S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዛ ሰንበት፡ ለካቲት 18, 2018 ካልኣይ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን እያ።ቅድስትተባሂላ ድማ ትጽዋዕ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና ድማ ንቅድስና ዝምልኸት ትምህርቲ ክንከታተል ኢና።

ናይ ወዲ ሰብ ናይ ህይወት ዕላማ፡ ንምስሊ ኣምላኽ ምንጽብራቕ እዩ። ፍጥረት ሰብ ብመልክዕን ምስልን ናይ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ፍጡር እዩ። እዚ ዘርእየና ድማ፡ ወዲ ሰብ ንመልዕን ምስልን ኣምላኽ ክነንጸባርቕ ዝተፈጥረ ፍጡር ምዃኑ እዩ። ስለዚ ብፍጥረት ተካፈለቲ ባህሪይ ኣምላኽ ዀንና። ብምኽንያት እታ ዝተገብረት ኣበሳ እዚ መልኽዕን ምስልን ኣምላኽ ኣባና ተበላሸወን ተደወንን። እንተዀነ ኣምላኽ በዚ ዝተበላሸወ መልኽዕ ንሓዋሩ ክንነብር ኣይሓደገናን። እንታይ ደኣ ነቲ ዝተበላሸወ መልኽዕና ከሐድሶ፡ ንዝጠፍአ ነገርና ክመልስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወረደ። ነዚ ወረደ ዝብል ሓሳብ ሒዝና ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከነስተንትን ቐኒና ክንከውን ተስፋ ይገብር። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ዝወረደሉ ዕላማ ነቲ ዝተፈጠርናሉን፡ ናይ ህይወትና ተልእኾውን ዝዀነ፡ ንኣምላኽ እነንጸባርቐሉን መልኽዕናን ምስልናን ንምሕዳስ እዩ።

ናይ ኵሉ ባህርይ ኣምላኽ መሰረት ዝዀነ ባህርይ ቅድስንኡ እዩ። እግዚኣብሄር ቅዱስ ኣምላኽ እዩ። ንኵሉ ዝገብሮ ድማ ብቅድስና ይገብሮ። ፍጥረት ኵሉ ንቅድስናኡ እናተኣመነ የመስግኖ። እቶም ነብዪ ኢሳያስ ብርእይ ዝረኣዮም ሰራዊት ሰማይ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ የምልኽዎ ነበሩ። ዝፋኑ ብጽድቕን ቅድስናን ዝጸንዐ ዝፋን እዩ (ኢሳ 63) ስሙ ቅዱስ እዩ (1ዜና 1610 መዝ 3321 ሉቃ 149) ቃሉ ቅዱስ እዩ (መዝ 10542 ኤር 239) መገዱ ቅዱስ እዩ (መዝ 7713) ቅልጽሙ ቅዱስ እዩ (መዝ981 ኢሳ 5210)

ቅድስና ድማ ካብቲ ዝተካፈልናዮ ባህርይ ኣምላኽ ሓደ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝገብሮ ኵሉ ነገር ዕላምኡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ተማቐልቲ ክንከውን ኢሉ እዩ (እብ 1210) ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።ብምባል ቅድስና ንኣምላኽ ንመስለሉ ባህርይ ምዃኑ ኣመልኺቱና ኣሎ (1ጴጥ 115-16) ቅዱስ ዝብል ቃልእተፈልየማለት እዩ። ንኣምላኽ ብዝምልከት ቅዱስ ማለት ኣምላኽ ካብ ኵሉ ነገር ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ብስልጣንን ምልኽን ፍሉይ፡ ኣምላኽ ብክእለትን ፍልጠትን ፍሉይ፡ ኣምላኽ ብጽድቂ ፍሉይ። ኰታ ኣምላኽ ከምኡ ዝበለ ዝመስሎን ዝወዳደሮን ዘይብሉ ፍሉይ ኣምላኽ እዩ። ሙሴን ህዝቢ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ብመዝሙር ወደስዎ፥ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡ ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧” (ዘጽ 1511)

ሓሳብን ፍቓድን ናይዚ ቅዱስ ኣምላኽ ንሰብ ድማ፡ ተካፋሊ ቅድስንኡ ንኽገብሮ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ኣብቲ ናይዚ መዓልቲ ምንባብ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፥ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም።….ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን …”.(1 ተሰ 43,7) ብዙሕ ግዜ ሰባት ነታኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳት ኩኑእትብል ቃል፡ ብትእዛዛዊ መገዲ እዮም ዝሰምዕዋ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ከም ኣብ ዝባኖ ዝተጻዕነ ክኽፈል ዘለዎም ዕዳ እዮም ዝርእይዎ። እንተ ኰነ እዚ ናይ ቅድስና ጻውዒት፡ ካብ ባህርይ ኣምላኽ ክንማቐል ዝቀርበልና ዘሎ ብሉጽ ዕድመን ሓለፋን እምበር ኣምላኽ ዘሸኽመና ዘሎ ጾር ኣይዀነን። እዚ ክልተ ኣተሓሳስባታት ዝተፈላለየ ናብራ እዩ ዝወልደልና። ንምቕዳስ ከም ሓለፋን ብሉጽ ዕድመን ዝርእዮ ሰብ ብሓጐስ ንምቕዳስ ክስዕቦ ከሎ፡ ንምቕዳስ ከም ዕዳ ዝርእዮ ሰብ ግና እናተገደደ እዩ ናብ ቅድስና ክመጽእ ዝፍትን። እቲ ዳሕረዋይ ዓይነት ህይወት ግና ትርፉ ጻዕርን ሃልክን ድኻምን ኰይኑ እዩ ዝተርፍ እምበር ናብቲ ኣምላኽ ክንካፈሎ ዝመደበልና ብሉጽ ባህሪኡ ከብጽሕ ኣይክእልን እዩ።

ንምዃኑ ንሰብ ብዝምልከት ምቕዳስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ካብቲ ካብ ኣገልግሎት ክህነንት ናይ ደቂ ኣሮን ተመኽሮ ተበጊስና ክንምልከቶ ከሎና፡ ኣምላኽ ምሳካን ብኣካን ጉዳይ ክህልዎ ምእንቲ፡ ንዕኡ ዝተፈልየ ህይወት ዘለካ ምዃን ማለት እዩ። እቲ ቅዱስ ዝዀነ ኣምላኽ ነቶም ናቱ ንምዃን ርእሶም ፈትዮም ዝወፈዩ ምስኡውን ኪዳን ዝኣተዉ ኵሎም ናብ ቅድስና እዩ ዝጽውዕም (ዘለ 1144-45 ዘለ 192 1ጴጥ 115-16 1ቈረ 12) ደቂ ሰባት ባዕላቶም ክቕደሱን ብገዛእ ርእሶም ናብቲ ዝጸውዕም ልዕል ክብሉ ስለ ዘይከኣሉን (ሮሜ 323 ሆሴ 117 ኢሳ 646) ግን፡ እግዚኣብሄር ነቶም ብወንጌል ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ናብኡ ዝተመልሱ፡ ብደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈሱን ብቓሉን ቀዲስዎም እዩ። (ኤፌ 526-27¸ቲቶ 35 እብ 914፣፣ ዮሃ 153 ዮሃ 1719) ከምቲ ኣምላኽ ፍሉይ ዝኰነ፡ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ ድማ ከምኡ ዝተፈልየ ክኸውን ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ ቅድስና ውጽኢት ምምጻእ ናይቲ ቅዱስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና እዩ። ካብ ቅድስና ኣምላኽ ዝተላዕለ ኣምላኽ ዝረገጾን ዝተንከፎም ኵሉ ቅዱስ እዩ ዝኸውን። ሙሴ ኣባጊዕ ሓሙኡ የትሮ እናጓሰየ ከሎ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ ብርእይት እትነደድ ግናኸ ዘይትህሞኽ ቈጥቓጥ ተገልጸሉ። ነዚ ተኣምራት ክርኢ ምቕራቡ ምስ ኣስተብሃለ ድማ፡ ካብ ማእከል እታ ቈጥቛጥ፥ “…ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእበሎ (ዘጽ 35) እዛ ዘለዋ ቦታ እታ ብጉስነት ዝፈልጣ ቦታ እያ። ሎሚ ግና ቅድስቲ ቦታ ኰነት። ምኽንያቱ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ህልውናኡን ክብሩን ዝገለጸላ ቦታ ብምዃና። እዚ ዝምህረና፡ ቅድስና መሰረቱ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ኣቀዲምና ዘልዓልናዮ ሓሳብ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፥ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም። (1ቈረ 316-17) ንሕና ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ቤት መቕደስ ኢና። እዛ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ድማ ቅድስቲ እያ። ስለምንታይ ቅድስቲ ከም ዝዀነ ክገልጽ ከሎ ድማ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም ይብል። ስለዚ ምቕዳስና ውጽኢት ናይቲ ኣብ መቕደስ ህይወትና ዘሎን ዝነብርን መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ እዩ።

ምቕዳስ ማለት ምፍላይ ማለት ካብ ዀነ፡ ካብ ምንታይ ኢና እንፍለ ዝብል ሕቶ ክልዓለና ባህርያዊ እዩ። መሰረት ምፍላይና፡ ቅድስና ኣምላኽ ስለዝዀነ፡ እቲ ካብኡ እንፍለዮ ነገር ምእንቲ ክንፈልጥ፡ ኣምላኽ ምስኡ ሕብረት ዘይብሉ ነገራት ኵሉ ክንፈልጥ እሞ ንሕናውን ካብኡ ርእስና ክንፈሊ የድልየና። ነዚ ሓቂ ዝሕግዙና ገለ ሓሳባት ንርኣይ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን” (ዮሃ 1430) ኢሉ ኣሎ። ኣጋንንቲውን ብወገኖምእንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና”(ማቴ 829) እዚ ክልተ ጥቕስታት ብሓባር ክንርእዮ ከሎና ክርስቶስን ናይ ጸልማት ሓይልታትን ሕብረት ዘይብሎም ምዃኖም እዩ። እቲ ካብኡ ርእስና እንፈልየሉ ነገራት ክገልጸልና ከሎ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፥ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፡ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፡ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።” 2 ቈረ 614-18) ስለዚ ከም ደቂ ብርሃን፡ ካብ ኵሉ ግብሪ ጸልማት ክንፍለ ይግብኣና። መቕደስ ኣምላኽ ምስ ጣኦታት ሕብረት የብሉን። ስለዚ ካብ ኵሉ ክብሪ ኣምላኽ ዝሰርቕ፡ ቦታ ኣምላኽ ወሲዱ ድማ ክገዝኣና ካብ ዝፍትን ኵሉ ክንርሕቕ ይግብኣና። ኰታ ርኹስ ዘበለ ኣይትተንኽዩ ይብለና ኣምላኽ።

ስለዚ በዚ ናይ ጾም ግዜና ርእስና ብምፍላይ ኣምላኽ ዝከብረሎም ዝተቐደሱ ኣቕሑት (2ጢሞ 221) ክንኸውን ርእስና ካብ ርኽሰት እዛ ዓለም እዚኣ ክንፈሊ፡ ንዓለምን ነቲ ኣብኣ ዘሎን እይተፍቅሩ ተባሂልና ኣሎን። ምኽንያቱ ዓለም መጻርርቲ ክርስቶስ እዩ። እቲ ንዓለም ዘፍቅራ ድማ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን (ዮይ 77 1231 1519 1ዮሃ 215-17 ያዕ 44) ስለዚ ካብ ኵሉ ተግባራት ገዛኢ እዛ ዓለም ዝዀነ ዲያብሎስን መሳሪሕኡን ንፈለ። ንኣምላኽ ድማ ኣብ ህይወትና ነንጸባርቆ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ዕለት፥ ሰንበት ለካቲት 18, 2018 ለካቲት 4, 2010 (ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 96(95)፡5

እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።

ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ተሰ 4፡1-13

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 6፡17-25

1ጴጥ 1፡13-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘኤጲፋንዮስ (ዓብይ)

ግብ 10፡17-30

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div