S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 18, 2017): ሳልሳይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ እንከታተሎ ዘሎና ንመንነትን ስራሕን እቲ መጸናንዕን ወሃቢ ህይወትን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትና፡ ምውራድ ምሕዳርን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደቂ ሰባት፡ ምብቓዕ ሞትን ምምላስ ሕብረት ምስ ኣምላኽን ዘበሰረ ዓቢዪ ፍጻሜ ምንባሩ ርኢና። ብተወሳኪ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ናይ ንስሓን ጸሎትን ቃል ኣምላኽን ህይወትና ቀንዲ ደጋፊና ምዃቱ ተማሂርና። ማሕተም ወልድነትና ኰይኑ፡ ባህሪ ኣምላኽ ዘልብሰና፡ ኣብቲ ንክርስቶስ ናይ ምምሳልና ናይ ለውጢ ህይወት ዋሕስ ምዃኑውን ርኢና። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ፡ ከም ክፍልታት ናይታ ኣካል ክርስቶስ ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነቲ ኣካል እንሃንጽሉ ናይ ጸጋ ውህበታት ዝህበና ንሱ ምዃኑ ክንርእይ ኢና።

እታ ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ዝዀነት፡ ብኣመንትን ሰዓብትን ክርስቶስ ዝቖመት፡ ሓንትን ቅድስቲን ቤተ ክርስትያን ኣካል ክርስቶስ እያ። ርእሲ እዛ ኣካል ድማ ክርስቶስ እዩ። ንሳ እዛ ኣካል ድማ ሕጽይትን መርዓትን ናይ ክርስቶስ እያ። ነዛ ንክርስቶስ ተሓጽያ ዘላ መርዓት፡ ከም ንጽህቲ ድንግል፡ ንመርዓዊኣ ብኵሉ ምልእቲ ኰይና ተሃኒጻ ክትጸንሖ፡ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስትያን ዝዓዪ ዘሎ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብዚ ናይ ምድላው ጊዜ፡ ነቲ ብምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስታ መርዓቱ ዝዀንት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንዝኸውን ርኽብ፡ እታ መርዓትን እቲ መንፈስንጐይታ ኢየሱስ ንዓእናበሉ ብዓብዪ ሃንቀውታ ይጽውዑ ኣለዉ (ራእ 22:17, 20) መንፈስ ቅዱስ፡ እታ ኣካል ክርስቶስ ምልእቲ ኰይና ክትህነጽ ዝገብረሉ ሓደ መገዲ፡ ነቶም በብናቶም ክፍልታት ናይቲ ኣካል ዝውክሉ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ሓደ ሕቡር ኣካል፡ ክሃንጽሉ ዘኽእሎም ናይ ጸጋ ውህበት ብምዕዳል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቤተ ክርስትያን፡ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ ተመስሪታ፡ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ ትህነጽ ምዃና ዘስምር ሓቂ እዩ። ኣምላኽ ብመንፈሱ ዝግልገል ኣምላኽ እዩ። ብመንፈሰይ እምበር ብሓይልን ክእለትን ኣይዀነን ከም ዝበለ ነብዪ ዘካርያስ፡ ገለ ከም ዝጨንቖ ንኣምላኽ ኢድ ሰብ ኣይተገልግሎን እያ (ዘካ 46 ግብ 1725) እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ነገራት ጥራይ እዩ ኣብቲ ኣካል ክርስቶስ ህይወት ዘለዎ ምህናጽ ዘምጽእ። ነዚ ድማ እዩኵሉ ካብኡ፡ ኵሉ ብእኡ ኵሉ ንዕኡዝተባህለ (ሮሜ 1136 ቆሎሴ 1:16) ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ናይቲ ኣካል፡ ንጥዕናን ዕቤትን እቲ ሕቡር ኣካል ኣድላይን ጠቓምን ስለ ዝዀነ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣካል ክንሃንጸሉ ዘኽእሎ ዝህቦ ውህበት ኣለዎ።

መንፈስ ቅዱስ ዝህበና ውህበታት፡ ኣብ ኣሳልጦ (effectiveness) ምፍጻም ዕላማ ቤተ ክርስትያን ዘበርክቱ ሓይልታት፣ ክእለታት፡ ጥበባት ወይ ተግባራት እዮም። እዞም ውህበታት እዚኣቶም ምስቶም ፍረ መንፈስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ከም ፍቕርን ትሕትናን ሕያውነት ወዘተ ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ ባህርያት (characters) ዝመሳሰሉሉ ነገር እንተለዎም እኳ ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ እዮም። ዝመሳሰሉሉ ቀንዲ ረቛሒ ብቐንዱ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጹ ምዃኖም እዩ። ዝፈላለይሉ መገዲ ድማ፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብቲ ናይ ጽድቂ ህይወት ምህላውና ዝምስኽሩ፡ ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ ኣካል መንነትና ዝዀኑ ባህርያት እዮም። ናይ ጸጋ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ግና ንኣስልጦ እቲ ዕዮ ወንጌል ተባሂሉ መንፈስ ቅዱስ ዘዕጥቐካ ዓቕምታት  እዮም። እዞም ናይ ጸጋ ውህበታት እንብሎም ዘለና ብዓይነትን ብዝሕን ዝተፈላለዩ እዮም። ብሓፈሻዊ መገዲ ግና፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ መደባት መዲብዎም ኣሎ። እዚኣቶም ድማ ኣገልግሎታት፣ ግብርታት ሓይሊ፣ ውህበታት ይብሃሉ (1ቈረ 124-6)

ቤተ ክርስትያን ብስሩዕን ጽፉፍን መገዲ ዕላማኣ ክተሳልጥ ዘክእላ ናይ ምሕደራዊ ጽፍሕታትን ክእለታታን ሂቡ እዩ። እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ምሕደራዊ ቅርጺ፡ ብሰለስተ ቀጸላታት ማለት ኤጲስቖጶሳት (ጳጳስ) ሽማግለታት (ቐሲስ) ዲያቆናት ዝቆመ ኰይኑ፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ኣገልግሎት ጽፍሕታት የካትት፥ ሓዋርያት፡ ነብያት፡ መማህራን፡ ወንጌላውያን ጓሶት (ግብ 20:17-28 ግብ 6:1-6 1ጢሞ 3:1-3 ፊሊ 1:1 ቲቶ 1:5-9 ኤፈ 411-13 1 ቈረ 1228) ግብርታት ሓይሊ ዝበሃሉ ድማ፡ ልዕለ ተፈጥሮኣዊ ዝዀነ ተርእዮ ወይ ተኣምራት ዝግለጸሉ ውህበታት እዩ። ኣብዚ ክፍሊ ዝጠቓለሉ እቶም ኣብ 1ቈረ 127-11 ዘለዉ ከም ቃል ጥበብ፡ ቃል ፍልጠት፡ ግብሪ ሓይሊ፡ ትንቢት፡ ምልላይ መናፍስቲ፡ ምዝራብን ምትርጓምን ዝተፈላለየ ቛንቛታት ውዘተ እዮም። እቶም ውህበታት ተባሂሎም ተባሂሎም ተመዲቦም ዘለዉ ጸጋታት፡ ምስ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ምምስሳል ዘለዎም ኣብ ሮሜ 123-8 እንረክቦም፡ ከም እምነት፡ ጽንዓት፡ ትግሃት፡ ልግሲ፡ ግርህነት፡ ሓጐስ፡ ድንጋጸ ወዘተ ዝኣመሰሉ ውህበታት እዮም። እዞም ውህበታት እዚኣቶም ነቲ ኩሉ ዝግበር ኣገሎታት ይኩን ግብሪ ሓይልታት መሰረት ምዃኖም ከመልኽት ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥ ዝምህር ብምምሃሩ ይጽናዕ፡ ዝንበ ብመጠን እምነቱ፡ ዝህብ ተገሪሁ፡ ዝመርሕ ብትግሃት፡ ወዘተ ብምባል ይምህረና።

ከም ክፍልታት ናይቲ ኣካል ንነፍሲ ወከፍና ውህበት ጸጋ ተዋሂቡና እዩ።

ከምቲ ኣቀዲምና ዝረኣናዮ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብሓባር ቤተ ክርስትያን እዮም ዘቑሙ። ነፍሲ ወከፎም ድማ በብቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ኣብቲ ኣካል፡ ክፍሊ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እዛ ኣካል እምበኣር፡ ንዕኡ ንበይኑ ክዓዮ ዝተሰርዕ መደብ ኣለዎ። ንጥዕናን ዕቤትን እቲ ኣካል ዝጠቅም ወሳኒ ዝዀነ ኣገልግሎት ድማ ይውፊ። እግዚኣብሔር ከም ብልሓተኛ ሃናጺ ነቲ ክፍልታት ንሓደ ዝተፈልየ ዕዮ ከም ዝጠቕም ጌሩ ከም ዝሃነጾ ድማ፡ ኣመንቲ ኣብቲ ኣካል ንሳቶም ብዝበለጸ ከበርክትዎ ዝግብኦም መደብ ኣለዎም። ስለዚ እቲ ክፍልታት ኵሉ ሓደ ከም ዘይዀነ፡ እቲ ኣገልግሎት፡ ግብሪ ሓይሊን ውህበትን ድማ በበይኑ እዩ። ዕላማ ኣምላኽ፡ ቤተ ክርስትያን ምልእቲን፡ መንቅብ ዘይብላን ኰይና ክትህነጽ እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሓደ ዝዕላምኡ መደብ ኣምላኽ፡ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታት ብምሃብ እዩ ዝፍጽሞ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ምልእቲ ምእንቲ ክትከውን ንኣመንቱ ከምቲ ዝደለዮ ጌሩ ገግዲኦም ዝህቦም ውህበት ኣለዎ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ፡ ነቲ መደብ ኣምላኽ ክውን ንምግባር፡ ኣመንቲ፡ ጽኑዓት፡ ትጉሃት፡ ለጋሳት፡ ደንገጽቲ፡ ሕጉሳት፡ ወዘተ ዝኹነ ብብዙሕ ልዕለ ሰብኣዊ ዓቅሚ ዘገልግሉ ሃዋርያት፡ ነብያት፡ ወንጌላውያን፡ ጓሶት፡ መማህራን፡ ንቤተ ክርስትያን ይህባ (ሮሜ 12:3-8, 1ቆረ 4-11, ኤፈ 4:11-13) ስለዚ ነፍሲ ወከፍና፡ ኣብቲ ኣካል ክሳብ ዘለና፡ ገግዴና ዝኰነ ውህበት ጸጋ ተቐቢልና ኢና። ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኰነን፡ ከይጥዓስውን ወዲ ሰብ ኣይዀነን። ነዚ ሓቂ ሓዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ፥ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ።ይብል (ኤፈ 47) ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ምህናጽ ቤተ ክርስትያንን፡ ምስፋሕ ወንጌል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝጠቅም ዕዮ እነበርኽተሉ ውህበት ጸጋ ካብ ኣምላኽ ከም ዝተቀበልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ድሕሪ ውህበት ኣባኻ ምህላዉ ምእማንካ ዝመጽእ ጉዳይ ድማ፡ ውህበትካ እንታይ ምዃኑ ምልላይ እዩ። ውህበትካ እንተ ዘየለሊካ፡ ግቡእ ዝዀነ ኣገልግሎት ክትልግስ ኣይትኽእልን ኢካ። ንሱ ጥራይ ዘይዀነ፡ ምስቶም ካልኦት ክፍልታት ኣብ ዘየድሊ ረጽሚ ኣቲካ ጐዳኢ ተራውን ክትጻወት ትኽእል ኢካ። ስለዚ ውህበትና እንታይ እዩ፧ ንቤተ ክርስትያን ክጠቕመሉ ኢሉ ኣምላኽ ዝሃበኒ ውህበት ጸጋ እንታይ እዩ፧ ኢልና ሓቲትና ክነለሊ ወሳኒ እዩ። እቲ ዝወሃበና ውህበት፡ ንጥቕምን ኣገግሎትን ቤተ ክርስትያን ንዝዀነ ንዕዮ ወንጌል ተባሂሉ እዩ ዝወሃበና። ስለዚ ውህበትና ንናይ ርእስና ዝናን ጥቕምን ነውዕሎ ከም ዘየለና ርግጸኛታት ክንኸውን ይግበኣና። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበና ውህበት ነገልግለሉ ምህላውና ርግጸኛታት ክንኸውን ይግብኣና። ምኽንያቱ፡ ውህበትካ ንዕላማ ቤተ ክርስትያን ዘይምውፋይ፡ ቤተ ክርስትያን ዕላማኣ ካብ ምውቃዕ ንምብኳር ጠንቂ ስለ ዝዀነ። እቲ ካባኻ ክመጽእ ጽግብኦ ሃናጺ ኣበርኽቶ ምብኻሩ፡ እቲ ኣካል ዝግበኦ ምህናጽ ከይረክብ ምንፋግ ስለ ዝዀነ፡ ንዕብራ ምፍራድ እዩ። ናይ ብዙሓት ክፍልታት ዘይምዕያይ፡ ነቲ ኣካል ናብ ምልማስ ክወስድ ዝኽእል ሓደገኛ ዝዀነ ተርእዮ ስለ ዝዀነ ኣዚና ክንጥንቀቕሉ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ።

ውህበት ተሓታትነት ኣለዎ

ናይ ጸጋ ውህበት ከም ዝተቐበልና ካብ ፈለጥና፡ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መዓልቲ፡ ንነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እቲ ዝሃበና ውህበት ዝጸባጸበና ግዜ ከም ዘሎ ክንፈልጥውን ግቡእ እዩ። ጐይታና ነዚ ሓቂ ኣነጺሩ ምሂርዎ ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ ንባሮቱ መኽሊት ሂቡ መገሻ ዝተበገሰ በዓል ቤት ትመስል። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም መኽሊታት ሃቦም። ገለ እዋን ምስ ሓለፈ ግና ተመሊሱ ንነፍሲ ወከፎም ጸብጻብ ክህብዎ ሓተትም። እዚ ሕቶ ንገለ ሰባት ዝሕዛእ ሕቶ ዘይዀነስ ንነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ክሕተት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕቶ እዩ። እሞ ብኸመይ ዝበለ ትግሃት ንመኽሊትና ክነሽርፍ ንነጥፍ ኣለና፧ እቲ ብዕዮ ጐይታ ሸለል ዝብል፡ ብትህኪት ድማ መኽሊቱ ዝቐብር ሰብ ግና ነታ መኽሊት ዋላ እንተዘየጥፍኣ፡ ካብ ቁጥዓ ጐይታ ኣይክሞልቕን እዩ። ንዘይ ምግልጋልና ቅቡል ክኸውን ዝኽእል ምስምስ ከምዘየለ ዘመልክት ሓሳብውን እዩ። እቶም እዚ ነገር ብግቡእ ዝተረድኦም ቅዱሳን፡ ኣብ ዘይምግልጋል ምዃን ወይለይ ዘብል ወዮ ምዃኑ እናተኣመኑ ሓለፉ (1 ቈረ 916) ስለዚ ብዅሉ ትግሃት ንኣምላኽ ንምግልጋል ርእስና ነዳሉ። ኣምላኽ ካብ ክግልገለልካ ዝዓቢ ብጽእና የልቦን እሞ፡ ከምታ ንምውጣሕ ጐይታ ዝባና ዝሃበት ጻዕብ ኣድጊ፡ ጐይታ ክኸብረልና ርእስና ንወፊ። ሽዑ በቲ ብኣና ዝኸበረ ጐይታ ክንኸብር ኢና። ኣታ ከምዚ እናገበርካ እትርኸብ ሰብ፡ በረኸት ካብ እግዚኣብሔር፣ ጽድቂውን ካብ ኣምላኽ ምድሓንካ ኪትቕበል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ብሒደት ዝተኣመንካዮ ምእማን ኣብ ብዙሕ ብምሻም ዝምጉስ እኽሊል ዓወት ደፊእካ፡ ኣብቲ ጐይታ ዘለዎ ክትቕመጥ ክወሃበካ እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ሰነ 18, 2017     ሰነ 11, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 51፡10

ልበ ንጹሐ ፍጥር ሊተ እግዚኦ መንፈስ ርቱዐ ሐድስ ውስተ ከርስየ ኢትግደፈኒ እም ቅድመ ገጽከ


ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1 ቈረ 12፡1-12

ዲያቆን


ወንጌል፡ ዮሐ 14፡22-ፍጻሜ

1 ዮሐ 2፡20-29

ንፍቀ ዲያቆን


ቅዳሴ፡ ዲዮስቆሮስ (እቅድመ ኣለም)

ግሃ 2፡13-42

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div