ማእሰርቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ:- “ነቢይ ኣብ ዓዱ ከቶ ኣይከብርን ኢዩ” ዝብል ኣርእስቲ ዝጀመርክዎ ሓጺር ጽሑፍ ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቲ ኣብ ልዕሊ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ ስቕያትን ዝተወሰነ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ሞትን ዘርዚረ ኔረ። እንሆ ንሎሚ ከኣ 2ይ ክፋሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝተፈጸመ ግፍዕን፡ ዝወረዶም ኣደራዕን ብዓቕመይ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ።
ኣብ ቅዱስ ወንጌል “እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዚደልዩ ኩሎም ኪስደዱ ኢዮም። እቶም እኩያት ሰባትን መምሰልትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኪበጽሑ ኢዮም” ከም ዝበለ (2 ጢሞ 3፡12)፡ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እግዚኣብሔር እሙናት ዝኾኑ ኩሎም ነቢያት፥ ሓዋርያት፥ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ብምልኦም ብግፍዒ ተሰጊጎም፥ ተኣሲሮም፥ ተሳቕዮምን ተቐቲሎምን ኢዮም። ክርስትና ከኣ ብነጻ ትቕበሎ፥ ዋጋ እናኸፍልካ ትነብሮ መንፈሳዊ ጸጋ ስለ ዝኾነ “ወተዓገሱ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት” ከም ዝተባህለ ንሳቶም ሳላ ኣሰር ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ዝሰዓቡ እንሆ ሃይማኖት ክርስትና ንወለዶታት ዝኣክል ጸኒሑን ገና ይቕጽልን ኣሎ።ስለዚ እምበኣር “ቡርኩታ ከም ሓፍታ” ከም ዝበሃል ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስውን ከምቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ቅዱሳን ዋጋ ከፊሎም ሕድሪ እምነት ዘረከቡና ዋጋ እምነት ክኸፍሉን በጃ ክሓልፉን መንፈሳዊ ግዴታኦም ኢዩ። ምኽንያቱ ክርስትና ካብቲ መሥራቲኡ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዋጋ እናኸፈሉን ሰማዕትነት እናተቐበሉን ኢዮም ኣብዚ ደረጃ ዘሎናዮ ኣብጺሖምልና። ስለ ዝኾነ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነታ ብሕድሪ ዝመሓልኩላ ተዋህዶ እምነተይ ኣይጠልምን ካብ ግዙእ ናይ ኢድ ሰብ ካብ ጊዚያዊ ረብሓ፥ ጊዝያዊ መከራ ይሕሸኒ ስለ ዝበሉ ጥራይ ኢዮም ኣብ ጸባብ ገዛ ተዓጽዮም መከራ ዝጽግቡ ዘለዉ።
ነቢይ ኣብ ዓዱ ዘይከብር ደኣ ተባሂሉ ተነጊሩና እምበኣር ዋላኳ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዓዶም ብሰዓብቶም መንግስቶምን መከራን ማእሰርትን ይብጽሓዮም እምበር ኣብቲ ፈተናኦም ጸጋ ስለ ዘብዝሓሎም ብኣመንቲ ክርስቲያን ህዝቢ ዓለም ናይ እምነት ጅግና፥ ንፉዕ ሓዋርያ፥ ብሕይወቶም ዘለዉ ሰማዕት ተባሂሎም ዓቢ ኣድናቖትን መንፈሳዊ ክብርን ረኺቦም ኢዮም። እዞም ንዓድና በረኸት፥ ንመንግስትና ጽላል፥ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢ ክብረት ክኾንዋ ዝግባእ ዝነበረ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሰንኪ “ውዲት ሰይጣን” በቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ፈተናን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ብዙሕ መርገምን ሃየንታን ብኣምላክ ይወርደና ከም ዘሎ ልቢ ዘለዎ ሰብ ዝርእዮ ብሩህ ሓቂ እዩ። ኣብ ቅዱስ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ተረርቲ ክሳድ ድንዙዝ ልብን ዝነበሮም ኣይሁድ “ኣቦታትኩም ዘይሰጎግዎን ዘይቀተልዎን ነቢይከ እንታይ ኢዩ” ኢሉ ከም ዝሓትቶም እቶም ሓቂ ዝሓዙን ሠናይ ዝገብሩን በቶም ገበርቲ ክፉእ ክጽልኡ ግድን ኢዩ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ብዙሕ በረኸትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ከም ዘለዎምን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣቱም ሰባት እስከ ብሓቂ ህድእ ኢልና እሞ ንሕሰብ፥ እዞም ንኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይ ሐደ ገበንን በደልን ከሲሶም ዘውረድዎምን ዘእሰርዎምን ጉጅለ ዮፍታሄ ምስ ለኣኽቶም፥ ንኣቦና እንጦንዮስ ኣውሪዶምሲ መልኣኽዶ ሸይሞም እዮም? ግደ ሓቂ ክንዛረብከ ነቢይ ኣብ ዓዱ ኣይከብርን ኮይኑ ደኣ እምበር ኣብ ኤርትራ ብትሕትንኦምን ብልቦናኦምን ካብ “ቅዱስ ኣቡነ እንጦንስ” ዝበልጽ ሰብ ፓትርያርክ ኮይኑ ዘገልግልከ ኔሩ ዲዩ? እንተ ነይሩከ ስለምንታይ ሽዑ ቅድሚ ኣቡነ እንጦንዮስ ንሱ ዘይሽዮም? ኣቦና ሽሙኒ ኢሎም ኣይለመኑን። ወላኳ እቶም ከሰስቲ ዝፈጸምዎ ምጥሓስ ሕግን ጥልመትን ከቢድ እንተ ኾነ ንሓቅን ሕግን ግና ፈጺሞም ክስዕርዎ ኣይክእሉን ኢዮም።
ግናኸ ኩሉ ሥልጣን ሕርየት ካብ ኣምላኽ ስለዝኾነ ሠናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ 3ይ ኣቡነ እንጦንዮስ ብወግዒ ብ16 ጳጳሳትን፥ ብቅዱስ ፖፕ ሺኖዳን ኣብ ቅድሚ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ብወግዒ ኢዮም ተሸይሞም። ካብቶም ኣብ ጽምብሎም ዝተመስሑ ኣብ ቅብኣቶም ዝወዓሉ ሰብ ሥልጣን ሓደ እኳ “ዓገብ” ወይ “ንጋገ ኣሎና” ዝብል ካብ ሥጋውያን ወይ መንፈሳውያን መራሕቲ ኣብ ኤርትራ ዘይምርካቡ ከኣ ብጣዕሚ ዘገርምን ዘስደምምን ዘሕፍር ታሪኽ ኢዩ። እቲ ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝኣኽሉ መንፈሳዊ ኣቦ “ሃይማኖት ቀይሮም” ገለ ድማ “ገንዘብ ወሲዶም” ገለ ዓያሹውን “ንመንግሥቲ ተቋዊሞም” ወዘተ እናበልካ ስም ምጽላምን ኣብ ዘይወዓልዎ ምውንጃልን ድማ መርገምን ኃጢኣት ምውሳኽ ጥራይ ኢዩ እምበር ካልእ ዝረኸቦ ረብሓ ፈጺሙ የልቦን። እታ ሓቂ ግና ሓንቲ ኢያ ንሳ ከኣ ብሓዋርያዊ ማሕላ ዝተረከብክዋ “ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብጭዋ ዮፍታሄ ክትመሓደር ፈጺመ ኣየፍቅድን” ትብል ዓባይን ኣገዳስኒትን መንፈሳዊ ቃል ኢዩ።
እምበኣር ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም፥ ሕድሮም ዓቂቦም፥ ሓቂ ነጊሮም፥ በቲ ኣምላኽ ዝመደቦሎም ጎደና እምነት ብሰማዕትነት ክሓልፉ ኢዮም። እቶም ነዚ ኩሉ ሁከትን ምጥሓስ ሕግን ምዕናው ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኑ ሰባት ግና ወይልኦም። ካብ ኣብ ኢድ ሰብ ምውዳቕ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ዝበሃል ከኣ ከምዚ ናይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ሎሚ ፈላሲ ትማሊ ፈላሲ” ኢሎም መሪጾሞ ዘለዉ መገዲ ሓቅን ሕይወትን ሒዝካ ኣሰር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስዓብ ኢዩ። ኢየሱስ ክርስቶስውን “እንሆ ዓለም ንዓይ ተቐቢላትኒ እንተ ትኸውን ንዓኹምውን ምተቐበለትኩም ኔራ፥ ስለዚ ኣብ ዓለም ፈተና ኣሎኩም ኢዩ ኢሉና እሞ ተማሃራይ ካብ መምህሩ ኣገልጋሊ ካብ ጎይትኡ ዝዓቢ ስለ ዘየሎ (ማቴ 10፡24) ኣብ ሃይማኖታዊ ሕግናን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትናን ዋጋ ዕዳጋ ኣይንግበር ሓደራ።
“ሕጊ እንተ ረጊጽካዮ ተመሊሱ ኢዩ ዝረግጸካ" ቃል ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ






