S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝርኣናዮ፡ እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዕኡ ዝተረድኦ ሰብ (ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ፍቅሪ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ዝፈሰስ) ጥራይ እዩ እቲ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ምፍቓር ከፍቕር ዝኽእል ኢልና ኔርና። ንሎሚ እንመሃሮ ድማ እቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ  ንዝገበረሉ ምሕረት ዝጥዓመ ሰብ ጥራይ እዩ ንቃል ኣምላኽ ብባህጊ ክበልዕን ክሰትዮ ዝርከብ ዝብል ክኸውን እዩ። እዚ ማለት ድማ ሕያውነት እግዚኣብሔር ዘይጥዓመ ሰብ ንቃለ እግዚኣብሔር ክናፍቖን ክብህጎን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ጠንቂ ዘይምህላው ወይ

ምጉዳል ባህጊ ክርስትያን ናብ ቃል እግዚኣብሔር፡ ስእነት ጣዕሚ ሕያውነት ኣምላኽ እዩ። መዓር ጥዑም መግቢ እዩ፡ ጥዒምዎ ንዘይፈልጥ ሰብ ግና ተራ ነገር እዩ። ካብታ መልሓሱ ነዚ ምኡዝ መግቢ ዘስተማቀረትሉ ግዜ ግና እቲ ታርኽ ዝተፈልየ እዩ። መዓር ክረኽብ ይብህግ፡ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ድማ ክምገቦ ይጽዕር።

እግዚኣብሔር ካብቲ ብዙሕ ባህርያቱ ሓደ ሕያዋይ፡ መሓሪ፡ ርሕሩሕ ምዃኑ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ባህርይ ኣምላኽ ብፍላይ ካብ ዘስተማቀሩ ሰባት ሓደ ዘማራይ ቅዱስ ንጉስ ዳዊት እዩ። ብዛዕባ እቲ ነፍሱ ዝተመዀረቶ ሕያውነት ኣምላኽ ብዙሕ መዛሙር ዘሚሩ ኣሎ። ንዕቤትን፡ ኣገዳስነትን ለውሃት ኣምላኽ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብልለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን” (መዝ 63:3) ለውሃት ኣምላኽ ካብ ህይወትና ዝዓብየሉ ምኽንያት ድማ፡ መሰረትን ምንጭብ ናይታ ብቀንዳ ህይወት ብምዃኑ እዩ። ብዘይ እዚ ናይ ኣምላኽ ለውሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብህይወት ጠጠው ክብል ዝኽእል ፍጡር የለን። ኣዒንቲ ኣምላኽ ጽሩያት እየን፥ ሓጢኣት ክርኢ ድማ ስለ ዘይዀነሉ፡ ተጠንቂቑ ክምልኸትውን ከየድለዮ፡ ገጹ ምስ ዝኽውል ፍጥረት ኩሉ ይስንብድ፡ ትንፋሶም ትውጽእ፡ ብህይወት ዝነብርውን ኣይህሉን። (መዝ 104:29, ኢዮብ 7:17-18, ዕንባቆም 1:13) ለውሃቱ ግና፡ ነቲ ፈልዩና ዝነበረ ሓጢኣት ኣርሒቑ ምስኡ ሕብረት ክንገብረሉ ዘኽእለና መገዲ ህይወት ከፈተልና። እዚ መገዲ እዚ እቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ በጃ ምሕላፍ እዩ።ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንሕና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም” (ኤፌ 2:3-4) ስለዚ፡ ምሕረት ኣምላኽ ምጥዓምና ግሁድ መርትዖ ናይቲ ዝተቀበልናዮ ህይወት እዩ። ነዚ ህይወት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኢሉ ይጽውዖ። እቲ ርሕሩር ኣምላኽ ገጹ ምስ መለሰልና፡ ንሕናውን ኣወታዊ ምምላስ ምስ ገበርና ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረኽብ። እዚ ህይወት ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘለዎ ህይወት እዩ።

ከም ኩሉ ህይወታዊ፡ እቲ ዝረኸብናዮ ህይወት ድማ ተወሊዱ ዝዓቢ፡ ዝብርትዕ ዝደኽም፡ ዝጥዒ፡ ዝሓምም፡ ወዘተ እዩ። እዚ ኹሉ ተርእዮታት ድማ ምስ መግቢ ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎ ዀይኑ ኢና ንረኽቦ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና ድማ ንመንፈሳዊ ህይወትና መግቡ፡ እቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ኩሉ ቃል ምዃኑ እዩ። መንፈሳዊ ህይወትና ብቃል ሓቂ ተወሊዱ፡ ብቃል ሓቂ ዝዓቢ፡ ብቃል ሓቂ ነጺሁ፡ ናብ ፍረ ዝበጽሕ፡ ብቃል ኣምላኽ ተቀዲሱ፡ ብቃል ኣምላኽ ምስ ኹሎም ቅዱስን ዝርስተ እዮ። ኣብቲ ምስ ጸላኢና ዲያብሎስ ዘለና መንፈሳዊ ቅልስ እንዕጠቆ ዋልታን ሰይፍን ቃል ኣምላኽ እዩ። (ማቴ 4:4 1ጴጥ 1:22 ዮሃ 15:3 17:17 ግብ 2032 ምሳ 30:5 ኤፌ 617)

እቲ መበገሲ ትምህርትና ዀይኑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ መልእኽቲ (1ጴጥ 21-9) እንተ ኣንቢብናዮ፡ ዕላማ ናይቲ ብባህጊ ክንወስዶ ዘሎና መንፈሳዊ ጸባ ዝተባህለ ምምጋብ ቃል ኣምላኽ፡ ንምድሓን ምእንቲ ክንዓብየሉ እዩ። ናይ ምፍጣርና ይኹን ናይ ምድሓንና ዕላማ ንኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ደጊሙ ከምዚ ይብለና፥ “… ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ።” (. 5) እግዚኣብሔር፡ ኣብቲ ልዑልን ዕዙዝን ስፍራ እናንበረ ክሓድሮ ዝጥምቶ ቦታ ግና ልቢ ደቂ ሰብ እዩ። (ኢሳይያስ 57:15) ነዚ ድማ እዩ ሃዋርያት ጳውሎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ስለዝሓደረ ቤት መቅደስ ኣምላኽ ምዃንና ዝምህረና (1 ቆረ 3:16, 1 ቆረ 6:20) ኣብ ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ መርሚርና  እነስተብህለሉ ሓቂ፡ ባህጊ ኣምላኽ ሰብ እምበር ዕጨ እምኒ ዘይምዃኑ እዩ። መድሓኒና ባዕሉ ከምዚ ብምባልዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና” (. ዮሃ 14:23) ኣብን ወልድን ንመንፈስ ቅዱስ ሓቢሮም ኣብቲ ቃሉ ዝሕሉ ሰብ ማሕደር ከም ዝገብሩ ኣረጋገጸ። ንመቅደስ መቅደስ ዘብሎ ህልውና ናይቲ ዝቅደስ ኣካል እዩ። መንፈሳዊ መስዋእቲ ነቲ ኣብኡ ዝሓደረ ዘየቕርብ መቅደስ ድማ ዕላማኡ ዝዘንገዐ መቅደስ እዩ።

እቲ ንኣምላኽ እነቅርቦ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኣምላኽውን ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ግና እንታይ እዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይምህረና፡እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 121-2) ካብዚ እንመሃሮ ነገር፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ መስዋእቲ ዝተሓደስ ኣእምሮ ዘለዎ ህያውን ቅዱስን ስጋና ምዃኑ እዩ። እንተዀነ ነተሓሳስባና ቀይሩ ንስጋና ህያውን ቅዱስን ክገብር ክእለት ዘለዎ መን እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዩ፡ እዚ ናይ ቃል ኣምላኽ ዕዮ ዀይኑ ኢና ንረኽቦ። ቃል ኣምላኽ ብዝሰማዕናሉ መጠን ንኣተሓሳስባና እናበደሀ፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባናን ጠመተናን ኣልዩ፡ ሰመያውን መንፈሳውን ሓሳብ ክንሓስብ ይረድኣና። ከም ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “…  ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና።” (1 ቆረ 215) ክሳብ ምባል ከብቅዓካ ዝኽእል ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ መስለጢ እዩ (እብ 4:12)

ዘይተመገበ ሰብ ናይ ምዕባይ ተስፋ የብሉን። ስለዚ ቃል እግዚኣብሔር ዘይተመገበ ሰብ ድማ ኣብ ምድሓን ክዓቢ፡ ተሃኒጹ ኣብ ኣምላኽ ቅቡልን ባህ ዘብልን መንፈሳዊ መስዋእቲ ከቕርብ ዝበቅዕ ህይወት ክህልዎ ኣይሕሰብን እዩ። ከምቲ ጽሑፍ ዝብለናእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (1ጢሞ 316) ከምዚ ዝበለ ጽሑፍ ክንምገብ ከድልዮ ብግዲ እዩ። ነዚ መስረታዊ ዝዀነ ሓቂ ኣስሚርና፡ ናብ ካልእ ወሳኒ ዝዀነ ሓቂ ንስገር። ዘይተመገበ ከምዘይዓቢ፡ ኩሉ ዝተመገበ ድማ ኽዓቢ ናይ ግድነት ኣይዀነን። ኣብ መስርሕ ምሕቃቅ መግቢ እንተ ኣስተብሂልና፡ እቲ ንኣካላትና ንምህናጽ ክጠቕም ዝኽእል መግቢ፡ እቲ መዓናጡና መጺዉ ክትርፎ፡ ናብ ደምናውን ከሕብሮ ዝኸኣለ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ምሕባር ዘይተሳተፈ መግቢ፡ ንኸስዐ ካብ ምምላእ ሓሊፉ ዝጠቕሞ የብሉን። ቃል ኣምላኽ ክንድዝኸኣለ ህያውን መስለጥ ይኹን፡ ብዘይ ናይቲ ሰማዒ ንጡፍ ተሳታፍነት፡ ኣብ ህይወት እቲ ሰማዒ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን። እቶም ነብዪ ሙሴ መሪሑ ካብ ግብጺ ዘውጽኦም ህዝቢ እስራኤል፡ ልዕሊ ማንም ህዝቢ ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዖም እዮም። እንተዀነ ኣብ ምድረበዳ ተረፉ እምበር ነታ ናይ ተስፋ ምድሪ ኣይረኣይዋን። ሃዋርያ ከም ዝምህረና እቲ ጠንቂ፡ ቃል ኣምላኽ ዘይምስምዖም ዘይዀነስ እቲ ዝሰምዕዎ ቃል ብእምነት ምሳታቶም ዘይምሕባሩ እዩ ዝነበረ።ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተኒጊሩልና አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን።” (እብ 4:2) ነቲ ዝሰማዕናዮ ቃል ምሳና ሓቢሩ ከም ዝጠቕመና ናይ ምግባር ምስጢር፡ ኣብ ኩነታት ኣሰማማዓና እዩ ዘሎ።  እዞም ሰባት ብእምነት ኣይሰምዕዎን። ኣይጠቐሞምን ድማ። እምነት፡ ነቲ ዝሰማዕካዮ ኣሜንን እወን እዩ ኢልካ ከም መምርሒ ህይወትካ ክትርዕሞ ዘኽእለካ ርትዒ እዩ። ብምስትዓል ክንሰምዖ እንተ ዘይክኢልናውን ገና ኣብዚ ከይበጻሕና እቲ መንጣሊ ክለቕሞ ይኽእል እዩ። ስለዚ ንቃሉ ብኹሉ ምስትውዓልን እምነትን ንስመዓዮ። ነንብቦ። እቲ ብእምነት ዝሰማዕናዮ ምሳና ክሓብር እዩ። ምሳና ዝሓበረ ኩሉ ድማ ክጠቕመና እዩ። ኣተሓሳስባና ለዊጢ፡ ርእስና ኣብ ኣምላኽ ቅቡልን ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርና ክነቅርብ ከብቅዓና እዩ።

ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሃብኩም።” (ሮሜ 15:5-6) ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ዕለት፥  ሰንበት 12 ለካቲት 2017 (ሰንበት 5 ለካቲት 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 147 (146)1

ስብሕዎ ለእግዚኣብሔር እስመ ሠናይ መዝሙር፣ ለኣምላክነ ሓዋ ስብሖ

ሃሌሉያ። ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፣ ጥዑም እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግባእ።” 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

 ገላ 421-ፍጻሜ ዲያቆን

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 242-ፍጻሜ

1ጴጥ 21-9 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም

ግሃ 517-29

ንፍቅ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div