ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን--------------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን------------------------> ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ይኩን---------------------------------> ፍስሓ ወሰላም።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ። ተንሥአ ኵሎ ሙታነ፡ ወፈትሖሙ ለሙቁሐን። ተንሥአ፡ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ወአግዓዘ ነፍሰ ጻድቃን።ትርጉም ክርስቶስ ተንሲኡ ሙውታት ኩሎምውን አተሲኡ፡ንኩሎም እሱራት ፈትሐ ብዓቢ ሓይሊ ስልጣንን ነፍሲ ጻድቃን ሓራ አውጽኤ” ኣዚዩ መሳጢ ብዝኾነ ቃላት ጌሩ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ብመንፈሳዊ ቃላት ጌሩ ካብ ዝገለጾ ሓረግ ዝተወስደ ቃላት እዩ።
“ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ከሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን” (ዮሃ 15፡13)
“ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።” 1 ቆረ 1:18።
ንኹሎም ምእመናንን ምእመናትን፣
ናብ ብርሃነ ልደቱ ብደሓን ብሰላም ከብጽሓኩም እናተመነና፣ ዘመን ሓጎስን ዕርቅን ሰላምን ዝሰፈኖ ክኾነልና ድማ ናብ ኣምላኽ ሰላም መድኃኔ-ዓለም ንጽሊ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት በጽባሕ ኀበ መቃብር። እንዘ ዓዲ ጽልመት ወረከበት እብነ እቱተ እምአፈ መቃብር። ወበጽሐት ኀበ ስምዖን ጴጥሮስ ወኀበ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ወትቤሎሙ ነሥእዎ ለእግዚእየ እም ውስተ መቃብር፡ ወኢየአምር ኀበ ወሰድዎ፡ እንዘ ይረውፁ ክልኤሆሙ ኅቡረ። በደሮ ለጴጥሮስ ዝኩ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ትርጉም፡ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።
“ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቁጸር በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ክኸውን እዩ በሎ” (ዘፍ 15፡5)።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ
ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ። ወነገርኩ ስመከ ለሰብእ። ትርጉም “ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ። ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ሓይለ ቃል ናይዚ መልእክቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 17 እዩ ዝርከብ። በዚ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካልኣይ ጊዜ ከምዝተራኣዮም ብምዝካር ናይ ቶማስ ታሪክ እንዳገለጽ ተስተምህረሉ፡ ትዝምረሉ፡ ተመስግነሉን መዓልቲ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ