ኣብዛ ግፍዕን ዓመጽን ዝበዝሓ ሓላፊት ዓለም በብእዋኑ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝወረዱ ግፍዕታት ካብ ብዝሖም ዝተላዕለ ስፍርን ቁጽርን የብሎምን። ናይዚ ኩሉ ግፍዕን ጭካኔን
መሠረት ከኣ ካብቲ ርጉም ሰይጣን ኣቦ ሓሶትን ምንጪ ኩሉ ኃጢኣትን ዝነቅል እኳ እንተ ኾነ ኣብ ትግባረኦም ግና ንሰይጣን ዝሕግዙ፥ ንኣሕዋቶም ዝገፍዑን ዝውጽዑን ጨካናት ደቂ ሰባት ኣይተሳእኑን። እወ ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ኩልና ደቂ ኣዳም በቲ ልዑል እግዚኣብሔር ዝሃበና ትእዛዛትን ዝኣዘዘና ሕግታትን ጸኒዕና እንተ ንጎዓዝ ኔርና፥ ኩሉ ወዲ ሰብ ምተኸባበረ፥ ዲያብሎስ ከኣ ጾሙ ምሓደረ። ግናኸ ገለ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዲያብሎስ ክሕግዙን መልእኽቱ ክፍጽሙን ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩ ምሕረት ዘይፈልጡ ሰባት ጌና ብዙሓት ኣለዉ። ከም ውጽኢት’ዩ ድማ ዓለምና ብብረትን ኵናትን፥ ብኃጢኣትን ዕንወትን ብሓዘንን ሞትን ትናወጽ ኣላ።ብኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ገለ ሰባት ከኣ ንኣምላኽ ዝፈርሑ፥ ንሰብ ዘፍቅሩ፥ ብመገዲ የማን ዝጓዓዙ፥ ብክርስቲያናዊ ሕጊ ዝነብሩ ርህሩሃት ሰባት ኣለዉ። ኣቐዲሙ እግዚኣብሔር ንኣዳም ክፈጥሮ ከሎ’ውን ኣብ ገነት ዝኣክል ጽቡቕ ቦታ ኣቐሚጡ ሠናይ ክገብርን ብሰላም ክነብርን ነጻ ዕድል ሂቡዎ ነይሩ ኢዩ። ግናኸ ኣዳም ብውዲት ቀናእ ሰይጣን ተታሊሉ ክቡር ርስቱ ኣጥፍአ።ቃየል ወዱውን ነቲ እንኮ ኃዉ ብግፍዓዊ ጭካነ ቀጥቂጡ ቀቲልዎ ኢዩ። ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሩ ድማ ኣብ ኩለን ሃገራትን ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታትን ንሕማቕ ዝዕጠቑን ብጭካኔኦም ዝፍለጡን ገፋዕቲ ሰባት ኣይተሳእኑን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እናፍቀርካዮም ዝጸልኡኻ፥ እናኣመንካዮም ዝጠልሙኻ፥ ሠናይ እናገበርካሎም ዝገፍዑኻን ሰባት ብዙሓት ኢዮም። ኣብ ምስላ ሃገርናውን “ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ” ይበሃል ኢዩ (ዘፍ 4፡8)።
ዝገፍዕ፥ ሕይወት ካልኦት የጥፍእ። ንምሸቱውን ንባዕሉ ብሕማቕ ይጠፍእ። ዝገፍዕ ንደቁ እንጌራ ይኸልእ። ብተወሳኺውን ዝገፍዕ ስሙን ታሪኹን የጥፍእ። ኩላትና ከም ንፈልጦ ከኣ ይትረፍ’ዶ ብእከለ ጠፋእኩ ምባልሲ ብእከለ ለማዕኩ ምባልውን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር ካብ ጽባሕ ንግሆ ዘጣዕስን ብሕልናን ዘኽስስን ሕማቕ ግብሪ ክንቁጠብ፥ ንኣሕዋትና ይኹን ንዝኾነ ሰብ ካብ ምግፋዕን ምውጻዕን ክንክልከል ግቡእ ኢዩ። ኣቦና ዳዊት “ግፍዖሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍዑኒ፥ ጽብኦሙ እግዚኦ ለእለ ይጸብኡኒ” (መዝ 35፡1) ክብል ከም ዝጸለየ ገፋዒ ድማ ደቂሱ ክሓድርን ብቕሳነት ክነብርን ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዛዕባ እዚ “ኣታ ዝዘመተካ ዘይብልካ እትዘምት፥ ኣታ ዝጠለመካ ዘይብልካ እትጠልም ወይልኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ ክትዝመት፥ ምጥላም ምስ ወዳእካ ኺጠልሙኻ እዮም እሞ ወይልኻ።” (ኢሳ 33፡1) ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ እቲ ጊዜ ኣሎኒ፥ ወይ ኃይሊ ኣሎኒ ኢሉ ዝገፍዕ ድማ መግፋዕቲ ከም ዝወርዶን ክዝመት ምዃኑን ክስሕቶ ኣይግባእን። ምኽንያቱ “ንኹሉ ዘዘመኑ ስለ ዘለዎ።
ኣቦታትና ክምስሉ “ኢድ ሰራሒት፥ ጸናሒት” ይብሉ። ከምቲ ሓደ ሊቅውን ዝቀነይዎ (ዝገጠምዎ) “ኢይተርፍ ግፍዕ ለእመ ጎንደየ፥ እስመ እስራኣኤል ለፈርዖን ኣጾሩዎ ማየ” ትርጉሙ “ገፋዒ ወላ እንተ ደንጎየ ኣይተርፎን ኢዩ። ህዝቢ እስራኤል እኳ ነቲ ዝገፍዖም ፈርዖን ኣብ ባሕሪ ከም ዝጥሕል ጌሮሞ ኢዮም” ዝብል ረዘን መልእኽቲ ኣለዎ (ዘጸ 15፡19 ርአ)። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን “እንሆ ኣብ ዓለም ፈተና ኣሎኩም” ኢሉ ኢዩ ነጊሩና እምበር ፈተና ከርሕቀልና መብጽዓ ኣይኣተወልናን። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ “ሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና፥ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (1ጴጥ 4፡15)።
ስለዚ እምበኣር እቲ ኣብዛ ምድሪ ዓለም ዝገጥመና ቀሊልን ፈኵሽን ጸበባና መዘና ዘይብሉ ሰማያዊ ኣኽሊል ክብሪ ከም ዘውርሰና ፈሊጥና ብእዋን ጸባብን ግፍዕን ብእምነትና ጸኒዕና ብተስፋ ክነብር ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ሓዋርያ ጳውሎስውን “እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዚደልዩ ኩሎም ኪስደዱ እዮም። እቶም እኩያት ሰባትን መምሰልትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኪበጽሑ እዮም። ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (2ጢሞ 3፡12-14)።
እምበኣርከስ ከምቲ “ኦ ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ?” ተባሂሉ ብኣምላኽ ዝተሓተተ፥ ንሕናውን ኣበይ ከም ዘሎና ስፍራና ከነነጽር ኣገዳሲ ኢዩ። ሎሚ ኣብዛ ምድሪ ዓለም ቦታና ኣበይን ምስ መንን ከም ዘሎና ብግቡእ እንተ ደኣ ተረዲእና ከኣ ጽባሕ ኣብታ ትመጽእ መንግሥቲ ኣምላኽ ቦታና ኣበይ ምዃኑ ብሓቂ ኣይክንስሕቶን ኢና። ምኽንያቱ እቶም መሓርቲ ደቂ እግዚኣብሔር ምስ እግዚኣብሔር ክነብሩ፥ እቶም ጨካናት ገፋዕቲ ሰባት ድማ ምስቲ ገፋዒ ዲያብሎስ ዝዘርእዎ ክዓጽዱ ምዃኖም ኣቐዲሙ ተነጊሩና ኢዩ። ስለዚ “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ክፍረደኩም፥ ብዝሰፈርኩምዎ መስፈር ክስፈረልኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፈረዱ” ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ምእንቲ ክንመሓር ንሕድሕድና መሓርቲ ደኣ እምበር ገፋዕቲ ኣይንኹን።
ኣምላኽ ብሕድሕዳዊ ፍቕርን ርሕራሔን ክነብር ጸጋኡ የፍስሰልና!!!
ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት






