S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ሰንበት እዚ (ሓምለ 16 2017) ዝተነበበልና ክፍሊ ወንጌልምስላ መርዓ ወዱ ዝገበረ ንጉስዝብል እዩ። እቲ ኣብ ሉቃ 14 15-24 ተጠቒሱ ዘሎ ተመሳሳሊ ዛንታ፡ እቲ ዕድመ ናይ ድራር ዕድመ ምዃኑ እዩ ዝነግረና።

ወንጌላዊ ሉቃስ ኣዘንቲዩልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ጐይታና ኣብ ሓደ ዕድመ ዝተገብረሉ ናይ ፈሪሳዊ ቤት መኣዲ ተቐሚጡ እናተመገበ ኸሎ እዩ እዚ ምስላ እዚ ዝነገሮ። ሓደ ካብታቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዝበልዕ ብጹእ እዩምስ በለ እዩ ነዛ ምስላ እዚኣ ዝነአገሮም።

እዚ ምስላ እዚ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ ዘርኢ ኣዳም ዝዀነ ሰብ ዝተዘርበ እዩ። ዓሌት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ደረጃ ቝጠባን ትምህርትን ስልጣንን መንፈሳውነትን ኣገልግሎትን ዝፈልይ ኣይዀነን። ርእሱ ካብዚ ምስላ እዚ ዘግለለ፡ ማለት ከም ዘይትምልከቶ ሓሳቡ በዛ ምስላ እዚኣ ርእሱ ዘይመርመረ ሰብ፡ ባዕሉ ብምርጫኡ ንገዛእ ርእሱ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘግለለ ኽርዳእ ይግብኦ። ኣብዛ ምስላ እዚኣ፡ ክልተ ናይ ኣተዓዳድማ ኣገባባት ተገሊጸን ኣለዋ። እታ ሓንቲ፡ ልኡኻት ናብ ኣባይቶም መጺኦም፡ ብስሞም ጸዊዖም ናብቲ ዕድመ ንጉስ ዝተዓደሙላ ኽትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ናብ ኣደባባያትን፡ ኣብ ጐደናታትን፡ ኣብ ቃራናታትን (መተሓላለፊታትን) ወጺእካ ንዝረከብካዩ እትዕድመላ ኣገባብ እያ። ነዚ ዕድመ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ድማ ልክዕ ከምኡ ዝተፈላለየ ነበረ። እቶምይግብኦም እዩ፡ ንሳቶም ነዚ ዕድመ እዚ ብቝዓት እዮምዝተባህለሎ እሞ፡ ብኽብሪ ናብ ቤቶም መጺኦም ዝዓደምዎም ሰባት፡ ዋላ ሓደ እዃ ሕራይ ኢሉ ናብቲ ዕድመ ዝመጸ ኣይተረኽበን። ክቡራት ኣንበብቲ፡ እቲ ዕድመ ናይ ንጉስ ዕድመ ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ በቲ ንጉስብቝዓትተበሂሎም ተመዲቦም ክንሶም፡ ንሳቶም ግና ብምርጫኦም ስለ ዝኣበዩ፡ ንገዛእ ርእሶም ዘይብቝዓት ገይሮም ከም ዝፈረዱ፡ እቲ ንጉስውን ከምኡ ከም ዝበለ ኣይንረስዕ። እዞም ሰባት ክንድቲ ንጉስ ዝኸውን ሃብትን ክብርን ስልጣንን ዘይብሎም ክንሶም፡ ነቲ ንጉስ ግና ዝነዓቕዎ እዮም። እቶም ገሊኣቶም ድማ ካብ ንዕቀት ሓሊፎም፡ ነቲ ንጉስን ልኡኻቱን ብርቱዕ ጽልኢ ኣሕዲሮም ስለ ዝነበሩ፡ ነቶም ልኡኻት ወቕዕዎምን ኣዋረድዎምን ቐተልዎምን።  እቶምኣይንመጽእንዝበሉ ሰባት ዘቕረብዎ ምኽንያት ናይ ሓሶትን ዘይብቑዕን ምዃኑ ድማ፡ ነቲ ነገሮም ኣዝዩ ዘኽብዶ እዩ። ምሸት ኣብ ግዜ ድራር ዝዅለል ግራት ወይ ዝፍተኑ ኣብዑን የለዉን። ንቝርሲ ወይ ንምሳሕ ተዓዲሞም እንተ ዝዀኑ እቲ ምኽንያት ብመጠኑ ተቐባልነት ምሃለዎ ኔይሩ። ብድሕሪኡ ነቶም ንባሮቱ ዝገፍዑሉን ዝቐተሉሉን ብኽፉእ ኣጥፍኦም። ነቶም ካልኦት ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ናይ ድራር ዕድመ ክይጽውዑን ካብ መኣዱ ከይበልዑን ንሓዋሩ ፈረዶም።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቶም ብልኡኻቱ ነብያት ናብ መንግስቱ ዝዓደሞም እስራኤላውያንን መራሕቶምን ኣመልኪቱ እዃ እንተ ተዛረቦ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ግና ብዛዕባ ኹላትና ዘርኢ ኣዳም እዩ እተዛረበ። እቲ ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ብልሳን ነብያቱኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ ኢሉ ዝጀመሮ ጽውዓ፡ እቲ ንጉስን ወዲ ንጉስን ዝዀነ መርዓዊ ጐይታ ባዕሉ፡ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።ብምባል ኣሐዲስዎን ዘለኣለማዊ ጽውዓ ገይርዎን እዩ። (ኢሳ 551 ዮሃ 737-38) ኣበየናይ ክፍለ ዘመንን፡ ኣበየናይ ሃገርን፡ ኣበየናይ ኵነታትን ከም ዘሎና ብዘየገድስ፡ እቲ ነዚ ጽውዓ እዚ ተቐቢሉ ናብ ድራር ወይ መኣዲ ናይቲ ንጉስ ዘይመጸ ዅሉ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓያልን ክቡርን ሉዑላውን ንጉስ ንዕቀትን ጽልእን ዘሕደረ ጥራይ እዩ። እግዚኣብሔር ድማ ነቶም ንእኡን ንፍቑር ወዱን ዚንዕቁን ዚጸልኡን እንታይ ከም ዝፈድዮም ይፈልጥ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ነቶም ንጽውዓኡን ዕድሚኡን ዝነዓቑ ኣመልኪቱ፡ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ።ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ (ዮሃ 1518, 22-25) ስለዚ ሓደ ሰብ ናብ ድራር ናይቲ ገንሸል ተዓዲሙ እንተ ኣበየ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገንሸል ዘለዎ ጽልኣትን ንዕቀትን ይገልጽ ከም ዘሎ ፈጺሙ ኣይሰወሮ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ፡እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም”  እናበለ፡ እቲ ዝተዓደመ ሰብ እንተ ነጸጎ፡ ካብ ብጽእና ናብ ምንታይ ከም ዝወድቕ ብሩህ እዩ። (ራእ 199) ወዲ ኣምላኽ እነመኻንዩ ምእንቲ ኽንስእን ተገሊጹ ኸብቕዕ፡ ብምኽንያት ካብ መኣዲ ጐይታ ከይካፈልን ኣሰር ጐይትኡ ከይስዕብን ዝውስን ሰብ እንተ ኣልዩ፡ ናይ መጨረሻ መዓልቦኡ ኣብ ሲኦልን ገሃነምን ድራር ሓዊ ክኸውን ወሲኑ ከም ዘሎ ብኣግኡ ኸስተውዕል ይግብኦ።

ናይ ሰብ ጸገም ግን ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ምሕሳም ጥራይ ኣይዀነን። ነቲ ዕድመ ብሓጐስ ተቐቢልዎ ኸብቕዕ፡ ነቲ ዕድመ ብቑዕ ዘይገብሮ ኣለባብሳን ህይወትን ሒዙ ኣብ ዳስ ምእታው ድማ በደል እዩ። እቲ ንጉስ ናብቲ ዳስ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሓደ ሰብኣይ ረኣየ። እዚ ሰብኣይ እዚ ከም ሰቡ፡ ካብ ጐደናታት ተዓዲሙ ዝመጸ ሰብ እዩ። ወዝቢ ካብ መገዲ ተዓዲሙ ናብቲ ዳስ ዝኣተወ ሰብ ድማ፡ ንመርዓ ዝኸውን ክዳን ክህልዎ ኣይከኣልን እዩ። እንተ ዀነ እቲ ንጉስ ነቶም ከይሓሰብዎ ብሃንደበት ናብቲ ዳስ ዝተዓደሙ ድኻታትን ሓንካሳትን ዕውራትን ኣጋይሹ፡ ናብቲ ዳስ ዚኣትውሉ ኽዳን መርዓ ኸም ዝዓደሎም ከይሓተትካ ዝምለስ ሕቶ እዩ። እቲ ኽዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብውን፡ እቲ ንጉስኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ክዳን መርዓ ዘይብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ኢሉ ምስ ሓተቶ ኣጽቐጠ እምበር ምኽንያት ከቕርብ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ እቲ መርዓ ናይቲ ምኽንያት ክኸልእ ዝተገጸ ገንሸል መርዓ እዩ። ነቲ ዝተዋህቦ ክዳን ስለ ዘይደለየ እዩ ኸምኡ ዝገበረ። ክዳን ተዋሂዎ ኸብቕዕ ንእኡ ነጺጉ ምስቲ ኣብ ጐደናታት ዘርሰሖ ኽዳኑ ምእታዉ፡ ነቲ ንጉስ ዓብዪ ድፍረትን ውርደትን እዩ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ንጉስ ንገላውኡ፡  “ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውንኢሉ ዝግብኦ ፍርዲ ሃቦ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓዳሚኻ ንጉስ ዘለኻ ንዕቀትን ጽልእን ብኽልተ መገዲ እዩ ዝግለጽ። እቲ ቐዳማይ፡ ነቲ ዕድሚኡ ምሕሳም ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ክተምስል ነቲ ዕድመ ኣኽቢርካ ትመጽእ እሞ ኣብ ውሽጢ ቤቱን ዳሱን ግና ንኽብሩን ንክብሪ እቲ ዝምርዖ ዘሎ ወዱን ዘይበቕዕ ልብሲ ለቢስኻ ነቲ ውራይ ብምብልሻው ዝግለጽ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ካብዚ ኽልተ መወዳእታካ ዘበላሹ ኣበሳታት ገዛእ ርእስና  ክንሕሉ ይግብኣና። እቲ እግዚኣብሔር ናብ ቤቱን ናብ መኣዲ ቓሉን፡ ናብ መኣዲ ስግኡን ደሙን ዓዲምዎ ኸብቕዕ ዝኣብይ ሰብ፡ ፍርዱ ናይ ዘለኣለማዊ ሓዊ እዩ። ብምኽንያት ስራሕን ካልእ ብዙሕ ምኽንያታትን ክትኣብይ ከሎኻ፡ ናይ ኣብያኻ መልእኽቲ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።ካብቲ ናትካ ጽውዓ ናተይ ስራሕ ይዓብይ፡ ካብ ቤት ኣምላኽ ቤተይ ይዓብየኒ፡ ካብ መንግስተ ሰማያት ዓለምን ፍትወታን ይበልጸኒ፡ዝዓይነቱ ሓደገኛ መልእኽቲ እዩ ዘተሓላልፍ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዝኸበደን ኣበሳ ግና ናይቲ ኣጀማምርኡ ዘጸበቐ ኣፈጻጽምኡ ግና ዝጸየቐ ዕዱም እዩ። ነቲ ዕድመ ምቕባሉ ጽቡቕ እዃ እንተነበረ፡ ኣብቲ ዝተዓደመሉ ቤት ኣምላኽሲ፡ ከምቲ ኣብ ዓለም ዝገብሮ፡ ብሓጢኣትን ብርኽሰትን ክመላለስ ምምራጺ እዩ። ነቲ ዝተዋህቦ ልብሲ ምድሓንን ጽድቕን ተጸይፉ፡ ነቲ ዝለመዶ ልብሲ ጥፍኣትን ርኽሰትን ለቢሱ ኽመላለስ ዝመረጸ ሰብ እዩ። ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽ መሲሉ ከም ሕጊ ኣምላኽ ዘይዀነስ ከም ሕጊ ሰይጣንን ዓለምን ብሓጢኣት ክመላለስ መረጸ። ኣብቲ ስፍራን ሕብረትን ናይ ጽድቂ፡ ብሓጢኣትን ርኽሰትን ብምምልላስ ኣብ ልዕሊ እቲ ንጉስ ዘለዎ ንዕቀት ገለጸ። ስለዚ ድማእቲ ንጉስ ናብቲ ዘዳለዎ ዳስ ክመጽእ እዩዝብል እምነት ከም ዘይነበሮ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ኣብ ልቡ ከም ዘየልቦ ብግብሪ ኣረጋገጸ። ኣብ ምስላ ናይቲ ጥፉእ ወዲ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ንሓደ ዕድመ ወላዲኡ ሰሚዑ ናብ ቤት ኣብኡ ዝተመልሰ ጥፉእ ወዲ፡ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ”  ተባሂሉ እዩ ዝእዘዘሉ። እቲ ዝተመልሰ ጥፉእ ወዲ፡ ነቲ ምስ ሓሰማታት ኰይኑ ዘበላሸዎ ክዳን መሪጹ፡ ነቲ ብሉጽ ልብሲ ምድሓን እንተ ተሓሰሞ፡ ነዚ ሰብ እዚተመሊሱክንብሎ ንኽእልዶ፧ ከምቲ ሕግን ፍቓድን ናይ ኣብኡ ዘይመላለስ እንተ ዀይኑ፡ በቲ ኣብ ቤት ኣቦኡ ምህላዉ ጥራይ፡ተመሊሱ፡ ውልድነቱ ኣረጋጊጹ እዩኽንብሎ ኣይከኣልን እዩ። ይትረፍ ነቲ ልብሲ ምድሓንን ጽድቅን ኣውጺእና ኽንድርብዮ፡ ለቢስናዮ ኸለና እዃ፡ ከይረስሓና ብጽሬት ክንዕቅቦን ክንሓጽቦን፡ ዕርቃንና ምእንቲ ኸይርኣይ ድማ ክንእርንቦን ከም ዝግብኣና መጠንቀቕታ ተዋሂቡና እዩ። (ራእ 1616 2214 ኣንብብ)

እቲ ክዳንካ ዘይምኽዳንን ዘይምእርናብን፡ ሓጺብካ ብንጽህና ዘይምሕላውን ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። ኣብ ሰማያት ዓብዪ ኽብሪ ዝረክቡ እቶም ክዳውንቶም ብደም ክርስቶስ ሓጺቦም ዘጻዕደዉ እዮም (ራእ 414) ንደም ክርስቶስ ብንስሓ ካብ ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ብምክፋል ኢና እንረኽቦ። ነቲ ክርስቶስ ዘልብሰና ልብሲ ጽድቅን ምድሓንን ዝድርብይዎን ዘይክደንዎን ግና ምእመናን ጥራይ ኣይኰኑን። እቲ ንቤተ ክርስትያን ሎዶቅያ ዚመርሕ ዝነበረ ኤጲስቆጶስ ወይ ካህን (መልኣኽ ቤተ ክርስትያል ሎዶቅያ) ልብሲ ምድሓኑን ጽድቁን ዝደርበየ ዕሩቕ እዩ ዝነበረ (ራእ 317-18 ኣንብብ) መንፈሳዊ ዕርቓን፡ ክርስቶስ ብቐጥታ ንዝዛረበሉ ዝለዓለ መንፈሳዊ መራሒ ኸይተረፈ ዘጥቕዕ እንተ ዀይኑ፡ ኵላትና ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ኵላትና ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን፡ ካብዚ መወዳእታካ ዘበላሽው ሓደገኛ ህይወት እዚ ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። እግዚኣብሔር ዕድመኡ ክነኽብር፡ ኣብ ቤቱ ድማ ነቲ ልብሲ ጽድቂ ክንለብሶን ክንእርንቦን ብንጽህና ክንሕዞን ብመንፈሱን ጸግኡን ይደግፈና። ኣሜን።

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

 

ዕለት፥     ሰንበት ሓምለ 16, 2017     ሓምለ 9, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 86፡15-16

እንተሰ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል ርኁቀ መዓት ወብዙኅ ምሕረት ወጻድቅ። ነጽር ላዕሌየ ወተሥሃለኒ።


ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፣ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ። ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 5፡12-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡  ማቴ 22፡1-23

3 ዮሃ 1፡1-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ። (ነኣኵተከ)

ግሃ 17፡1-14

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div