S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ (ግንቦት 21, 2017) ሳድሳይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያን ዓውደ ኣዋርሕ (Calendar) “ኣርኣየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞትዝብል ስያመ ኣለዎ። ነቲ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣብ ልዕሊ ሞትን ሓጢኣትን ዘርኣዮ ስልጣን እነስተንትነሉ መዓልቲ ድማ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰናብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብትንሳኤ ክርስቶስ ዝተዋሕሰልና ጸጋታት ክንመሃር ጸኒሕና ኣሎና። ብሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ፡ እቲ ኣብ መንፈሳዊ ሞት ተዓጽዩ ዝነበረ ፍጥረት ኣዳም፡ ብምቅባል በጃነት ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ዕርቂ (ሰላም) ረኪቡ ብመንፈስ ህያው ዝዀነሉ መገዲ ከም ዝተኸፍተሉ ርኢና። እዚ ብመንፈስ ህያው ምዃን ድማ ብግብሪ ናይቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ፡ ዳግም ሕብረትካን ሓድነትካን ምስ ኣምላኽ ምሕዳስ፡ ናይ ውልድነት መሰል ተቐቢልካ ድማ ንኣምላኽ ኣባ ኣቦ ክትብለሉ እትኽእል ርትዒ ምርካብ እዩ። ካብዚ ሕብረት (ወይ ምጥባቕ) ምስ ኣምላኽ ዝተላዕለ ድማ፡ ተካፋሊ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ብምዃን ናይ ጽድቂ ፍረ እትፈርየሉ ህይወት እዩ። ንሎሚ ድማ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣኑ ዘርኣየ ጐይታና፡ ንሕናውን ህያዋን ከም ዝዀንና ኣረጋጊጽና ክንቆጽር ከም ዝግብኣና ክንመሃር ኢና።

ክርስቶስ ንሓጢኣትና ሞተ ንጽድቅና ድማ ተንስኤ። ጽድቂ ማለት ካብ ኩነኔን ፍዳን ነጻ ኴንካ፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክትፈርየሉ እትክእል ምጥባቕ ኣብ ኣምላኽ ምርካብ ምዃኑ ተማሂርና ኣሎና። ከምቲ ዕዳካ ምስ ከፈልካ ካብ ዕዳ ነጻ ምዃንካ ዝምስኽር ቅብሊት (Receipt) እትወሃብ፡ ናይ ክርስቶስ ምትንሳእ ድማ፡ መረጋገጽን መርትዖን ንቅቡልነት ናይቲ ክርስቶስ ምእንታና ዘቅረቦ ምኽፋል ዕዳ ሓጢኣትና እዩ። ሓጢኣት ብዘላ ዓለም ኣብ ዝባኑ ተሰኪሙ፡ ብዘስካሕክሕ ሞት ሞተ። ከምቲ ንቡር ከም መደንዘዚ ዘገልግል ዝነበረ መጺጽ ምስታይ ተሓሱሙ፡ ንኵሉ እቲ ቃንዛ ብምሉእ ሃለዋቶ ጾሮ። ሞተ ተቐብረ፡ ከምቲ ጽሑፋት ዝብልዎ ግና ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ተንስኤ። ብምትንስኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘለዎ ስልጣን ኣርኣየ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና፡ ሞት ስልጣን ኔርዎ እዩ። ነዚ ስልጣን ድማ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ኣብቶም ከምቲ ኣበሳ ኣዳም ዘይገብሩ ብዓል ሙሴውን ከይተረፈ ተጠቕመሉ (ሮሜ 514) ንሞት ሓይልን ስልጣንን ዝህቦ ድማ ሓጢኣት እዩ። ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።” 1ቈረ 1556) ሓጢኣት ክሳብ ዝሃለወ ሞት ስልጣኑ ክጥቀም ባህርያዊ እዩ። ጐይታ ንሞት ስልጣኑ ከሕድጎ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ናይ ስልጣኑ ምኽንያትን ሓይልን ዝነበረ ሓጢኣት ከርሕቆ ነበሮ። ነዚ ድማ እዩ ክርስቶስ ንሓጢኣትና ሞተ ዝተባህለ። እቲ ካብ ኣዳም ኣትሒዙ ናብ ኵሉ ኣዳማዊ ፍጥረት ዝሓለፈ መንፈሳዊ ሞት ዘስዓበ ሓጢኣት፡ ብመስዋእቲ ናይ ክርስቶስ ግቡእ ፍዳኡ ረኪቡ ክድምሰስ ነበሮ። ኣብቲ እዚ ምድምሳስ ሓጢኣት ዘለወሉ ኩነታት፡ ሞት ብዘይ ሓይልን ስልጣንን ባዶ ይተርፍ። ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ። እዚ ሓጢኣት ምስ ረሓቐ ግና ሞት ተሳዕረ። ናይ ክርስቶስ መስዋእቲ ዝፈጸሞ ተግባር እምበኣር፡ ነዚ ንሞት ሕጋዊ መርትዖ ሂቡ ኣብ ደቂ ሰባት ክስልጥን ዘኽእሎ ዝነበረ ሓጢኣት ምድምሳስ ነበረ። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ደጊሙ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብል፥ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም። ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” (ቆሎ 2:13-15) ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስና፡ ዝተጻሕፈና ዕዳ ሓጢኣትና ደምሲሱ ካብ ማእከል ኣርሓቆ። ነቲ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ዝምድና ከምዚ ጌሩ መፍትሒ ገበረሉ። ስልጣን ኵሉ ድማ ናይ ክርስቶስ ኰነ። ከመይ ዝበለ ግሩም ምኽሪ ኣምላኽ።

ኣብዚ ናይ ሞት ዓንኬል; እቲ ካልኣይ ሰንሰለት፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሓጢኣትን ሕጊን ዘሎ ዝምድና እዩ። ሓጢኣት ኣብ ዘይብሉ፡ ሞት ቦታ የብሉን፡ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ድማ ሓጢኣት ኣይፍለጥን እዩ። እቲ ሕጊ ኣይትመነ እንተዘይብል ንትምኒት ኣይምፈለጥኽዎን ይብል እቲ ጽሑፍ። ቅዱስ ሓዋርያ ብሕጽር ዝበለ መግለጺሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩኢልዎ ኣሎ (ሮሜ 7:8) እንተዀነ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። እሞ፡ እዚ ቅዱስን ሰናይን ንጹህን ዝዀነ ሕጊ ድዩ ደኣ ንሓጢኣት ኣብ ልዕሌና ህያው ዝገብሮ ዘሎ፧ ያእ ኣይፋልን። እንታይ ድኣ፡ እቲ ጠንቂ፡ እቲ ድኹም ስጋ እዩ። እቲ ሓንሳእ ኣብ ኣካላትና ሓዲሩ ዝነበረ ሓጢኣት፡ ንሰብነትና ነቲ ሕጊ ክግዛእን ክፍጽምን ዓቕሚ ዘይብልና ድኹም ገይርዎ ነበረ። እቲ ንህይወት ዝተዋህበና ትእዛዝ ድማ፡ ብሰሪ እዚ ድኹም ሰብነት፡ ንሰብ ኣብ ናይ ሓጢኣት ዓንኬል ዘንብሮ ቀጻዒኡ ዀነ። ነዚ ከምዚ ዝበለ መግደራ፡ ጐይታ ዝገበሮ መፍትሒ ድማ ነቲ ድኹም ስጋ፡ በቲ ንዕኡ ካብ ምውታት ዘተንስኦ መንፈስ ህያው ምግባር እዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና፥እቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።” (ሮሜ 811) እቲ ብምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ህያው ዝዀነ ሰብነትና፡ ሓይልን ደገፍን መንፈስ ቅዱስ ረኺቡ ንትጽቢት ኣምላኽ ዘዕግብ ቅዱስ ናብራ ክነብር ይርከብ። እቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝጠልቦ ድሌት ድማ ብኸምኡ ብእኡ ይምላእ።ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ።” (ሮሜ 84) ኣብ ዅሉ ዘመናት እቲ ኣምላኽ ካብ ህዝቡ ዝጽበዮ ቅዱስ ናብራ ተለዊጡ ኣይፈልጥን እዩ። ሙሴ ሕጊ ሒዙ መጸ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ጸጋን ሓቅን ሒዙ እዩ ዝመጸ። ጸጋ ነታ ሓቂ ክትነብረሉ ዘኽእለካ ደገፍን ረዲኤትን እዩ። እምበኣር፡ ክርስቶስ በዚ ከምዚ መገዲ፡ ማለት ነቲ ቀደም ዝተገብረ ሓጢኣት፡ ደሙ ኣፍሲሱ ብምድምሳስ፡ ነቲ ድኹም ዝነበረ ሰብነትና ህያው ብምግባር፡ ነቲ ናይቲ ሕጊ ድሌት ብኸምኡ ክንምልኦ እንክእለሉ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ልብና ብምሕታም፡ ሞት ኣብ ልዕሌና ስልጣኑ ከርእየሉ ዝኽእል መገዲ ዓጸወ።

ድሕሪ እዚ ብጐይታ ዝተገብረ ምዕጻው መገዲ ስልጣን ሞት፡ ሓዋርያ ክንገብሮ ዝምዕደና ነገር እንተ ኣልዩ እቲ ኣብ መእተዊ ትምህርትና ዘሎ ጥቅሲ እዩ። ንሓጢኣት ሞዊትና፡ ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንና ርእስና ክንቈጽር። እዚ ድማ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ብእምነት ብምሕባር እዩ ዝፍጸም። ከምቲ ጐይታና ቕድሚ ስቕለቱ፡ ብኸመይ ዝበለ ኣማውታ ከም ዝመውት ከመልኽት ከሎ ዝበሎ ከምዚ እናበለ፥ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።ክርስቶስ ንኵሉ ፍጥረት ኣዳም ሒዙ እዩ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ (ዮሃ 1232) ነዚ ሓቂ ኣመልኪቱ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስእቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና።ይብል (ሮሜ 66) ኣብ ካልእ ክፍሊ ድማ ደጊሙ፥ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።ይብል (ገላ 219) እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና ኵላትና ድማ ብግብራዊ መገዲ ኣብዚ ሞት ሓበርና። በዚ ሞት እዚ፡ ነቲ ብምኽያት እቲ ኣብኡ ሓዲሩ ዝነበረ ሓጢኣት ንፍቓድ ኣምላኽ ክነብር ዘይኽእል ድኹም ኣረጊት ሰብነትና ቀበርና። እቲ ንክርስቶስ ካብ ምውታት ዘተንሰኦ መንፈስ፡ ንዓናውን ምስኡ ኣተንሲኡ ንፍቓድ ኣምላኽ ክነብር ዝኽእል ዓቕምን ጉልበትን ዘለዎ ብመልኽዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓዲሽ ሰብ ኣልበሰና (ኤፌ 4:22-24 2 ቈረ 5:17 ቆሎ 3: 9-10) ምስ ክርስቶስ ብሙማት፡ ምስ ክርስቶስ ድማ ብምትንስእ ሓድሽ ሰብ ከም ዝለበሰ ርእሱ ዘይቆጽር ሰብ፡ ብሓድሽ ናይ ጽድቕን ቅድስናን መንነት ክመላለስ ኣይኽእልን እዩ። ስለዚ ነቲ ኣረጊት ሰብነተይ ኣብ ሞት ክርስቶስ ብምሕባር ኣብ መስቀል ቀቲለዮ፡ ኣብ ቀብሩ ብምሕባር ቀቢረዮ፡ ኣብ ትንሳኤኡ ብምምሕባር ድማ ብሓዲሽ ሰብነት ተንሲኤ እየ ክንብል ይግብኣና። ንዘይየለ ነገር ክንቆጽር ከም ዘይንኽእል ርዱእ እዩ፡ እንተዘይዀነ ርእስኻ ምጥባር እዩ ዝኸውን። ስለዚ ርእስኹም ቁጸሩ ክብለና ከሎ ግና ንርጉጽን፡ ኽውንን ዝዀነ ነገር ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ሓዋርያ ዝምዕደና ዘሎ ምስጢር፡ ዋላ እዃ ብእምነት እነስተውዕሎ ረቂቕ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እንተዀነ፡ ሓቅን ርግጽን ነገር እዩ። ስለዚ ርእስና ንቑጸር። እዚ ምቑጻር እዚ፡ ብመገዲ እምነት ዝፍጸም ቀዳማይ መስረታዊ ደረጃ።

ነዚ ምስ ክርስቶስ ሞይትና፡ ምስ ክርስቶስውን ብምትንሳእ ህያዋን ናይ ምዃንና ሓቂ ምስ ረዓምናዮ፡ ሓዋርያ ቀጺሉ ዝምዕደና ምዕዶ ድማ፥ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።ዝብል እዩ (ሮሜ 6:13-14) ደጊም ሓጢኣት ኣይመልከናን እዩ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይዀንናን ዘለና። ንሕናስ ኣብ ትሕቲ እቲ ጐይትና ዘምጽኦ ጸጋን ሓቅን ኢና ዘሎና። እቲ ሓቂ፡ እቲ ሓራ ዘውጽእ ሓቂ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ጸጋ ድማ ካባና ብዘይዀነ ውህበት፡ ነቲ ኣምላኽ ካባና ዝጽበዮ ህይወት ብቑዓት ዝገብረና ደገፍ እዩ። ስለዚ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ፡ ርእስና ከም ኣጽዋር ጽድቂ ጌርና ንኣምላኽ ንወፊ። እዚ ደረጃ እዚ፡ ነቲ ብእምነት ብሞቱ ሓሊፍና፡ ብሕብረት ትንሳኤኡ ንዝለበስናዩ ሓዲሽ ሰብ፡ ኣባና ምህላዉ እነርእየሉ ናይ ጽድቂ ህይወት እዩ።

ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።” (ሮሜ 13:14)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥             ሰንበት ግንቦት 21, 2017           ሰንበት ግንቦት 13, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 107:16

እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን። ወተወከፎሙ እምፍኖ ጌጋዮሙ።

ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፣ መቐውሖም ከኣ ሰባበረ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 6 1-15

ዲያቆን

ወንጌል   ዮሃ 2115-ፍጻሜ

1 ጴጥ 4፡4-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ኣለም)

ግሃ 23፡15-22

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div