S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ(ግንቦት 28, 2017): ሳብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘሎናዮ ቅነ (ዘመነ) ትንሳኤ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ቀዳማይ ሰንበት ብምዃኑ ድማ፡ ንዕርገት ኣመልኪትና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን መዓልቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ

ትንሳኤኡ፡ ኣብ ምድሪ ንኣርብዓ መዓልቲ ህያው ምዃኑ ብብዙሕ መፈለጥታ ክግሃድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሒዙ ናብታ ኪኖ ቢታንያ ዘላ ከረን ደብረ ዘይቲ መጸ። ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናይ መወዳእታ ስንብታ ገበረ። ከምቲ እቶም ወንጌላውያን ኣስፊሮዎ ዘለዉ፡ እዚ ስንብታ እዚ፡ ሰለስተ ነገራት ዘጠቓልል ነበረ። እዚኣተን ድማ ጐይታን ንደቀ መዛሙርቱ ምብራኹ፣ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ሕድሪ ምሃቡን ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ተስፋ ምሃቡን እየን። ኣብዚ ዘመን ዘለና ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ከም ምዃንና መጠን፡ እዚ ናይ ጐይታ ዕርገት ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ዝነበሮ ትርጉም፡ ንዓናውን እዘን ኣብ ናይ ጐይታና ዕርገት ዘለዋ ሰለስተ ትሕዝቶ ከም ዝምልኸተና ክንርኢ ኢና።

ዕርገት ናይ በረኸት ግዜ እዩ፥ ከምቲ ኣብቲ መእተዊ ጥቕሲ ተመልኪቱ ዘሎ፡ ጐይታ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ንደቀ መዛሙርቱ ባረኾም። በዚ ከምዚ ዝበለ ምብራኽ፡ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ገሊጽዎ፡ እቲ ኡፍ ኢሉ ዝሃቦም ወሃቢ ህይወት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐበሉ ንርዳእ (ዮሃ 20:22) ሰብ ካብ ኣምላኽ ዝቅበሎ እቲ ዝዓበየ ወህበት ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሕዳር ኣብ ልቡ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ጽቡቕ ህያብ ወንጌላዊ ሉቃስ ከምዚ ይብል፥እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” (ሉቃ 1113) ስለዚ ኣምላኽ ንሰብ ዝህቦ እቲ ዝዓበየ ውህበቱ ገዛእ ርእሱ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ልብና ኽህሉ ኸሎ ጥራይ ኢና ምስ ኣምላኽ ሓድነት ንረኽብ። ነዚ ድማ ኢና፡ ንመንፈስ ቅዱስሓደ ዝገብር” “ናይ ሓድነት መንፈስሕብረት መንፈስ ቅዱስብምባል ምስ ሓድነት ብዝተኣሳሰር መገዲ እንጽውዖ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ከምዚ ይብለናእቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።ደጊሙ ድማንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና።ይብል (1ቈረ 617 1ቈረ 1213) በዚ ክልተ ጥቕስታት እንመሃሮ ሓቂ ድማ፡ መሰረት ሓድነትና እቲ እንሰትዮ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ እቲ ናብ ጐይታ ዝቀርብ ሰብ ድማ ምስ ጐይታ ሓደ መንፈስ ከም ዝኸውን እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ናብ ጐይታ ዝጠብቕ ምስ ጐይታ ናይ መንፈስ ሓድነት ዘለዎ ሰብ ኰይኑ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ መንፈስ ቅዱስ ዝሰተየ ሰብ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ዝውሕዝ ዝተባረኽ ሰብ እዩ።በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል ኢየሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።” (ዮሃ 737-39) መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ሰባት፡ ንዖኦም ኰይኑ ንኻልኦት ዝተርፍ ፈልፋሊ ሓጐስ ኣለዎም። ነዚ ድማ እዮም እዞም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ ድሕሪ እዚ በረኸት ንጐይትኦም ናብ ሰማይ ኣፋንዮም ብሓጐስ ናብ ኢዮሩሳሌም ዝተመልሱ።

ዕርገት ናይ ሕድሪን ለበዋብ ግዜ እዩ፥ እቲ ምስኡ ሓደ ዝገበሮም መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ምስ ባረኾም፡ ጉይታ ንደቀ መዛሙርቱ ሕድሪ እዩ ሂብዎም- ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምፍራይ ሕድሪ። ኣምላኽ ንሰብ ንኽብሩ እዩ ፈጢርዎ። ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝኸብር ጉይታ ክምህር ከሎ ከምዚ ይብልብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም” (ዮሃ 158) ደጊሙ ድማ መደቡ ንዓና ንምፍራይ ምዃኑ ከብርህ ከሎ ከምዚ ኢሉ መሃረኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።” (ዮሃ 1516) እዚ ምስቲ ጐይታ ኣቀዲሙ ብምስላ፡ ብዛዕባ እቲ በብእዋኑ ፍረ ከምጽእሉ ኢሉ፡ ንግራቱ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ናብ ካልእ ሃገር ዝገሸ በዓል ቤት ዝመሳሰል እዩ (ማቴ 2133) እዚ በዓል ቤት ነቲ ግራቱ ኩሉ ዓይነት ምድላው እዩ ጌይርሉ። ካብቶም ዓየይቲ ድማ ሓንቲ ትጽቢት ኔይራቶ፡ ብግዜ ፍረ፡ ፍረ ክቕርቡ። ናይ ጐይታና ዕርገት ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብቲ ጐይታ ብሞቱ ዘዳለዎ ግራት፡ ናይ ሕድሪ ዓየይቲ ጌይሩ ዝሸመ ፍጻሜ እዩ ኔሩ። ከምቲ ኣብቲ ምስላ ዘሎ፡ እቲ በዓል ቤት ነቲ ግራቱ ኵሉ ዓይነት ምድላዋት ፈጺሙ ከም ዝሃቦም፡ ጐይታ ድማ ደጌታት ሲኦል ዘይሕይልዋ ብሓይሊ ደሙ ኣብ ዝተቐጽረት ማሕበር ከም ዝሾሞም ነስተብህል። ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣምላኽ ዝጽበዮ ፍረ ድማ ሰባት እዮም። ነዚ ድማ እዩ ጐይታስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴ 28:19) ብምባል እቲ ካባና ዝጽበዮ ፍረ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምዃኑ ኣነጺሩ ዝመሃረ። እዚ ምፍራይ ምንጩን መሰረቱን እቲ ኣቀዲምና ዝረኣናዮ ምስኡ ሓደ ዝገብርና በረኸት፡ ምቕባል መንፈስ ቅዱስ (ምጥባቕ ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ) ምዃኑ ርዱእ እዩ። ጨንፈር ኣብቲ ጉንዲ እንተ ዘይጠቢቑ ካብ ርእሱ ክፈሪ ኣይክእልን እዩ። ምስቲ ጉንዲ እንተ ሓቢሩ ግና፡ ተኻፋሊ ህይወት ናይቲ ጉንዲ ይኸውን። ኣምላኽ ተካፈልቲ እቲ ሰናይ በህሪኡ ዝገብረና ድማ፡ ንሕናውን ኣብ ልዕሊ እቶም ምሳና ዚነብሩ ሰባት ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ህይወትና ክነካፍሎም እሞ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ምእንቲ ክገብሩ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ምስቶም ዝምህሮም ዝነበረ ሰባት ብኸመይ ዝበለ ርኽብ ከም ዝተመላለሰ ክገልጽ ከሎኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምታ ዉሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርናይብለ (1 ተሰ 2:7-8) ዕላማ ናይዚ ከምዚ ዝበለ ምግላጽ ባህርይ ኣምላኽ፡ ብህይወትካን በቲ ሰናይ ኣካይዳኻን ንኣምላኽ ዘመስግኑ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እዩ (ማቴ 516 1ጴጥ3: 1-2) እዚ ዕዮ ብግዲ ዘድሊ ሕድሪ እዩ (ቲቶ 3:14) ስለዚ እቲ ፍረ፡ ብዘይተቛርጽ ፍቅሪ ኣምላኽ ተደሪኽና ንሕሙማት ኣብ ዓራቶም፡ ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኣብ መቃውሖም እንበጽሖም፡ መሳርሒ ኣምላኽ ኴንና፡ እንዕንግሎም፡ እነርውዮም፡ እነልብሶም ሰባት እዮም።

ዕርገት ምንጪ ዘለኣለማዊ ውሕስነትናን ተስፋናን እዩ፥ ብዕርገትን ምቕማጥ ጐይታ ኣብ የማን ኣቦን ዝተገልጹልና ዓበይቲ ተስፋታትን ዘለኣለማውያን ውሕስነታትን ኣለውና።

1) ምእንቲ እቶም ብእኡ ኣቢልና ናብ ኣምላኽ እንመጽእ ክጽሊ ይነብር፥ በቲ ዘይሓልፈ ክህነቱ ምስ ኣምላኽ ክዓርቐና፡ ናብታ ሰማያዊት መቅደስ ብደም ገዛእ ርእሱ ኣተወ (እብ 924) ኵሉ ሳዕ ክርኣየልና ድማ ይነብር ኣሎ። ጐይታ ንሱ መገድን ሓቅን ህይወትን ምዃኑን ብዘይ ብእኡ ድማ ሓደ እዃ ናብ ኣቦ ክመጽእ ዝኽእል ከም ዘየሎ ሂሩ እዩ (ዮሃ 146) እቲ ናይ እብራውያን ጸሓፊ ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ከምዚ ይብለና፥እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት አለዎ። ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።” (እብ 724-25) እቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ክመጹ ዝደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ዝበጽሕሉ ምኽንያት፡ ምእንታኦም ኵሉ ግዜ ክልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ እዩ። ፈጺሙ ከድሕኖም ድማ ይኽእል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ እቲ ጐይታና ድሕሪ ዕርገቱ ተቀሚጥዎ ዘሎ የማን ኣቦ፡ ኰይኑ ዝገብሮ ዘሎ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብለና፥እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ።” (ሮሜ 834) ስለዚ ብምሉእ ምትእምማን ብስሙ ጸሊና ናብ ኣምላኽ ከብጽሓና ዝኽእል ናይ ድሕነትና መገዲ ምዃኑ ኣስተውዒልና ብስሙ ንጸሊ፡ ሽዑ ሓጐስና ምሉእ ክኸውን እዩ፡ ጸሎትናውን ክምለስ እዩ (ዮሃ 1624)

2) ነቶም እንስዕቦን እነገልግሎን ስፍራ የዳልወልና ኣሎ፥ ጐይታ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ ስፍራ ከደልወሎም ይኸይድ ከም ዘሎ ምሂርዎም ኔይሩ ከምዚ ኢሉ፥ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡          ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።” (ዮሃ 141-3) ነዚ ምድላው እዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘገርም መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ፥ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡” (1ቈረ 29) ከምቲ ጐይታ ኢልዎ ዘሎ ድሕሪ እዚ ምድላው እዚ፡ ጐይታ ነቶም ኣብቲ ብሕድሪ ዝሸሞም ግራት ብዙሕን ነባርን ፍረ ሒዞም ዝጽበይዎ ሰዓብቱ ናብቲ ንሱ ዘለዎ ክወስዶም ክምለስ እዩ (ዮሃ 1226) እቶም ኣብ ጊዜ ዕርገኡ ዝተገልጹ መላእኽቲ ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ከምዚ በልዎም፥ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።” (ግብ 111) ስለዚ ጐይታና ከም ናይ ተስፋ ቃሉ ናብ ሓጐስ ጐይታና ከእትወና ክምለስ እዩ እሞ፡ በዚ ዕርገቱ እንዝኽረሉ ግዜ ፍረና ኣዳሊና ክንጸባበዮ ንትጋህ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥             ሰንበት ግንቦት 28, 2017           ሰንበት ግንቦት 20, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 475-6

ዓረገ እግዚኣብሔር በይባቤ። ወእግዚእነ ብቃለ ቅርነ። ዘምሪ ለኣምላክነ ዘምሩ.

ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 10 1-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል   ሉቃ 2445-ፍጻሜ

1 ጴጥ 3 15-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ኣለም)

ግሃ 1፡1-12

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div