S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቃል ርትዒን ምሥክርን፡
ጥርዓን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኃየንታን ውሉደ-ሰብ ዝግህስ ሕሱም ጭካኔን -፡ ማእከላይ ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዓለም-ለኸ ማሕበር-ክርስትና፡ (World Council of Churches)

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ እታ መንፈሳዊት ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ሕስረትን ጥርዓን ሰሚዓ። እዚ ኸኣ እቲ ሰብ-ስልጣን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቦም ዘውርዱዎ ዘሎው ጭካኔን ጭቆናን እዩ። እቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ኸኣ ቀጻሊ ብዝይምቍራጽ ዘጥቅዕ ማህሰይቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ንምሉእ ዓለም ዘሕዝን ህዝባዊ መዓት ኮይኑ፡ ኣሎ። እዚ ኸኣ ካብ’ቲ ዘስካሕክሕ ሕሰም ከምልጡ መንእሰያት ኤርትራ ዓቕሎም ጸቢቡዎም ሃጽ ኢሎም ካብ ኢድ ሕሰመ-መንግሥቲ ክሃድሙ ዝምኰርዎ ዘሎዉ ተሓዋሲ ጭንቂ ኣብ ልዕሊ ጭንቂ ዘይከሓድ መግደራ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ናጽነት ዜጋ የለን። ክቱር ዘየቋርጽ ንሕስያ ዘይብሉ ወርደተ-ሰብእነት ይቕጽል ኣሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩን መሬቱን ናጽነት ስኢኑ ይሳቐን የሕለሉን ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ይገሃስ ኣሎ። ናጽነት ተሓሪሙዎ፡ ኣብ ዝኸፍአ ጭቆናን ውርደትን ይርከብ። ብሃንደበት ምእሳር፡ ምሕያር፡ ሃለዋት ሰብ ምጥፋእ፡ ዝተኣስሩ ምስ ስድራቤቶም ኮነ ኣኽበርቲ ሕጊ ኸይራኸቡ ምኽልካል፡ ብመን-ገብሮ ሃለዋት ሰብ ምሕቃቕ፡ ዝተጠርተሩ፡ ገበን ዘይፈጸሙ ምእሳርን ምቕጥቃጥን ገኒኑ ይርከብ።

ናይ ዜናን ወረን፡ ማዕከናት ብኣመሓደርቲ መንግሥቲ ስለ ዝተገበተ፡ ብውልቀ ሰብ ዝመሓደርን፡ ብሓቅነቱ ዝእመን ናይ ወረን ዜናን መተሓላለፊ ኣብ ኤርትራ ከይምስረት ክልኩል እዩ። ከምኡውን ኣብያተ ፍርዲ ብናጻ ፍትሒን ፍርዲን ክፍጽሙ ክልኩላት ስለ ዝኾኑ፡ ቅኑዕ ብይን ሓቅኛ ፍርዲ ኣብ ኤርትራ ኣይዝውተርን እዩ። ብዛዕባ ሃገሮም ተማይጦም ጥቕሚ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝዝትዩሉን ዝማጎትሉን ናይ ባይታ ውድብ ስለ ዝተኸልከለ፡ ኤርትራውያን ናይ ጉዳይ ሃገር ዝዝትያን ዘስተዋህዳን ማሕበራት ህዝቢ ከየማዕብሉ ክልኩላት እዮም። ኤርትራውያን ተኣኪቦም መሰሎም ከድምጹ፡ ኣብ ኣደባባይ ተጋቢኦም ከኣ ስምዕታኦም ከብርሁ ዝኽእሉሉ ዓውዲ-ዘተን ሓሳባት ምልውዋጥን ከየርግኡ ከየጽድቑን ክልኩላት እዮም። ንመሰል ሰብ ዝከላኸሉ ሕሰምን፡ ሃየንታን፡ ጭካኔን ግፍዒን ማህሰይቲን ርእዮም ወይ ሰሚዖም ዝምስክሩን ዝጠርዑን ተሓለቕቲ ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ከይምስረቱን ከይቆሙ ክልኩላት እዮም። ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ዓለም ኣብ ኤርትራ ኣትየን ቅልጡፍ ረዲኤት መግቢን፡ ፈውሲን፡ ዘድልዩ ካልኦት ሓገዛትን ንህዝቢ ኤርትራ ከይህባ ክልኩላት እየን። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜትን ብዓጸባን፡ ስለ ዝተጨቆነ፡ መግቢ ብዕቅን፡ ይበልዕ እሞ፡ ምስ ጥሙይ ከብዱ፡ ሕሙም ኣካላቱ፡ ተጸሚሙ ቀስ ብቐስ ህዝቢ ይሃልቕ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ተልእኮ ብናጽነት ምስጋድን፡ ምጽላይን፡ ምስትምሃርን፡ ምስፍሕፋሕን ብመንትሥቲ ክልኩል እዩ። ኣመሓደርቲ ኤርትራ ነቶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተቐብኡ ናይ ሃገሮም ዝለዓለ መንፈሳዊ መዓርግ ለቢሶም ንሃገሮምን ንህዝቦምን ንህዝቢ ኣፍሪቃን ብርሃን ዝኾኑ ፓትርይርክ ኣንጦንዮስ ንመፎር ቤተ ክርስትያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ማህሰይቲን ዓመጽን መስጐጕቲን ኣሕዚኑዎም፡ ሰለስተ ቅቡኣት ካህናት ናይ መድኃኔ ኣለም ምስ ዝተኣስሩ፡ ኣቤት ኣቤት ኢሎም ስለ ዝተወሙ፡ መግሥቲ ኤርትራ መዓርጎም ደፊሩ፡ ኣብ ቤት ማሕየርቲ ተዳጒኖም ኣሎዉ።

እብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓለም ዝመስከሮ መስካሕኽሒ ህልቂት ናይ 358 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ላምፓዱሳ ብምስማዕና ክፋል ናይ ግፍዒ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ተገንዚብና ብዙሕ ሓዚንና ኣሎና። ጠንቂ ናይ’ዚ ህልቂት እዚ እቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ፡ ጭካኔን ንሕሰያ ዘይብሉ ሕሰም ናይ መንግሥቲ ኤርትራ እዩ። ኣብ ዓዶም ተሓሪሙዎም ዘሎ ናጽነትን ሓርነትን ዓቕሎም ኣጽቢቡሎም መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓደጋን ኣደዳን ወዲቖም። ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ዝወረዶም ጭቆና ክሃድሙ ኣብ ኢድ ሕሱማት ወዲቖም ኣብ ምድሪ ግብጺ ንምሻጥን ምልዋጥን፡ ማህረምትን፡ ተጓኒፉዎም። ናይ ምንዝዒት ገንዘብ ኣምጽኡ እናበሉ እቶም ዝጨወይዎም ካብ ኣዝማዶም ታእላው ዘይብሉ ዕርቡን-ሰብ ይሓቱ ኣሎው። ግህሰት ደናግል ኤርትራ ኣብ ባዕዳውያን ኣብ ናይ ስደት ጉዕዞአን ይጓነፈን ኣሎ። ወዘራዝር ኤርትራ ብባዕዳውያን ቀምሸን ተቐሊዑ፡ ቅናተን ተፈቲሑ፡ ተጋሂሱ፡ ሰብእነተን ተመራኺሱ፡ ኣብየት ዝብለለን ስኢነን። መንእሰያት ኤርትራ ዓቕሎም ጸቢቡዎም፡ ዑቕባ ደልዮም ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤርትራን ክዅብልሉ ንህይወቶም ዘስግእ ሓደጋን ጠብኢን እናኣጋጠሞም ካብ ዓደ-ቦኦም ይነፍጹ ኣሎዉ። ነዚ ግፍዒታት እዚ ብምግንዛብ፡ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳት ናይ መንፈሳዊ ሓላፍነት መሰማዕታን ኣቤቱታን ብግንቦት 25, 21014 ኣውጆም። እዚ እዋጅ እዚ ኸኣ እዛ ናይ ኤርትራ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ብምሉእ ልባ ትድግፎ እያ።

ከምኡ እውን ማእከላይ ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዓለም-ለኸ  ማሕበር-ክርስትና፡ (World Council of Churches) ኣብ ከተማ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ብዕለታት 2-8 ሓምለ 2014 ኣብ ዝገበርናዮ ጉባኤ ነዘን ዝስዕባ ናይ ስምዒትን ምሕጽንታን ንእውጅ እሎና።

. ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ ዘነውርን ክብረት ሰብ ዘሕሥር ግፍዒን ብምብዝሑ፡ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ከኣ ናይ ሕሱም ጉድኣት ኣስዒቡ ብምህላዉ፡ ብዙሕ ሓዘንናን ሠሃሮ ልብናን ንመንግሥቲ ኤርትራ ንገልጽ ኣሎና። መወዳእታ ኣሎዎ ኢልካ ጣልቃ ሕሰሙን ጭካኔኡን ዘዕርፈሉ ጊዜ ክመጽእ ኢልካ ተስፋ ዘይርከቦ ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ውርደት ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ትካዜ ልብና ድንጋጼናን ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን እና ኣሰማዕና ኣቤት ኣቤት ንብል ኣሎና።

. ናይ ንሡሕ ልብናን ናይ ንጹህ ሕልናና ዘንቀሎ ናእዳን፡ ምስጋናን፡ ምርቓን ንናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳት ነበርክተሎም ኣሎና። ንምሉእ ዓለም ኣውያትን ብኽያትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘርድኡ ከነምስግኖም ንደሊ።

ሐ. ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘሎዋ ናይ ሕብረተ-ዓለም ጠርናፊት ጉባኤ ኣባላት ዝኾና ኣብያተ ክርስትናት፡ ነቶም ንጹሃት ዜጋታት ጨወዮም ኣብ ሲናን ኣብ ፈቐዳኡ ምድረበዳን ዘጋፍዑ ዘለዉ ተሓባቢረን ክቃወምኦም ጻውዒትና ነስምዐን ኣሎና።

መ. ኣብ ጎድኒ ቅዱስን ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ጠጠው ቢልና፡ ሕብረትና እናገለጽና፡ ንሶም ከኣ -  ኣቦ-ህዝቦም፡ ደጀን ቅድስቲ ቤተክርስታን ዓደ’ቦኦም ኾይኖም ብቕብኣቶምን ብመዓርጎምን ንህዝቢ ኤርትራ ግርማ፡ ንቤተ ክርስትያን-እግዚኣብሄር ከኣ ኣርማ ክኾኑ ዝተቐብኡ ምስ ትብዓት እምነቶምን ጽዕግንቲ መንፈሳዊ ገድሎምን ንካፈል ኣሎና።

ሠ. ንመንግሥቲ ኤርትራ ኸኣ ልመናና ነቕርብ። ንቕዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲን ማሕየርቲን ናጽነቶምን፡ ክብረቶምን ይጸገነሎም። ክገሹ፡ ንመፎር ቤተ ክርስትያኖም ክቋመቱ ዝተዘምተ ናጽነቶም ይመለስ።

ረ. ንመንግሥቲ ኤርትራ ኸኣ ደጊምና ልመናና ነቕርብ። ንሱ ኸኣ ንዝተኣስሩ ኤርትራውያን፡ ብዘይ ኣበር፡ ብጥርጠራ፡ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ንጽህናኦም ዝትክእ ናጽነቶም ክመልሰሎም፡ ልመናና ነቕርብ።

ሰ. ብዘይ ገበን ምእሳር፡ ንኽጥርጠሩ ዝተኣመቱ ብጥርጣሬ ዝኣክል ዝገበሩዎ ዘይብሎም፡ ብይኸውን፡ ብበለካ በለካ ውሉዳት ኤርትራ ይቕየዱ ስለ ዘሎዉ ከቢድ ሰሃሮ ኣብ ልብና ሓዱሩ ኣሎ። ከቢድ ኣርዑት ሓጺን ካብ ክሳድ ኤርትራ ከውርድ፡ ፍትሒን ፍርዲን ከኣ ብሓቅነት ክተኻኸል ነማሕጽን ኣሎና። ንኤርትራውያን ብመን-ገበሮ ዘሪፍካ ሃለዋቶም ምጥፋእ፡ ምስ ሰብ ክይራኸቡ ኣብ ድበትን ድቕዽቕን ምሽጓር መንግሥቲ ኤርትራ ክገድፎ ንልምን ኣሎና።

ቀ. ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓለምለኸ ብልዕልነታ ተወኪላ ዝኣቶወቶምን ዝኸተመቶምን ቃል ኪዳን ናይ መሰል ውልደ-ሰብ ምሕላው ጽኑዕ ቃል ሃገር ኣስሚዓ እያ። ተኽብሮ። ኣብ ኣፍሪቃ ኸኣ ብራና ናይ መሰል ውልደ-ሰብ፡ ናይ ህጻናትን ቆልዑን መሰል ይተሓሎ ዝብል ዓንቀጻት ስለ ዝፈረመት፡ ሃገረ-ኤርትራ ዝመሓለትሉ ቃል ኪዳን ከተኽብር፡ ናይ ሃገርነታ መሰል ይጸገነላ.። ፍረ ናይ እቶም ዝፈርመቶም ዓንቀጻት ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ይለገሰሎም።

Statement on the state of human rights in Eritrea

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div