www.tewahdo.org

 
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ስነ ጽሑፍ ነቢይ ኣብ ዓዱ ከቶ ኣይከብርን ኢዩ! ሉቃ 4፡24 (1ይ ክፋል)

ነቢይ ኣብ ዓዱ ከቶ ኣይከብርን ኢዩ! ሉቃ 4፡24 (1ይ ክፋል)

E-mail Print

ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ሰሙን’ዚ “ሰሙነ ሕማማት” ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። 

እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 53፡4-12 “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ጌርና ቖጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቖሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻዕቲ ናባኡ ወረደ፥ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና” ተባሂሉ ብሰፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝበጽሖ መከራን ዝተቐበሎ ስቅያትን ንምዝካር ተባሂሉ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ጴጥሮስ’ውን “ብቑስሉ ኢኹም ዝሓወኹም” ክብል ንዝተገብረልና ውዕለትን ዝሃበና ምሕረትን ብንጹር ቃላት ኣብሪሁልና ኣሎ። 1ጴጥ 2፡24።

እምበኣር ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ብዝያዳ ክንርድኦን ከነስተውዕሎን ዝግብኣና ነቲ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ከቶ ኣይከብርን ኢዩ” ዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ እዚ ኩሉ ሠናይ ነገራትን ሕይወት ዝህብ ትምህርትን ዕጹብ ዝኾኑ ተኣምራትን ኣብ ዓዱ ናዝሬት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣይሁድ ጌሩ ከሎ ንሳቶም ግና ክንዲ ዝኣምኑ ክቕትልዎ ኢዮም ዝተሰማምዑ። እወ ሊቃነ ክህናትን ፈሪሳውያን ጸሓፍትን እናረኣዩ ምዕዋሮም፥ እናሰምዑ ምጽማሞም፥ ካብ ሕይወት ሞት፥ ካብ ሓቂ ሓሶት ምምራጾም ከይኣክልሲ፡ ነቲ ገበነኛ ባርባን ፈቲሖም ነቲ ሓቀኛ ክርስቶስ ግና “ይሰቐል” ደሙ ኣብ ልዕሌናን ልዕሊ ደቅናን ይኹን ኢሎም ኣብ ቀራንዮ ምስቃሎም ብሓቂ ዘስደምም ፍርዲ ኢዩ። ማቴ 27፡25።

ኣብ ቅዱስ ወንጌል ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን። ነቶም ዝተቐበልዎን ብስሙ ዝኣመኑን ግና ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃቦም ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ወላኳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመጀመርታ ናብቶም ናቱን ዓሌቱን እንተ መጸ ኣብ ገዛእ ዓዱ፥ ብዓሌቱን ኣኮታቱን እኳ ምቕባል እንተ ኣበይዎ፥  በቶም ዘይረኣይዎን ብእምነት ዝተቐበልዎን ሚልዮናት ህዝቢ ዓለም ግና ኣዝዩ ክቡርን ሕያው ንዘለዓለምን ምዃኑ መስክሩለይ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣይሁድ ግና በቲ ዓሻ ልቦምን ከንቱ ትምክሕቶምን “እዚሲ ወድ’ቲ ጸራቢ ዮሴፍ’ዶ ኣይኮነን? ኣሕዋቱኸ ኣብዚ ኣብ ሞንጎናዶ ኣየለዉን? እናበሉ ንኣምላኽነቱን ሰማያዊ ምሕረቱን ምቕባል ተሓሰሙ። ኣቦና ዳዊት “ዘኣበያ ለበረከት ትርሕቅ እምኔሁ” ማለት “ንበረኸት እንተ ተሓሲምካያ ትርሕቐካ ኢያ” ከም ዝተባህለ፥ በረኸት ምድርን ርስቲ መንግሥተ ሰማያትን ክንዲ ዝወርሱ ብክሕደት ደንዘዙ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ዕዉራት ክርእዩ፥ ድኑሳት ክሓውዩ፥ ሕሙማት ክፍወሱ፥ ምዉታት ክትንስኡ፥ ኣጋንንቲ ክወጽኡ ዓበይቲ ተኣምራት እናገበረ፥ ንሳቶም ድማ ብመገዲ ሓቅን ሕይወትን ክመላለሱ ክንዲ ዝመሃረ “ህየንተ ሠናይ ፈደይዎ እኪተ” ማለት “ኣብ ክንዲ’ቲ ሠናይ ሕማቕ ፈደይዎ” ተባሂሉ ከም ዝተነግረ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ክመውት ኢዮም ዝፈረድዎ። ኣብዛ ዓለም ሠናይ ዝገበረ ሠናይ ከም ዘይፍደ ከኣ እቲ ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ ስቅያትን ሞትን ንዓና’ውን ዓቢ ትምህርቲ ክኾነና ይግባእ። ምኽንያቱ ዓለም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክፉእ ሰይጣን ስለ ዘላ ነቶም ፍቓድ ዓለም ዝገብሩ እምበር ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝፍጽሙ ፈጺማ ኣይትቕበሎን ኢያ።

ስለዚ እምበኣር ነቲ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ከቶ ከም ዘይከብርብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” ዝብል ትምህርቲ ኣብ ልብና ዓቝርና ኣብዛ ምድሪ ካብ ሰብ ክብረት ኣይንጸበ። ብሓላፊ ንብረትውን ኣይንታለል። ክርስቶስ እኳ ኣብ ኣፉ ሓሶት ከይተረኽበ፥ ወላ ሓንቲ ኃጢኣት ከይገበረ ኣብ መስቀል ካብ ተሰቕለ፥ ተማሃራይ ካብ መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ካብ ጎይትኡ ዝበልጽ ስለ ዘየሎ ብእምነትን ጸሎትን ጸኒዕና ኣሰር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት ናይ ኣቦይ ብሩኻት ዝብል ቃል-ሕይወት የስምዓና!!!
ምሕረትን ድሕነትን ዘለዎ “ሰሙነ-ሕማማት”ይግበረልና።                                               
ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም ካብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

 

Oriental orthodox summer youth conference

Login/Register





Login
Register


2013 ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ Read More...

ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ


ብቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ ብዕለት 24/10/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ንኣምላኽ ምእማን

JavaScript is disabled!
To display this content, you need a JavaScript capable browser.

ንኣምላኽ ምእማን ብቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም (25/07/2004) ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ጾምን በዓላትን 2013

ኩሉ ኢኻ ትኽእል

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ


ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቕ

ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ስምዑ