www.tewahdo.org

 
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ቤተ ክርስትያን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ሓደ ካህን 13 ዲያቆናት ቀቢኦም

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ሓደ ካህን 13 ዲያቆናት ቀቢኦም

E-mail Print

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝገበርዎ መንፈሳዊ ዑደት ኣዝዩ ዕውት ከምዝነበረ፣ ብረዲኤት አምላኽ ብዙሓት ኣገልገልቲ ባሪኾም ንምእመናን ድማ መንፈሳዊ ማዕዳን ምጽንናዕን

 ሂቦም። አብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት (ሰነ 16-17፣ 2012) ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፣  ንዲያቆን ተኽሊት ካህን ሽኖዳ ብዝብል መዓርግ ክህነት ቀቢኦሞ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ 13 ሰባት ብመንፈሳዊ መዓርግ  ዲቁና (ካብ መዓርግ ዘማሪ ክሳብ ዲቁና) ክቅብኡ ኮለዉ፡ ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ባሪኾም።

በዚ መሠረት ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝርከባ አብያተ ክርስቲያን

  • ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ማንቸስተር ሽዱሽተ ኣገልገልቲ ዲያቆናት፣
  • ኣብ ቅድስት ማርያም ሎንዶን: ሓደ ካህን (ቀሺ ሺኖዳ) ሓደ ድማ ዲያቆን:
  • ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ በርሚንግሃም ሽዱሽተ ዲያቆናት ቀቢኦሞ፣ ኣብ ቅድስት ማርያም ሽፊልድ ድማ ምእንቲ ሰማዕታት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ምስ አካየዱ፡ ንምእመናን መጸናንዒ ዝኸውን መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣቕሪቦም።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ናይ እንግሊዝ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሰራፊም ተራኺቦም፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ'ውን ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብናይ ኤውሮጳ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ተኽለማርያም ምርካጽዮን ተሰንዮም፣ ኣብ ምሉእ ሃገር እንግሊዝ ዝገብርዎ ዑደት፣ ምስ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት መራሕቲ ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘትዮም። ወሪድዋ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕን ግፍዕን አዘኻኺሮም፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ወሪዱ ዘሎ መዘና ኣልቦ ግፍዒ ድማ ኩሎም ብጸሎትን ምህልላን ክዝክርዎም ተላብዮም።

ረዲኤት አምላኽ ኣባና ይብዛሕ

ጸሎትን ቡራኬን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስንን ኣቡነ መቃርዮስን ምስ ኩልና ይኹን።

 

Oriental orthodox summer youth conference

Login/Register





Login
Register


2013 ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ Read More...

ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ


ብቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ ብዕለት 24/10/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ንኣምላኽ ምእማን

JavaScript is disabled!
To display this content, you need a JavaScript capable browser.

ንኣምላኽ ምእማን ብቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም (25/07/2004) ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ጾምን በዓላትን 2013

ኩሉ ኢኻ ትኽእል

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ


ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቕ

ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ስምዑ