S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዝኸእል የልቦን!

እዚ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል፡ ክፋል ናይቲ “ናይ ከረን ስብከት” ተባሂሉ ዚፍለጥ ጐይታና ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ። በቲ መስተንከርን ዜደንቕን ጥበቡ ገይሩ፡ ብኸመይ ነቶም ብኣምሳሉ ዝተፈጠርና ዘርኢ ኣዳምን፡ ንእንስሳታትን ንኣታኽልትን ከም ዜንብር ዚገለጸልና ድማ እዩ። ከምቲ ምስላ ኣቦታትና፡ “ሽሕ ፈልጺ መጥመሪተን ሓንቲ ልሕጺ” ዝብሎ፡ ናይዚ ኽቡር መልእኽቲ ጠማሪት ሓሳብ ድማ፡ እዚ ኣርእስቲ መልእኽቲ ጌርና ወሲድናዮ ዘሎና፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩ።” ዚብል ቓል እዩ።

እዞም ጐይተት ተባሂሎም ዘለዉ ኽልተ ኣካላት፡ እቲ ሓደ እግዚኣብሄር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ገንዘብ እዩ። እንተ ዀነ “ገንዘብ ብሓቒ'ዶ ምስ ኣምላኽ ተሰሪዑ “ጐይታ” ኪስመይ ይግብኦ እዩ” ኢልና ኽንሓትት ይግባእ እዩ። ገንዘብ ኪበሃል ከሎ ጥረ- ገንዘብ ጥራይ ማለት ከም ዘይኰነ ኸነስተውዕል የድልየና። ንዅሉ እቲ ተሽይጡ ናብ ገንዘብ ኪልወጥ ዝኽእልን፡ ነቲ ብገንዘብ ኪዕደግ ዝክእል ኵሉን ዜጠቓልል እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣነጽሩ ኸም ዜረጋግጸልና፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ስለዚ እቲ ገንዘብን፡ እቲ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ኵሉን፡ እቲ ተሸይጡ ናብ ገንዘብ ኪልወጥ ዚኽእል ኵሉን ድማ ናይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። ኵሉ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ገይሩ ደኣ ምስቲ ወናኒኡ ዝዀነ እግዚኣብሄር ብጐይትነት ኪወዳደር ዝኸኣለ፧ እቲ ምኽንያቱ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ውህበት ኻብቲ ወሃቢ ንላዕሊ ምስ ኣኽበርናዮ፡ ነቲ ባርያ ዀይኑ ኼገልግለና ዝተዋህበና ገንዘብ ባዕላትና ጐይታ ምስ ገበርናዮ፡ ኪገዝኣና ይነብር ኣሎ። ጸዓዱ ብዛዕባ ገንዘብ፡ “ገንዘብ ሕሱም ጐይታ፡ ግን ከኣ ንፉዕ ባርያ እዩ” ኢሎም ይምስሉ እዮም። ነቶም ንኣምላኽ ጥራሕ ጐይትኦም ኺገብሩ ዝመረጹ፡ ገንዘብ ኣዝዩ ንፉዕ ባርያ ዀይኑ እዩ ዜገልግሎም። ነቶም ንገንዘብ ጐይታኦም ጌሮም ኪግዝእዎ ዝመረጹ ግና፡ ኣዝዩ ሕሱም ጐይታ ዀይኑ እዩ ዚገዝኦም። ማዕረ ኽንደይ ሕሱም ጐይታ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ።” ብምባል ነቲ ሕሱምን ነቲ ምደሃኒቱን ገሊጽዎ ኣሎ (1ጢሞ 6፡ 9-11)። ገንዘብን ፍቕሩን ብሓቂዶ ኸምዚ እዚ ሃዋርያ ዝገለጾ ማዕረ ኽንድ’ዚ ሕሱም እዩ፧ ኣእምሮና ኸምዚ እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ገይሩ ዝገለጾ እንተ ዘይተረድኦ እኳ፡ በቲ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ዚፈጥሮ ዘሎ ነውጺ ግና ነዚ ኽውንነት እዚ ኽንክሕዶ ዚከኣል ኣይኰነን። ገንዘብ ኣብ ልብና ኸም ጐይታ ስለ ዝነገሰ እዩ ስርቅን ሓሶትን፡ ምትላልን ጥልመትን፡ ስሰዐን ጽልእን፡ ቂምታን ሻራ ባእሲ፡ ቕትለት፡ ብቂ፡ ጭካነ፡ ትዕቢት፡ ስኽራን፡ ዝሙት፡ ተድላ ወዘተ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና ዓብሊሉ ዝርኸብ ዘሎ። “ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” ዚብል ቃል ነዚ ሓቂ እዚ ኸም ዚግባእ እዩ ዚገልጾ። ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሃዋርያ ዚኣክል ሰብ ንጐይትኡ ኺሸይጥ ከም ዝገበሮ ኣይንረስዕ። እቲ ጽድቒ ዚብህግ ዝነበረ ናብ ጐይታ ዝመጸ ሃብታም መንእሰይ፡ ፍጹም ሰብ ኪኽውን ዝደልይ እንተዀይኑ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ንድኻታት ኪህቦም እሞ ንእኡ ኺስዕቦ ምስ ተነግሮ፡ ንጐይታ ዝባኑ ሂብዎ እናጐሃየ ናብ ዋኒኑ ኸደ። እዚ መንእሰይ እዚ ንኽልቲኦም ጐይተት እናተገዝአ ኺነብር ዝመረጸ ሰብ እዩ ዝነበረ። ጐይታና ንገንዘብ ምግዛእ ሓዲጉ ንእኡ ጥራሕ ኺግዛእን ኺስዕቦን ምስ ነገሮ ግን ኣይተዋሕጠሉን። እቲ ሃብታም መንእሰይ ምስ ከደ፡ ጐይታ ንደቂ መዛሙርቱ፡ ባርያ ገንዘብ ምዃን ማዕረ ክንደይ ኸቢድ ወጽዓ ምዃኑ ንኼርእዮም፡ “ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሃብታም ናብ መንግስተ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።” ብምባል ገለጸሎም (ማቴ 19፡ 23- 24)። ስለዚ እቲ ሃብታም ንምዃን ዚጽዕርን ዚሃልኽን ሰብ፡ ነታ ብዘይብኡ’ውን ጸባብ ዝዀነት ደገ-መንግስተ ሰማያት ብዝገደደ ኼጽብባ ይጋደል ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግብኦ ማለት እዩ። እቲ ኽትህብትም ምድላይ መሪር ሳዕቤን ከም ዘለዎ ዝገለጸልና ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ግናኸ ኣምልኾ (መንፈሳውነት) ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና።” ብምባል መዓደና (1ጢሞ 6፡ 6-8)። ካብዚ ንላዕሊ ዚሓልፍ ባህጊ ኣብ ልብኻ ምሕዳር፡ ክንድቲ ዝኣከብካዮ ገንዘብ ጥራሕ ዘይኰነ ካብኡ ኣዝዩ ዚበዝሕ ሕጢኣት ክትእክብ ጥራይ እዩ ዚገብረካ። ክትእክቦ ብሓጢኣት፡ ከተማሓድሮውን ብሓጢኣት ክትቆማጣዕ እዩ ዚገበር። ዋላ ብጽድቒ እንተ ኣኸብካዮ እዃ፡ እቲ ምእኻብካ ንርእሱ ሓጢኣት እዩ ዝዀነካ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ክትህብትም ዝፈቀደልካ ንኽትክዝኖ ዘይኰነስ ነቶም ዘይብሎም ብምርዳእ ብሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኽትህብትም እምበር፡ መኻዝንካን ባንክታትን ንኸተጸብበሉ ኣይነበረን። ሰለዚ ኣብ ዙርያ ገንዘብ ኵሉ ግዜ ሓጢኣት ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ ኣይንኽሓዶ ድማ። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዓር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ”። ብምባል ነቲ ኽቡር ጥበብና ኣብ ሕሱር ዕላማ ኸይነውዕሎ ምዒዱና ኣሎ (ምሳ 23፡ 4)። እቲ ኣጉር ወዲ ያቄ፡ “ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ፧’ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ።” ኢሉ ዝጸለዮ ብሱል ጸሎት ጸሎትና ኽንገብሮ ይግብኣና እዩ (ምሳ 30፡ 8-9)።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ዅሉ ሓሳባት ነቶም ኣኺሉ ዝተርፍ ገንዘብ ዘለዎም ሃብታማት ከም ዚምልኸት ጌርና ጥራይ ክንርድኦ ኣይግብእን እዩ። እቲ ጽገም ሃብታም ኣብ ምዃን ጥራይ ዘይዀነ፡ ፍቕርን ኣምልኾን ገንዘብ ኣብ ምህላው እዩ። ፍቕሪ ገንዘብ ድማ ዋላ ኣብ ኵሎም ድኻታትውን ከም ዘሎ ርዱእ ሓቂ እዩ። ነቲ መሰረታዊ ድሌታትና ዜማልእ መጠን ገንዘብ ድሕሪ ምርካብና፡ ብድሕሪኡ ካብኡ ዝበዝሕ ገንዘብ ንምእኻብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ከም ዘሎና ጭቡጥ መርትዖ እዩ። ብፍላይ እዞም ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብ ዘለዎ ሃገር እንነብር ሰባት፡ መንፈሳዊ መደባትና ኸይተረፈ መስዋእቲ ብምግባር ኣብ ምእካብ ገንዘብ እንጽመድ፡ እቲ መሰራታዊ ነገር ስለ ዝጐደለና ዘይኰነስ፡ ዘመን ዘምጽኦ ፋሽን ኽዳውንትን ኣቝሑ ገዛን መኪናን ንኽንቀያይር፡ ጽቡቕ ናይ ዕረፍትን ምዝንጋዕን ምደባት ንምስትምቓር እዩ። እቲ ሃብታም፡ ምእከላይ መነባብሮ ዘለዎ ዀነ እቲ ድኻ ገንዘብ ዚድልዩ፡ ካብ ኸባቢኦም ዝበለጹ፡ እንተወሕደ ድማ ማዕረ ኸባቢኦም ኰይኖም ንኺረኣዩ እምበር ስለ ዝጐደሎም፡ ንእኡ እንተ ዘይወሰኹ ስለ ዚጠምዩ፡ ስለ ዚዓርቍ ወይ ስለ ዚሓሙ ኣይኰነን። ካብ ነቲ ገንዘብ ዚረኽብሉ ዕድላት ዝስውኡ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መስዋእቲ ኺገብሩ ዚቐለሎም ሰባት ማእለያ የብሎምን። እቲ ኸምዚ ዚገብር ሰብ ንኣምላኽ ንዒቝ ንገንዘብ የኽብር ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግብኦ። ስለዚ ናይቲ እንግዝኦ ጐይታ ምርጫ እንተ ዘይኣተኻኺልና፡ መዓልታዊ ኣብ እንገብሮ ኣጉል ምርጫታት ነቲ ዘልኣለማዊ ዕጫና ነበላሽዎን፡ ናብ መንግስቲ ሰማያት ናይ ምእታው ዕድልና ድማ ነጽብቦ ምህላውና ብኣግኡ ነስትውዕል።

ኣብዚ ናይዚ ዕለት እዚ ናይ ወንጌል ንባብ፡ ብሰሪ ፍቕሪ ገንዘብ ዚወርደና ዕንወት ተገሊጹልና ኣሎ። ፍቕሪ ገንዘብ፡ ነቲ ዝኣክብናዮ ገንዘብን ጥሪትን ነቲ ኽዳውንትን ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቲ እኽሊ ነቐዝ ኣብ ዜንቕዞ፡ ነቲ ገንዘብ ድማ ሰራቒ ኵዒቱ ኣብ ዚሰርቀሉ ኣብ ምድሪ ኽንዓቝሮ ዜጋግየና ምዃኑ እቲ ቐዳማይ ጉድኣቱ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ገንዘብኻ ኣብ መዓላ ኸይወዓለ ባኺኑ ኸም ዚተርፍ ንምምልኻት ዝተባህለ እዩ። ሳላ ዘመናዊ ኣተዓቓቕባ፡ ኽዳውንትና ዓሰርተታት ዓመታት ብብልዒ ኸይተበልዐ ኺነብር ይክእል እዩ። ገንዘብናውን ካብ ሰረቕቲ ርሒቑ ኣብ ውሑስ ባንክታት ኪቕመጥ ይኽእል እዩ። ናይ ጐይታ ኣባሃህላ ግን “ንሃብትኻ ኣብ ሰማይ እንተ ዓቝርካዮ እዩ ንዘለኣለም ገንዘብካ ኰይኑ ዚተርፍ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ጥራይ እንተ ኸዚንኽዮ ብድሕሬኻ ካብ ባልዕን ነቐዝን ዝገደዱ ሰባት ኪበልዕዎን ኼባኽንዎን እዮም” እዩ ዝብል ዘሎ። ቃል ወንጌል ዝገለጸልና ንሃብትኻ ኣብ ሰማያት እትዓቝረሉ ጥበብ ድማ፡ ኣብ ስኡናት ሰባት ምቕማጥ እዩ። እቲ ኽትጥቕመሉ ዜድልየኻ ዅሉ ምስ ተጠቕምካ፡ እቲ ዝተረፈኻ ነቶም ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም ድኻታት ክትምግቦምን፡ ከተልብሶምን፡ መዕቈቢ ኽትገብረሎምን ኸሎኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣብቲ ንዅሉ ሰብ ናይ ምምጋብ ኣገልግሎቱ ትተሓባበሮን ተገልግሎን ስለ ዘሎኻ፡ ንሱ ነቲ ሃብትኻ ናብ ሰማያዊ ሃብቲ ይልውጦ ማለት እዩ። ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሃብታም መንእሰይ፡ ጐይታና፡ “ፍጹም ክትኸውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ (ሃብቲ) ክትረኽብ ኢኻ።” ከም ዝበሎ ተጻሒፉልና ኣሎ (ማቴ 19፡ 21)። ንሱ ግና ነቲ ቓል ጐይታ ስለ ዘይኣመኖ፡ ንጐይታ ጸሊኡ፡ ነቲ ሕሱም ጐይታ ንገንዘብ ኣፍቀረ፡ ንገንዘብ ተኣዚዙ ንጐይታ ነዓቐ። ጥበብ ጐይታ ዅሉ ጊዜ ብዓይኒ ስጋውያን ሰባት ወርትግ ንዕቕቲ እያ። ሃዋርያ ያእቆብ፡ ፍቕሪ ንዓለም ወይ ገንዘብ ማለት፡ ንኣምላኽ ጽልኢ ማለት ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (ያእ 4፡ 4)። ኣብ ልዕሊ ገንዘብን ሃብትን ዘሎኻ ኣኽብሮት እናዓዘዘ ብዝኸደ መጠን፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘሎኻ ንዕቐት ማዕሪኡ ኸም ዝዓዝዝ ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ። መጽሓፍ ቕዱስ ንስስዐ ከም ኣምልኾ ጣኦት ዚገልጽሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ (ኤፌ 5፡ 5 ቄሎ 3፡ 5)። ከም ሓወልቲ ዝቘመ ጥልዕ - ጉምብሕ እናበልካ እትሰግደሉ ጣኦት እንተ ዘይብልካ እኳ፡ ብፍቅሪ ገንዘብ ዝተዓብለለ ህይወት እንተ'ልዩኻ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ኣምላኺ ጣኦት ምዃንካ ክትፈልጥ ይግባእ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ብጀኻኻ ካልኦት ጐይቶት መሊኾሙና ኣለዉ” ኸም ዝበለ፡ ብኻልእ ሕሱም ጐይታ ተመሊኽካ ኣሎኻ ማለት እዩ (ኢሳ 26፡ 13)። ዝተጸገመ ሰብ ንምርዳእ ልብኻን ኢድኻን ምዝርጋሕ እንተ ኣብዮምኻ፡ ካብ ሓይሊ ጐይታን ቓሉን ንላዕሊ፡ ሐይሊ ገንዘብ ብዝያዳ መሊኹካ ከም ዘሎ ፍለጥ። ካብዛ ሓጻር መወእልኻ ንላዕሊ ሃብታም ከይትኸውን፡ ሃብትኻ ብድሕሬኻ ሓዲግካ ጥራይ ኢድካ ናብ መቓብር ክትኣትው፡ ጥራይ ኢድካ ኣብ ቅድሚ መንበር ፈርዲ ኽትቀርብ ብምግባር ሰይጣን ተበሊጹልካ ኣሎ። ዋላ ንሽዱሽተ ሽብዓተ ወለዶ ዚኣክል መጠን ገንዘብ ከሎካ፡ እቲ ኣብ ውሽጥካ ዘሎ ፍቅሪ ገንዘብ ኪዓግብ ስለ ዘይክእል ዕድመኻ ምሉእ ዘየድልያካን ዘይተህልኾን መጠን ገንዘብ ክትእክብ ይገብረካ። ”ዝኣከብክዎ ንዓይ ይኣክለኒ እዩ” ኢልካ ጉዳይ ነፍስኻ ከይትዝክርን፡ ነቲ ዝኣከብካዮ ብጽድቂ ንምንብባሩ ኸትሓስብን “ንደቐይ ይዀነኒ” ዚብል ሕሳብ ኣብ ልብኻ ኣሕዲሩ ኽሳዕ ዕለተ መቃብር ክትሃልኽ ይገብረካ። እቲ ናይ ምእካብ መስርሕ፡ እንተ ብዓመጻ እንተ ብቅንዕና፡ ከም ዝሰልጠካ ብምግባር፡ ብዛዕባ ብዕሽነት ምእካብ እምበር፡ ብዛዕባ ብጽድቂ ምዝራእን፡ ሃብትኻ ሰማያዊ ኣብ ምግባርን ከም ዘይትሓስብ ብምግባር ንኣእምሮኻ የጸልምቶ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ተሰጢሑ ዝጽበየካ ዘሎ ዘለኣለም፡ ከምቲ እቲ ኣብ ዘመን ኣልኣዛር ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይ (ነዌ) ኣብ ጸልማትን ኣብ ስቓይን ከም እትነብር ይገብረካ። ካብ ከምዚ ዝበለ ዘለኣለማዊ ጸበባ ምእንቲ ኽንድሕን ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።” ብምባል ዝሃበና ምዕዶ ነስተውዕለሉን ንገዝኣዮን (1ጢሞ 6፡17-19)። ስለዚ ንገንዘብ ባርያናን ባርያ ኣምላኽን ክንገብሮ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ሕሱም ጐይታ ንርእስና ባሮት ከይንገብር ንጠንቐቕ። እግዚኣብሄር ብጸግኡ ይደግፈና፡ ኣሜን። 

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ጥቅምቲ 15, 2017     ጥቅምቲ 05, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 103 14,15

ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእስ ከመ ሣዕር መዋእሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።

ካብ ምንታይ ከም ዝተፈጠርና ይፈልጥ እዩ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ህይወት ወዲ ሰብሲ ከም ሳዕሪ እዩ፡ ከም ዕንባባ መሮር ይዕንብብ፡

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 61-9

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 6 19-34

1ጴጥ 1 17-25

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ግሃ 17 22-34

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div