና ጸላኢ ኣምላኽ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ከም ዝተዓረቖ ዝፈልጥን ዝኣምንን ሰብ ጥራይ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝፈሰስ ሰብ።ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። …. ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።ሮሜ 5:8,10)

ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ካብ ፈሰሰ፡ ኣምላኽ ካባና ዝጽበዮ፡ እቲ ኣብ መእተዊ ትምህርትና ጠቂስናዮ ዘሎና ሓሳብ እዩ፥ ብዘይ ግብዝና፡ ብዘይ ልግሚ ንሓድሕድናን ምስ ኹሉ ሰብን ምፍቃር። ግብዝና ዘይኰንካዮ ክትከውን ምፍታን ክኸውን ከሎ፡ ልግሚ ድማ ዘይምንጣፍ (ዕጥይ ምጥይ ምባል) የስምዕ። ስለዚ ንልብና ካብዚ ከምዚ ኣንጺህና ብግሩህን ቅኑዕን ልቢ፡ ብተወፋይነት ንፋቐር። ፍቕሪ ብምሃብ እምበር ብምቕባል ኣይትግለጽን እያ። ኣብ ዓለም መብዛሕትኡ ሰብ ንፍቕሪምቕባልገይሩ ስለ ዝርድኣ ጌና ኣይረኸባን ዘሎ። ንሕና ግና፡ ከምቲ ኣምላኽ ሓ ወዱ ብምሃብ ዘፍቀረና፡ ብልግሲ ኣናተፋቕርና፡ ንይቅሬታን ንፍቕሪ ምስ ኩሉ ሰብን እናሰዓብና ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ደኣ ንዕበ። ክብሪ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይኹን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ኣስተርእዮ ንብሎ ካብ ጥምቀት ክሳብ ቀበላ ጾም ማለት ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጥሪ 30 ዘለዋ ሰሙናት እየን

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

   መዝ 147 (146)1

በከመሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሃገረእግዚኣኃያላን በሀገረ ኣምላክነ። እግዚኣብሔር ሣረራ ለዓለም።

ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ገላ 421-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 242-ፍጻሜ

1ጴጥ 21-9

ዲያቆን

ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም

ግሃ 517-29

ንፍቅ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div