www.tewahdo.org

 
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ጉባኤ Conference

ዓመታዊ ጉባኤ 2012

E-mail Print
Article Index
ዓመታዊ ጉባኤ 2012
Annual Conference 2012
ዝርዝር መደብ
Hotel info
All Pages

መሪሕ ጥቕሲ:ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ(ሮሜ 12፥12) 
መበል 14 መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብሰላም ተዛዚሙ 
ገለ ካብቶም ኣብ መበል 14 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተዋህቡ...
ሓበሬታ ንምእመናን ብዛዕባ ዓመታዊ ጉባኤ 2012
ዝርዝር መደብ ዓመታዊ ጉባኤ 2012
Annual Conference 2012
Hotel information

For transportation, please Contact Dn. Tsehaye (404)784-7764 or Dn. Samuel (770)842-7561


መበል 14 ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፥ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት

ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሎሚ ዓመትውን “ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ” (ሮሜ 12፥12) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ መንፈሳዊ ጥቕሲ ኣብ ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ዕለት 1 ክሳብ 5 ነሓሰ 2012 ኣ.ፈ ክካየድ ኢዩ።

ኣብዚ ዓመት መጸ ዝግበር መንፈሳዊ ጉባኤ ናይ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናንን ውሉደ ክህነትን፥ ከምቲ ልሙድ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት ኣብ ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ብምዕሩግ ኣገባብ ንኽካየድ ብምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤን ብኽፍሊ ትምህርትን ስብከትን ሰፊሕ ምዳላዋት ይግበረሉ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎም ካብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝመጹ ኣቦታት ውሉደ-ክህነት፥ ካብ ኩለን ስቴታት ኣሜሪካ ዝሳተፉ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፥ መምህራን ትምህርቲ ሰንበት፥ ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅን ካልኦት ናይ ክብሪ ዕዱማት ኣጋይሽን ክሳተፉ ኢዮም።

እምበኣር ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃይማኖትና ብግቡእ ክንፈልጥ፥ ብዛዕባ ድኅነትን መጻኢ መደባትን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ሓቢርና ክንዝቲ፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወትናን ሕይወት ደቅናን ንሕድሕድና ክንመኻኸር፥ ብሓፈሻ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ እዩ” ሮሜ 10፡ 17 ከም ዝበለ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤውን ብዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ዝተዳለዉ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራት፥ መደብ ሕቶን መልስን፥  ከምኡውን ብጸሎተ ነግህን ጸሎተ-ሰርክን ዝተሰነየ ምህለላን፥ ኣብ መዛዘሚ ከኣ ብሓባራዊ ጸሎተ ቅዳሴን ክፍጸም ኢዩ።

ዘሎናዮ እዋን ብሓቂ መንፈሳዊ ተስፋ ዘለዎን ብትዕግሥቲ ንእግዚኣብሔር ዝጽበን ጥራይ ኢዩ ካብዛ ሁከትን ሻቅሎትን፥ ባእስን ክስታትን ዝበዝሓ ሓላፊት ዓለም ዝኾነ ኣማኒ ሰብ ሃዲኡ ምስ ኣምላኹ ክነብር ዝኽእል። ስለዚ ከኣ ኢዩ “ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ” ዝብል እዋናዊ መልእኽቲ ዝተመርጸ። ስለዚ እምበኣር ኩልኹም ጉዱሳት ኦርቶዶክሳውያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደብኹም ኣወሃሂድኩም ምስ ስድራ ቤትኩም ኣብዚ መንፈሳዊ ጉባኤ ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።

ናይ መጎዓዝያ፥ ሆቴል፥ መግብን ካልእን ዘድሊ ዝርዝር ሓበሬታን ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን ዝወሃብ መብርሂ ኣብዚ ተኸታተሉ።

ልዑል እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያናን ህዝብናን ባሪኹ፥

ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ሓዋርያዊ በረኸትን ኣሳልጦን ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ!

ክፍሊ ትምህርትን ስብከት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ



 

Oriental orthodox summer youth conference

Login/Register





Login
Register


2013 ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ Read More...

ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ


ብቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ ብዕለት 24/10/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ንኣምላኽ ምእማን

JavaScript is disabled!
To display this content, you need a JavaScript capable browser.

ንኣምላኽ ምእማን ብቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም (25/07/2004) ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ጾምን በዓላትን 2013

ኩሉ ኢኻ ትኽእል

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ


ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቕ

ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ስምዑ