እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ብዮፍታሀ ዝምራሕ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብታሪኽ እኳ ኦርቶዶክሳዊ
እንተኾነ ሕጊ-በተኽ ሲኖዶስ እዩ ክብል ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓን (OCP Media Network) ገሊጽዎ። እቲ ብዮፍታሀ ዝዝወር ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፣ በቲ ዘዘውትሮ ቅዳሴ፣ ትውፊት ይኹን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ታሪኻዊ ይኹን እምበር በተን ኦርቶዶክሳዊ ሕጊ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስትያን ተቐባልነት የብሉን። ብዝያዳ ድማ፣ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት እትጽዋዕ፣ ብውሕዱ ሓደ ዘይተበትከ ሰንሰለት ምስ ክርስቶስ ዘተኣሳስር ሃዋርያዊ መንበረ-ፓትርያርክ [ፓትርያርክ] ክህልዋ ይግባእ ክብል ገሊጹ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ፣ እቲ ብዮፍታሀ ዝምራሕ ቤተ ክርስቲያን ግና ነዚ ኣገዳሲ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ዕሽሽ ኢልዎ እዩ ይብል።
ፓትርያርክ ተዋህዶ ኣቡን እንጦንዮስ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ መዓርጎም ከምዝወረዱ ድሕሪ ምሕባር፣ ዘይሕጋዊ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ብዓመጽ ናብ ስልጣን ዝተወጥሑ ሰብ እዮም ክብል እቲ መግለጺ ሓሳቡ ይድምድም።
እዚ፣ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዝወጽእ ዘሎ መግለጺ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ እዩ። ብ21 ጥሪ 2012፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ኪምለሱ ቅዱስ ሲኖዶስ ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ከምዝሓተተ ዝዝከር እዩ።
ብእምነት ዝመስላና ዓለም-ለኻውያን ኣብያተ ክርስትያን ተዋህዶ ነዚ ሓቂ'ዚ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘለዋ እዋን፣ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፣ ብዘይካ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ከምዘይብላ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዳግማይ ንምእመናን ይሕብር።
ኣምላኽ ምስቶም ንሓቂን ንፍትሕን ዝተዓጥቁ ሰባት ይጸምብረና
ሰላም ንቤተ ክርስቲያንን ንመራሒኣ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ይሃብ
ንህዝብና ፍትሒ የውርደሉ!






