S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ፡ ብርሃን ዓለም!

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ስብከት ዘቕዳሴ፡ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒኢሎም ዲያቆናትና የዚሙልና፡ ኣብ ቅዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ክርስቶስ መድሓኒና ብርሃን ምዃኑ፡ ንሕናውን ከምኡ ኽንበርህ ከም ዚግብኣና ዚገልጹልና እዮም። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ ኸም ዚግብኣና፡ወልደ መድህ ንሰብክኢሎም ብመዝሙሮም መልእኽቶም የመሓላልፉልና ኣለዉ።

እምበኣር፡ ነዛ ዘለናያ ዓለም ብርሃን ጸሓይ ከም ዜብርሃላ፡ ናይ መንፈሳዊ ህይወትና ብርሃን ድማ እቲጸሓይ ጽድቂእተሰምየ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ሚክ 42 ሉቃ 179) ሰይጣን በቶም ቀዳሞት ወለድና ገይሩ ሓጢኣት ብምትእትታው ኣብ ህይወት ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ጸልማት ከም ዚነግስን ዚገዝእን ገበረ። ከምቲ ብዛዕባ ቅዱስ የሃንስ መጥምቕ፡ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረዝተባህለሉ፡ ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ ዅሎም ቅዱሳን ከም መብራህቲ ጥዋፍ እናነደዱ ናይ ብርሃን ተስፋ እንተ ዘርኡልና እኳ፡ ንሳቶም ግና ብርሃን ኣይነበሩን። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ መጥምቀ መለኮት ዮሃንስ ኪዛረብ ከሎ፡ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን።ብምባል፡ ዝዀነ ይኹን ስጋ ለበስ ፍጡር ካብ ኣምላኽ ብርሃን ተቐቢሉ ንኻልኦት የብርህ እምበር፡ ብገዛእ ርእሱ ኺበርህ ከም ዘይክእል፡ ብርሃን ምዃን ባህርይ ሰብ ከም ዘይኰነ ኣብርሃልና (ዮሃ 18-10) እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ብባህርዩ ብርሃን ዝዀነ። ጐይታና ኢየሱስ ድማ፡ ዋላ ነዚ ብርሃናዊ ባይርይ ዘይብሉ ስጋና እንተ ለበሰ እኳ፡ ከም ወልድ-ዋህድ መጠን፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከም ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብርሃን ኰይኑ እዩ እተመላለሰ። ኣብ ቅዳሴና ድማ፡ኣብ ጸሓይ፡ ወልድ ጸሓይ፡ መንፈስ ቅዱስ ጸሓይ፡ ኣሃዱ ውእቱ ጸሓየ ጽድቅ።” “ኣብ ብርሃን፡ ወልድ ብርሃን፡ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን፡ ብሓቂ እቲ ሓደ ኣምላኽ ብርሃን ህይወት እዩ።ብዚብል ቃል፡ መሰረተ እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ተረጋጊጹልና ኣሎ (ቅዳሴ ማርያም) እምበኣር ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ብርሃን የልቦን። ክርስቶስ ድማ ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠን፡ ፍጹም ብርሃን እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ኣነ ብርሃን ዓለም እየኢሉ ንዅሉ ሰብ ኣወጀን ኣፍለጠን (ዮሃ 812) ንሱ ብስብከቱ ዀነ ብግብራዊ ኣካይዳኡ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ (1ቈረ 44) ኵሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነብያትን፡ ኵሎም እቶም ሕድሪ ወንጌል ዝተረከቡ ሃዋርያት ድማ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ምዃኑ መስኪሮምሉ እዮም (ኢሳ 92 426 ኤፌ 514) ብቓሉን ብኣካይዳኡን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሕና ኣብ ቅድሚ እቲ ዘይቅረብ ብርሃኑ ክንቀውም ስለ ዘይንኽእል ደኣ ዓጊትዎ እምበር፡ እቲ ዝለበሶ ስጋ ንብርሃኑ ኸም ዘይዓገቶ፡ ኣብ ደብረ ታቦር ብመለኮታዊ ኽብሩ ምስ ተገልጸ፡ እቲ ብዓይኑ ዝረኣዮ ሃዋርያ ማቴዎስ፡ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፡ ገጹ ኸም ጽሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ።ብምባል መስኪሩሉ ኣሎ (ማቴ 172) ንቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪግለጸሉ ኸሎ ካብ ጸሓይ ብዚደምቕ ጸዳል ብርሃን ከም ዘውደቖ ባዕሉ እቲ ሃዋርያ ተኣሚኑ ኣሎ (ግብ 2213 93-4) ኣብቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይውን ትርኢቱ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ ከም ዝነበረውን ተጻሒፉልና ኣሎ (ራእ 116) መብራህትን ጸሓይን ናይታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ድማ ንሱ እቲ ቕዱስ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ካልእ ጸሓይን ወርሕን ከም ዘይብላ ኽንፈልጥውን ይግብኣና እዩ (ራእ 2123-25)

ከምቲ ወርሒ ነቲ ብርሃን ጸሓይ ተቐቢላ ናብታ ዝጸልመተት ምድሪ እተብርሆ፡ ኵሉ ሰብ ድማ ንብርሃን ክርስቶስ ተቐቢሉ ኣብዛ ጸልማት ዓለም ኬንጸባርቖ ይግባእ ማለት እዩ። ብተፈጥሮና ብርሃናውያን እንተዘይኰንና እኳ፡ ምስቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ክርስቶስ ካብ ዘሎና ዝምድና ዝተላዕለ ግን፡ ካብቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ተማቒልና፡ ብርሃን ናይ ምዃን ክብሪ ተዋህበና። ነብዪ ሙሴ ምስቲ ብርሃን ዝዀነ እግዚኣብሄር ካብ ዝነበሮ ፍሉይ ቅርበት ዝተላዕለ፡ ብዘረብኡ ዀነ ብዅሉ ኣካይድኡ፡ ንእስራኤላውያን ጥራይ ዘይዀነስ፡ ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ንዚህልዉ ኵሎም ወለዶታት ዓለም ብርሃን ኰይኑ ኺነብር እዩ። ኣብ ከረን ሲና ብጾምን ብጸሎትን ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጸኒሑ ምስ ወረደ ኣካላቱ ኸይተረፈ ዓይኒ ሰብ ኪደጕሕ ብዚኽእል ብርሃን ተመሊኡ መጸ (ዘጽ 3429-35) ምኽንያቱ ቅዱስ ዳዊትውን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚጥምቱ ገጾም ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ብርሃን ከም ዘንጸባርቕ ገሊጹልና ኣሎ (መዝ 345) እቲ ቐዳማይ ሰማእት ቅዱስ እስቲፋኖስውን፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ዝቘመላ ሰዓት፡ ብስራሕ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ገጹ ገጽ መልኣኽ ክሳዕ ዚመስል በርሀ (ግብ 615)

ሃብቲ ሕያውነት ናይቲ ልዑለ-ባህርይ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዝተጋህደ ድማ፡ ካብቲ ብርሃናዊ ኣምላኻዊ ባህርዩ ኬካፍለና እሞ፡ ኣብዛ ጸልማት ዓለም እዚኣ ዚነድዱን ዜብርሁን ከዋኽብቲ ኽንከውን ምፍቓዱ እዩ። ስለዚ ድማ ጐይታና፡ ነቶም ብእምነት ዚስዕብዎን ዚእዘዝዎን ዝነበሩ ቅዱሳን ሃዋርያቱ፡ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹምብምባል ኣበሰሮም (ማቴ 514) እምበኣር ንወዲ ሰብ ዝተዋህቦ ዝዓበየ ተልእኾ፡ ነቲ ናብራን ኣገልግሎትን ናይ ክርስቶስ ብምንባርን ብምግልጋልን፡ ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንርእሶም ጸልማት ኰይኖም ብጸልማት ዚመላለሱ ዘለዉ ሰባት ብርሃን ምዃን እዩ። ንክርስቶስ ጐይታና ቅድሚ ምስዓብና፡ ንሕና ዅላትና ጸልማትን ደቂ ጸልማትን ከም ዝነበርና፡ እቲ ሃዋርያዊ ቓል ኣብ ኤፌ 58-10 “…ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ጸልማት ወይ ብርሃን ምዃንና ዚፍለጥ በቲ ፍሬና እዩ። እቲ ግብሪ ጸልማት ዚገብር ሰብ ጸልማትን ውሉድ ጸልማትን እዩ። ብኣንጻሩ ድማ እቲ ግብሪ ብርሃን ዚገብር፡ ፍረ ብርሃን ድማ ዜፍርይ ሰብ ኵሉ ድማ፡ ብሓቂ ብርሃንን ወዲ ብርሃንን እዩ። ብዙሓት ደቂ ብርሃን ምዃኖም በእምሮኦም ዚሓስቡ ብልሳኖምውን ዚእመኑ ሰባት፡ ብግብሪ ግና ደቂ ጸልማት ኰይኖም ስለ ዚርከቡ ኻብ ከምዚ ዝበለ ጥበራ ንርእስና ኽንሕልው ይግብኣና እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ምስኡ ሕብረት አሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። …. ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።ብምብእል ብርሃናውነት ብግብርን ብሓቅን እምበር ብቓልን ብግምትን (assume ብምግባር) ከም ዘይረጋገጽ ኣነጺሩልና ኣሎ (1ዮሃ 16-7 29-11) ፍረ ብርሃን፡ ብሰናይ ግብርን ባህርይን፡ ብጽድቅን ብሓቅን ብቕድስናን እዩ ዚግለጽ (ኤፌ 58-10) እቶም መጽሓፍ ቅዱስና ኸም ሓጢኣትን፡ ግብሪ ስጋን ዚገልጾም ኵሎም ባህርያትን ቃላትን ተግባራትን፡ ግብርን ፍረን ናይ ጸልማት እዮም። እቶም ከም ፍረ መንፈስን ሰናይ ግብርን ዚግለጹ ዅሎም ድማ፡ ፍረን ግብርን ኣጽዋርን ብርሃን እዮም። ጐይታና፡ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።ብምባል ኣዚዙና እዩ (ማቴ 516) ግብሪ ብርሃን ብምግባር ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ብርሃናዊ  ባህርይ ከም እነንጸባርቕ፡ ብኣንጻሩ ግብሪ ጸልማት ክንገብር ከሎና ድማ፡ ንብርሃን ናይ እግዚኣብሄር ከነጸልምት ንጋደል፡ ብተግባርና ድማ፡እግዚኣብሄር ከምዚ ኸማይ ጸልማት እዩዚብል መልእኽቲ ነመሓላልፍ ከም ዘሎና ኣይንዘንግዕ። ብጽቡቕ ግብሪ ኽንነበር ከሎና እግዚኣብሄር ከም ዚምስገን፡ ብእኩይ ግብሪ ገዛእ ርእስናን ከባቢናን ከነጸልምት ከሎና ድማ እግዚኣብሄር ከም ዚጽረፍ ኪስወረና ኣይግብእን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ፧ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 223-24) ኣብ ምድሪ፡ ኣብዚ ሓጺር ዕምርና ዝፈጸምናዮ እኩይ ግብሪ፡ ዘለኣለማዊ ፍርዲ እንቕበለሉ ምኽንያት እምበኣር፡ ነቲ ዘለኣለማውን ብርሃናውን ኣምላኽ ኬጸልምት ዝተጋደለን ዘጽረፈን ኣብሳ ብምዃኑ እዩ። ብጸልማት ናይ ምምልላስ መዘዝ እምበኣር ንርእስኻ ምጕዳኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽ ዘይምስሉን ዘይባህርዩን ብምሃብ ዜጽርፍን ዜሕስርን፡ ንኻልእ ተዓዛቢ ሰብ ዚዕንቅፍን ብምዃኑ እዩ። ንጸልማት ኣዚና ኽንጽየፎን ክንርሕቆን፡ ንብርሃን ግና ኽንነብሮን ክንገብሮን ይግብኣና እዩ እሞ ምርጫና ንግበሮ። ኣብ ኣእምሮና እነአንግዶ ሓሳባት፡ ካብ ልሳንና ዚፈርይ ቃላት፡ በእዳውና ዚፍጸም ተግናራት፡ ናይ ጸልማት ድዩ ወይ ናይ ብርሃን ከይመሜና ንዘይምፍጻሙ ንጠንቀቕ።እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” (ዮሃ 319-21)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥             ሰንበት 10 ታሕሳስ 2017        (1 ታሕሳስ 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 345-6

ፈኑ ብርሃንከ ወጽድቅከ። እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ ኣብያቲከ እግዚኦ።

ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 131-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 11-18

1ዮሃ 11-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘኣትናቴዎስ

ግሃ 2612-19

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div