S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ሰንበት እዚ (ሓምለ 9, 2017): ተዋሂቦምና ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት: ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ካብዞም ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተዘርዚሮም ዘለዉ ንህይወትና ዘዕንዉ ኣበሳታት ክንርሕቕ ድሕሪ ምምዓዱ: ካብቲ ካብ ነፍሲ ዝዋጋእ ስጋዊ ትምኒትን እኩይ ግብርን ነጺህና:

ንኣምላኽ ምስጋና ብዘዕዝዝ ሰናይ ኣካይዳ ክንመላለስ ብምምሕጻን: ነዚ ናይዚ ዕለት ምንባብ ዛዚምዎ ኣሎ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ: ግብሪ ዲያብሎስ ከፍርስን ንሓጢኣት ከርሕቕን እዩ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ: ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ: መከራ መስቀል ዝተቐበለ (1 ዮሃ 3:5,8) ድሕሪ እዚ ክቡር ዋጋ ዝሓተተ መስዋእቲ እዚ: ንሓጢኣት ናይ ምርሓቕ ተልእኾን ሓላፍነትን ዝተቐበለ እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነ ክርስትያን ባዕሉ እዩ። እግዚኣብሔር: ንቓኤል ናብ ክፉእ ሃቐና ገጹ ከምርሕ ከሎ ምስ ተዓዘቦ: “ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለ ምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን: ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ: ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ ኣላ: ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ: ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካብምባል መዓዶ (ዘፍ 4:6,7) እምበኣር ካብዚ ቓል እዚ ከም እንርድኦ: እቲ ንሓጢኣት ክገዝኣ ዓቕሚ ዘጥረየ ሰብ ጥራይ እዩ: ንሓጢኣት ከርሕቖን ኣብ ህይወቱ ከይነግስውን ክዓግቶ ዝኽእል። ስለዚ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ: ነዞም ኣበሳታት ዘርዚሩ ኸነርሕቖም ክእዝዘና ከሎ: ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክንነግስን ክንገዝእን እምበር ባሮት ሓጢኣት ንምዃን ርእስና ኣሕሊፍና ኸይንህብ ይምዕደና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግብኣና። ሓጢኣት: ዋላ ባዕላትና ክንከዶ እንተ ዘይመረጽና ባዕሉ ከም ዚጠብቀና ቃል እግዚኣቢሔር ኣረጋጊጹና ኣሎ። ብፍላይ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ: እቲ ናይ ሓጢኣት ናይ ምጥባቕ ባህርይ: ክልወጥ ዘይክእል ሕጊ ኰይኑ ከም ዝረኸቦ: ግሩም ብዝዀነ ቓላት ገሊጽዎ ይርከብ፥እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ: ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ።” (ሮሜ 7:21-23) ደጊሙ ድማ ነዚ ዝብቐና ሓጢኣት እንታይ ክንገብሮ ከም ዘሎና ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፥ “…ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ክርስቶስ መድሓኒና ኣብ መስቀል ምእንታና ዝሞተ ድማ: ካብዚ ብዘይ ፍቓድና (ድሌትና) ናብ ሓጢኣት ዝስሕበናን ዝማርኸናን ሕጊ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውጽኣና እዩ (ሮሜ 8:1,2 6:18) እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካልኦት ዘይተዘርዘሩ ኣበሳታትን ኣብ ህይወትና ይገዝኡ እንተ ኣልዮም: ገና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎና: ብክርስቶስ ሓራ ከም ዘይወጻእና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካብዚ ሕጊ ሓጢኣት እዚ ብክርስቶስ ሓራ ዘይወጸ ሰብ: ንሓጢኣት ክርሕቀሉን ከርሕቖን ዓቕሚ ኣይህልዎን እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ: እቲ ካብ ሕጊ ሓጢኣት ሓራ ዝወጸ ሰብ: ሓጢኣት ከም ዘይገብርን ሓጢኣት ዘይገብረሉ ምኽንያትን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገሊጹልና ኣሎ፥እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉ: ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ: ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ: ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ: ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን: ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ።” (1 ዮሃ 3:6,8-9)። ስለዚ ሓጢኣት ዝዓብለሎን: ብሓጢኣቱ ዝልለይን መንነት ሒዝካ ምምልላስ: ካብ ድያብሎስ እምበር ካብ ኣምላኽ ዘይምዃንካ ስለ ዘረጋግጽ: ብደም ክርስቶስ ተሓጺብና ካብ ሕግን ሓይሊ ናይ ሓጢኣትን ሓራ ወጺእና: ካብቶም ዝጠብቍናን ንህይወትና ዘጋዕዝዩን ኣበሳታት ክንርሕቕን ክነርሕቕምን ይግብኣና። ሓዋርያ ጴጥሮስ: ኣስዒቡ ኣብ . 2 ንሓጢኣት ከነርሕቖን ክንርሕቆን ዘኽእለና ጥበብ እዩ ገሊጹልና ዘሎ። ንሱ ድማ: “ንምድሓን ዕበዩዚብል እዩ። ሓደ ቘልዓ ካብ ዝውለደሉ ዕለት ጀሚሩ: ሕማቕን ጽቡቕን ስለ ዘይፈልይ: ዋላ በቶም ዝጐድእዎ ረሳሓት ነገራት ክጻወትን ኣብ ኣፉ ከእተዎምን እዩ ዝደልይ። እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ድማ ካብቶም ዝጽይቕዎን ዝጐድእዎን ነገራት በብቝሩብ እናተፈልየን እናኣርሓቖምን ይኸይድ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ድማ ልክዕ ከምኡ እዩ። ሓደ ሰብ ሓንሳእ ብክርስቶስ ካብ ሕጊ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ ምስ ደሓነ: ብድሕሪኡ እቲ ምድሓኑ እናዓበየ ክኸይድ ይግብኦ። ድሕነቱ እናዓበየ ዘይከይድ እንተ ዀይኑ: ዕድሚኡ ምሉእ ካብቶም ዘጋዕዝይዎ ኣበሳታት ከይተላቐቐን ከይነጽሀን እዩ ዝነብር። ሓደ ዝተወልደ ህጻን ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ እንተዘይዓብዩ: ኵሉ ጊዜ ምስ ጽያፉ እዩ ዝነብር። ሓደ ክርስትያን ድማ ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዝኸውን: ብክርስቶስ ዳግማይ ልደ ረኺቡ ምስ ደሓነ ጥራይ ዘይኰነ: ብምድሓን እናዓበየ ምስ ዝኸይድ እዩ። ምዕባይ ግና ንባዕሉ ስቕ ኢሉ ዝመጽእን ዚኸስትን መስርሕ ኣይኰነን። ሓደ ህጻን ናብ ምሉእ ሰብኣይ ገጹ ዝዓብይ ንዕድሚኡ ዝበቅዕ ምግቢ ምስ ዝምገብ ጥራይ እዩ። ምምጋብ እንተ ኣቋሪጹ ግን: ዘይምዕባይ ጥራይ ዘይኰነ ሞትውን ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። ውልድ ምስ በለ: ሕዋስ ዘይብሉ ጸባ ጡብ ኣዲኡ ጥራይ ይምገብ። ዕድመኡ ብዝፈቐደሉ መጠን ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ምግቢ እናወሰኸ ናብ እኹል ሰብኣይ ይዓብይ። እቲ ብመንፈሳውነቱ ናብ እኹል ሰብኣይን ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስን ክዓቢ ዝደልይ ክርስትያን ድማ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ህጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ክብህጎን ክምገቦን ከም ዝግብኦ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ገሊጹልና ኣሎ። በቲ ዝተመገብናዮ መንፈሳዊ ጸባ: ቃል እግዚኣብሔር: ናብቲ ኽንበጽሖ ዝግብኣና መንፈሳዊ ድሕነት ምስ ዓቤና: ብድሕሪኡ ናብ ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ እዩ ክንሰግር ዝግብኣና። ጸባ ናብ ሓደ ደረጃ ዕብየት ምስ ኣብጽሓና: ብድሕሪኡ ዝዓጸመ መግቢ ብምምጋብ ናብ ምሉእ ኣካላዊ ዕብየት ከም እንበጽሕ: ኣብ መንፈሳዊ ዕብየት ድማ ልኽዕ ከምኡ እዩ።

መንፈሳዊ ጸባተባሂሉ ዘሎ እቲ መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ቃል ኣምላኽ እዩ። ዕጹም ብልዒ ተባሂሉ ዘሎ ድማ እቲ ትምህርቲ ብጽሕና እዩ። ጸባ ጥራይ ዝምገብ ሰብ ንሓጢኣት ክመልኽን ከርሕቕን ዓቅሚ የብሉን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ፥ኣሕዋተየ: ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን: ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር: ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም: ጸባ መገብኩኹም: ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን: ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ: ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧” (1 ቈረ 3:1-3)።ደጊሙ ድማ “… ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር: ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ።ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ: ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓትእዩ።ይብለና (እብ 5:12-14) ስለዚ እቶም ከነርሕቖም ዝተኣዘዝና ከም እኒ ቅንእን ባእስን: ክፍኣትን: ግብዝናን: ሻራን: ምፍልላይን: ስኽራንን: ጓይላን: ጥንቈላን ዝኣመሰሉ ኣበሳታት ኣብ ህይወትና ይፍጽሙ እንተ ኣልዮም: መንፈሳዊ ቍልዕነት ኣጥቂዑና ከም ዘሎዘረጋግጹልና እዮም። መንፈሳዊ ቍልዕነት ዘጥቅዖም ሰናት ናብ መንግስተ ሰማያትክኣትዉ ኣይብቑዓትን እዮም። ብስጋና ኣዚና ዓቢና ኽነስና: ብመንፈሳውነት ግን: ዕድመና ምሉእ ቈልዑ ዄንና እንተ ነበርና: ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ልኽዕ ከምቶም ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ዝርኣዩ: ናይ ኣእምሮ ድንጋዘ (ዝሕታለ) ዘጋጥሞም ሰባት ኴንና ኣሎና ማለት እዩ። ብኣካላዊ ዕቤየቶም ደቂ ሓምሳ ዓመት በጺሖም ከብቅዑ: ኣእምሮኣዊ ዕብየቶም ግና ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንታሕቲ ዝዀነ ሰባት ምርኣይ ንዝወለዶምን ዝተዓዘቦምን ኣሰቃቒ ትርኢት እዩ። ብዓል ብዙሕ ፍልጠት ዝዀነ ፕሮፌሰር: ብዓል ብዙሕ ሃብቲ ዝዀነ ሃብታም: ብመዓርግ ቤተ ክህነትውን ሊቅ ዝበሃል ሰብ: ነዞም ዝተዘርዘሩ ሓጢኣታት ከርሕቕ ዓቅሚ ዝስኣነ ኵሉ ብመንፈስ ቈልዓ ዀይኑ ዝነብር ሰብ እዩ። በዚ ዅነታት: እግዚኣብሔር ማዕረ ክንደይ ከም ዝሕዝኖ ምርዳእ ድማ ቀሊል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስዒቡ: እቲ ንምድሓን ክዓብይ ዝደልይ ሰብ ክገብሮ ዝግብኦ ካልእ ኣገዳሲ ነጥብውን ጠቒሱ ኣሎ። ንሱ ድማ ናብ ክርስቶስ ናብቲ ህያው እምኒ ምቕራብ እዩ። እቲ ናብ ክርስቶስ ኵሉ ጊዜ እናቕረበ ዝኸይድ ሰብ: ንሱውን ከም ጐይታኡ ህያው እምኒ እዩ ዝኸውን። ከምቲ ኣብ ነህምያ 4:2 ተጠቑሱ ዘሎ: እቲ ብሓዊ ዝነደደ እምኒ ክሓውን ንህንጻ ዝበቅዕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብሓጢኣት ዝማሰነ ሰብ ልክዕ ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ምውት እምኒ እዩ። እዚ ሰብ እዚ: ኣምላኽ ዝሓድረሉ መንፈሳዊ ቤት ኰይኑ ኽህነጽ ኣይበቅዕን እዩ። ከም ውጽኢቱ: ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ: ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝዀነ ስጋኡ ኸቕርብ ኣይከኣሎን እዩ። እዚ ሰብ እዚ ካብ ክርስቶስ ርሑቕ እዩ። እቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ክርስቶስ መድሓኒኡ እናቐረበ ዝኸይድ ግና: ካብ ሓጢኣት እናረሓቐን: ነቲ ዝጠብቆ ሓጢኣት እናኣርሓቐን ክኸይድ ኣይጽገምን እዩ። ምኽንያቱ ድማ ነቲ ሓጢኣት ዘርሕቐሉ ሓይሊ ካብቲ ዝቐረቦ ክርስቶስ ስለ ዝረኽብ እዩ። እቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ: “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።ዝበሎ ቓል ኣብቶም ቀረባ ክርስቶስ ኰይኖም ዝነብሩ ሰባት ጥራይ እዩ ዝፍጸም (ገላ5:24) ብኸምዚ ንሓጢኣቱ ኣርሒቑ ብሰናይ ግብሪ ኣካይድኡ ዘጸበቐ ሰብ: ብዘይካ እቲ ባዕሉ ንኣምላኹ ዘቕርቦ ምስጋና: ሰናይ ኣካይድኡ ርእዮም ንኣምላኽ ምስጋና ዘቕርቡ ሰባት ስለ ዘፍርይ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ብዝዀነ ዓብዪ ክብሪ ክኸብር እዩ። ሃዋርያጴጥሮስ ዝምዕደና ዘሎ ድማ ነዚ ሰማያዊ ኽብሪ እዚ ምእንቲ ክንበቕዖ እዩ።

ኣምላኽ ብጸጋኡ ይደግፈና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ሓምለ 2017     (ሓምለ 2, 2009  ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 84፡7

እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሓውር እምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ ኣምላክ ኣማልክት በጽዮን።

 

ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2 ቈረ 9:1-ፍጻሜ 

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማር 2:14-ፍጻሜ

1 ጴጥ 2: 1 - 13

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘ፫፻ (ግሩም)

ግሃ 4:31-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div