S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ፡ ሕያዋይ ጓሳ!

እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ።እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።” (ዮሃ 107,9,11)

ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ሰንበት እዚኖላዊተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።ኖላዊናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙጓሳማለት እዩ። ሊቃውንትና ዚዝምርዎ፡ ዲያቆናትና ዚሰብክዎ፡ ኣብ ግዜ ቕዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ብዛዕባ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳና ዚዀነ መድሓንና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዚገልጽ። እተን ባህርያውያን ኣባጊዕ ብሰባት ከም ዚጓሰያ፡ ንሕና እዞም መንፈሳውያን ኣባጊዕ ድማ፡ በቲ ዓብይን ሕያዋይን ጓሳ ኣባጊዕ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና እንጓሰይ። ጕስነት፡ ኣምላኻዊ ባህርይ እዩ። ስለዚ ድማ ቅዱስ ዳዊትእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ ይብለይንብምባል፡ በዚ ጕስነታዊ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ብዙሕ ከም ዝረብሐ ገለጸልና (መዝ 231) ሊቀ መዘምራን ኣሳፍውን ንእግዚኣብሄር ኣብ መዝሙሩ፡ ጓሳ እስራኤልብምባል ሰመዮ (መዝ 801) እቶም ካብዚ ናይ ዘለኣለም ጓሳ ዝረሓቑ ኵሎም ድማ ኣብ ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ጥፉኣት ኣባጊዕ እዮም ዚቕውጸሩ። ኣብ ትሕቲ ጕስነት ኣምላኽ ዘሎ ሰብ ዚጐድሎ ነገር የብሉን። ኵሉ ጊዜ ኣብ ዕረፍቲ እዩ ዚነብር፡ ኣብ ዜናውጽ ኵነታት እቲ ጓስኡ የህድኦ። ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ የጸናንዖ። ንሞት ብዜስግእ ኩነታት ኪሓልፍ ከሎ፡ ኵሉ ግዜ ኻብኡ ስለ ዘይፍለይ፡ ካብ ክፉእ ከይፈርሀ ብሰላም ይነብር። ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእቱ ከይተረፈ ብዘድልዮ ዅሉ ይምግቦን ይከናኸኖን። ዕድሚኡ ምሉእ ድማ ብሳህልን ምሕረትን ተሰንዩ ኸም ዚነብር ይገብሮ። ወዲ ሰብ ግና ንኽብሪ ናይዚ ዓብዪ ጕስነት እዚ ፈጺሙ ኣየስተውዓሎን። ብጥበራ ናይ ሰይጣን ተታሊሉ፡ ካብ ጽላል ናይዚ ጕስነት ንምውጻእ ብሓጢኣት ሓጹር ትእዛዝ ኣፍረሰ። ሕያውነት ናይ ኣምላኽ ብዓመጻ ናይ ሰባት ዘይሰዓር ብምዃኑ ግና፡ እግዚኣብሄር ብዙሓት ነብያትን ካህናትን መራሕቲ ሃገርን ብምልኣኽ ንህዝቡ ናብ ጽላል ጕስነቱ ኺመልሶም ተጋደለ። ስለዚ ድማ ብነብያቱ፡ኣነ ድማ፡ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ ግብርኹም ከኣ እቕንዑ፡ኢለ ንዅላቶም ኣገልገልትይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣንገንጊሀ ለኣኽኩልኩም፡ ንስኻትኩም ግና እዝንኹም ኣይጸሎኹምን ኣይሰማዕኩምንን ድማ።እናበለ ተማረረ (ህዝ 3515) ጐይታ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ነቶም ቕድሚኡ ዝለኣኾም ኵሎም ጓሶት ከም ዝቐተልዎም፡ ነቲ ሓደ ወዲ፡ ነቲ ሓለቓ ጓሶት ከም ዚቐትልዎውን ብምስላታት ገሊጽዎ እዩ (ማቴ 2133-46) በቶም ንእኡ ዚውክሉ ጓሶት፡ ጥፉኣት ኣባጊዕ ኪእክብ ዚገበሮ ፈተነ ከይሰለጠ ምስ ተረፈ፡ ባዕሉ ስጋ ለቢሱ ኺመልሰና ፈቐደ። ንእኡውን ምስ ኣበይዎ፡ እናነብዐ፡ኢየሩሳሌም፡ ኢየሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ (ጓሶት) ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም።ኢሉ ተዛረበ (ማቴ 2334-39) ስለዚ ከም ሕያዋይ ጓሳ ዀይኑ ኺጓስይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘዀብለሎምን ዘጥፍኦምን ሓጢኣት ምእንቲ ኼርሕቕ ነፍሱ በጃ ኺህብ ፈቐደ። ኣብ ሉቃ 153-7 ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ድማ ነተን 99 ኣባጊዑ ሓዲጉ፡ ነታ ሓንቲ ጥፍእቲ ኺረክብ ፈቐዶ ሩባን ኵርባን ኣብ ማእከል ኣራዊት መሮር ኰለለ። ምስ ረኸባ ድማ ዋጋ ጥፍኣታ ባዕላ ዘይኰነትስ ባዕሉ ኪኸፍለላ ኣብ መንኵቡ ጸይርዋ ዓዲ ኣተወ። ምስ ኵሎም ኣዕሩኽቱን ጐረባብቱን ኰይኑ ነቲ ድሕነታ ብዓብይ ክብሪ ጸምበሎ። እምበኣር እቲ ሓለቓ ጓሶት ነባጊዑ ብኸምዚ ዝበለ ሕያውነት እዩ ዝጓሰየንን ዚጓስየን ዘሎን። እቶምንሱ ኣምላኽና እዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢናዚብሉ፡ ምልኣት ዘለዎ ጕስነት እዮም ዚረኽቡ (መዝ 957) ንዝሓመቐ የበርትዖ፡ ንዝሓመመ ይፍውሶ፡ ንእተሰብረ ይዝንኖ፡ ንእተባረረ ይመልሶ፡ ንዝጠፍአ ይደልዮ፡ ንዝጥዓየ ድማ ይቕልቦ። ሕያዋይ ጓሳ ስለ ዝዀነ እዩ፡ ሰማያዊ ኽብሩ ሓዲጉ ናብ ምድሪ ብምውራድ መልክዕ ባርያ ለቢሱ ርእሱ ኽሳዕ ሞት ዘሕሰረ። ኣብቲ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ክርስቶስ ጐይታና ሕያዋይ ጓሳ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናብቲ ደምበ ኣባጊዕ ዜእትውን ዜውጽእን ኣፍ ደገውን ንሱ እዩ። ባዕሉ ጓስዩ ኬብቅዕ፡ ናብቲ ደምበ መንግስቱ ዜእትው በሪ ንሱ ባዕሉ እዩ። ነተን ኣብ መሮር ባዕሉ ዝጓሰየን፡ ስመን ጸዊዑ ባዕሉ ዘውፈረን፡ ናብቲ ዘለኣለማዊ ደምቢአን ስመን ጸዊዑ ደገ ዀይኑ ዜእትወን ከኣ ንሱ ባዕሉ እዩ። ነተን ኣብ ዘመን ጕስነቱ ዘይፈለጠን፡ ብኻልእ ሰራቒ ጓሳ ኺጓሰያ ዝጸንሓ ግና፡ኣትን ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጠክንን እየ፡ ኪዳ ካባይ ረሓቓእዩ ዚብለን። እቲ ብኣፍ ደገ ዘይኰነ ብመስኮት ወይ ካልእ ወገን ዜሕኵር ጓሳ፡ ብኣገላልጻ ጐይታ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ጓሳ እዩ። ሕያዋይ ዘይኰነ ድማ፡ ጨካን ጓሳ ዓሰባ እዩ። ናብ ሓደጋ ዜቃልዕ ኵነታት ኪርእይ ከሎ፡ ነተን ኣባጊዕ ደኣ እዩ በጃ ህይወቱ ዚገብረን እምበር፡ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ኣይህብን እዩ። ስለዚ ዅሉ ግዜ በቲ ሕያዋይን፡ ባዕሉ ኣፍ ደገ ዝዀነ ጓሳ ጥራይ ንጓሰይ ከም ዘሎና ርግጸኛታት ክንከውን የድልይ። ጐይታና፡ እታ ቐጣን መገድን እታ ጸባብ ኣፍደገን ንሱ ባዕሉ እዩ። ንሱ ባዕሉ እቲ መስዋእቲ፡ እቲ ሊቀ ካህናትን እቲ መቕደስን እዩ። ከምዚ ዝበለ፡ ንኻልእ ኣሕሊፉ ዘይህብ ዝተማልአ ጉስነት ዚህብ፡ ሕያዋይ ጓሳ፡ ሓለቓ ዅሎም ጓሶት ካብ ሃለወና፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ጽላል ጉስነቱ ምህላውና ነረጋግጽ። ምኽንያቱ ንሱ ንባዕሉ መገዲ፡ ህይወት፡ ሓቂ፡ ጓሳ፡ መስዋእቲ፡ ሊቀ ካህናት እዩ። እቲ ብክርስቶስ ዚኣትው ኺድሕን፡ ኪኣትውን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ (ዮሃ 109) ጐይታና ባዕሉውንብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦንስለ ዝበለ፡ ኵሉ ግዜ ብእኡ ንጓሰይ ብእኡ ንኣትውን ንወጽእን ከም ዘሎና ኽነረጋግጽ የድልየና።

እዚ ዝዓይነቱ ጕስነት ናይ ጐይታና፡ ነቶም ንእኡ ወኪሎም ንህዝቡ ዚጓስዩ ዘለዉ ጓሶት ቤተ ክርስትያን ዜመሓላልፎ መልእኽቲውን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ሕያዋይን ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዜሕልፍን እንተ ዀይኑ፡ እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ዅሎም ጓሶት ድማ ንመጓሴኦም ሕያዎትን ተበጀውትን ኪዀኑ ከድልዮም ናይ ግድነት እዩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ሕልቕነት ክርስቶስ ዘለዉን ዘየለዉን ጓሶት ድማ በዚ ባህርይ እዚ እዮም ዚልለዩ። እቲ ኻልኣይ መለለዪኦም ድማበቲ ደገ ኣባጊዕ ዝዀነ ክርስቶስ ድዮም ነባጊዖም ኬእትዉ ዚደልዩ ወይስ ብመስኮትን፡ በቲ ቐጽርን ኣሕኲሮም ኬእትዉ ዚደልዩዚብል እዩ። እቲ ኻልእ ኵሉ ምርጫታት ናይ ጕሕለትን ስርቅን ጕስነት እዩ። ዕላማ ናይቲ ሰራቒ ጓሳ ድማ፡ ምስራቕን ምሕራድን ምጥፋእን እምበር ካልእ ኣይኰነን። እቲ ሰራቒ ጓሳ ኣብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዚግደስ። እቲ ሓቀኛ ሕያዋይ ጓሳ ግን ንገዛእ ርእሱ ሓዲጉ ብዛዕባ ኣባጊዑ እዩ ዚግደስ። ሎሚ፡ ሕማቕ ትዕድልቲ ዀይኑ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እምበር ብዛዕባ ኣባጊዖምን ሃይማኖቶምን ብዘይግደሱ፡ ነተን ኣባጊዕ ንተዅላ ሓዲጎምሉ ብዝሃድሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ተዅላ ዀይኖም ነተን ኣባጊዕ፡ ብዓባያ ድማ ነታ ቤተ ክርስትያን ብዝበልዑን ብዚዝርፉን ጓሶት ሓሶት መሊኣ ኣላ። ብመንጽር ግብረ ኖላዊ ኽትረኣይ ከላ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ኣብቲ ዝከፈአ ደረጃ ትርከብ ኣላ። ጓሶታ ኻብቲ ዜንገርግሩሉ ዘለዉ ጽያፎም ከይተንስኡ ድማ፡ ትንሳኤ ናይዛ ኣብ እግሪ ሕሱም ኣራዊት ወዲቓ ኣብ ምንጋጋኡውን ኣትያ ዘላ ቤተ ክርስትያንና ኺረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ቤተ ክርስትያንን መጓሴኣን፡ ብዓብዩ ድማ እግዚኣብሄር ብጓሶቱ ተጠሊሙ እዩ። እዞም ናይ ጥልመት ጓሶት ኣብ ትሕቲ ሕልቕነት ሰይጣን ዘለዉ እዮም።

ሎሚ፡ኣነ ክርስቶስ ዝሓለቓኡ ሓቀኛ ጓሳ እየዚብል ዲያቆንን ካህንን ጳጳስን እንተ ኣልዩ፡ ኣሰር ጐይታኡን፡ ኣሰር እቶም ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስን ሰዓብቶምን ተኸቲሉ፡ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣባጊዑን ቤተ ክርስትያኑን ኪህብ ይግብኦ። ከምቲ ንጉስ ዳዊት ኣብ ዘመን ጕስነቱ፡ ነተን ኣብ ኣፍ ኣንበሳን ድብን ዝኣተዋ ኣባጊዑ ኼናግፍ፡ ንኣንበሳ ከም ንወጠጦ ብጭሕሙ ሒዙ ዚገጥም ዝነበረ፡ ንሕናውን ነዚ ኣርኣያ እዚ ንከተሎ። ብዙሕ ዋጋ፡ ክሳዕ መስዋእትነትውን ኪሓተና ይኽእል እዩ። እቲ ቅዱስ ጐይታና፡ንህይወቱ ኼድሕና ዚደልይ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኢረኽባ እዩ። ኪስዕበኒ ዚፈትው እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ።ኢሉ ብንጹር ዝነገረና ሓቒ ወርትግ ንዘክሮ (ማቴ 1624-25) እቲ ንህይወቱ ኻብቲ ጊዝያዊ ምድራዊ መከራ ምእንቲ ኼድሕና ኢሉ ንቤተ ክርስትያኑን ንኣባጊዑን ንኣራዊት ኣሕሊፉ ዚህብ ሰብ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ምጽኣት ጐይታ ነታተጣቢቡዘድሓና ነፍሱ ንዘለኣለም ኬጥፍኣ እዩ። ካብቲ ዝቐለለን ቀልጢፉ ዚሓልፍን መከራ ኣድሒኑ፡ ናብቲ ዝኸበደን ዘለኣለማውን ስቓይ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ። እቲ ኻብዚ ምድራዊ መከራ ኺንሕፋ ዘይመረጸ፡ ንክርስቶስ ጐይትኡ ድማ ኺመስሎ ዝፈተወ ግና፡ ካብቲ ሓለቓ ጓሶት ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይጽምልው ኣኽሊል ክብሪ ተቐቢሉ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ናብ ሓጐስ ጐይትኡ ክኣቱ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ፡ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።ኢሉ ዝኣዘዘና (ግብ 2028)እቲ ኣባጊዑ ዚፍንው ዘይጠቕም ጓሳ ወይለኡተባሂሉልና እዩ እሞ፡ ንርእስና ካብ ወይለ ነድሕን።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት 31 ታሕሳስ 2017            (22 ታሕሳስ 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 801

ኖላዊሆሙ ለእሥራኤል ኣጽምዕ ዘይርዕዮሙ ከመ ኣባግዐ ዮሴፍ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል ኣስተርኣየ።

ጓሳ እስራኤል፣ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፣ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 1316-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 101-22

1ጴጥ 221-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ (ንእኵተከ)

ግሃ 1122-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div