S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።” (ዮሃ 15፡17)

እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 25, 2017) ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ምስቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምስ ውህበትን መንፈስ ቅዱስ ብዝተኣሳሰር፡ ጐይታ ዝኣዘዘና፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ዝዓበየ መገዲ ኢሉ ዝመሃረና መሰረታዊ ናይ ፍቕሪ መገዲ ክንርኢ ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትና፡ እቲ ጐይታን መሕወይን ዝዀነ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ እታ መርዓትን ኣካልን ክርስቶስ ዝዀንት ሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ብዅሉ መሊኣ፡ ተሃኒጻ ንመርዓዊኣ መታን ክትጽበዮ፡ ነቶም በብናቶም ክፍልታታ ዘቑሙ ኣመንቲ፡ ከም ፍቓዱ ንነፍሲ ወኸፎም ውህበት ጸጋ ከም ዝህቦም ተመልኪትና ኣሎና። ነዚ ሓቂ እዚ፡ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረ ምዕራፍ 12 ኣስፊሑ ብምብራህ፡ ነቲ ዝዓበየ ውህበታት ሃረር ክንብል ኣተባቢዑ፡ ነታ ምዕራፍሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየብምባል ወዲኡዋ ኣሎ። ኣብታ ትቕጽል ምልእቲ ምዕራፍ (1 ቈረ 13) ነዚ ዝበለጸ መገዲ ዝበሎ፡ መሰረት ኵሉ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ክኸውን ዘለዎ ፍቅሪ፡ ኣስፊሑ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ምዕራፍ 14 ክጅምር ከሎ ድማንፍቕሪ ስዓብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ።ብምባል መሰረትን መንጽፍን ናይ ኵሉ ውህበትን ኣገልግሎትን፡ ፍቅሪ ክኸውን ከም ዝግብኦ ይምህረና። ናይዚ መዓልቲ ንባባት ድማ ኣብዚ ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነ ፍቅሪ ዘተዀሩ እዮም።

እቲ ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ኣገልግሎት፡ ኣብ ክርስትና ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ/ወሳኒ ዝገብሮ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ኣምላኽ ሰብን ናይ ኣምላኽ ዘይዀነን ንዘሎ ፍልልይ ብምልኣት ስለ ዝገልጽ እዩ። ዲያብሎስ ምስ ኣገልገልቱ፡ ልዕለ ተፈጥሮኣዊ ዝዀነ ተመዀሮታት ከርእዩ ከም ዝኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምስኽረሉ ሓቂ እዩ። ነቶም ሕሩያት ንምስሓት ትእምርትን ተኣምራትንውን ክገብር ከም ዝዀነ ተነጊሩና ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሰይጣን ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን ከምስል ከም ዝፍትን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጽሒፉልና ኣሎ (2ቈረ 11:14)፡። ሙሴ ናብ ቤት ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኣትዩ ብናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ ንዝገበሮ ተኣምራት ዝመሳሰል ጠንቆልቲ ግብጺውን ከም ዝገበሩ ተጻሒፉ ኣሎ። ስለዚ ግብሪ ሓይሊ ብዝምልኸት ዲያብሎስ ክትምይነሉ (counterfeit) ዝኽእለሉ መገድታት ኣለዎ። እንተዀነ፡ ሰይጣን ክትምይኖ ዘይክእል መገዲ ኣሎ። ንሱ ድማ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ብሉጽ ባህርይ ዝዀነ ፍቕሪ እዩ። ሰይጣን፡ ቅንጣብ ናይ ፍቅሪ ጨና ዘይብሉ መልኣኽ ጸልማት ዀይኑ እዩ። ኣንጻር ባህሪኡ ስለ ዝዀነት ድማ፡ ንፍቕሪ ይትረፍ ክገብራ ክትምይኖውን ኣይክእልን እዩ።  ነዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ሰይጣንን እንፈላልየሉ መገዲ ብዘርእይዎ ግብሪ ሓይሊ ዘይኰነስ ብዘለዎም ፍቕሪ ምዃኑ ገሊጹልና ዘሎ (1ዮሐ 41-9) ስለዚ፡ እቲ ንግዝኣት ዲያብሎስ ኣናዊጹ፡ ደጌታት ሲኦል ዘይሕይልዋ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምህናጽ ክተግህ ዝብህግ ሰዓቢ ክርስቶስ ኵሉ፡ ካብ ፍቕሪ ብዝነቐለ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ተዓጢቑ ከገልግል ይግበኦ።

ኣብ ናይ ቈረንቶስ ቤተ ክርስትያን እቶም ኣገልገልትን ምእመናናንን ብዙሕን ዝተማለአን ውህበታት ዝተቐበሉ ነበሩ። እንተ ዀነ በቲ ዘይናቶም ውህበት ንሓድሕዶም ኣብ ክንዲ ዚደጋገፉን ዝተሃናነጹን ብእኡ ኪወዳደሩን ክፈላለዩን መረጹ (1ቈረ 14-17) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምፍልላይ ምስ ረኣየ ብዙሕ ሓዘነ እሞ ሓንቲ ዓባይ ነገር ጐዲላቶም ከም ዘላ ተገንዘበ። ሓደ ምዕራፍ ምሉእ ብዛዕባ ሓድነት ናይታ ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ንኣካላዊ ስብነትና ከም ኣብነት ብምጥቓም ድሕሪ ምግላጹ ነታ ምዕራፍ ኪዛዝማ ኸሎነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጸዓቱ ሕጂ ከኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።በሎም (1ቄረ 1231) ብድሕርዚ ኣብ ምዕራፍ 13 ሓደ ምዕራፍ ምሉእ ንዓኣ ብምውፋይ ፍቕሪ ብኸመይእታ ዝበለጸት መገዲከም ዝተባህለት ኣርኣዮም። እቶም ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ተዘርዚሮም ዘለዉ ውህበታት ኣዝዮም ዓበይቲ እዮም። ንሳቶም ከኣ፦

(1)   ብቛንቋታት ሰበን መላእኽትን ክንዛረብ ምኽኣል

(2)   ትንቢት ዚንበይ ነብይ ምዃን

(3)   ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን ዘለዎ ሊቅ ምዃን

(4)   ኣኽራን ካብ ሰፈሮም ከተግዕዝ ክሳዕ እትኽእል ዓብይ ናይ እምነት ሰብ ምዃን

(5)   ኲሉ ገንዘብካ ንድኻታት ክትዕድል ክሳዕ እትኽእል ናይ ልግሲ ጸጋ ዘለካ ምዃን

(6)   ስጋኻ ብሓዊ ነዲዱ ክመውት ኣሕሊፍካ ክሳዕ ምሃብ ትብዓትን ጽንዓትን ዘሎካ ሰማእት ምዃን ዜጠቓልሉ እዮም።

እዚ ውህበታት እዚ ኣዝዩ ዓብዪ ውህበታት እዩ። በዚ ውህበታት እዚ ጌርካ እትዓይዮ ዕዮ ትርጉምን ክብርን እንተልብሶ ግና እታዝበለጸት መገዲዝተባህለት ፍቕሪ እያ። ምኽንያቱ እዚ ውህበታት እዚ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ እምበር ካባና ዝወጽእ ወይ ናትና ኣይኰነን። ብዘይናትካ ነገር ድማ ክትምካሕን ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ኽትቅበልን ዝከኣል ኣይኰነን። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጽእና፡ ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።ይብል (2ቈረ 35) ነቶም ካብ ኣምላኽ ንዝተቐበልዎ እምበር ናቶም ብዘይኰነ ንብረት ዚምክሑ ሰብ ቊረንቶስ ድማካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧ይብሎም (1ቈረ 47) ነዚ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ውህበታት በቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ካብ ህይወትካ ዚፈርይ ፍቕሪ እንተ ጌርካዮን እንተ ተጠቐምካሉን ግና ነቲ ውህበታት ኣብ መዓለኡ ስለ ዘውዓልካዮ ብእኡ ክብርን ዓስብን ክትቅበል ኽትበቅዕ ኢኻ። እቶም ንፍቕሪ ጐስዮም በቲ ውህበታት ጥራይ ኪዓይዩ ዚደልዩ ግና ንሳቶምን ኣገልግሎቶምን ኵሉ ግብሮምን ከንቱን ዘይጠቅምን እዩ ዝኸውን። ከም ሰብ ዘይኰነ ድማ ከም ጭልጭል ዚብል ጸናል እዮም ዚቊጸሩ። በቲ ግብሮም ኣቓልቦ ሰብ ናባታቶም ካብ ምስሓብ ዚሓልፍ ዝዀነ ዓይነት ፍረ ኬፍርዩ ኣይክእሉን እዮም።

እቲ ናይ ኩሉ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ኣርኣያና ዝዀነ ጐይታና፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝገብሮ ዝነበረ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ካብ ፍቕርን ድንጋጸን ለውሃትን ተላዒሉ ይገብሮ ምንባሩ ነስተብህል (ማቴ 9:36 1414 15:32 ዮሃ 131) እቲ ኣሰኣሰሩ እስዕብ ኣለኹ ዝብል ኵሉ ኣማኒ ድማ፡ ዝገብሮ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት ካብ ፍቅሪ ዝነቐለ ክኸውን ይግብኦ። ኣብቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ጐይታ ሕድሪ ክህቦ ከሎ ዝተጠቕመሉ ቃላት እንተ ተመልኪትና ነዚ ሓቂ ዘብርህ እዩ። ጐይታ ብድፍኑ፡ ዕያውተይ ኣብልዕ ኣባጊዐይ ሓሉ ዘይዀነ ኢልዎ፡ መጀመርያ ዘፍቕሮ እንተ ኰይኑ እዩ ዝሓተቶ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብለና፥ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ።” (ዮሃ 2116) ነዚ ሕቶ እዚ ሰለስተ ግዜ ሓተቶ። መሰረት ናይ ኵሉ ኣብ ቤተ ክርስትያን ይኹን ካብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ኣብ ማእከል ሰባት ዝግበር መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ጐይታ ዝጠልቦ ዘሎ ንዕኡ ዘለና ብሉጽ ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ። ኣቦታትና ሓዋርያት በዚ ሓቂ ተመሪሖም ሓለፉ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ምብጃው ኢየሱስ እንሰብከልኩም ዘለናፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩይብሎም፥ እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና።” (2ቈረ 5: 13-14) ነቲ ይሁዳ ጽሒፉልና ዘሎ ምዕዶ እንተ ኣስተብሂልናሉውን መሰረታውነት ናይ ፍቕሪ ኣብ ኩሉ እንገብሮ ኣገልግሎት እዩ ዘስምር። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብለና፥ስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ። ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።” (ይሁ 20-23) እተገልግሎ ኣገግሎት ንፍቕሪ እናሰዓብካ፡ ርእስካውን በዛ ፍቕሪ እንዳሓለኻ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ነታ ፍቅሪ ሓዲጎም ኣብ ብዙሕ መንፈሳዊ ዝመስል ንጥፈታት ዝጐዩ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ከመይ ዝበለ መጠንቀቕታ ከም ዝተቀበሉ ልቢ ኢልና ነስተብህል።ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ።” (ራእ 21-7 ኣንብብ) እቲ መራሒ ቤተ ክርስትያን ኤፈሶን ዝገብሮ ዝነበረ ብዙሕ መንፈሳዊ ንጥፈታት፡ ካብቲ ብምኽንያት ምሕዳግ ፍቕሪ ዝወደቆ ውድቐት ከልዕሎ በታ ቀንዴሉውን ካብ ቦትኣ ከይትእለ ተኽእሎ ኣይነበሮን።

ዕውትነትን ቅቡልነትን መንፈሳዊ ኣገልግሎትና ውጽኢት ፍቕርና ካብ ኰነ፡ ርእስና ክንመርምር ግቡእ እዩ። እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ብዙሕ እዩ ዘፍቕር ከም ዝተባህለ፡ ዕምቖት ፍቕርና ውጽኢት ፍልጠት ዝተገብረልና ምሕረት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፈልና፥ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።” (ኤፌ 3:16-19) ስለዚ በቲ ኣብ ጸጽባሕ ሓዲሽ ዝዀነ ምሕረት ኣምላኽ፡ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ብዝሕደስ ፍቕሪ ኣምላኽ ክነገልግል፡ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ንፍለጣ (ዶግ 322-23) ኣምላኽ ይደግፍ።

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ሰነ 25, 2017     ሰነ 18, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 51፡12-12

ወበንፈስ አዚዝ ኣጽንዐኒ ከመ እምሀሮሙ ለኃጥአን ፍኖተከ ወረሲአነ ይትመየጡ ኅቤከ።


ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1 ቈረ 14፡1-26

ዲያቆን

ወንጌል፡    ዮሐ 15፡17-ፍጻሜ

1 ዮሐ 4፡1-9

ንፍቀ ዲያቆን


ቅዳሴ፡ ዲዮስቆሮስ (እቅድ መኣለም)

ግሃ 10፡44-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div