S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ፥ በዅሪ ሰንበት ዘትንሳኤ (ኣውደ ኣመት) እዩ ብዛዕባና ትርጉምን ኣገዳስነት ትንሳኤ እንመሃረሉ መዓልቲ ድማ እዩ።

ንክርስትና ትርጉም ካብ ዘልብስዎ ካብቶም ቀንዲ እምነ-ኵርናዕ ትምህርታት ሓደ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ዘይምህላዉ፡ ንክርስትና ትርጉም ኣስኢኑ፡ ነቶም ሰዓብቱ ድማ ካብ ኹሉ ሰብ ዘደንግጹ ውጹዓት ዝገብሮም - ምትንሳእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ (1 ቈሮ 15:19) ብብዙሕ ሞራላዊ መዳያቱ፡ ንክርስትና ተመሳሰልቲ እምነታት ኣለዉዎ። ንክርስትና ፍልይ ዘብሎ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ግና፡ ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ ኩሎም ምውታት ዀይኑ ማእሰር ሞት በቲኹ ምትንስኡ እዩ። ርዝነቱን ኣገዳስነቱን ክሳብ ክንድዚ ዓብዪ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዲያብሎስ ነዚ ሓቂ ክዓብጦ ላዕልን ታሕትን በለ። ክርስቶስ ተንሲኡ ዘይዀነስ ተሰሪቑ እዩ ብምባል ነቲ ሓቂ ክዓብጦ ፈተነ። እዚ ወረ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣይሁድ ይውረ ኣሎ። ከምቲ ንክርስቶስ ኣብ መቓብር ኣጽኒዑ ክሕዞ ዘይኸኣለ፡ ነዚ ሓቂውን ዓቢጡ ክሕዞ ኣይከኣለን። ክርስቶስ፡ እቶም ንመቓብሩ ማሕተም ጌሮም ብጽኑዕ ክሕልዉ ዝቆሙ ዓቀይቶት ክጻወርዎ ብዘይክእልሉ ዓብዪ ሓይሊ፡ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ፡ መጋንዝ ፍትሑለይ ከይበለ መቓብር ፈንቂሉ ከም ቦኽሪ ኵላቶም ዝደቀሱ ኴይኑ ተንሰኤ። ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእየ ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኣርኣየ (ግብ 13)

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሱ (ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።ኢሉ ይምህረና (ሮሜ 425) ደጊሙ ድማ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብልዎ ኸኣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተንስኤ።” (1ቆረ 153-4) ይብለና። ስለዚ ሞትን ትንሳኤ ክርስቶስ ምስ ናትና ሓጢኣትን ጽድቂን ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ሞቱ ንሓጢኣትና፡ ትንሳኤኡ ድማ ንጽድቅና ዝዓለመ እዩ ዝነበረ። እዚ ምትእስሳር ክርድኣና፡  ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ሞት ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ። ሓጢኣት ኣብ ደቂ ሰብ በቶም ቦኽሪ ፍጥረትና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዝተጀመረ እንርድኦ ሓቂ እዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ድማ ሞት፡ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ፡ ናብቶም ከም ሙሴ ዝኣመሰሉ ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ዘይግበሩ’ውን ሓለፈ (ሮሜ 512-14) እዚ ሞት እዚ እቲ ብኣምላኸ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ሞት ክትሞቱ ኢኹም ዝተባህለሎም መንፈሳዊ ሞት እዩ (ዘፍ 216-17) መሰረታዊ ትርጉም ሞት ምፍላይ ማለት እዩ። ሰብ ብስጋ ካብ ማእከልና ምስ ዝፍለ ሞይቱ ንብሎ። እዚ ድማ ምፍላይ ነፍሱን መንፈሱን ካብ ስግኡ የመልክት። ብእኡ መንጽር ከኣ እቲ ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጸመ ሞት፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ዝተፈልይዎ ምፍላይ እዩ። እዚ ሞት መንፈሳዊ ሞት ይብሃል። ነቲ ስዒቡ ዝተራእየ ስጋዊ ሞት ድማ ጠንቁ እዚ መንፈሳዊ ሞት እዚ እዩ። ከም መርኣያ እዚ ምፍላይ ካብ ኣምላኽ ድማ፡ ኣዳምን ሰበይቱን፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ካብ ገነት፡ ሃልሃል እትብል ሴፍ ብዝሓዘ ኪሩብ ተሰጒጎም ወጹ (ዘፍ 324) ነብዪ ኢሳይያስ ነዚ ሓቂ ኣተኲሪ ከምዚ ይብል፥ ኣይፋልን ንኣኻትኩምን ኣምላኽኩምን ኣብ ምንጎኹም ዀይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣብሳኹም እዩ።” (ኢሳ 592) ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ ከም ዝበሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ፍጥረት ሰብ ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ ኵነኔ፡ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ኣብ ሞት ይነብር ነበረ (ሮሜ 623)

ብዘይምእዛዞም ሰባት ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ክነብሩ ጀመሩ። ምክንያቱ ነቲ እትእዘዞ ዘበለ ኩሉ፡ ብግብሪ ባርያኡ ምዃንካ ከም እትገልጽ ግሁድ እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብልንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎስ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተኾይኑ ንጽድቂ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም።” (ሮሜ 616) ንባርያ ምውጻእ ሓራ ከም ዘድልዮ፡ ሰባት ድማ ሓርነት ዘድልዮም ፍጥረት ዀኑ። ምውጻእ ሓራ ድማ ብዘይ ኣውጻኢ ስለ ዘይሕሰብ፡ መድሕን (deliverer) ከድሊ ናይ ግድነት ዀነ። እንተዀነ ፍጹም ሓርነት ከውህብ ዝኽእል ምብጃው ዝፍጽም መድሕን፡ ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝዀነ ፍጡር ኣይተዋህቦን እሞ፡ ፈጣሪ ባዕሉ ብኣካል ሰብ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክውለድ ናይ ግድነት ዀኖ። እዚ ነገር ንፈጣሪ ዙፋኑ ገዲፉ ንኽመጽእ ክሳብ ዝግድዶ ዓሚቅ ምስጢር፡ ከቢድ ርዝነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ (ግብ 412 ፊሊ 26) ስለዚ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ፡ ከም ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ከም መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ዕዳ ሓጢኣት ደቂ ኣዳም ክኸፍል ርእሱ ንሞት ኣብ መስቀል ወፈየ። ሞተ ተቐብረ። እዚ እቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝተፈጸመ ምስጢር እዩ። ከምቲ ዕዳ ሓጢኣትና ንምኽፋል ዝሞተ፡ ብጽድቂ ምእንቲ ክንነብር፡ ንጽድቅና ተንስኤ።

ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝተመልከትናዮ፡ ክልተ ዓይነት ሞት (መንፈሳውን ስጋውን) ከም ዘሎ፡ ክልተ ዓይነት ትንሳኤውን ኣሎ (መንፈሳውን ስጋውን) ከምቲ ብሰሪ ኣበሳ ኣዳም መንፈሳዊ ሞት ቅድሚ እቲ ስጋዊ ሞት ዝተጋህደ፡ ብምክንያት ምእዛዝ እምነት፡ ብትንሳኤ ክርስቶስ እቲ መንፈሳዊ ትንሳኤ ተረኽበ። ነቲ ብዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ዝኸውን ትንሳኤ-ጻድቃን ውሕስነቱ ድማ እዚ ትንሳኤ እዩ። እዚ መንፈሳዊ ትንሳኤ እዚ እቲ ብዓራነት ምብጃው ሞት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ውልድነትና ኣብ ኣምላኽ እዩ። (ኣብ ናይ ኒቆዲሞስ - ካብ ላዕሊ ምውላድ ዝብል ትምህርቲ ተመልከት) በዚ ህይወት ኣምላኽ ኣባና ይትከል። ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ምእንቲ ጽድቅናውን ተንስኤ። ስለዚ ትንሳኤ፡ ካብቲ ብፍቓድና ኣብ ልዕሌና ዝሽምናዮ ሓጢኣት ዘናገፈና ዓብዪ ናይ ሓርነት ፍጻሜ እዩ። ነቲ ብገመድ ሓጢኣት ኣሲሩ ባሮት ጌይሩና ዝነበረ ዲያብሎስ ስዒሩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ርእስና ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺነግዝእ ይረድኣና። እቲ ትንሳኤ ክርስቶስ ብንዝክረሉ ዘበለ እንእውጆ ናይ እምነትና ኣዋጅ ድማ እሙንን ሓቂን እዩ።

“ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን፡

በዓቢይ ሓይል ወስልጣን

ኣሰሮ ለሰይጣን፡

ኣግኣዞ ለኣዳም

ሰላም

እምይእዜሰ

ኰነ: ፍስሓ ወሰላም”

ትርጉም እዚ ኣዋጅ ድማክርስቶስ ብዓብዪ ሓይልን ስልጣንን ካብ ምውታት ተፈልዩ ተንስኤ፡ ንሰይጣን ኣሲሩ ንኣዳም ሓራ ኣውጽኦ፡ ሰላም ካብ ሕጂ ንድሓር ሓጐስን ሰላምን ዀይኑ እዩ።ማለት እዩ። ኣብዚ ትንሳኤ ክርስቶስ ከም ዘውሓሰን እንእምነን ዘለና ክልተ ነገራት ሓርነትን ሰላምን እየን። ሓርነት ካበየናይ ባርነት፥ ካብቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝርኣናዮ ናይ ሓጢኣት ባርነት። ክርስቶስ ስለ ዝተንስኤ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጻእና። ወሲኽና ድማ ሰላም ዀነ ንብል። ሰላም ምስ መን፧ ሰላም ምስ ኣምላኸ፡ ሰላም ድማ ምስ ኩሉ ሰብ።

በዚ መንጽር፡ ምልስ ኢልና ናብራናን ኣዋጅናን ይመሳሰል ኣሎዶ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ገና ኣብ ሓጢኣት ምምልላስ፡ ንፍቶ ንጽላእ ነቲ ክርስቶስ ዝሞቱሉ ዕላማ ብግብሪ ከንቱ ምግባር እዩ። ካብዚ ዝዓቢ መግደራ ድማ የለን።ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም” (1ቈረ 1517) ዝብል ትምህርቲ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ በቲ ሓደ ሸነኩ እንተ ርኢናዮ ከምዚ የስምዓናንስኻተኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም እንተ ኣለኹም ክርስቶስ ኣይተንስኤን ማለት እዩ።ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ምውጻእ ብትንሳኤ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ክውን ዝኸውን። ኣብ ሓጢኣት ምንባርና ዘመልኽቶ ነገር እንተ ኣልይዎ ድማ ክርስቶስ ንዓና ህያው ዘይምዃኑ እዩ። ኣዋጅና ድማ ንዓና ዘይምልከት ጓና ኣዋጅ እዩ ዝኸውን። እግዚኣብሔር ካብዚ ይሰውረና!! ሰለዚ ኣዋጅ ሓርነትና ንዓና ዝምልከት ናትና ዝዀነ ኣዋጅ ክኸውን እንተዀይኑ፡ ብምእማን ትንሳኤኡ ሓጢኣትና ክንንሳሕ፡ ካብ ሓጢኣት ዝተፈልየ ናብራ ንኸንነብር ዘኽእለና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክህበናውን ምልማን ይድሊ። ንስሓ ምሉእ ዝኽውን ሰለሰተ ደረጃታት ምስ ዘካትት እዩ። (1) ብሓጢኣትካ ምጥዓስ (2) ንሓጢኣትካ ምንዛዝ (3) ንሓጢኣትካ ምሕዳግ (ምሳሌ 2813 1ዮሃ 19) እቲ ብጽድቂ ንኽንነብር ዝሞተልና ጐይታ፡ ብጽድቂ ዘንብረና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ እንልምነሉ ግዜ ክሳብ ክንደይ ባህ እናበሎ ከም ዝህብና ግሁድ እዩ። ስለዚ ቅሩብነት ጐይታ ዘየማትእ ካብ ኰነ፡ ናትና ምቕራብ እዩ እቲ ዝተርፍ ዘሎ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ናይ ትንሳኤ ኣዋጅና ሰላም ዝምልከት እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ስላም፡ ሰላም ምስ ኣምላኸ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ሰላም ኣብ ንሓድሕድና። ብሰሪ ሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን እቲ ቀዳማይ ዘጥፍእዎ ነገር እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ሰላም (ሕብረት) እዩ። ኣስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ነሕድሕዶም ዝነበረ ሰላም። ብሕፍረት ካብ ነሕድሕዶም ኽርሓሓቁ፡ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ኽካሰሱ ጀመሩ። ካብኦም ናብ ደቆም፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ድማ ሰገረ። ብትንሳኤ ጐይታ ከም ዝረኸብናዮ እንእውጆ ካልኣይ ጸጋ ድማ እዚ ሰላም እዩ። ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ድማ ምስ ሰብ።እምበኣር ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣሎና።” (ሮሜ 51) እቶም ምስ ኣምላኽ ብእምነት ሰላም ዝገበሩ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። መርኣዪ እቲ ብውልድነቶም ዝረኸብዎ ዘለኣለማዊ ኣምላኻዊ ህይወት ድማ ሰላም ምግባሮም እዩ (ማቴ 59) ብፍረ መንፈስ ቅዱስ ብዝተሰለመ ህይወት፡ ንከባቢኦም ምኽንያት ሰላምን ህድኣትን ቅሳነትን ይዀኑ። ብኣኣቶም ዝመጸ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ዝነብሩ መፍቐቲ እዮም (ማር 9:50 ሮሜ 12:18 ፊል 17) እዚ ድማ እቲ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶም ሓዲሩ ዝፈርዮ ናይ ጽድቂ ፍረ እዩ (ገላ 522)እቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።” (ሮሜ 811) ኣሜን። ብናይ ጽድቂ ህይወት ነቢርና ኣብ ትንሳኤ ጻድቃን ናይ ምሕባርና ውሕስነት ድማ እዚ መንፈሳዊ ትንሳኤ እዩ።

እንቛዕ ጾመ ልጓሙ ፈቲሑ፡ ናብ ብርሃን ትንሳኤኡ ብሰላም ኣብጽሓና!!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 16 ሚያዝያ 2017 (ሰንበት 8 ሚያዝያ 2009 ግእዝ)

ናይ መዓልቲ ስብከት

መዝ 78፡65-66

"ወተንስኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ ወከመ ሓያል ወሕዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ ብድሕሬሁ" 

ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።  ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም።:

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ይ ቆሮ 15፡20-41

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 2011-19

1 ጴጥ 1፡1-13 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ (ቅድመ ኣለም)

ግሃ 2፡ 22-37

ንፍቅ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div